ኮፐርኒክስ፡ ምድሪ ኣብ ቦትኣ የላን!

ብ ቪድዮ ክትከታተልዎ ምስ እትደልዩ።

ኣብ ህይወትኪ ክንደይ እዋናት ናብ ሰማያት ኣንቃዕሪርኪ ንወርሒ፡ከዋኽብቲ፡ደመናታት፡ቀስተ ደመናን ኣስተማቒርኪን ብምስጢረ ሰማያት ተገሪምክን ትኾኒ?ኣብ በይንኺ ኣይኮነን፡፡ወዲ ሰብ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ንዘመናት ናብ ላዕሊ እናንቃዕረረ ምስጢረ ሰማያት፡ ህይወት፡ ኣማልኽትን ኣድማስን ክፈልጥ ሃሪሩ እዩ።ድሕርቲ ንሶቕራጠስ ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ወግዒ ንሎሚ ምስ ሓደ ነዚ ምስጢረ ሰማያት ዝፈትሐ፡ቦታና ኣብ ኣድማስ ዘፍለጠን ወዲ ሰብ ንጉስ ምድሪ ጥራይ ዘይኮነ ዳህሳሲ ሰማያት እውን ክኸውን በሪ ዘርሓወ ሰብ ከነውግዓሉ ኢና፡ወግዒ ብኒኮላስ ኮፐርኒከስ።

  ብኾስሞሎጂ (COSMOLOGY) ክንጅምር፡ኮዝሞሎጂ ንቆስሞስ (ኮስሞዝ) ከመይ ንርእዮ ማለት’ዩ እዩ፡እዚ ማለት ኲኖ ዓለም እንታይ ኣሎን ዓለም ኣበይ ኣላን ንምፍላጥ ዝግበር ዓውደ ፍልጠት እዩ።እቲ ጥንታዊ እምነት ብዛዕባ ቆስሞስ ንምድሪ ማእከል ኩሉ ኣድማስ ጌሩ ዝወስድ ጂኦሰንተሪዝም ዝበሃል ነበረ።እዚ ማለት ምድሪ ኣብ ማእከል ኣድማስ ዝቖመት ሕመረት ክትከውን እንከላ፡ኩሎም ካልኦት ባእታታት ኣድማስ ድማ ኣብ ዙርይኣ ይዞሩ ይብል።ነዚ ሓሳብ ቅርጺ ዘትሓዘ እቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነብር ዝነበረ ግሪኸ ግብጻዊ ቶሎሚ እዩ።ናይ ቶሎሚ ስነ ሓሳብ በቲ ኣብ ራብዓይ ክ/ዘ ቅ.ል.ክ ዝነብር ዝነበረ ኣሪስቶትል ክጽሎ እንከሎ፡ብበትክርስትያን ተደጊፉን ተራዒሙን ንኣስታት 1400 ዓመታት ከም ሓቂ ተወሲዱ ጸንሐ።እዚ ግን ክሳብ እተን ትኩራት የዒንቲ ናይቲ ፖላንዳዊ ፈላሲ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ ናብ ሰማያት ኣንቃዕሪረን ካልእ ትርጓመ ዝወስዳ እዩ።ትዕዝብትታት እዚ ፈላሲ ነቲ ን16ን 17 ክ/ዘ ዝቐጸለ ምጅማር ስነ ፍልጠታዊ ሰውራ ኣበሰረ።ኮፐርኒከስ መን ነበረ?

ኒሎላስ ኮፐርኒክስ

ኣብ 19 ለካቲት 1473 ኣብ ቶሩን ግዝኣት ፖላንድ ተወሊዱ።ካብ ሃብታማት ስድራ ዝተወልደ ኮፐርኒከስ ወናኒ ሕብረ ሞያታት እዩ፡፡ ናይ ሕሳብ ክኢላ፡ኣስትሮነመር፡ዶክተር፡ክኢላ ስነ ሕጊ ክርስትና(canon law) ብዓቢኡ ድማ ፈላሲ።ወዲ ዓሰርተ ዓመት እነሎ ወላዲኡ ብሞት ምስ ተፈልዮ እቲ ድሒሩ ጳጳስ ናይ ቨርመ ክኸውን ዝኸኣለ ኣኩኡ ሉቃስ ምስኡ ከዕብዮን ከምህሮን ወሰዶ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ቦለኛ ሲቪላዊ ሕግን ካኖናዊ ሕግን ጥራይ ዘይኮነ መድሃኒት፡ፍልስፍናን ቋንቋ ግሪኽን እውን ኣጽኒዑ።ብፍላይ ቋንቋ ግሪኽ ምፍላጡ ንፍልስፍናውን ምርምራውን ስርሓት ግሪኻውያን ክፈልጥ ዓቢ ሓገዝ ኮይንዎ።ኣብዚ ድማ እዩ ምስ ምርምራት እቲ ንስነ ሓሳብ ጂኦ ሰንተሪዝም ናይ ቶሎሚ ብብዙሕ ሕቶታት ዘዋጥር ዝነበር ዶመኒኮ ማርያ ኖቫራ ዝተላለየ።

