ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ!
ብ ተስፉ ሃይለማርያም
ንኣፍሪቃ ልዕሊ ባህርያዊ ሃብታ፡ ሃብቲ ክኾና ዝክእል ዝነበረ፣ብስነ ሓሳቡ ከይሰጎመ ዝተቖጽየ ኣገልጋሊ እቲ ድኻ ዘይሓለፈሉ ህዝቢ።ኣገልጊሉ ከይደኸመ ዝተኾልፈ ፣ገዛእቲ ኣባሪሩ ክብሩ ዝዓቀበ።ነቲ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሳጸየ ብናጽነት ተሸፊኑ ዝመጽእ ዳግማዊ መግዛእቲ ኣበደን! እምቢ ን ረድኤት ኢሉ! ነጻ ምሳሕ ከምዘየለ ተረዲኡ ግብጃ ምሳሕ ጎሓላሉ ተጸይኑ ብጥሙይ ከብዱ ብብሩህ ልቦንኡ ንህዝቡ ስራሕ ዘውፈረ።እቲ እንኮ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ዝደመቐ ኾኾብ።
ቶማስ ሳንካራ፡
ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ!
ኣብ 1970ታት.ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ ሓደ ደሚቕ ኮኾብ ተኸሲቱ ሃንደበት ሃጠመ።ብምዕራብ ኣፍሪቃ ኣፐር ቮልታ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ሃገር ናይ ካፒተን ማዕረግ ዘለዎ ወተሃደር ስልጣን ሓዘ ብዙሕ ከይተርኣየ ግን ኣሰሩ ጠፍአ ።እዚ ደሚቅ ኮኾብ ዝተሰምየሉ ቀጻልነት ብርሃኑ ከየረጋገጸ ሃንደበት ተኮልፈ ኣብ ዓዘቅቲ ጸልማት ዝነበረት ኣህጉር ኣፍሪቃ ተስፍኣ ባኸነ።እዚ ደሚቅ ኮኾብ ናይ ሃገረ ቡርኪናፋሶ ፕረዝደንት ቶማስ ሳንካራ ይበሃል።ኣፍሪቃ ካብ ገዛእቲ ዘፍረየቶም ካብ ማህጸና ዝተፈጥሩ ፣ ምስ ግዳማዊ ሓይሊ ተሻሪኾም፣ ሓይሊ ሰባ ኣባኺኖም፣ገንዘባ ውሒጦም፣ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ተቀኒቶም፣ ንጥፍኣታ ዝተግሁ እንከለዉ ናይ ቶማስ ሳንካራ እንታይ መለሳ ከይህልዎ ትብሉ ትህልዉ…!ሰሚዕኩም ፍሉይነቱ ንምምስካር እምበኣር ምሳና ጽንሑ።
1950ታት ኣትሒዙ ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ነጻ ምስ ወጸት ሃገር ክሕልውሉ ዝተዋህቦም ጠበንጃ መህለቒ ህዝብን፣ መመናጠሊ ስልጣንን ጌሮም ንኣፍሪቃ ሓመደ ድፋጭኣ ዘስተይዋ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምዃኖም ርጉጽ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2-3 ዓመት ዘይመልእ ልዕሊ 3-4ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ይካየድ።ኣብ ዕልዋታትን ንሱ ዘስዕቦም ፖለቲካዊ ሓርጎጽጎጻትን ድማ ማእለያ ዘይብሉ ሰብን ፡ ንዋትን ሃሊኹ። ቶማስ ሳንካራ ግን ኣብ መስርዕ እዚኦም ዝጥቀስ ኣይኮነን፣ ካብ ኣፍሪቃዊ ወተሃደር ምዃን ሓሊፉ ምስዞም ዝተጠቅሱ ወተሃደራውያን መራሕቲ ዘተኣሳስር የብሉን። እዚ ሓቂ እዚ…. ፈተውቱ፡ ጸላእቱን፡ ጋዜጠኛታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ብሓባር ዝምሕሉሉ ሓቂ እዩ።
መጀመርታ ቶማስ ሳንካራ ዕልዋ መንግስቲ ኣይገበረን። ዕልዎ መንግስቲ ዝፈጸሙ መራሕቲ ካብ ዝተኣስረሉ ኣውጺኦም ንስኻ ምርሓና ኢሎሞ እምበር፧ ሰሲዑ ወይ ውን ኣነ እየ ፈላጥ ኢሉ ብተንኮል ኣብ መንበር ስልጣን ኮፍ ኣይበለን።ከምቶም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዓለም ቅንጣብ ፍልጠት እንከይብሎም፣ስልጣን ዝሕዙ መዛንኡ ወተሃደራውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፡ ሳንካራ ዝተምሃረ ኣብ ትምህርቱ እውን ንፉዕ ዝነበረ፣ኣብ ዕላማኡ ጽኑዕ ምዃን’ውን ቅድሚ ስልጣን ምሓዙ ዝተለማመዶ ነገር እዩ ዝነበረ።
ሳንካራ ከም መብዝሓትኦም ኣምባገነን ወተሃደራውያን መራሕቲ ስልጣን መዝረፍን፣ መቅተልን ኢሉ ኣይኣምንን ነበረ።ከምቶም ኣብ ውትህድርና ዓለም ጸኒሖም ስልጣን ምስ ሓዙ ሊቅ ምዃኖም ዝእውጁ ዘይኮነ። ኣቀዲሙ ብ ወተሃደራዊ ሓላፍነት ክሳብ ብደረጃ ሚንስተር ኮይኑ ተመዲቡ ፖለቲካን፣ቢሮክራሲን ዝተለማመዶ ሰብ ነበረ። ቶማስ ሳንካራ ከም ዝበዝሑ ወተሃደራውያን መንግስቲ “ብረት ዝሓዘ ሃገር ክመርሕ ይክእል እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ዘይኮነ ወተሃደር ብዕላማን፡ናይ ነዊሕ ጠመተን ዘይምራሕ እንተኮይኑ ቀታሊ ወንጀለኛ ካብ ምኻን ኣይሓልፍን ዝብል እምነት ዝነበሮ እዩ።ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፣ ብቅድመይ ዝነበሩ መራሕቲ ክበልጹኒ እዮም፡ጽላሎቶም ክኸብደኒ እዩ ቅተልዎም ዝብል፣ ብግፍዒ ደሞም ከፍስስ ህርድግ ዝብል ኣይነበረን።ከም ላይበርያዊ ሳሙኤል ዶ(Samuel Doe) ንናጽነት ሃገሮም ዝተቃለሱን፡ ዝተምሃሩን ሰበስልጣናት ኣብ ስታድዮም ኣኪቡ ኣብ ዕንጨይቲ ኣሲሩ ኣይረሸኖምን።ከም ኡጋንዳዊ ኢዲ ኣሚን ዳዳ ሰበስልጣናት እንዳቀንጸለ ሬስኦም ኣብ ቀላያት ከም ዝንሳፈፍ ኣይገበረን። ከም ናይ ዛየር ሲሲሴኮ(Marshal Mobutu Sese seco )ናይ ሓርነት ተቃለስቲ ስግኦም ተመቲሩ ክቅተሉ ኣይገበረን።ከም ናይ ኢትዮጵያዊ መንግስቱ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዝነበሮም ምሁራን፣መንእሰያትን ኣብ ጎደና ክቅተሉን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ክቅበሩን ኣይኣዘዘን። ከም ቦካሳ (Bokassa) ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ጫካ ብምድርባይ፡እንክብርሆ ስግኦም ንኽበልዖ ተኸሺኑ ክቐርበሉ ኣይኣዘዘን። እዞም ኩሎም ወተሃደራውያን መራሕቲ ብፍርዲ ሓሳብ ሳንካራ ቀተልቲ ነብሲ ካብ ምዃን ኣይሓልፉን።
