ኣቦ ምዕራባዊ ፍልስፍና
ተኪአ በየነ ኣብ ዝተርጎማ ሶፊያ እትብል መጽሓፍ ምስ ክርስቶስ የመሳስሎ እዩ።ኣብ ዘመኑ ከም ዘይፈልጥ ብምፍላጡ ኣብ ኣቴንስ እቲ ኣብ ዓለም ዝለበመ ሰብ ዝብል ክብሪ ክረክብ በቒዑ።እዚ ብደጋዊ ትርኢቱ ከም ዘይምልኩዕ ዝቑጸር፡ተርባብ፡ገዚፍ ርእሱ፡ጠዋይ ኣፍንጭኡ፡ሓጺር፡ በራሕ ጥራይ እግሩ ኣብ ኣደባባያት ኣቴንስ እናዘረ ምክታዕ ዝብርሆ ዝነበረ ሰብ መን ይኸውን ትብሉ?ብርግጽ ንሎሚ ምስቲ መስራቲ ምዕራባዊ ፍልስፍናን ሓደ ካብ መስረትትን ጸለውትን ሰባት ኣብ ዓለመ ፍልስፍናን ዝነበረ ሶቕራጠስ ከነላልየኩም ኢና ምሳና ጽንሑ።ቅድሚኡ ግን በብግዚኡ እንዝርግሖም ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ፍልጠት ዘተኮሩ መደባትና ንምክትታል ሳብስክይብ ኣይትረስዑ፡ሰናይ ምክትታል።
ሶቕራጠስ ኣብ መልክዕን መጋየጽን ይግደስ ኣይነበረን።ንሱ እንኮ ዝግደሰሉ ነገር ሓንጎሉ ጥራይ እዩ።እዚ ድማ እዩ ጀማሪ ናይ ስነ ሓሳብ ሰውራ ዘብሎ።ሶቕራጠስ ዘበገሶ ሰውራ ብሓደን ብርቱዕን መሳርያ ጥራይ እዩ ንግሪኽ ኣንቀጥቂጡን ለዊጡን።ንሱ ድማ ሕቶ እዩ።ጥንታውያን ግሪኻውያን ኣብ ግዚኦም ካብቲ ንዘበናት ዓብሊሉ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦታት ውጽእ ኢሎም፡ንነገራት ኣብ ልዕለ ባህራውያን ሓይልታት ዘይኮኑ ኣብ ምኽንያት ወይ ሪዝን ክደልይዎም ጀሚሮም ነበሩ።ንኣማልኽትን መናፍስትን ከም መግለጺ ኩሉ ነገር ስለ ዘይረኣይዎም ድማ እዩ፡ ንምንቅስቓስ ወርሕን ከዋኽብትን ኣብ ስነ ቁጽርን ርትዕን ተሞርኪሶም ክቕምርዎም ዝኸኣሉ።እምበኣር ኣብዚ ግዜ እዩ ስነ ፍልጠት ወይ ሳይንስ ዝተወልደ።ሓደ ካብ ጥንታውያን ስነ ፍልጠተኛታት ዝኾነ ግሪኻዊ ታሊስ ኣብ እዋን ጉዕዞ ባሕሪ ብከዋኽብቲ ተሞርኪስካ ኣንፈትካ ትፈልጠሉ መጽሓፍ ጽሒፉ ነበረ።በዚ ከይተሓጽረ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ቁመት ናይ ሓደ ነዊሕ ፕራሚድ ክዕቅን ተሓተ እሞ፡መጀመርያ ጽሓይ በሪኻ ጽላሎቱ ማዕረ ቁመቱ ዝበጽሓሉ ሰዓት ድሕሪ ምጽናዕ፡ብተመሳሳሊ ሰዓት ቁመት እቲ ፒራሚድ ብልክዕ ካብ ጽላሎቱ ክዕቅኖ ከኣለ።ሶቕራጠስ ግን ንምኽንያት ወይ ሪዝን፡ ንከዋኽብቲ፡ባሕሪ ወይ ገነት ንኸጽንዓሉ ኣይተገደሰን።ንሱስ ምኽንያታውነት ተጠቂሙ ባህርያት ደቂ ሰባት እዩ ከጽንዕ ፈቲኑ።ነታ ኣብ ግዚኣ ልዕሊ 150 ሽሕ ተቐማጦ ብምሓዝ ሓንቲ ካብ ዝዓበያ ከተማታት ዓለምና ዝነበረት ኣቴንስ ከም ቤተ ፈተነ ብምውሳድ ድማ ኣብ መንገዲ እናዞረ ምስ ዝረኸቦ ሰብ ከውግዕ፡ክሓትት፡ክምልስን ክካታዕን ይውዕል ነበረ።