ካብ ጣልያም ብስነ ሕጊ ናይ ዶክትሬይት ማዕረግ ድሕሪ ምርካቡ ድማ ናብ ፖላንድ ተመሊሱ ምስቲ ጳጳስ ናይ ፖላንድ ኮይኑ ዝነበረ ኣኩኡ ክሰርሕ ጀመረ።

 ደ ረበሊስዮንቡስ ኦርብዮን ኮለስዮን፡ወይ The Revolution of The heavenly spheres እታ ንመልክዕ ዓለም ዝለወጠትን ጅማረ ሰውራ ስነ ፍልጠትን ዘበሰረት መጽሓፉ ኣብ 1530 ዓ.ም ክትሕተም እንከላ፡ኮርኒከስ ኣብ ዓራት ተደኒሱ ምስ ሞት ይቃለስ ነበረ።እዛ መጽሓፍ ነቲ ሓባራዊ ርድኢት፡ሃይማኖታዊ ሓቅታትን ክሳብ እቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሳይንሳዊ መግለጺታትን ብሓባር ክትብድህ ዝኸኣለት ኮይና፡ብመንገዲ እዛ መጽሓፍ ኮፐርኒከስ ብዓይኒ ንገሊኣቶም ዓበይቲ ስነ ፍልጠተኛታት ናይቲ ዘመን ከም ዓሻ፡በቶም ህንጡያት መንእሰያት ድማ ከም ኣርኣያ ክውሰድ እንከሎ፡ብዓይኒ እቲ ዝዓበየሉን ዘገልገሎን ቤተ ክርስትያን ድማ ከም ክሓዲ ተቖጽረ።ኮፐርኒከስ ኣብዛ መጽሓፍ ዘስፈሮም ሓሳባት ውጽኢት ናይ ሰላሳ ዓመታት ምርምር ዝሓቖፉ ምስልታትን ናይ ስነ ቁጽሪ ቅማረታትን ንሱ ንገዛእ ርእሱ ሰብ ከይስሕቆ ፈሪሁ ንዓመታት ከይሕተሙ ኣብ በይኑ ዓቂብዎም እዩ።

መጽሓፍ ኮፐርኒክስ

ስነ ሓሳብ ሄሎሰንተሪዝም ኮፐርኒከስ ጀሚርዎ ኢልና መደምደምታ ክንህብ ኣይከኣልን፡ቅድሚኡ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ኣሪስቶትል ነቲ ሓሳብ ኣልዒልዎ ኔሩ እዩ፡ግን መዋዘዪ ኮይኑ ድኣ ተረፈ።ፍርሂ ኮፐርኒከስ እውን እዚ እዩ ኔሩ፡መስሓቕ ሸራፋት ንኸይከውን።እዚ ግን ንኸሕትሞ ድኣ ተማቲኡ እምበር ከም እምነትሲ ህይወቱ ምሉእ ከረጋግጾ ዝጸዓረ ስነ ሓሳብ እዩ ኔሩ።መሬት ኣብ ሕምብርቲ ኣድማስ ቀጥ ኢላ ዝቖመት ኣይኮነትን።እንታይ ድኣ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ዙርያ ጽሓይን እናዘረት እያ ትነብር።እስከ ነዚ፡ ድሕሪ ኮፐርኒከስ 500 ዓመታት ጸኒሕና ኣዋህሊልናዮ ዘለና ፍልጠት ንጎድኒ ኣወንዘፍና እዛ ሕቶ ንመልሳ፡መሬት ኣብ ገዛእ ርእሳ እትከብሮ ዕንክሊል ወይ ሕምባበ 1,669 ኪ/ሜ ኣብ ሰዓት ክበጽሕ እንከሎ 107,278.87 ኪ/ሜ  ኣብ ሰዓት እናተሓንበበት ድማ ንጸሓይ ትዘውር።ኣብ ብኸምዚ ፍጥነት እትሕንበብ ምድሪ ምህላውና ክንደይ ካባና ክንኣምኖ ንኽእል?

  ንልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ደቂ ሰብ ምድሪ ሕምብርቲ ናይዚ ኣድማስ ምዃና፡ጽሓይን ፕላኔታትን ድማ ኣብ ዙርይኣ ዑደተን ከም ዘካይዳ እዮም ዝኣምኑ፡፡እዚ እምነት ወላ እውን ብቤተክርስትያን ተቐባልነት ዝረኽበ፡ክምጎት ይኹን ኣብ ምልክት ሕቶ ክወድቕ ዘይክእል ሓቂ ኮይኑ ጸንሐ።ካብዚ ስነ ሓሳብ ምውጻእ ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ሓይጣት ወይ ክሕደት እዩ’ውን ነይሩ።ኮፐርኒከስ ከይስሓቕ ምፍርሁ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፡ምኽንያቱ መሬት ትዘውር እያ ኢሉ እንተድኣ ሓሲቡ ንምንታይ ፍጡራት ዘይወድቁ ወይ ናብ ኣየር ዘይብተኑ?ንምንታይ ንላዕሊ ዝደርበኸዮ ኣቕሓ ትኽ ኢሉ ናብ መሬት ዝምለስ ኣብ ህዋ ከንሳፍፍ’ዶ ኣይምተገብአን? እዚ ኮፐርኒከስ ይኹን ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ተኸተልቱ ከረጋግጽዎ ብዘይ ምኽኣሎም ስነ ሓሳብ ሄሎ- ሰንተሪዝም ንዝቐጸለ ነዊሕ ዘመናት ከይተራዕመ ዝጸንሐ።ዓለም እናዘረት ንምንታይ ንሕና ዘይተበተንና ዝብል ሕቶ 140 ዓመታት ድሒሩ ኒውቶን ክሳብ ዝምልሶ ምስጢር ኮይኑ ጸንሐ።

ዲያግራም ቶለሚ

ኣብቲ ተራዒሙ ዝነበረ ስነ ሓሳብ ጂኦ ሰንተሪዝም፡ቶለሚ ኣብታ ደው ኢላ እያ ዘላ ዝበላ መንበሪቱ ዝኾነት መሬት ኮይኑ ምንቅስቓስ ፕላኔታት ንኽገልጽ ዝተሓላለኸ ስነ ሓሳብን ዲያግራማትን (ስእላዊ መግለጺታት) ክጥቀም ነበሮ።በዚ ድማ ኤፒሳይክልስ ኢሉ ዝሰመዮም ዓንኬላት ኦርቢት ብምስኣል ምድሪ ደው ኢላ ከም ዘላ ከረጋግጽ ፈተነ።ኮፐርኒከስ ግን በዚ ስነ ሓሳብ፡ኣገባብን መግለጺታትን ቶለሚ ኣይዓገበን ጥራይ ዘይኮነ ክቕየር ከም ዘለዎ እውን ተረድአ።ከም ርእይቶ ኮፐርኒከስ ኣድማስ ቅልል ብዝበለ፡ንጹርን ውሁድን ጉዕዞ እምበር ብኸምቲ ቶለሚ ዝብሎ ዝተሓላለኸ መስርሕ ዝኸይድ ኣይኮነን።

እቲ ካብ ቶለሚ ውጽእ ኢሉ ዝነበረ ተጻራሪ ስነ ሓሳብ ናይ ኣሪስቶትል እውን እንተኾነ፡ወላ’ኳ ምድሪ ከም እትንቀሳስ እንተኣመነን ካብ ቶለሚ ብዝሓሸ ንምቅይያር ኩነታት ኣየርን ካልእን መግለጺ እንተሃበን ሓደ መሰረታዊ ሕጽረት ግን ነይርዎ።ኣሪስቶትል ንባዕሉ ልክዕ ከም ቶለሚ ምድሪ ሕመረት ኩሉ ኣድማስ እያ ኢሉ ይኣምን ብምንባሩ።ፍልልይ ቶለምን ኣሪስቶትልን ምድሪ ትዘውር እያ – ያዕ! ደው ዝበለት እባ፡ ዝብል እምበር ቦታ ምድሪ ኣብ ሕመረት ኣድማስ ምዃኑስ ክልቲኦም ተሰማሚዖሙሉ ነበሩ።በዚ ድማ እዩ ኮፐርኒከስ ኣንጻር ምሉእ እቲ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ስነ ሓሳብ ቆስሞስ፡ኣስትሮሎጅን ፊዝክስን ዝኾነ።ምኽንያቱ ኮፐርኒከስ ምድሪ ሕመረት ኣድማስ ኣይኮነትን ብምባሉ ንናይ ዘመናት ምርምርን ሓቅታትን ናብ ቃልዕ ሕቶ ዘጋልጽ ነበረ።ኮፐርኒከስ ብስነ ቁጽራዊ ቅማረታትን ዲያግርምን ካብ ቶሎሚ ብዝቐለለ ንኣድማስን ምንቅስቓስ ከዋኽብትን እኳ ክገልጾ ይኽኣል እምበር፡ከምኡ ብምግባሩ ንክላሲካል ፊዝክስ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘእተዎ ብብዙሓት ተመራመርቲ ክእመን ኣይከኣለን።