ቶማስ ሳንካራ ግን ከምዚኦም ኣይኮነን ብናይ ሰብ ብምቅታልን፣ደም ብምፍሳስን ቆሎ ኣይተለኽፈን። ንዝበደሉ መራሕቲ ዝቅጽዕሉ ፍሉጥ ዝኾነ ሕግን ፣ ፍርድን ኣዳልዩ መስርሕ ፍርዶምን መቕጻዕቶምን ብተለቪዥንን፡ ሬድዮን ገሊጹን የእሚኑን እዩ ፍትሒ ዘስፍን። ነብስኻ ምውራድ ዝኸፍአ መቅጻዕቲ እዩ ኢሉ ይኣምን ቶማስ ሳንካራ። ተወሳኺ መቅጻዕቲ ናብ ገጠር እታ ሃገር ኬድካ ብዘይ ደሞዝ ንክሰርሕ ምግዳድ እዩ።ከምዚ እንዳ ገበረ ፍልጠቶም ይጥቀመሉ ኔሩ ድኣ እምበር ፤ንሃገሩ ሂወት ንኸንቱ ዝሃልቀላ ደም ሰብ ከም ማይ ዝዛርየላ ኣይገበራን።20-30 ዓመታት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝመርሑ ንሃገሮም እዚ እዩ ኢልካ ዘይጥቀስ ጽቡቕ ነገር ከየበርከቱ ተባሪሮምን፡ ኣለዉን ።ቶማስ ሳንካራ ክሳብ ሕጂ ስሙ ልዕሊ መቃብሩ ንዝገበሮ ውዕለት ብህዝቡ እንዳተገልጸሉ እዩ። እምበኣርከስ ብኸምዚ እዮም ደቂ ሃገሩ ከም ኣቦን ፡ኣደን ዝከናኸን መራሒ ዝብልዎን ዝዝምርሉን።
ብርኪኖፋሶ 1960ነጻ ምስ ወጸት ኣትሒዛ ክሳብ ቀጺሉ ዝነበሩ 17ዓመት(ክሳብ ናይ ቶማስ ሳንካራ ግዜ ስልጣን) 4ተ ግዜ ዕልዎ መንግስቲ ተኻይዱላ ። ህዝባ ኣብ መስመር ድኽነት ዝነብር፣ ባህርያዊ ሃብታ ብ ስርዓት ዘይተጠቀመት ሃገር ነበረት።ቶማስ ሳንካራ ስልጣን ምስ ሓዘ መጀመርታ ዝሰርሖ ነገር እንተድኣ ኔሩ ገዛእቲ ዘውጽኡላ ስም እታ ሃገር ምቕያር እዩ። ገዛእቲ ኣፐር ቮልታ ዝሰመይዋ ደምሲሱ ካብ ክልተ ቛንቛታት ብሄራት እታ ሃገረ ዝተዋጽአ ስም ኣጠመቓ ቡርኬናፋሶ ውን ተባህለት።ቡርኪኖፋሶ ማለት ዝተኸብረ ናይ ሰብ ምድሪ ማለት እዩ።ሳንካራ ጅምር ከየበለ ካብ ድኽነትና ንተንስእ።ረዲኤትን ልመናን ካብ ኣእምሮና ነጥፍእ።መዓልታዊ እኹል ዝብላዕ መግቢን፡ ዝስተ ጽሩይ ማይን ንወንን ዝብል ዓሊሙ ፣ዕላማታቱ ብጽሑፍ ኣብ መንደቅ ሰቀሎም ኣብ ምትግባሮም ድማ ህዝቡ ኣኺቲሉ ቁልፉ ዓጠቑ ተበገሰ።
ካፒተን ቶማስ ሳንካራ ስልጣን ክሕዝ ከሎ ናይ 33ዕድመ ኔሩ። ገና ኣብ 18 ዕድሚኡ ኣብ ኣፐር ቮልታ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ብናይ መኮንን ማዕረግ ተመሪቁ።ኣብ ትምህርቱ ልዑል ብቅዓት ብምምዝጋቡ ንቀጻሊ ትምህርትን ሓላፍነትን ናብ ሞሮኮን፡ ማዳጋስካር ተላኢኹ ብዝዓበየ ናይ መሪሕነት ስልጠና ተመሪቑ አዩ።ሃገሩ ምስ ማሊ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ዶብ ውግእ ተሳቲፉ ዓቢ ዝና ኣትረፈ። ካብኡ ብዝሓለፈ ናይ ምንባብ ባህሩ፣ ናይ ቛንቛ ፈረንሳይ ኣጠቃቅምኡ፣ ናይ ፖለቲካ ዝንባልኡን ለዋህ ጠባዩን ይንገረሉ።
ኣብ 1981ሳየ ዜርቦ(Saye Zerbo) ብ ዕልዋ መንግስቲ መሪሕነት ምስ ተቆጻጸረ ከም ሚንስተር ሓበሬታ ሸሞ፡ግን ሕልንኡ ክሸይጥን ተሓባባሪ እከይ ክኸውንን ተሓተ እሞ ኣብ ከምዚ ስልጣን ምስራሕ ነውሪ እዩ ብምባል ስልጣኑ ገዲፉ ናብ ገዝኡ ተመልሰ። ኣብ 1982 ናይ ኮነሬል ሳየ ዜርቦ መንግስቲ ብካልእ መሪሕነት ካፒተን ኦዶራጎ(Ouederaogo) ምስ ተተክአ ሳንካራ ብወተሃደራት ዘለዎ ክእለትን ህቡብነትን ስለዝፈለጠ ቀዳማይ ሚንስተር ክኸውን ሾሞ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሳንካራ ጥርጣረ ስለ ዘሕደረ ኣብ ቤት ማሕቡስ የእተዎ።
ኣብ 1983 የዕሩኽቱ ከም በዓል ኮምፖወሬ(Compaore)ካልእ ዕልዎ መንግስቲ ብምፍጻም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም መራሒ እታ ሃገር ክገብርዎ በቅዑ። ነዚ ስነሓሳቡ ዘስረጽሉ ኣብ ማዳጋስካር ዝርከቡ ኣሰልጠንቱ ምዃኖም ይንገረሉ። ቸ ጉቬራ ብልቢ የድንቆ ንሱ ውን ንሃገሩ ልክዕ ከም ቸ ጉቬራ ንሃገሩ ዝከኣሎ ከበርክት ጥሙሕ ነበሮ።
ኩሉ ግዜ ደጋጊሙ ዝዛረበሉ ቸኮቬራ ኣብ 39 ዕድሚኡ ተቀቲሉ ኣነ እዃ ከምኡ ዕድመ ዝበጽሕ ኣይመስለንን ይብል ነበረ። ከም ዝተነበዮ ኮይኑ ድማ ኣብ 37ዕድምኡ ተቀትለ።ቶማስ ሳንካራ ነዊሕ ቁመቱ፣መሸከሉ ቀጢን፣ኣብ ጉዕዙኡ ነዊሕ ዝስጉም ቅልጡፍ፣ዝበዝሐ ግዜ ፊቱ ብፈገግታ ዝዓሰለ ነበረ።ልዙብ ክኢላ ዘረባን ፡ፈታዊ ስሓቅን፣ንዘሕርቆ ነገር ብልዙብን ግን ክኣ መልእኽቱ ኣማሊኡ ዝዛረብ፣ ርጡብ መልሓስ ሃንደበት ንዝተሓተቶ ብቅልጡፍ መልሲ ዝህብ መልሰይ ካብ ጁባይ ዝዓይነቱ ሰብ ነበረ ይብሉ።
ሓደ ግዜ ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ዜጋታት ኩሉ ግዜ” ኢምፐርያሊዝም ኢምፐርያሊዝም ይበሃል ኢምፐርያሊዝም ኣበይ እዩ ዘሎ” ክብል ሓተተ። “ኢምፐርያሊዝም ኣብዝን ኣብትን ኣሎ። ክትበልዑ እንከለኹም ሻሕንኹም ርኣይዎ ብረድኤት ዝመጽአ መሸላ፣ካብ ወጻኢ ሃገር ዝተገዝአ ሩዝ ትርእዩ ኣለኹም”። ኢምፐርያሊዝም ማለት ንሱ እዩ ርሑቅ ምኻድ ኣየድልየናን እዩ ክብል መሊሱ ኔሩ።ቶማስ ሳንካራ ሰብ ኣቅራቢ፡ ዘቅረቦ ሰብ ዘይጥርጥር ፣ ምስ ትሑት ማሕበረሰብ ናይታ ሃገር ብቀሊሉ ተሓዊሱ ክነብር ዝክእል ሰብ እዩ ኢሎም ይዝክርዎ። ብገንዘብ ዘይስስዕ ቁንጣሮ ጥራሕ ትኣኽሎ ከም ዝነበረት ይንገረሉ። ፕረዚደንት ምስ ኮነ ደሞዙ 450ዶላር ናይ ኣሜሪካ ጥራሕ እዩ ኔሩ። ናይ ግሊ ንብረቱ ሓንቲ ኣረጊት ናይ ገዛ መኪና፡ ሓንቲ ብሽክለታ፡ሰለስተ ጊታር፡ ሓንቲ ናይ በረድ መትሓዚኣ ዝተሰበረት ፍርጅ፡ ዓራትን፡ኣርማድዮን ፡ኣረጊት ሰዲያታት ጥራሕ እዮም።