ደቂ ዓዱ ከም ንቡር ዝወሰድዎም ነገራት፡ሕማቕን ጽቡቕን፡ ጌጋን ቅኑዕን ኢሎም ፍርዲ ንዘቐመጥሎም ልምድታት ሶቕራጠስ ብሕቶታቱ በድሆም።ሶቕራጠስ ንነብስወከፍ ትህቦ ፍርዲ፡ትኽተሎ እምነት ወይ ትህቦ መደምደምታ ብገዛእ ርእስኻ መርሚርካን ተረዲእካን ክትውስን ኣለካ ይብል ነበረ።ንሶቕራጠስ እዚ ስነ ሓሳብ ‘‘ውልቃዊ ናጽነት’’ ናይ ህይወት መትከል እዩ ኔሩ።ሶቕራጠስ ግዚኡ ኣብ ክትዓት ከሕልፎ እንከሎ፡ከተምኡ ኣብ ኲናት ነበረት።

ስፓርታውያን ንኣቴንስ ወሪሮም ኣብ ከበባ ብምእታው ኣብ ወሰናስን ናይታ ከተማ ዝነበረ ናይ ሕርሻ ቦታታት እናቃጸሉ፡ብፍርሒ ተጎቢኦም ዝነበሩ ኣቴናውያን በሪ ከተምኦም ዓጽዮም ኣብ ግምብታት ኮይኖም ግራውቶም ክቃጸል ብርሑቕ ካብ ምዕዛብ ወጻኢ ምርጫ ኣይነበሮምን።እኽልታቶም ብምህማኹ ብዙሕ ኣይዓጠጦምን ምኽንያቱ እተን ካብ ርሑቕ ቦታታት ዝመጻ ዝነበራ ጀላቡ ዘድሊ የእካል የምጽኣ ስለ ዝነበራ።ሓደ ዓመት ድሕሪ ከበባ ኣቴንስ ግን እተን መራኽብ መግቢ ጥራይ ዘይኮነ ምስአን ካልእ ዘይተፈልጠ ጽዕነት ሒዘን መጻ፡ለበዳ።ምስ ምዕጻው ናይታ ከተማ ሳዕቤን ናይቲ ለበዳ ዘስካሕክሕ ኮነ።ሰባት ከም ቆጽሊ ረገፉ፡እቲ ለበዳ ወላ እውን ንመራሒ ናይታ ከተማ ፐረኪሊስ ኣርከበሉ።ኣብቲ እዋን ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ናይታ ከተማ ሞተ።ምስ ምሟት ናይ መራሒኣ ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ውድድርን ኣብ ኣፍደገ ከተማ ዓሪዱ በራ ከም ትዓጹ ዝገበራ ወረራ ስፓርታውያንን ኣቴንስ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣተወ።ስርዓተ ዴሞክራሲ ንባዕሉ ኣሉታዊ ሸነኹ ጎልሐ፡ፍልልይ ሓሳባት ኣብ መንጎ ዜጋታት ንሂሩ፡ኣቴንስ ኣይኮነን ውግእ ክትገጥም ነብሳ ክትክእል እኳ ዘጸግማ ከተማ ተቐየረት።ካብዚ ዕግርግርን ዘንጸላለዋ ናይ ጥፍኣት መንገድን ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ከድሕና ዝኽእል ኔሩ፡ሶቕራጠስ።