ኮፐርኒከስ ካብቶም ከረድኦምን ከረድእዎን ዝኽእሉ ስነ ፍልጠተኛታት መዛንኡ ጥራይ ኣይኮነን ተቓውሞ ገጢምዎ።ክሳብ ሽዑ ብስቕታ ክትዕዘብ ዝጸንሐት ዝለዓለት ስልጣንን ዝሓየለት ተቛምን ናይ ማእከላይ ዘመን እውን ንኮፐርኒከስ ተተሓሓዘቶ፡ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን።

ኣብ መጽሓፍ እያሱ ከምዚ ይብል “ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ እስራኤል የሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፡እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ኣቲ ጸሓይ፡ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ኣቲ ወርሒ’ውን ኣብ ለሰ ኣያሎን።ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ክሳብ ዝፈዲ ጸሓይ ቆመት፡ወርሒ’ውን ደው በለት።’’(እያሱ 10፡12) ነዚ ብመጽሓፍ ቅዱስን ቤተ ክርስትያንን ዝተራዕመ ሓቂ ክትመራመር ምፍታን ክሕደት እዩ ኔሩ።ክሲ ክሕደት ኣብ ማእከላይ ዘመን ድማ ንሞት ዘቕጽዕ ከቢድ መዘዝ ነበሮ።ኮፐርኒከስ ኣንጻር እዚ ስግኣት እውን ክገጥም ነበሮ።እቲ ካልእ ዝዓበየ ግድል፡ኮፐርኒከስ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ክነሱ ከመይ ጌሩ እዩ ኣንጻር እምነቱ ክጽሕፍ ዝኽእል?ብርግጽ ንኮፐርኒከስ ብሓደ ግዜ ፈላስን ተመራማሪ ስነ ቁጽርን ምዃን ቀሊል ዝነበረ ኣይመስልን።ካብቶም ክልተ እምነታቱ ሃይማኖታዊ ወይ ኣካዳምያዊ ንሓድኦም ከቕድም ዝተሓተሉ ኩነት ነበረ።እዝን ካልእን ምኽንያታት ተደሚሩ ድማ እዩ ንስርሓቱ ኣብ ግዚኦም ከሕትሞም ዝተማትአ።

ኣብ 1540 ኮፐርኒከስ ድሮ ናብ እርጋን ተጸጊዑ ነበረ።ን30 ዓመታት ዘካየዶም ምርምራት ግን ኣብ ውልቁ ዓቂቡ ብርሃን ጽሓይ ክሪኡ ኣይፈቐደን።ኣብዛ ዓመት ግን ንዕድል ኮፐርኒከስን ምርምራቱን ዝቕይር ሓደ ዕድል ተኸስተ፡ምጽኣት ናይቲ መንእሰይ ጀርመናዊ ክኢላ ስነ ቁጽሪ ጌዮርግ ሮቲከስ።ሮቲከስ ነቲ ኮፐርኒከስ ምስ የዕሩኽቱ ንኽዘራረብ ብኢዱ ጽሒፉ ብምስጢር  ዘከፋፈሎ ቅዳሕ ፓምፍሌታት (በራሪ ወረቐት)ኣብ ገለ ረኺቡ ድሕሪ ምንባቡ ንኮፐርኒከስ ክርኢ ከም ዝመጸ ይእመን።ሮቲከስ ናብ ኮፐርኒከስ ዝመጸሉ ዕላማ ኮፐርኒከስ ምርምራቱ ንኸሕትም ንኽደፋፍኦ እዩ ኔሩ።ድሕሪ ንሰለስተ ዕቁዳት በይኑ ምጽናሕ ኮፐርኒከስ ናይ ፈለማ ተመሃራይን ተኸታልን ረኸበ።እዚ ንኮፐርኒከስ ተስፋን ትብዓትን ክሰንቕ ስለ ዘኽኣሎ ድማ እዩ ድሕሪ ገለ ግዜ ንመንእሰይ ሮቲከስ ጽሑፋቱን ናይ ሕትመን ፍቓድን ኣስኒቑ ዘፋነዎ።