ከም ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ፈቕዶ ሃገራት እናኸደ ኣብ ባንክታት ጓኖት ሃብቲ ሃገሩ ኣይጓረተን፡ደቁ ኣብቲ ቅድሚ ስልጣን ምሓዙ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ። እዚ ብኣጋንንቲ ዝኮኑ ወተሃደራውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ዕሽነት እዩ ዝቁጸር።ቤተመንግስቱ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣይጥቀመሉን፡ቤተመንግስቲ ክውንንዎ ርስቶም ክገብርዎ ከም ዝሃርፉ ጨፍለቅትን፡ ገበትትን መራሕቲ ዘይኮነ ንሱ ዝነብረሉ ብ ካፒተን ማዕረግ እንከሎ ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ እዩ።ዝበዝሐ ግዜ ወተሃደራዊ ክዳን ይለብስ ወተሃደራዊ ክዳኑ ክለብስ እንከሎ እታ ቀያሕ መለለይቱ ኦማል ዝዓይነታ ቆብዕ የዘውትር፡ ጻዕዳ ዝሕብራ ሰደፍ ሽጉጥ ኣብ ዕጥቁ ኣይትፍለን።ከምቶም ጽጋብን ስልጣንን ዒቅ ምስ በሎም መሬት ኣይንረግጽን ዝብሉ መራሕቲ ኣይኮነን።ንነገሩ ንሱ ክልቲኡ የብሉን ስልጣኑ’ውን ንኣገልግሎት ህዝቢ ወፊዋ እዩ።
ቶማስ ሳንካራ ገንዘብ ዘይብሉ ስልጣን ከም ዝሓዘ ፡ገንዘብ ከይሓዘ ዝሞተ ከምዝነበረ ይውረየሉ።
ፕሬዝደንት ቶማስ ምስ ዝተፈላለይ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ይእከብ፡ዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ክሓቶ ይክእል።ሽማግለታት ከም ወዶም እምበር ከም መራሒ ስለዘይሓስብዎ እንዳሓቆፉ ይስዕምዎ፡ርእሱ እንዳደረዙ ይምርቅዎ፡ቆልዑ ኣብ ክሳዱ ተንጠልጢሎም ይስዕምዎ፡ ፈገግ ኢሉ ጽቡቅ ኣስናኑ እንዳ ኣርኣየ ከከም ኣገባቦም ሰላምታ ይልግሰሎም። ኣብ ናይ ስራሕ ግዜ ምስ ህዝቡ ኣፍራዛ ሒዙ ክኩዕት ይርአ። ምስ ዝኾነ ሰብ ኩዕሶ ይጻወት።ብናይ ስራሕ ሰዓታት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ይሰርሕ ቀትሪ ክኣ በብግዚኡ ዝተጀመረ ፕሮጀክትታት ይዕዘብ። ከምቶም ካልኦት መራሕቲ መጻእኩ ተጸበዩኒ፡ኣክብሩኒ ስገዱለይ ኣይብልን።ብዘይ ተፈልጠ ግዜ ኣብ ዘይተሓስበ ቦታ ሃንደበት ከተፍ ይብል።ፕሬዝደንት ሳንካራ ከምቶም ብደም ኢዶም ዝጨቀወ መራሕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ከይጨከነ፡ከምቶም ዘረፍቲ ሃብቲ ከይዘረፈ ብባዶ ጅብኡ ከም ዝተሾመ ባዶ ኢዱ ሞተ። ነዚ ኩሉ ባህሪ ዝርኣዩ ናይ ኣፍሪቃ ቸኮቬራ ይብልዎ።ከም በዓል ድምጻውያን ሳምስ ‘ጃሕ (Sams’k Le Jah) ክኣ ናይ ጸላም ብርሃን ይሰምዮ።ካልኦት’ውን ካብ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ዝተፈልየ ድንቂ ይሰምይዎ። እዚ ኩሉ ስምን ዝናን ዝረኸበ ኣብ ውሽጢ 4ዓመት ናይ ስልጣን ዘመኑ እዩ።ካብኡ ንላዕሊ ናይ ዕድመ ጸጋ ከይህልዎ ናይ ውሽጥን ግዳምን ሓይልታት ኣስግኦም ።ስለዚ እቲ ናይ ጸላም ኮኾብ ወይ ብርሃን ሃንደበት ጸልመተ።
ን ቶማስ ሳንካራ ስልጣን ማለት ህዝቢ መገልገሊ እምበር ብደመርሃጽ ህዝቢ ጥዑም ናይ ተድላን ምቾትን ሂወት ምንባር ኣይኮነን።ብ ሃብቲ ህዝብን፡ ሃገርን ናብ ዝደለኻዩ ጫፋት ዓለም እንዳተዛወርካ ሓንሳብ ኣሜሪካ ሓንሳብ ኤውሮጳ እንዳገሽካ ምኽንያት መጥፍኢ ገንዘብ፡መዘመዊ ፡መሰከሪ፡ መኻዕበቲ ሃብቲን ኣይኮነን።ስለዝኾነ ኣብ ግዜ ሳንካራ ናይ ሚንስትርን ካልእን ስልጣን ምሓዝ ምቾት ዝህብን ፡ቀሊልን ኣይነበረን።
ሳንካራ ክግበር ዘለዎ ትእዛዛት ካብ ነብሱ ይጅምር እምበር ኣብ ወንበረ ስልጣኑ ኮይኑ ተግባራውነቱ ዝጽበ ኣይነበረን። ስልጣን ምስ ሓዘ ሰበ ስልጣን ምቹኣትን፡ጽቡቃትን ዝበሃላ መካይን ከይጥቀሙ ኣዘዘ።ቤተ መንግስቲ ዘለው መርሰዲስን፡ ካልኦትን ንክሽየጡ ኣዘዘ። ሚኒስተራት በተን ሕሱራት መካይ ክጥቀሙ ገበረ።ንክልተ ሚኒስተራት ሓንቲ መኪና ትኣክል ኢሉ ውን ወሲኑ ኔሩ። ባዕሉ ቶማስ ብሓንቲ ንእሽተይን ሕስርትን መኪና ምስ ዓጀብቱ ይንቀሳቀስ።ብሽክለታ እውን ይጥቀም እዩ። ዝኾነ ሰበ ስልጣን ኣይሮፕላን ክስቀል ከሎ ቀዳማይ ደረጃ ኢሉ ከይእዝዝ ኣተሓሳሰበ ብንኡስ ማዕረግ ምጉዓዝ ግዲታኹም እዩ በሎም።በዚ ጉዳይ ዝንገረሉ ኣዘራርባ ኣለዎ “ዝተቐመጥኩሞ ቦታ ብዘየገድስ እታ ኣይሮፕላን ክትንስእ እንከላ ብሓንሳብ ክትንስኡ ኢኹም ክትዓልብ ከላ’ውን ምስኣ ምዕላብኩም ኣይተርፈኩምን” ከም ዝበሎም ይንገረሉ።እዚ ኩሉ ናይ ቀደም መራሕቲ ቡርኪኖፋሶ ገረሞምን ኣስደመሞምን፡ ገለ ገለ መራሕቲ ምስ ምግሃስ መሰል ኣተኣሳሰርዎ ንሱ ግን ሓሳቡ ኣይለወጠን።
ዝኾነ በዓል ስልጣን ስፖርት ምስራሕ ከዘውትር ኣለዎ በለ። ጥዑይ ኣካልን፡ጥዑይ ኣእምሮን ዘይብሉ ብቅዓት ክህልዎ ኣይክእልን ስለዚ ስፖርት ስርሑ በሎም። ኩሎም ሓለፍቲ ቱታ ክዳኖም ጌሮም ጎየይትን፡ ኩዕሶ ተጻወትን ኮኑ። ቶማስ ንባዕሉ ወትሩ ሰንበት ናብ ፈቖዶ ዓድታትን ወተሃደራውያን መዓስከራትን እናኸደ ኩዕሶ ሰክዐት፡ ጉያ፡ብሽክለታ የዘውትር ነበረ። ከምዚ ብምንባሩ ዝፈትዎ ህዝቢ ወደሶ እቶም ዝጸልእዎ ግን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል እዩ ኢሎም ተርጎምዎ።ሚኒስተራት ክብዕልጉን፡ ክጋገዩን ከለው ካብ ስልጣኖም ኣልዒሉ ናብ ገጠራት ሰዲዱ ይቀጽዖም።ብገጠር ዝሰርሕዎ መደብ ሰሪዑ ብዘይ ዶሞዝ ኣብቲ ገጠር መከራ ናይቲ ድኻ ህዝቢ ከምዝስወጦም ይገብር። ዝተመሓየሹ እንተድኣ ኣለው ናብ ስልጣኖም ወይ ካልእ ቦታ ይምደቡ። ዘይተምሓየሹ ብኡ ጌሮም ይባረሩ።ኣብ ናይ ሳንካራ ግዜ ሕመቅ ቀንዲ ጸላኢ ጌሩ ይውሰድ ነበረ።ድኹማት ኣብ ጉዕዞ ዕላምኡ ከሳስዮም ኣይደልን። ከም ተኸታሊ ሶሻሊዝም (ማሕበራውነት) ኢምፐርያሊዝም ብፍከራ ክኹንን ከሎ፡ ቀጺሉ ሕማቅ ሰራሕተኛ፡ ሕማቅ መምህር ይጥፋእ፡ሕማቅ ተመሃሪ ይጥፋእ ዝብል ዘረብኡ ኣይርሳዕን።