ህዝቢ ሓላፍነት ናይቲ ዝሰዓበ ተደጋጋሚ ሽግራት ናብቶም ጀነራላት ኣጸጊዑ ንኽቕተሉ ጸውዐ፡ሶቕራጠስ ኣንጻር እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ምቕታል ናይቶም ጀነራላት ተቓወመ።እንተኾነ ሓደ ሶቕራጠስ ኣንጻር ምሉእ ህዝቢ ክዕወት ከቢድ ብምንባሩ ህዝቢ ጸላእቱ ኣብ ኣፍደገ ዓዱ ዓሪዶም ከለዉ ንጀነራላቱ ብስሚ ክቕተሉ ፈረደ።ፖለቲካዊ መሪሕነታ ዝተኸፋፈለ፡ጀጋኑኣ ዝቐተለት ኣቴንስ ጉዕዞ ንቑልቁል ተተሓሓዘቶ።ኩናት ካብ ዝግብኦ ግዜ ንላዕሊ ወሰደ፡ኣቴናውያን ዓቕሎም ክጽንቀቕ ጀመረ።ኣብ መላእ ግሪኽ ዝሓየሉ ህዝቢ ምዃኖም ከረጋግጹ ነበሮም።ነዚ ንምትግባር ካብ ወረራ ስፓርታውያን ከድሕንዋ ንዝሓተተቶም ሲሲሊ ክሕግዙ ወሰኑ።እዚ ዘይተኣደነ ጸጋታት፡ወተሃደራትን፡መራኽብን ዝሓትት ነበረ።ኣቴንስ ዘለዋ ጸጋታት ኩሉ ኣውፊራ ኣብ ኣፍደገ ገዝኣ ዝነበረ ጸላኢ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኹ ንኽትወግኦ ናብ ሲሲሊ ነቐለት፡እንተኾነ እቲ ወፍሪ ከም ዝተመደቦ ክኸይድ ኣይከኣለን፡ረዳት ድሕሪ ረዳት ተላእኩ።ኣዋርሕ ብዘይ ደሃይ ሓለፈ፡ኣብ መወዳእታ ወረ ናይቲ ዘሕፍር ስዕረት ዜጋታታ ናብ ኣቴንስ በጽሕ።ልዕሊ 50 ሽሕ ኣቴንሳውያን ኣደዳ ሞትን ምርኮን ኮኑ፡ብዘለዋ መራኽብ ዓነዋ፡ኣብ ጥንታዊት ዓለም ሓደ ካብቲ ዘሕፍር ስዕረት ኮይኑ ተመዝገበ።ነዚ ዘጋጠመ ስዕረት ተገንዚቦም ኣበየ ቦትኡ ዝነበሩ ጸላእቲ ኣቴንስ ከዕንውዋ ወሰኑ፡እቶም ቅድሚ 50 ዓመት ብኣቴንሳውያን ዘሕንኽ ስዕረት ዝቐመሱ ፐርሽያውያን ሕነኦም ዝፈድይሉ ሰዓት ከም ዝኣኸለ ደምደሙ።
ናብ ስፓርታውያን መጽዮም ድማ ኪዳን ሓተቱ።እቶም መራኽብ ዘይነበሮም ስፓርታውያን ብሓገዝ ፐርሽያ መራኽብ ክረኽቡ ዘኽእል ዕድል ስለ ዝተፈጥረ ነቲ ዕድል ብሓጎስ ተቐበልዎ።መራኽብ ኣቴንስ ኣብ ሲሲሊ ዓንየን ስለ ዝነበራ ስፓርታውያን ንወደባት ኣቴንስ ክዓጽዉ ምቹእ ዕድል ረኸቡ።እተን ካብ ግብጽን ካልኦት ግዝኣታት ኣተንስን እኽሊ ጽዒነን እናመጻ ንኸተማ ኣቴንስ ዝቕልባ ዝነበራ መራኽብ መሕለፍ መንገድን መዕረፊ ወደብን ሰኣና፡ኣብ መወዳእታ ኣቴንሳውያን ብጥሜት ክስነፉ ጀመሩ።ኣቴንስ ገጻ ናብ ኣምልኽታ ሓቲታ ጸለየት፡ኣማላኽታ መልሲ ኣይነበሮምን።ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ጎብለል ግሪኽን ዓለምን ምዃና ርግጸኛ ዝነበረት ከተማ ኣብዚ ሰዓት ጥሜት፡ለበዳን ኲናትን ተበራርዮም ገረፍዋ።