ሕትመት እታ መጽሓፍ ኣብ ምውድኡ ኮፐርኒከስ ነተን ናይ መጀመርያ ቅድሓት መጽሓፉ ርእዩ ኣብ 24 ግንቦት 1543 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ።ኣብ 1616 ዓ.ም ቤተ ክርስትያን ሰባት ንመጽሓፍ ኮፐርኒከስ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከይኣምኑ ብምምሕጻን ነታ መጽሓፍ ኣብ ዝርዝር እተን ውጉዛት የእተዋ።ሓቅታት እዛ መጽሓፍ ንኽረጋገጽ ድሕሪ ኮፐርኒከስ ዝመጸ ጋሊልዮ ዋጋ ክኸፍል ነበሮ።ነቲ ካብ ኮፐርኒከስን ጋሊልዮን ከይተመለሰ ዝተረፈ፡ ዓለም ትሕምበብ እንተላ ንምንታይ ናብ ኣድማስ ዘይንብተን? ዝብል ሕቶ 140 ዓመታት ድሒሩ ኒውቶን ክሳብ ዝምልሶ ድማ መጽሓፍ ኮፐርኒከስ ዝግብኣ ተቐባልነት ከይረኸበት ጸንሐት።

ኮፐርኒከስ ወዲ ሰብ ንዘመናት ኣኪበዮም ዝበሎም ናይ ስነ ጠፈርን ፊዝክስን ፍልጠታት ብንጽል ስነ ሓሳብ ዘዕነወ፡ግቡእ ቦታ ምድሪ ኣብ ኣድማስ ዘፍለጠ ነበረ።እዚ ሎሚ ኣብ ወርሒ ኮይኑ ንዓለም ክዕዘባ፡ቀብሪ ናይ ሓደ ተመራማሪ ኣብ ኣድማስ ክእውጅ ዝኸኣለ ወዲ ሰብ ንኽፍጠር፡እኒ ኮፐርኒከስ ዋጋ ክኸፍሉ ነበሮም።ኮፐርኒከስ ነቲ ማሙቑ ዝዓበየሉ ሕብረተሰብ ክቕይር ሰውራ የድሊ ነበረ፡ነቲ ዘዕበዮ እምነትን ዘገልገላ ቤተ ክርስትያንን ክብድህ ሰውራ የድሊ ፡ነቲ ዝቐሰሞ ትምህርቲ ከፍርስ ሰውራ ግድን ነበረ።ኮፐርኒከስ ድማ ነቲ ሰውራ ጀመረ።ሰውራ ስነ ፍልጠት።

ክቡራት ኣንበብቲ እዚ ጽሑፍ ቁንጫል ታሪኽ ኮፐሪከስን ኣበርኩትኡን ኣርእዩ፡ኪኖ እምነን ጽኑሕ ኣምራትን ክትመራመሩን ጀመርቲ ኤርትራዊ ሰውራ ፍልጠት ክትኮኑ ከተባብዓኩምን ይትስፎ።ዝቕጽል ግዜ ምስ ጋሊልዮ ክሳብ እንራኸብ . . . ሰላም ቅነ።