ቶማስ ሳንካራ በዞም ናይ ሕጂ መራሕቲ ከይተረፈ ዝፍለጥ ብ ነብስኻ ምክኣል ፖሊሲኡ እዩ።ገና ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ኣፍሪቃውያን ካብ ረዲኤትን፡ ተጽዕኖን ክገላገሉ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን ነበረ።ምህርትታቶምን፡ ሃብትን ፡ ንብረትን ንገዛእ ርእሶም ከውዕልዎ ኣለዎም በለ። ስልጣን ምስ ሓዘ ውን ኣብ ተግባር ከውዕሎ ጀመረ። ወነንቲ ሰፊሕ መሬት መሬቶም ተሓዲጉ ንኩሉ ሓረስታይ ተዓደለ።ሓረስታይ ብውልቅን፡ ብሓባርን ብመስኖን መሬት ክጥቀመሉ ከልምዕዎን ጥብቂ መልእኽቲ ተመሓላለፈ። ሃገርኩም ድኻ እያ እግርኹምን ኢድኩምን ተጠቀሙ በሎም።ናይ ከተማ ህዝቢ ውን ንወፍሪ ልምዓት ተበገሰ ባዕሉ ሳንካራ መኹዓቲኡ ሒዙ ማይ ንምዝላይ ምስኦም ወፈረ።ቡርኪኖፋሶ ብ መግቢ ዘይተረጋግአት ሃገር እያ፡ ተጸባይት ረድኤት’ውን እያ ኔራ።ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት’ውን ካብ ሓደ ሂክታር ብገምጋም 1450 ኪሎ ምህርቲ እዩ ዝርከብ ዝነበረ። ምስ ምምጻእ ሳንካራ ግን ካብ ሓደ ሄክታር ብገምጋም ካብ 3,800 ክሳብ 3,900ኬሎ ክሕፈስ ተኻእለ።እዚ እቶት ካብቲ ንቡርኪናፋሶ ዘልያ ዓቀን ንላዕሊ ኮነ።ሳንካራ ጭርሕኡ ብመዓልቲ 2ግዜ መግቢ፡ 10ሊትር ማይ ዝብል ስለዝነበረ ኣብ ውሽጢ 4ተ ዓመት ናብ ዕላምኡ ከም ዝበጽሐ ኣረድአ። ግን እዚ ናይ ነብስኻ ምክኣል ውጽኢት ንኣሚሪካን፡ ፈረንሳን፡ ገለ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣስግአን ስለዝኾነ ክኣ ሳንካራ ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእይኦ ጀመራ።
ናይ ፕረዝደንት ሳንካራ ካልእ ፖሊስኡ ምህርትና(እቶትና) ንገዛእ ርእስና ክንጥቀመሉ ኣለና ይብል ነበረ። ባዕልና ዘፍረናዮም ከዂርዑና ኣለዎም ዝብል ስነሓሳብ ኣብ መላእ ሕዝቢ ከስርጽ ተላዕለ።ብዝተረኽቡ ካዕቦ ናይ ጡጥ ውጽኢት ሕርሻ፡ ፋብሬካታት ኣትዩ ናብ ኣልባሳት ተቀየረ።ካብዚ ንደሓር ንለብሶም ልብስታት ፡ ጫማታትን ኣብ ሃገርና ዝተሰርሐ ክኸውን ኣለዎ ፤ ሓረስታይ ኮነ ፣ ሓላፊ ውጽኢት ሃገር ዝኾነ ኣላብስን፡ጫማታትን ኽደኑ ተኣወጀ። ከምኡ ስለዝኾነ ክኣ ፕረዝደንት ሳንካራ ኣብ ዝኾነ ቦታን፡ ግዜን ኣብ ሃገሩ ዝፈረየ ክዳን ክገብር ጀመረ።ሓድሽ ሓሳብ ክሳብ ዝሰርጽ ከቢድ ግዲ ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ሰራሕተኛታት እቲ ቤተመንግስቲ ነቲ ውጽኢት ውሽጢ ሃገር ዝኾነ ክዳን ተጸይኖም ኣብ ፌስታል ሒዞም፡ ነቲ ናይ ወጻኢ ለቢሶም ስራሕ ይኣትዉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ ሳንካራ ሃንደበት ይመጽኦም እሞ ሳንካራ መጺኡ እንዳበሉ ካብ ፌስታል እንዳውጽኡ ከምዝኽደንዎ ይንገር።ካብዚ ዝተበገሰ እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣልባሳት “ሳንካራ መጺኡ” ከም ዝተባህለ ክሳብ ሕጂ ይትረኸሉ።ናይዚ ብገዛእ ምህርትኻ ምትእምማን ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣኼባ ነቶም መራሕቲ ከረድኦም ፈቲኑ ኔሩ ግን ስሓቅዎ እምበር ኣይሰምዕዎን።
ፕረዝደንት ቶማስ ሳንካራ ናይ ቀደም መራሕቲ ዝተለቅሕዎ ዕዳታት ክኸፍሎ ዘይክኣል ኮነ ። ኣለቃሕቲ ምዕራባውያን ናይ ሳንካራ ነብስና ንክኣል ዝብል ፖሊሲ ስለ ዘሕረቆም ዝበላዕክሞ ድኣ መን ከኸፍለልኩም እናዳበሉ ኣጨነቅዎ። ሳንካራ ውን ሎሚ ኣይንከፍል ጽባሕ ኣይንከፍል ብምባል ሓንገደ።ዕዳና በብግዚኡ ካብ ኣፍሪቃ ብዝወስድዎ ማዕድን ክኸፍሎ እዩ ብምባል ነዚ ሓሳብ ንኣፍሪቃ ሕብረት ኣባላት ኣብ ኣኼባ ነጊርዎም ነበረ ግን ካብ ልቢ ዝሰምዕዎ ኣይመስሉን።
ፕረዝደንት ሳንካራ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ካብ ካልኦት መራሕቲ ፍሉይ እዩ።ኩሉ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ብተግባር ዘመስከረ ኣብ ጽፍሒ ካቢነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዘይሕለም ደረጃ ክሳብ ናይ ሚኒስተራት ስልጣን ንደቂ ኣንስትዮ ከምዘመቃርሐ ይንገረሉ።እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ጸቃጢ ባህላዊ ኣተሓሳስባታት ወጺአን ነብሰን መሪሐን፡ ህዝቢ ክመርሓን፡ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ጸብለል ኢለን ክወጽኣ ጌሩ እዩ። ሓደ ግዜ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረሉ ኩልኹም ደቂ ተባዕትዮ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝኾነ ንሰን ካብ ገዛ ከይወጻ ንስኹም ዕዳጋ ኮነ ኩሉ ንጥፈታት ናይ ደገ ክተተግብሩ ኢኹም ኢሉ ኣዘዘ።እቲ ህዝቢ ንሳንካራ ስለዝሰምዖ ደቂ ተባዕትዮ ትእዛዝ ሳንካራ እንዳገረሞም ኣብ ዕዳጋ ዘወን ክብሉ ተራእዩ።ክሳብ ዕለተ ሞቱ ብዛዕባ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከስርጽ ጽዒቱ እዩ።
ሓደ ግዜ ካብ ዩንቨርስቲ ብዛዕባ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ከመይ ክኽበር ከምዘለዎ ዝብል ሕቶ?። ብቀሊልን ልዙብን ከምዚ ክብል መለሰ “ኣብ ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርስቲ ትመሃር ጓል ምስ ትጰንስ (ትጠንስ) ካብቲ ትመሃረሉ ትካል ትስጎግ ኮይኑ ግን ናይ ጥ/ጵንሳ ምኽንያት ወዲ ተባዕታይ ዓርካ ምዃኑ ሓደ ሰብ ክፈልጥ ኣይደልን፣ ንሱ ውን ኣብዚ ይመሃር ይኸውን ግን ንሱ ካብ ትምህርቲ ይባረር ኣይበሃልን። ስለዚ ደቂ ተባዕትዮ ከም ድሌቶም ከጥንሱ ይክእሉ።ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ 12ተ ክፍሊ ዝውድኣ ቆልዓ ክወልዳ አየን ማለት እዩ ስለዚ እዚ ኣተሓሳስባ ክጠፍእ ኣለዎ ይብል።