ኣብ 404 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቴንስ ከይፈተወት ናብ ስፓርታ ተምበርከኸት።ላይሳንደስ ኣዛዚ ስፓርታውያን ንኣቴንሳውያን ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎም ወሰነ፡መጀመርያ እቲ ነታ ከተማ ከምዘይትድፈር ዝገብራ ዝነበረ ጽኑዕ ናይ መንደቕ ሓጹር ክፈርስ ጠለበ።ብዘይካ 12 መራኽብ ካልእ ዘሎ መራኽባ ከተዕኑ ተሓተት።እዚ ነቲ ኣብ ባሕሪ መዲተርያንያን ዝነበረ ዕብለላ ኣቴንስ ብዓቢኡ ድማ ንንግስነት ኣቴንስ መደምደምታ ኮነ።ሕፍረትን ስዕረትን ዝኸበዶም ኣቴንሳውያን ነቲ ዝወረዶም ጽሑፍቶ ተሓታቲ ክደልይሉ ግድን ነበረ።ንልቦንኦም፡ናይ ምውራር ሕልሞም፡ባህሎም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ሰብ ዓስቡ ክረክብ ነበሮ።

ኩሎም የእዳዎም ናብ ሶቕራጠስ ኣወጣወጡ።ንሕብረተሰቡ ዝወስዶም ውሳነታት ክምርምር ብምሕታቱ፡ከም ኩሉ ዜጋ ንነገራት ብዕዉር ዓይኒ ኣሜን ኢሉ ብዘይምቕባሉ፡ጎዳእቲ ኣመላኻኽታታት ክሰዓሩ ብምጽዓሩ ሶቕራጠስ ተሓታቲ ናይቲ ዝወረደ ዕንወት ኣቴንስ ኮነ።ንልዕሊ 50 ዓመታት ሶቕራጠስ ንባህልን ልምድን ስፓርታ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ጸኒሑ እዩ።ኣብ ጎዕዙኡ ቀሊል ቁጽሪ ዘይነበሮም ሰዓብቲ ኣፍርዩ ነበረ።እዚ ንሞራል ናይታ ከተማ ከም ዝተፈታተኖ ከም ርጉጽ ተወስደ።ሶቕራጠስ ንኣማልኽቲ ናይታ ከተማ ብምድፋሩ፡ንመንእሰያት ናይታ ከተማ ድማ ሕማቕ ኣርኣያ ኮይኑ ብምብልሻዉ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣተወ።ኣቴንሳውያን ልክዕ ከምቲ ጀጋንኦም ብገዛእ ኢዶም ዘጥፍኡ፡ነቲ ብልሂ ውሉዶም እውን ከጥፍእዎ ተዓጥቁ።ኣገባብ ኣነባብርኦም ክምርምሩ ምሕታቱ ከም ገበን ቆጸርሉ።መስርሕ ፍርዲ ሶቕራጠስ ኣብ ኣደባባይ ናይታ ከተማ ተኻየደ፡ፈረድቱ እቶም ቅድሚ ገለ ዓመታት ን 7 ብሉጻት ጀነራላት ኣቴንስ ንሞት ፈሪዶም ንዓዶም ናብ ዕንወት ዝመርሑ ሰባት ነበሩ።ሶቕራጠስ ነብሱ ክከላኸል ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ጥራይ ተዋህቦ።ሶቕራጠስ ንኸሰስቱ ብትብዓት ሞገተ። “ብግልጺ ንምዝራብ ኣብዛ ከም ዓቢ ዝደቀሰ ሃካይ ፈረስ ምብርባር ዝሰኣነት ከተማ፡ከም ጽንጽያ ኮይነ ከበራብራ ክጽዕር እየ ተፈጢረ።