“ነብስወከፍ ብርሃን ናታ ጽላሎት ኣለዋ፡ነብስወከፍ ጽላሎት ድማ ትስዕባ ወጋሕታ ኣላታ” Nicolaus Copernicus

Asmerom Haile

ዳይናሚክ ኣርት ፕሮዳክሽንስ – DYNAMIC ART PRODUCTIONS

ጅዋን በደል ቦካሳ

ኣብዛ ዓለም ዘይተሰምዐ እምበር ዘይተገብረ የለን ዝብል ምስላ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ደጋጊምና ኢልናዮን ሰሚዕናዮን ንኸውን።እንተኾነ ገለ ዛንታታት ንየዒንቲ እቶም ዝነበረዎም ሰባት ምእማኖም ዘሸግሩ፡ንሰማዕቶም ዘደንጽዉን ዘስደሙሙን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡የእምሮ ወዲ ሰብ ክቐርጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ትሕዝቶ ይህልዎም።ሎሚ እውን ምስ ኣፍሪቃን መራሕታን ንገብሮ ወግዒ ክቕጽል እዩ።ናይ ሎሚ ዕላልና ግን ናብ ካብ ጭካነ ኩሉ ዝበኣሰ ጭካነ፡ካብ ብድዐ ኩሉ ዝኸፍአ ብድዐ፡እቶም ጨካናት ከይተረፉ ክሰምዕዎ ዘስካሕክሖም ዛንታ ኣሬሜንነትን ጽላለን ኢና ክንድህስስ። ዛንታ እቲ ብስጋ ሰብ በዓላቱ ዘኽብር ካብ ናብ ጥዑይ ናብ ጽሉል ዝቐርብ መራሒ ሓንቲ ንእስቲ ሃገር ሪፓፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ዛንታ እቲ መስደመም ጅዋን በደል ቦካሳ።

ጅዋን በደል_በኮሳ፡ “ሰብ ሰብ በልዐ”ዘመነ ጅዋን በደል ቦካሳ ከም ዲክታተር ናይ ሪፓፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ዛንታ ስስዐን ጭካነን ጥራይ ዘይኮነ፡ዛንታ ብማንም ካልእ መራሒ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጥሙሕ ዝና እዩ። ዝበለጸ መግቢ ንዓይ፡ዝበለጸ ህንጻ ንዓይ፡ዝጸበቓ ወይዘራዝር ንዓይ ዝመለለይኡ ቦካሳ።ካብዚ ባህሩ ዝነቐለ ከይኮነ ኣይተርፍን 17 ኣንስቲ፡ማእለያ ዘይብለን ውሽማታትን ብወግዒ ዝኣመነሎም 62 ቆልዑን ዘፍረየ።ብቑጡዕን መሕገብገብን ጠባዩ ዝዝከር በደል ቦካሳ፡ስጋ ሰብ ምብላዕ እውን ቀንዲ ሕላገቱ እዩ።ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ኣብ 22 ለካቲት 1921 ካብቶም ሓለቓ ናይ ሓንቲ ዓዲ ዝነበሩ፡12 ውሉዳት ዝፈረዩ ኣብኡ ሚንደጎን ቦካሳ ተወሊዱ።ኣቡኡ ሚንደጎን ከም ሓለቓ ናይታ ገጠር መጠን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናይ ገዛኢት ሃገር ፈረንሳይ ናይ ዕደና ኩባንያታት ዝኾኑ ኣገልገልቲ ሰራሕተኛታት በብግዚኡ ክግብሩ ነበሮም።ሓደ እዋን ግን ሓደ ነቢ ነዚ ምዝመዛን ንፈረንሳ ዝወሃብ ግዱድ ሽቕለትን ከቋርጽዎ ራኢ ከም ዝተራእዮ ነገሮም እሞ፡ኣቦይ ሚድንጎ “ኣነ ካብ ዘመሓድሮ ህዝቢ ንዓኹም ብነጻ ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ኣይህብን” ኢሎም ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ተቓወሙ።በዚ ድማ ናዕቢ ፈጢርካ ተባሂሎም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ካብ ዓዶም ብምውሳድ ኣብ ምባኪ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር፡ ካልኦት ንኸመሃሩ ብምባል ሰብ ኣኪቦም ቀጥቂጦም ቀተልዎም።ኣይጸንሐትን ኣደ ቦካሳ እውን፡ በቲ ብዓል እንድኣ ብምኽሳራ ዝወረደ ኣደራዕ ተባሳጭያ ነብሳ ኣጥፍአት።እዚ ክልተ ፍጻመታት እዚ ድማ ንህይወት ቦካሳ ክሳብ መወዳእታ ሕልፈቱ ዓሚቕ ዝቐጸለ በሰላ ፈጠረ።