ቶማስ ሳንካራ ኣብ ኣተሓሕዛ ጥዕና ህዝቢ ጽኑዕን ዘይስልክን ብምኻኑ ውድብ ጥዕና ዓለም በቲ ዝገበሮ ስራሕ መጎስ ረኺቡ እዩ።ካብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክታበት ዓቢ ስራሕ ሰሪሑ እዩ። ኣብ ናይ ስልጣን ዘመኑ ኣብ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ዓለም ተጌሩ ዘይፈልጥ ኣብ ውሽጢ 2ተ ሰሙናት ልዕሊ 2ሚልዮን ህጻናት ናይ ንፍዮ፡ ኣንቅጺ፡ መይቦ ክታበት ክህብ ዝከኣለ መራሒ እዩ።ን ዓለማዊ ዋዒ ንምክልኻል ብ ሚልዮናት ዝቁጸር ኣግራብ ተኺሉን ተኸናኺኑን እዩ። ኣብ ትሕቲ ቅርጺ እታ ሃገር ብዘይ ናይ ወጻኢ ሃገር ሓገዝ ማእከላት ጥዕና፡መኸዘኒ ማይ፡100ኪሜ መንገዲ ባቡር፡ ቤት ትምህርትታትን ካልኦት ትሕተ ቅርጺ ብዘደንቅ ኣብ ውሽጢ ውሑድ ዓመታት ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝ ዝተሃንጹ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ቶማስ ሳንካራ ብዘውጽኦ ናይ ብመግቢ ነብስኻ ምክኣል ፖሊሲ(1983-1986) ናይ የእካል ፍርያት ብ 75% ከም ዝዓበየ ይንገረሉ።
ፕሬዝደንት ቶማስ ሳንካራ ሃገሩ ብ ምጣነ ሃብቲ ዕብየት ንከተመዝግብ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ እዎን ፖለቲካ እታ ሃገር ውን ኣሕቢሩ ክሕዞ ኔርዎ። ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሱ ጽጋብ ዝነፍሖም ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ክገጥሞም ነበሮ።ማሕበራዊ (ሶሻሊስት)ስነ ሓሳቡን፡ምንቅስቃሳቱን ከም ሕማም ርእሲ ጌረን ዝሓሰብኦ ፈረንሳን ተሓባበርታን ናይ መሰናኸሊ እሾኽ ኣብ መንገዱ ክዘርእሉ ጀመሩ።ብውሽጢ ሃገር ውን ኩሉ ሰብ ሓደ ኣይከውንን ናይ ሳንካራ ለውጢ ዶንጉይና ኢሎም ዝቃወምዎ ኣተው። መጀመርታ መምሃራን ደሞዝ ውሒድና ኢሎም ሰልፊ ተቃውሞ ወጽኡ።ቶማስ ሳንካራ 1,400 ዝኾኑ ናይ ቀዳማይ ደረጃ መምሃራን ካብ ስርሖም ኣባሪሩ።ናይ 10መዓልቲ ስልጠና ዝተዋህቦም ወተሃደራት ክምህሩ ኣዘዘ።ብርግጽ ውጽኢቱ ኣሉታዊ ከምዝኸዉን ፍሉጥ ነበረ።ስለዚ ብ ስርዓተ ትምህርቲ ክፍተት ተፈጥረ። ፕሬዝደንት ቶማስ ሳንካራ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ጀሚሩ ናይ ማርክስን ለኒንን ስነ ሓሳብ ከምዝኣምነሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን ማሕበራውነት (ሶሻሊዝም ) ንብርኪኖፋሶ ካብ ዓዘቅቲ ድኽነት ከውጽኣ እዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ።ባህልን ሕብረተሰብን ኣተኣሳሲሩ ከመሓድር እምበር ከም ኩሎም ተከተልቲ ማርክሳውን ለኒናውን ስነ ሓሳብ ደረጃታት ኣብ ሕብረተሰብ ክህሉ የብሉን ኢሉ ደረጃታት ንህልቂት ኣይወሰነን።
እምበረጦርያ ይውግዝ ፣ ግን ክኣ ቀጥታውን ዘይሻራዊ ምትሕብባር እንተጊሮምሉ ኢምፔሪያሊስት እዮም ጸላእተይ ክኾኑ እዮም ኢሉ ኣይኩርን።ናይ ቅድም ገዛኢቶም ፈረንሳ ምትሕብባሩ ኢዱ ኣይስሓበን ግን ከኣ ትእዛዛ ተቀባሊ ክኸውን ኣይደልን።ሶሻሊስት ሃገራት ብምሕዝነት ይቀርብ ግን ከም ካልኦት ናይ ሶሻሊዝም ተከተልቲ ወተሃደራት መራሕቲ ኣፍሪቃ ተቆጺረ በላዕ ክኸውን ኣይደለየን። ሳንካራ ብ ናይ ኲባ መራሒ ፌደል ካስትሮ ሰብኣውነትን ኣመራርሓን ዝምሰጦ ምዃኑ ብግልጺ ይዛረብ ነበረ።ካብዚ ዝተላዕለ ሶቭየትን ኲባን በጺሑወን እዩ።ፈረንሳን ስዓብታን ግን ናይ ሳንካራ መገሻ ናብዘን ሶሻሊስት ሃገራት ተንኮል ንክሓስባ ተቀሰባ።ኣብ ፈረንሳ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ኣብ ዝኸደሉ ሓንቲ ጋዜጠኛ “ንምንታይ ዕላማ ኢኻ ሃቫናን፡ ሞስኾን ጌሽካ”ምስ ሓተተቶ ሳንካራ በቲ ግሉጽን ልዙብን ኣዘራርብኡ ከምዚ ክብል መለሰላ”እወ ሃቫናን ሞስኮን ከይደ ኔረ ዘለና ዓቢ ፕሮጀክት ክንተሓጋገዝ ተሰማሚዕና ኣለና ካልእ ምሳና ክሰርሕ ዝደሊ ክንቅበሎ ድልዎት ኢና ካብ ሞስኮ ዝርሕቅ ስለዘየለ” ኢሉ መለሰላ።
ቶማስ ሳንካራ ዝኾነ ውሳነ ከሕልፍ እንተደልዩ እሞ ክኣ ብህዝቢ ተቀባልነት እንተዘይረኺቡ ሓሳቡ ንምቅያር ድሕር ኣይብልን።ሓደ መዓልቲ ብ ናይ መምሃራንን ካልኦት ማሕበራትን ዝተላዕለ ዕግርግር ንከህድእ ኣብታ ሃገር እዋን እቶ እቶ ኣዘዘ ከተማታት ብወተሃደራትን ፖላይስን ከም ዝሕሎ ገበረ እንተኮነ ግን ፖላስን ወተሃደራት ዝተኣዘዝዎ ገዲፎም ኣብ ኣፍደገ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦ ሻውላት ምግታር ከም ስርሖም ተተሓሕዝዎ። ነዚ ዘስተባህለ ፕሬዝደንት ቶማስ ሳንካራ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ዓመጻትን ምንዝርናን ክገትእ ክብል ነቲ ናይ እዋን እቶእቶ ማዕቀብ ክስርዞ ወሰነ። ን ቶማስ ሳንካራ ፖለቲካ ንጥቅሚ ህዝቢ ን ዕብየት ሃገርን ድኣ እምበር መጋበርያ ካል ክፉእ ነገር ኣይጥቀመሉን።
ፕሬዝደንት ቶማስ ሳንካራ ካብ ወተሃደርነቱ ሓሊፉ ብናይ ምሕደራ ስልቱ ዋላ ሓደ ዘራኽብ ዘይብሉ ኮነሬል መንግስቱ ሃይለማሪያም ብዝገበረሉ ዕድመ ኢትዮጵያ በጺሑ ኔሩ። ኣብቲ ናይ ምብጻሕ ግዜ በቲ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ጉባኤ ብዝተለምደ ግልጺ ኣዘራርብኡ ” ዕልዋ መንግስቲ ክትፍጽሙ ትደልዩ ትህልዉ ኢኹም እዚ ግን ኣየርብሕን እዩ” በለ። ንኮነሬል መንግስቱ ናይ ገበጣ ህያብ ለገሰሉ። ገበጣ ናይ ፖለቲካ መጻወቲ ኣምሳሊት እዩ ተባሂሉ ተተርጎመ።ብርግጽውን ድሓር ከም ዝተረጋገጸ ወተሃደራውያን መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባር ይንቀሳቀሱ ከም ዝነበሩ ተፈልጠ።