መዓልታዊ ድማ ኣብዝን ኣብትን ከይዓረፍኩ እናዘንበኹ ንነብስወከፍኩም ከበራብረኩም ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓልኩን።”ምጉቱ ሰባት ንኽድንግጽሉ ዝዕድም ግብረ መልሲ ኣይነበረን።ሶቕራጠስ ካብ ሞት ንምትራፍ ዘይኮነ ዝኣምነሉ ሓቂ ብምዝራብ ንነብሱ ኣንጻር ምሉእ ህዝቢ ኣቴንስ ደው ኣበላ።ሶቕራጠስ ብቐሊሉ ይቕረታን ምሕረትን ሓቱቱ ክገላገል ይኽእል ኔሩ፡ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ክንዲ ነታ ከተማ ዝወዓለላ ውዕለት ክሳብ ብህይወት ዘሎ ነጻ ድራር ክወሃቦ ሓተተ።
ውሳነ ፈረድቲ ዳርጋ ፍሉጥ ነበረ፡ባይቶ እታ ከተማ ንሶቕራጠስ ብዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ረኸቦ፡እቲ ፍርዲ ድማ ሞት ነበረ።ሶቕራጠስ በቲ ፍርዲ ዝዓጀቦ ኣይመስልን “በሉ እምበኣር ሕጂ እንፋነወሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ፡ኣነ ናብ ሞት፡ንስኻትኩም ናብ ህይወት።መንና እዩ ሕጉስ ዝኸውን ግን ሰማያት ጥራይ እዩ ዝምስክር” በሎም።ሶቕራጠስ ካብ ቦታ ፍርዲ ናብ ቤት ማሕቡስ ተላእከ።በቲ ልሙድ ናይ ኣቴንሳውያን ኣገባብ ድማ ናይ ሞት ፍርዱ ተቐበለ፡ሄምሎክ ዝበሃል መርዚ ብምጭላጥ።ካብቶም ኣብ እዋን ሞቱ ምስኡ ዝነበሩ የዕሩኽቱ ዝተረኽበ ምስክርነት፡ሶቕራጠስ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ህይወቱ ወላ ሓደ ነገር ከም ዘየጋጠመ እናተኻትዐን እናተዋዘየን የሕለፎ። “በሉ እምበኣር ነብሰይ ክሕጸብ፡ቅድሚ ሄምሎከይ ምስታየይ ክሕጸብ እዩ ዝሓሸ፡ምኽንያቱ ምስ ሞትኩ እተን ሬሳይ ዝሓጽባ ኣንስቲ ስርሐን ክቐለለን” እናበለ ይዋዘ።መርዚ ምስ ተቐድሓሉ ብጾቱ ብኽያት ተተሓሓዝዎ፡ሶቕራጠስ ብኸምኡ መንገዲ ከፋንውዎ ከም ዘይደሊ እናነገረ ኣጸናንዖም።ናይ መወዳእታ ቃላቱ እዘን ዝስዕባ ን ክሪቶ ዓርኩ ዝተዛረቦ እየን ኔረን። “ ክሪቶ ኣስክለፒስ ሓደ ኩኩናይ ይእውደና እዩ፡ከይረሳዕካ ክፈሎ ኢኻ።”