ብድሕሪ እዚ ቤተ ሰቡ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብቤተክርስትያን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ንኽቐስም ናብ ቤት ትምህርቲ ዢኣን ዳ’ርክ ኣመዝገብዎ።ኣብ እዋን ትምህርቱ ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ መጽንዒት መጽሓፍ ሕልፊ ኩሉ መሲጣቶ ወግሐ ጸብሐ ቁኒን ክብላ ዝረኣዮ መምህራኑ ድማ፡ብስም ደራሲ እታ መጽሓፍ ጂኣን በደል ኢሎም ክጽውዕዎ ጀመሩ፡ብኡ ኣቢሉ እዚ ስም መጸውዒኡ ኮይኑ ተረፈ።ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ብምኽሪ ኣቦሓጉኡ ተደፊኡ ናብ ሰራዊት ፈረንሳይ ተጠርነፈ።ቦካሳ ምስ ሰራዊት ፈረንሳይ ኮይኑ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ውግእ ኢንዶ ቻይናን (ቬትናም) ብዘርኣዮ ጅግንነት መዳልያ ድሕሪ መዳልያ ተሰለመ።እዚ ስልማታት እዚ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለምን ኲናት ቬትናምን ኣብ ዓውደ ኲናት ብዘርኣዮ ጅግንነት 12 ናይ ክብሪ መዳልያታት ክስለም እንከሎ፡ካብዚ ገሊኡ ብሃገረ ፈረንሳይ ዝወሃብ ዝለዓለ ኒሻናት ከም ሊጅዮን ዲ ኦነርን፡ክርዋ ዶ ጉረን ይርከቦም።ናጽነት ሃገሩ ዘይተርፍ ምስ ኮነ፡ቦካሳ ካብቲ ን17 ዓመታት ዘገልገለሉ ሰራዊት ፈረንሳ ናይ ካፕቴን ማዕረግ ሒዙ ተፋንዩ፡ነቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ሃገረ ሪፖፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝኸውን ዳቪድ ዳኮ ንምሕጋዝ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።ኣብኡ ሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር ናይ ምቑም ተልእኾ ተዋሂብዎ፡ኣብ ሓጺር ግዜ 500 ኣባላት ዘለዎ ሰራዊት ክሃንጽ በቕዐ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣብ 42 ዓመቱ ናይቲ 500 ኣባላት ዝነበርዎ ሰራዊት ምክልኻል ሰንትራል ኣፍሪካን ሪፓፕሊክ ኣዛዚ ክኸውን ተሸመ።