ጥቅምቲ 15 1987ሃንደበት ብናይ ፈረንሳ ተሌቪዥን ኣሰንባዲ መርድእ ሞት ተነግረ። “ሎሚ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዕልዎ መንግስቲ ተካይዱ ኣሎ ፕረዝደንት ብርኪኖፋሶ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ሂወቱ ስኢኑ ኣሎ “እንዳበለ ዜና ይቅጽል….። ናይ ቶማስ ሳንካራ ቅትለት ዝተወሳሰበን ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ተሓባቢሮም ዝፈጸምዎ ምዃኑ ድሒሩ ዝወጹ ሓበሬታታት ኣረጋጌጾም እዮም።ናይ ፈረንሳ ትካል ጸጥታ፡ ናይ ኣሚሪካ ሲኣኤ ናይ ላይቤሪያ ዕጡቃት ቻርለስ ተይለር(Charles Taylor) ፕሪንስ ጆንሰን (Prince Jhonson)፣ ናይ ሊብያ መራሒ ኮነሬል ቀዛፊ፣ዓርኩን መሳርሕቱን ዝነበረ ድሒሩ ሚንስተር ምክልኻል ዝኾነ ኮምፖወሬ ንሳንካራ ክቀትሉ ተመሳጢሮምሉ እዮም።
ሓደ ኢጣልያዊ ናይ ምርመራ ጋዜጠኛ ብጉዳይ ሳንካራ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱን ካልኦት ናይቲ ጉዳይ ተሳተፍቲ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ሓቲቱ ኣፍሪካን ሻደውስ(African shadows )ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕታዊ ናይ ቴሌቭጅን መደብ ኣዳልዩ ነበረ።
እቲ ጉዳይ ከምዚ ክብል ይትንትኖ፦
ናይ ላይበርያ ቻርለስ ተይለር(Charles tailer) ካብ ናይ ኣሜሪካ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ላይበርያ ተራእየ።ኣብቲ ግዜ ኣሜሪካ ፕሬዝደንት ሳሙኤል ዶን ካብ ስልጣን ክትኣልዮ ትደልየሉ ዝነበረት ግዜ ስለዝነበረ ን ቻርለስ ተይለር ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺዩ ምስ ገንዘቡን ዕጥቁን ነቶም ተቓወምቲ እታ ሃገር ክመርሕ እዩ ላይቤሪያ ዝተላእከ።ወተሃደራዊ ስልጠና ክረክብ ናብ ሊብያ ተልኣኸ። ኣብ ናይ ሊብያ ስልጠና ቶማስ ሳንካራ ምስ ዓርኩ ኮምፓወሬ ናይ ጋምብያ ያሃያ ጃምሃ(Yahya Jammeh) ካብ ጫድ ሓደ መኮነን ተሳተፍቲ ነበሩ።እዚ ጉጅለ ናይ ቡርኪኖፋሶ መንግስቲ ንምግምጣል ሓገዝ ናይ ሊብያ ይደሊ ነበረ።ጸኒሑ ግን ሳንካራ ብዓል ኮምፖውሬ ብዝገበርዎ ዕልዎ መንግስቲ ካብ ዝትኣስረሉ ወጺኡ ፕረዝደንት ምስ ኮነ ንድሓር ፣ ኣቀዲሞም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ከም ዝደልይዎ ስለዘይኮነሎም ጠለምዎ። ኣሜሪካን ፈረንሳን ናይ ሶሻሊዝም ስነ ሓሳብ ተከታሊ ኮይኑ ኣፍቃሪ ሶቭየት ምኻኑ፡ ናይ ግሊ ንብረት ብምውራሱ በቲ ኣከባቢ ዘለዋ ሃገራትን ህዝብ ኣነቓቒሑ ኣንጻርና ከለዓዕለልና እዩ ኢሎም ጸሊአንኦ እየን።ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ ዝኾና ሃገራት ንትኽተሎ ዘይቀጥታዊ ኣመራርሓ(indirect rule) ዘሰናኽል መራሒ ኣይደለየትን።
ሳንካራ ናብ ሩስያን ኩባን ዘካየዶ መገሻ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሶሻልዝም እግሩ ንክተክል ከኽእሎ ይኽእል እዩ ኢላ ስለ ዝኣመነት ክትቅንጽሎ ተበገሰት። ካብ ዛየር ፖትሪስ ሉምባ ምስ በልጂምን ምስ ተሓባባሪኡ ሰሲሰኮ ብምዃን ከም ዝቀንጸልዎ ፣ CIA ን ሳንካራ ክቅንጽሎ መደብ ሓንጸጸ።
ናይ ላይበርያ ዕጡቃት ተይለርን ፣ፕሪንስን ቡርኪናፋሶ መሰረት መበገሲ ናይቲ ኣብ ላይበርያ ዘካይዶ ዝነበረ ተቓውሞን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቃሳትን ቦታ ክትከውን ብምሕሳብ ን ቶማስ ሳንካራ ኣብ ቡርኪኖፋሶ ቦታ ንክህቦም ተማሕጸኖ።ፕሬዝደንት ሳንካራ ግን ምስ ሓሳቦም ኣይተሰማምዐን ዕጭ ሓንፈፍኩ በለ፣ ሃገረይ ብናይ ካልእ ጉዳይ ተሓባባሪት ኣይትከውንን፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ውን ኣይተካይድን ሃገረይ ገዲፍኩም ትወጹለይ በሎም።ስለዚ ቶማስ ሳንካራ ከይተወገደ ከምልቦም ክኾኑ ስለ ዘይክእሉ ኣብ ኩርምቶም ሓዝሉ።ናይ ሳንካራ ተቀባልነት ብህዝቢ ዘስግአን ጎረባብቲ ሃገራት ከም ብዓል ኣይቮሪኮስት ምሕጻር ዕድመ ሳንካራ ተመነዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ተቃወምቲ ምንቅስቃሳት እንዳደገፈ ዝስገደሉ መራሒ ንምዃን ዝጽዕድ ዝነበረ ኮነሬል ቀዛፊ፣ ሳንካራ ከምቲ ዝሓሰቦ ክእዘዘሉ ስለዘይክኣለ ናይ ባዕሉ ሶሻሊዝም ስነሓሳብ እምበር ናይ ቀዛፊ ነዋሕ ኢድ ዘይፈርሐ ብምዃኑ ኣይፈተዎን። ስለዚ ምስ ካልኦት ኮይኑ ተመሳጠረሉ። ዓይንን ሓመድን ዝኾና ኣሚሪካን ሊብያን ከመይ ክተሓባበራ ከምዝከኣላ ሕቶ ዘለዓዕል ነበረ። ኣሚሪካ ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ኣደባባይ ዝፈልጦም ጸላእቲ ልዕሊ እቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ቀዛፊ ኣጀማምርኡ ኣስጊእዎ ዝነበረ ሳንካራ ንምጥፋእ ቀዳምነት መደብ ሓንጸጸት፣ ምስ ቀዛፊ ምትሕብባር’ውን ደለየት። ንእግረ መንገዳ ናይ ሊብያ ሓገዝ ዝግበረሎም ዝነበረ ብዓል ተይለር ምትሕብባር ደለየት እዚ ንኹሉ ስለያዊ ስርሓ ከተማልእ ትገብሮ ስልቲ እዩ። ነቲ ዝተጠንሰሰ ጉዳይ ዘተግብር ወዲ ሃገር (ብርኪኖፋሳዊ) ሰብ ምርካብ ኣይተሸገሩን ዓርኪ ሳንካራ ብሌዝ ኮምፓወሬ ተሓጽየ።ካፒተን ብሌዝ ኮምፓወሬ ኣብቲ ግዜ ነታ ሃገር ብዝልዓለ ዝመርሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ምክትል ኣቦ ወንበርን ንቶማስ ሳንካራ መተካእታ ካልኣዩ ሰብ እዩ። ብሌዝ ኮምፓወሬን ቶማስ ሳንካራን ሃገር ዝቀንኣሎም ንምሳሕን ድራርን ዘይፍለዩ የዕሩኽ ነበሩ።