እንሆ እምበኣር ስፓርታ መስትያታ ሰበረት፡ካብ ደቂ ኣዳም ዝለበመ ዝተባህለሉ ውሉዳ ብገዛእ ኢዳ ኣጥፍአት።እንሆ ድማ ሶቕራጠስ ንኽብሪ፡ዝና፡ወይ ህቡብነት ዘይኮነ ንመትከላቱ ክብል ሞተ።ምኽንያቱ ከም እምነቱ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ነገራት ከይሓተተ ክቕበል ስለ ዘይብሉ።ሶቕራጠስ ዘይከም ትጽቢት ኣቴናውያን ንሓዋሩ ዝዝከር ጅግና ዓለም ኮነ።ኣቴናውያን ንጀጋኑ ኲናት የምልኹ፡ይኣምኑን፡ሓወልትታት ይሰርሑን ነበሩ፡ሕጂ ግን ሓድሽ ጅግና ተወልደ፡ብሓሳባቱ ነጊሱ ኣቴንስ ሓወልትታት ሰርሓትሉ። ኣቴንስ ደጊማ መግዛእታዊ ሓያል ኣይኮነትን፡እንታይ ድኣ ዓዲ ትምህርትን መአከቢ ምሁራንን።መጫጭሒ ሓደስቲ ሓሳባትን ዓለም ዝቐየሩ ክትዓትን ሰባትን ኮነት።ኣቴንስ ንሓዋሩ ብሰውራ ሶቕራጠስ ተዘከረት፡ፕላቶ፡ኣሪስቶትል ወዘተ ኣብ ኣሰሩ ተኸቲሎም ክሳብ ሎሚ መሰረት ምዕባለ ዝኾነ ኣብ ምኽንያት ምእማን፡መርሚርካ ምቕባል ዝብል ሓሳብ ኣምለኹ።ኩሉ ድማ ብሳላ ሶቕራጠስ ነበረ።
ፍልስፍና ሶቕራጠስ
ሶቕራጠስ ብገዛእ የእዳዉ ዝጸሓፎ ንጣር ጽሑፍ የለን፡ታሪኽ ህይወቱን ፍልስፍናታቱን ንረኽቦም ኣብቶም ብድሕሪኡ ተኸታቲሎም ዝመጹ ፕላቶ ዜኖፍን ኣሪስቲፑስን ካልኦትን ዝጸሓፍዎም ድራማታትን ሰነዳትን እዩ።ፕላቶ ብመልክዕ ዝርርብ ኣብ ዘዳለዎ መጽሓፍ ንሶቕራጠስ ኣብ ታሪኽ ክሰፍርን ሓሳባቱ ናብ ዳሕረዎት ወለዶታት ክሰጋገርን ኣኽኢሉ።እዚ ግን እንሓንሳብ ጸሓፍቲ ናይቲ ታሪኽ ናይ ባዕሎም ርእይቶታት ስለ ዝውስኹ፡ናታቶም ርእይቶ ካብ ናይ ሶቕራጠስ ፈሊኻ ከተለልዮ ኣጸጋሚ ይገብሮ።በዚ ድማ እዩ እቲ ኣብ ጽሑፋት ፕላቶ ዝሰፈረ ሶቕራጠስን እቲ ናይ ብሓቂ ሶቕራጠስን ንምፍልላይ ክሳብ ሕጂ ተመራመርቲ ስነ ታሪኽ ዝደኽሙ።
ካብ ጸራቢ እምኒ ኣቦን መሕረሲት ኣደን ተወሊዱ ንሓንቲ ዛንቲብ ዝተባህለት ጊንጢ ድማ ተመርዕዩ።ኣብ ፍልስፍናዊ ዝርርቡ ንውልቃዊ ህይወቱ ከም መወከሲ ብዙሕ እዋን ይጠቕሶ እዩ “ኣደይ መሕረሲት እያ፡ባዕላ ነቲ ህጻን ኣይትወልደለንን ግን ጻዕረን ክቐልል ትሕግዘን፡ኣነ እውን ከምኡ’’ ይብል።ነታ ጨቕጫቃ ዛንቲብ ዝተባህለት ሰበይቱ ኣመልኪቱ ድማ “ዛንቲብ ቤት ትምህርቲ ዓቕሊ እያ” ይብላ፡ንመንእሰያት ክምዕድ እንከሎ “ዝኾነት ትኹን ሰበይቲ ተመርዖ፡ጥዕይቲ ሰበይቲ እንተረኺብካ ሕጉስ ትኸውን እንተዘይረኺብካ ፍላስፋ ትኸውን” ይውስኽ።