መጀመርታ ዝተላለይሉ ከካብ ሓይልታቶም ተመሪጾም ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ሞሮኮ ዝተላእክሉ እዩ ዝነበረ። ክልቲኦም ዘለዎም ማርክሳዊ ስነሓሳብ ንስለ ሃገሮም ዘለዎም ራኢ ኣተኣሳሲርዎም ዕርክነት ውን ፈጠሩ፣ ዕርክነቶም ውን ናብ ቤተሰባዊ ቀየርዎ። ወለዲ ሳንካራ ኮምፓውሬ ከም ወዶም ስለዝሓሰብዎ ኣብ በዓል ኮነ ኣብ ካልእ መዓልቲ ካብኦም ኣይፍለን።ሳንካራን ኮምፓወሬን ብሓደ ውዒሎም ዝሓድሩ ብምዃኖም ስልጣን ኣብ ክልተ የሕዋት ኣትያ ዝተባህለሎም ነበሩ።ቶማስ ሳንካራ ኣብ ዝተኣስረሉ ግዜ ኮምፓወሬ ወተሃደራት ኣወሃሂዱ መንግስቲ ገምጢሉ ን ሳንካራ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኡ ናይ ፕሬዝደንት ስልጣን ከም ዝሕዝ ጌርዎ እዩ። ምሕዝነቶም ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሐ ብመስዋእትነት ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ኣብ መንጎኦም ንፋስ ዝኣቱ ይመስል ኣይነበረን ግን ከም ዝነበሮ ክቅጽል ኣይክኣለን።
ሓደ ሓቂ ኣሎ ቶማስ ሳንካራ ኣብ ልቦና ህዝቢ ሰሪጹ እዩ ደገፍቱ በዚሖም እዮም መሓዝቱን ፈተውቱን ከም በዓል ኮምፓወሬ ብዝና ገዲፍዎም ተዓዚሩ እዩ። ንሶም’ውን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ጥራሕ ክነብሩ ምኻኖም ተረዲእዎም እዩ። ናይ ወጻኢ ተንኮለኛታት ብፍጹም ዝፋተውን ዝሰማምዑን የዕሩኽ ንዝኾኑ፡ ብጉልባብ ስልጣንን ገንዘብን ን ኮምፓውሬ ከስድዕዎ ዘይፍሓርዎ ጉድጋድ ኣይነበረን። “ንስኻ ፕሬዝደንት ንምዃን እንታይ ይጎድለካ ንሳንካራ ቀንጺልካ ንቡርኪናፋሶ ንምንታይ ናይ ውልቅኻ ዘይትገብራ” እንዳበሉ ልቡ ኣሸፈትዎ ስለዝኾነ ክኣ ኮምፓወሬ ንረብሕኡ ክብል ተሓባበሮም። ነቲ ሓወይ ዝብሎ ሓዉ ቀቲሉ መነበረ ስልጣኑ ንምሕዳግ ከድዖ። ዕርክነትን ሕውነትን ልዐሊ ስልጣኑ ምዃኑ ስለ ዝኣመነሉ ብሑጓ ተሓቢኡ ብድሕሪኡ ክወግኦ ወሰነ።
ኣብ ውሽጢ ማውሪታንያ ፈጸምቲ እከይ ተኣኪቦም ኣለዉ ናይ ላይቤሪያ ተይለር ፕሪንስን ናይ ጫድ ፕሬዝደንት ወኪል ፕሬዝደንት ቀዛፊ፣ ኮምፓውሬ ፣ድሓር ምኒስትሪ ምክልኻል ዝኾነ ሆንግሬ ( hongrie) ኣብቲ ናይ ተንኮል ኣኼባ ተራኸቡ፣ ጸኒሑ ሓደ ወጻእተኛ ጻዕዳ ተጸንበሮም ይብል ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ናይ ተይለር ተሓጋጋዚ ነበር ጀነራል ። ቀዛፊ ንተይለር ሓገዝ ክገብረሉ ፣ናይ ፈረንሳ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዝኸውን ሎጀስቲክ ክተቅርብ ቀልጢፋ ናይ ኮምፓወሬ መንግስትነት ኣፍልጦ ክትህብ ኣብዚ ኣኺባ ተዘራረቡ። እቲ መደብ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ናይ ኣሜሪካን ፈረንሳን ኤምባሲ ክጻፈፍ መደቦም ወሰዱ። ርክቦም ምስ ተወድአ ኮምፓወሬ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ከዳሉ ን ጎንጉሬ ትእዛዝ ክህብ እንከሎ። ቻርለስ ተይለር ውሑዳት ወተሃደራት ክሰድድ ምዃኑ ተሰማምዐ ካብኡ ንደሓር ናይ ቶማስ ሳንካራ ጉዳይ ናይ ስዓት ምጽብጻብ ጉዳይ ጥራሕ ነበረ።
ቶማስ ሳንካራ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኮይኑ ትንፋስ ዘይህብ ስራሕ የካይድ ነበረ። ኣቀድም ኣቢሉ ናይ ኮምፓውሬ ምኽዳዕን፣ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዕልዋ ከካይድ ምኻኑ ኣብ ኩሉ ይውረ ነበረ። ክፍሊ ጸጥታ እውን ሓቅነት ናይዚ ጉዳይ ሰሚዕዎን ኣረጋጊጹ ይፈልጥን ነበረ። ኣብቲ እዋን ናይ ጸጥታ ሚንስተር ዝነበረ ከም ዝበሎ ናይ ኮምፓወሬ ኣረኣእይኡ ይቅየር ከም ዝነበረ ናይ ጸጥታ ትካሉ በጺሕዎ ኔሩ።ናይ ተመሃሮ ምንቅስቃስ ምስ ጀመረ ኮምፓወሬ ንቶማስ ሳንካራ ምሕማይን ጉጅለታት ኣብ ምፍጣርን ነበረ። መንግስቲ ንምግልባጥ ኮማንዶ ከም ዘዳለወ ፈሊጥናዮ ኔርና ይብል ሚኒስተር ጸጥታ ፣ እዚ ጉዳይ ንቶማስ ሳንካራ ምስ ነገሮ ኣይኣምንን እየ ኢሉኒ። ኮምፓወሬ ካብ ስልጣን ኣውርዶ እንተዘይኮይኑ ስልጣንካ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ እንተበልክዎ ።”ብጻይነት ኣይክዳዕን እዩ ንሶም ይኽድዑኒ እምበር ኣነስ ኣይክእልን” እየ ካልእ ኣማራጺ ውን የብለይን በለኒ። ንዓኻ ክቀትል ምሕሳቡ ተምሳሌት ዕርክነት ድዩ? ኢለ ሓሪቀ ምስ ተዛረብክዎ እውን ክኣምነኒ ኣይክኣለን።ካብዚ ንድሓር ብኣና ወገን ዕልዋ መንግስቲ ትግበረላ ሰዓት ምጽባይ ኮነ ስራሕና ይብል እቲ ሚንስተር።ቶማስ ሳንካራ ኣብ ዝኾነ ግዜ ሃገርን ህዝብን ዕብየት ዘርኢ ብምትእምማንን ሓቢርካ ብምስራሕን እምበር ፤ ብምጥርጣርን ብ ቅርሕንትን ከምዘይኮነ ኣጸቢቁ ይኣምን ስለዚ ከም ኣንበሳ ንቅድሚት እምበር ከም ዝብኢ ንጎንን ንድሕሪትን ቀልባዕባዕ ናይ ፖለቲከኛታት ባህሪ ከም ዝኾነ ኣይተረድኦን። ኩሉ ግዜ ዝምድራ ዘረባ ኣላቶ “ንዓይ ክቀትሉኒ ይክእሉ እዮም ሓሳበይ ግን ነባሪ እዩ”
ጥቅምቲ 15/1985 ፕሬዝደንት ቶማስ ሳንካራ ዕለታዊ ስርሑ ዛዚሙ ኣጋ ምሸት ካብ ቤተመንግስቲ ናብ ገዝኡ ቅድሚ ምኻዱ ምስ ትራኡሬ( Traore)ብዛዕባ መራኸቢታት ዝዘራረበሉ ዝነበረ ግዜ ምስኦም ዝጸንሐ ኮምፓወሬ ንገዝኡ ዝኸይድ መሲሉ ንቅትለት ዝተዳለዉ ወተሃደራት ኣብ ምድላው ነበረ። ናብ ዚንጎ ዝወርድ ዘሎ ሃንደበታዊ ኣይሂ ዝናብ ክመስል እቲ ከባቢ ብድምጺ ተረበሸ። ንዓይ ድዮም ደልዮም ብምባል ቶማስ ሳንካራ ካብ ወንበሩ ተንስአ ንምክልኻል ኣብ ዘይክኣለሉ ግዜ ተኽሲ ከፊቶም ቀተልዎ ይብል ተራኡሬ።ኣብ ኮንፈረንስ ከም ዘሎ ፈሊጡ ንገዛ ከም ዝኸደ ኣምሲሉ ንቅትለት ዘዳለዎም ወተሃደራት ኣምሪሑ ናብቲ ቶማስ ሳንካራ ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ብ ካዕቦ ቶኽሲ ኣተወ ኣብ ልዕሊ ጠረጲዛ ደይቡ ንቶማስ ሳንካራ ኣብ ኮፍ መበሊኡ ከሎ ተኮሰሉ። ቶማስ ሰንካራ ምስ ተወግአ ኮምፓወሬ ዓርከይ ካባኻ ዘይጽበዮ ነገር እዩ እንዳበለ ዘረባ ከይወሰኸ እንደገና ተዂሱ ካብ ዝነበሮ ኮፍ መበሊ ኣንሸራቲቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። ቶማስ ሳንካራ ክቅተል እንከሎ ምስኡ ዝነበሩ ዓጀብቲ ብምልኦም በቶም ዕጡቃት ኣብ ውሽጢ ቤተመንግስቲ ተዛሕዝሑ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝነበረ ቶራኦሬ በቶም ወዲቆም ዝነበሩ የዕርኽቱ ተኸዊሉ ድምጺ ተኹሲ ክሳብ ዘቓርጽ ትንፋሱ ሸጒጡ ኣጽቀጠ። እቶም ቀተልቲ ወተሃደራት ስርሖም ወዲኦም ምስ ከዱ ተራኡሬ መኸወሊ ረኺቡ ኣርሒቆም ምስ ከዱ ብሑጓ ኣምሊጡ ብምኻድ ክሳብ ስልጣን ናይ ኮምፓወሬ ዘብቅዕ ን27 ዓመታት ተኸዊሉ ጸኒሑ ናብ ሃገሩ ተመለሰ።ኣለኺ ዝበላ ሂወት ወሳዲ የብላን ከም ዝበሃል ኮይኑ እዃ ቶራኡሬ ነዚ ዛንታ ከዘንቱ በቂዑ።ኣብ ናይ ፈረንሳ ቴለቭዥን ሞት ቶማስ ሳንካራ ምስ ተነግረ ቡርኪናፋሳውያን ንዕለቱ ሓዘንሉን ነብዕሉን፡ ብፈቀዶ ገዛውትን፡ ጎደናታትን፡ ቤተክርስቲያናትን ብዘይ ኣለቃሲ መሪር ሓዘኖም ገለጹ። ኮምፓወሬ ተሓባበርቱን ንሳንካራን እቶም ዝሞቱ 13 ወተሃደራት ሰብ ከይርኣዮም ቀበርዎም።
እዚ ናይ ሞት መርድእ ምስ ተሰምዐ ተማስ ሳንካራ ብድንገት ከም ዝሞተን ካፒተን ብሌዝ ኮምፓወሬ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ከም ዝኾነ ብወግዒ ብ ሬድዮ ተነግረ።ኮምፓወሬ ብ ተሌቪዥን ቀሪቡ “ሓወይ ስለተቀተለኒ ኣነ’ውን ተቀቲለ እየ ብጣዕሚ ውን ሓዚነ እየ።” ኢሉ ገጹ ጸዋዊጉ ከምስል ብንብዓት ተጎቢኡ “እቲ ዝከፍአ ንዓይ’ውን ክቀትሉኒ ምሕሳቦም ብዝበለጸ ከም ዝሓዝን ጌሩኒ እዩ።” እንተኾነ ግን ነቲ ክሳብ መወዳእታ ዕርክነቶም ኣሚኑ ክሳብ ሂወቱ ክወስድ ከም ሕልናኻ ዝበሎ ዓርኩ፡ዳግማይ ጠሊሙ ብኽብሪ ከም ዝቅበር ኣይገበሮን፡፡ ኣበይ ከም ዝተቀብረ ውን ንማንም ኣይተነግረን።ፈቐዶ መናድቕ ዝተሰቅሉ ናይ ሳንካራ ኣሳእል ኣይወረዱን ግን ክኣ ወግዓዊ ሓዘን ኣይተገብረን። ብዛዕባ ኣማውትኡ ምሕታት ብጥብቂ ተኸልከለ።ን ኮምፓወሬ ከም ውሉዶም ዝሓስብዎ ስድራቤት ሳንካራ ኣብ ሓዘኖም ኣይተረኽበን።ወላዲ ሳንካራ፡ዝኾነ ኮይኑ እቲ ዝኾነ ብሌዝ ኮምፓወሬ ክነግረኒ ይግብኦ ፣ብ ግሉ ዝፈጸሞ ነገር እንተሎ ክኣ ይቅረ ምበልክዎ ኣይ ንሱስ ወደይ እንድዩ ከምዝበሉ መቅርቦም ዝነበረ ኣብ ቲለቭዥን ኣብ ዝተገብረሉ ቃለ መጠየቅ ይሕብር።
ህዝቢ ናይ ኮምፓወሬ ዘረባ ኣይኣመነን ፡ ዝበዝሐ ሰብ ስእልታት ሳንካራ ኣብ መናድቅ ገዝኡ ኣንጠልጢሉ ክሓዝነሉ 27ዓመት ኮነ። ብ ተቀናቃኒኦም ዝተቀትሉ መራሕቲ ክልቀሰሎም ኣይኮነን ዝውንጅሎም እዩ ዝበዝሕ። ናይ ቡርኪና ፋሶ ህዝቢ ግን 27ዓመት እንዳ መጎሰ፣ እንዳዘመረን ዘከሮ።ብሌዝ ኮምፓወሬ ስልጣን ምስ ሓዘ ከም ምኽሮም ፈረንሳ ኣፍልጦ ሃበቶ። ሳንካራ ጀሚርዎም ዝነበረ ፖሊሲታት ሓደ ብሓደ ተቀየሩ።መሬት ናይ ህዝቢ ምዃኑ ተሪፉ ንሃብታማትን፡ ሓለፍትን ተዋህበ። ሃብቲ ሃገር ናይ ህዝቢ ምዃኑ ተሬፉ ናይ መንግስቲ ኮምፓወሬ ኮነ።ኮምፓወሬ ፈረንሳ ዝበለቶ እንዳተኣዘዘ እታ ሃገር ናብ ዝነበረቶ ዓዘቕቲ ድኽነት ክሸማ ጀመረ። መጨረሽትኡ ግን ኣይጸበቀሉን። ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኩሉ ኸባቢታት እታ ሃገር ተበጋገሰ።ንተከታታሊ ዓመታት ምርጫ ዝመርጽ ዝነበረ ቤት ምኽሪ ፓርላማ እቲ ሃገር ብ ናዕቢ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ተቓጸለ። ከም ሳዕቤኑ ኮምፓወሬ ከይተራእየ ከም ኣንጭዋ ሰሊኹ ናብ ሕጂ ዝርከበሉ ጎረቤት ሃገር ኣይቨሪኮስት ኣተወ።ናይ ኮምፓወሬ ስምን ስልጣንን ክጠፍእ ምስ ጀመረ፣ ናይ ሳንካራ ሽም ግን መሊሱ እንዳተኮልዐ መጸ። ህዝቢ እንደገና ንሳንካራ ክዝክር ጀመረ፣ ኣቀታትልኡ ተጻርዩ ቀተልቱ ኣብ ፍርዲ ክቀስቡ ጠበቓ ተሾመ። ኮምፓወሬ ኢደይ ከም ጲላጦስ ንጹህ እየ እኳ እንተበለ ናብቲ ሃገር ኣትዩ ንክከራኸር ዕጭ ምስ ሓንፈፈ ብ ቤት ፍርዲ ዓስከሬን ክምርመር ተወሰነ። ናይ ሳንካራን 13ተሓጋገዝቱን ሬሳ ኣብ ዝተኸወለ ናይ መቃብር ቦታ ተረኺቡ ክምርመር ጀመረ። ኩሎም ብጥይት ከም ዝተቀትሉ ተሓበረ። ቶማስ ሳንካራ ልዕሊ ብ 12 ጠያይት ነብሱ ተበሳሲዑ ከም ዝተቀትለ ናይ ምርመራ ውጽኢት ሓበረ። እዚ ውጽኢት ናይ ኮምፓወሬ መንግስቲ ን ቶማስ ሳንካራ ብተፈጥሮ ሃንደበታዊ ሕማም ከም ዝሞተ ዝነገርዎ ክሕግዞም ኣይክኣለን።
ን ቶማስ ሳንካራ ብስሙ ኣደባባይ ተሰሪሕሉ እዩ። ፈቀድኡ ስእሉ ተለጢፉ ይርከብ። ህዝቢ እታ ሃገር ከም መሰረት ሓድነቶምን ፡ ክብሮምን ጌሮሞ ኣለዉ። ካብ ጎረቤት ኣይቨሪኮስት ሓሊፉ ብደቡብ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ከይተረፈ ምስሉ ዘለዎ ማልያታት እንዳለበሱ፣ቀያሕ ቆቢዑ እንደመለሱ ሽሙ ኣጋኒኖሞ እዮም። ዜማታት እውን ተዘይምሉ እዩ። እዚ ኩሉ ክብሪ ኣፍሪቃዊ ቸኮቬራ ኣይርእዮን ግን ወለዱን፡ ውልዱን ክሳዶም ኣቅኒዖም ክኸዱ ይክእሉ። ብኣንጻሩ ቀተልቱን ተሓባበርቶምን ብፍርሒ ይሞቱ ወለዶምን፣ውልዶምን ድማ ርእሶም ደኒኖም ብሕፍረት ይነብሩ። ከም በዓል ሳንካራ ንጹሃትን፡ ሓርበኛታትን ስሞም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብጽቡቅ ግብሮም እንዳተዘከሩን እንተመጎሱን ክነብሩ እዮም። ቡርኪናፋሶዊ ናይ ሬጌ ደራፊ ሳምሳሕ ካብቶም ንሽም ሳንካራ ዝዘመረ ስነጥበባዊ እዩ። ለካ ሓቂ እዩ ቶማስ ሳንካራ ” ንዓይ ክቀትሉኒ ይኽእሉ እዮም ሓሳባተይ ግን ነባሪ እዩ” ክብል።
© ተስፉ ሃይለማርያም
ነዚ መደብ ብቪድዮ ንምክትታል ኣብዚ ፈለግ ይስዓቡ።