ኣብ ስነ ሓሳብ ፍልስፍና እቲ ዝበለጸ ኣበርክቶ ሶቕራጠስ እቲ ሶክራቲክ ሜተድ እናተባህለ ዝጽዋዕ ብመንገዲ ሕቶን መልስን ዝግበር ኣመሃህራ እዩ።እዚ ኣመሃህራ እዚ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ተኣታትዩ ክስርሓሉ ተፈቲኑን ኣብ ብዙሓት ሃገራት እውን ይስርሓሉ ኣሎ፡፡በጸዋውዓ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሃገርና “ተመሃራይ ዘሳተፈ ስርዓተ ትምህርቲ” ይበሃል።ሶቕራጠስ በዚ መንገዲ ነቶም ቀንዲ ሓሳባት ቅኑዕን ፍትሕን ክምርምር ፈቲኑ እዩ።ኣብ ሕብረተሰብ ቅኑዕ ወይ ፍትሓዊ ዝበሃል እንታይ እዩ?ነዚ ሕቶ ንምምላስ ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ሰንሰለታውያን ንኡሳን ሕቶታት ብምክፍፋል፡ነዞም ንኡሳት እናመለስካ ናብቲ ዝዓበየ መልሲ ንምብጻሕ ሓሊኑ።እዞም ንኡሳን ሕቶታት ድማ እዮም ንሶቕራጠስ ኣቦ ምዕራባዊ ፍልስፍና ክበሃል ኣኽኢሎሞ፡፡እዚ ሜላ እዚ ነቶም ነኣሽቱ ሰንሰላታውያን ሕቶታት ኣብ ዝምልሰሉ ግዜ ካብኣቶም ተጻረርትን ዘይክውንነታውያንን መደምደምታታት እናገለፈ፡ንጹራት መደምደምታታት ድማ እናደረዐ ብንጹር ሰንልአታውያን መልስታት ናብ መደምደምታ ይወስድ።
ኣብዞም ንኡሳን መንቀሊታት ኢና ድማ ንሶቕራጠስ ኣብ ሞራላዊ ፍልስፍና፡ፖለቲካዊ ፍልስፍናን ስነ ስርዓትን ኣገደስቲ ሓሳባት ዘሪኡ ንረኽቦ።
ጭዋ ንኽትበሃል ኣብ ሓቀኛ ዕርክነት ዝተመስረተ ዝምድና ክህልወካ ከም ዘለዎ ይኣምን፡ኣብ ውልቃዊ ህይወት ምስ እትናበብ እዩ ኣብ ሞያዊ ምብህሃልካ ተድምዕ ዝብል ስነ ሓሳብ እውን ኔርዎ።ንሕብረተሰቡ ወላኳ ይንቀፎም ግን ዓቢ ክብሪ እዩ ዝህቦም ኔሩ።በዚ ድማ እዩ ምናልባት ነቲ ከምልጠሉ ዝኽእል ዝነበረ ናይ ሞት ዕጭኡ ኣሜን ኢሉ ዝተቐበሎ።ንነብሱ ሓቂ ኣብ ምድላይ ከም ዝተዋፈረ ፈላስፋ ይቖጽራ ብምንባሩ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኣቴንስ ቀጥታዊ ተሰታፍነት ክህልዎ ይደሊ ኣይነበረን፡ምኽንያቱ ንሰባት ከመይ ገይሮም ክነብሩ ከም ዘለዎም ክነግርሲ ይትረፍ፡ነዛ ንነብሱ እኳ ከመይ ክትነብር ከም ዘለዋ ገና የናዲ ስለ ዝነበረ።እታ ንሱ እንኮ ዝንየተላ ፍልጠቱ ንድንቁርንኡ ምፍላጡ እዩ።እታ ህብብቲ ጥቕሱ ካብዚ እያ ትምንጩ “ኣነ ዝፈልጥ ከም ዘይፈልጥ ጥራይ እየ”
እዞም ሓቅታት እዚኣቶም ካብቶም ሶክራቲክ ዲያሎግስ ዝበሃሉ ጽሑፋት ኢና ንረኽቦም።ማእከል ዝበዝሑ ናይቲ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ካብ ኣዕኑድ ፍልስፍና ዝኾነ ፕላቶ ሶቕራጠስ ነበረ። ብፍላይ ኣብታ Apology ትብል ዝርርባዊት ጽሕፍቲ ብዙሓት ጻልጣ ክትዓት ይርከቡ።ቀጥታዊ ጽልዋ ሶቕራጠስ ኣብቶም ታሪኽ ስሞም ወትሩ ክለዓል ዝነብር ተመሃሩኡ ኢና ንረኽቦ።እቶም ድሒሮም ጨካናት መራሕቲ ዝተቐየሩ ኣልሲባደስን ክሪትያስን (Alcibiades and Critias) ጥራይ ዘይኮነ፡ኣብቶም ኣዕኑድ ፍልስፍና ዝኾኑ ዜኖፈንን ፕላቶን እውን ንረኽቦቦ።ክሪትያስ ብኣንጻር እቲ ኣብ መሪሕነት ዘርኣዮ ጭቆና ኣገባብ ኣመሃህራ ሶቕራጠስ ከስፍሕ ዝኸፈቶ ኣካዳምያ ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ከም ብዓል ጣልያንኛ እንግሊዘኛ፡ፈረንሳይኛን ካልኦት ቋንቋታትን መጸውዒ ስርዓተ ትምህርቲ ንጥቀመሉ ኣለና።ፕላቶ ስነ ሓሳብ ሶቕራጠስ ናብ ኣሪስቶትል ከሕልፎ እንከሎ፡ኣሪስቶተል ትምህርትታት ሶቕራጠስ ናብ ሃጸይ እስክንድር ዓቢ ክሓልፍ ጌሩ።ተመሃራዩ Antisthenes ብወገኑ ንትምህርትታት ሶቕራጠስ ኣብ ምምራሕ ቅልል ዝበለ ህይወት ከም መወከሲ ተጠቂሙ ነቲ ህቡብ ብ ሲኒሲዝም ዝፍለጥ ኣገባብ ፍልስፍና መስሪቱ።እምበኣርከስ እዞም ኩሎም ሎሚ ከም ውሁባት እንወስዶም ዘለና ምዕባለታትን ቴክኖሎጅታትን ውጽኢት ናይቲ ብገሌና ከም ጽላለ ዝቑጸር ፍልስፍና እዮም።ሶቕራጠስ ምኽንያት ሓቲቱ፡ብምኽንያት ንምንባር መሪጹ፡፡ሕቶ ሶቕራጠስ ንከም ዜኖፈን፡ፕላቶ፡ኣሪስቶትል፡እስክንድርን ካልኦትን ፈጢሩ፡፡ድምር ጽምኣት ርትዕን ምኽንያትን ናታቶም ድማ ንስነ ፍልጠት ወሊዱ።ስነ ፍልጠት ንዓለም ቀይሩ፡፡እምበኣርከስ ባህርያትን ሓሳብን ሶቕራጠስ ኣብ ግዚኡ ጽላለ እዩ ተቖጺሩ፡ሶቕራጠስ ጽላለ ዘሪኡ፡ንሕና ፍረ እቲ ጽላለ ንበልዕ ኣለና።ሕቶን ምኽንያታዊ ፍርድን ዝሕመረቱ ጽላለ።ክቡራት ኣንበብቲ ብመንገዲ እዚ ጽሑፍ ምስ ሶቕራጠስ ተላሊኹምን ብምኽንያት ክትነብሩ ቃል ኣቲኹምን ክትኮኑ ተስፋ ይገብር።እዚ ጽሑፋት ኣብ ቻነልና ዳይናሚክ ኣርት ፕሮዳክሽንስ ብምብጻሕ ብድምጺ ክትከታተልዎ ይዕድም።ዝቕጽል ግዜ ምስ ኮፐርኒከስ ክሳብ እንራኸብ ብሩኽ ቅነ።ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ብምጥዋቕ ነዝን ካልእን ዝመሰለ መደባት ኣብ ናይ ዩቲብ ቻነልና ክትከታተልዎ ንዕድም።
“እንኮ ጽባቐ ጥራይ እዩ ዘሎ ፍልጠት፡እንኮ እከይ ድማ ኣሎ ድንቁርና” Socrates

©Asmerom Haile
ዳይናሚክ ኣርት ፕሮዳክሽንስ – DYNAMIC ART PRODUCTIONS.