ንጉስ ፕረዚደንት ዢኣን በደል ቦካሳ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካልኣይ ፕረዚደንት እዩ።ናይ መጀመርያ ፕረዚደንት ዳቪድ ዳኮ ነበረ።ዳቪድ ዳኮ ንቦካሳ ሓወብኡ እዩ።ስልጣን ግን ሕውነት፡ቤተሰብን ዕርክነትን ስለ ዘይትፈሊ ቦካሳ ሳላ ቤተ ሰብ ምዃኑ ዝተዋህቦ ናይ ኣዛዚ ሰራዊት ማዕርጉ ንናይ ሓወብኡ መንግስቲ ንምግልባጥ ተጠቕመሉ። ፕረዚደንት ሓወብኡ ዳቪድ ዳኮ ኣዛዚ ሰራዊት ክገብሮ እንከሎ፡ እሙን ሰብ ዝረኸበ መሲልዎ ከም ዝኾነ ኣየጠራጥርን። እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ተቐዋሞን ዘምእዛዝን ባህርያት ከርኢ ጀመረ።ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ጎድኒ ጀነራል ቻ ደጎል ተሰሊፉ ክሳብ ማዕረግ ካፒተን ምብጽሑ፡ን20 ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናነበረ ተሞክሮ ምቕሳሙ፡ናብ መሳልል ፕረዚደንትነት ንኽሓኩር እኹላት ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ኣመነ።ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣን ናይ ምምንዛዕ ጥሙሕ ከም ዘለዎ ክጋለጽ ዝጀመረ፡ንፕሮቶኮል ዘለዎ ህንጡይነት ምስ ተራእየ እዩ።ቦካሳ ናይ ኮረኔልነትን ውግእን ስልማታቱ ይድርድር እሞ፡ፈቖዶ ኣዳባባይ ሒዝዎ ክዘውር ደስ ይብሎ።ብፍላይ ፕረዚደንት ኣብ ዝመጸሉን ካሜራ ዝቕረባሉን ግዜ፡ንኹሎም ቀዲሙ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ንምቛም ዘርእዮ ጉያ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣወሃሃድቲ ፕሮቶኮል ኣብ ግጭት ክኣቱ ጌርዎ እዩ።ካብ ናይ ፕሮቶኮል ምቅድዳም ሓሊፉ፡ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣን ንምሓዝ ውዲት ዝኣልም ምዃኑ፡ኣባላት ጸጥታ ንፕረዚደንት ዳቪድ ዶኮ ነጊረሞ ነበሩ ይበሃል።እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ዳኮ “ቦካሳ ማዕረግ ካብ ምድርዳር ዝሓልፍ ድሌት የብሉን” ኢሉ ርእይቶኦም ኣዋደቖ።ከም ዝሓሰብካዮ ኣይከውንን፡ሸለልትነት ደቪድ ዳኮ ዋጋ ኣኽፊሉ “ዝነዓቕካዮ የጥንሰካ” ከም ዝበልኦ፡ቦካሳ ንሓወቦኡ ካብ ስልጣን ፈንገሎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ንሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ዘመሓድር ዝነበረ መንግስቲ ዳቬድ ዳኮን ሚንስተራቱን ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ ነበሩ።በዚ ድማ ናይታ ሃገር ኢኮኖሚ ክወድቕ፡ዶባታ እውን ብደቡብ፡ ብደገፍቲ ሉሙምባ፡ ብምብራቕ፡ ብዑጡቓት ተጋደልቲ ኣንያና ብተደጋጋሚ ተደፍረ።በዝን ዝኸምዝን ተዋጢሩ፡ካብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝመጾ ጸቕጢ ክጻወር ዘይከኣለ ብ ዳቪድ ዳኮ ዝምራሕ ውድብ MESAN ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝን ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ካብ ጽልዋ ፈረንሳይ ወጺኡ ንምስራሕ ከም ዝከኣሎ ንምርኣይን ንእግረ መንገዲ ድማ ወዲቑ ንዝነበረ ቁጠባ መሳለዪ ዝኸውን ሓገዝ ንምርካብ ገጹ ቻይና ኣዞረ።ቻይና ሃገር ዝግምግሙ ልኡኻት ድሕሪ ምስዳዳ፡ተቕላጢፋ 20 ሚልዮን ፍራንክ ሓገዝ ንመንግስቲ ዳቪድ ዳኮ ሃበት።እዚ ምሕዝነት ዳኮ ምስ ቻይና ግን ፈረንሳ ንዳኮ ዝትክእ ካልእ መራሒ ቁሊሕ ክትብል ምኽንያት ኮነ።ዳኮ ኣብ ልዕሊ ቦካሳ ዝነበሮ ምጥርጣር ምስ ዛየደ፡ብስራሕ ምኽንያት ኢሉ ንቦካሳ ናብ ፈረንሳ ለኣኾ። ቦካሳ ፈረንሳይ ምስ በጽሐ ግን ዳኮ ቦካሳ ናብ ሃገሩ ንኸይምለስ ከልከሎ።ቦካሳ ፈረንሳውያን መሓዙቱን ኣብ ሰራዊት ዝነበሩ ብጾቱን ተጠቂሙ ናብ ሃገሩ ንኽምለስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዳቪድ ዳኮ ጸቕጢ ከሐይል ጀመረ።ኣባላት ሰራዊት ዝገበርዎ ጸቕጢ፡ብፍላይ ድማ ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ ነበር ቻ ደጎል “ናይ ኩናት መቃልስተይ ዝነበረ ቦካሳ ብኸምዚ ኣገባብ ክተሓዝ ኣይደልዮን፡ብቐጥታ ናብ ሃገሩን ስልጣኑን ትመልሶ”ኢሉ ንዳቪድ ዳኮ ብዝሃቦ መጠንቀቕታ መሰረት፡ኣብ ጥቅምቲ 1965 ቦካሳ ናብ ሃገሩን ናይ ኣዛዚ ሰራዊት ስልጣኑን ተመልሰ።

እንተኾነ ኣብ ዝቐጸለ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ምክራር እናዓረገ ብምኻዱ፡ዳቪድ ዳኮ ምስጢር ኢሉ “ንቦካሳ ካብ ስልጣኑ ክቕይሮ ይደሊ ኣለኹ”ብምባል ምስ ዓበይቲ ዓዲ ባባንጉዊ ዝተዛረቦ ናብ እዝኒ ቦካሳ ብምብጽሑ፡ሃገር ንኽልቲኦም ክትጸውር ከም ዝጸበበቶምን፡መን ቀደመ እምበር ሓዲኦም ከይጠፍአ ድቃስ ከም ዘየለን ፍሉጥ ኮነ።ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ናጽነት ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ 6ይ ዓመታ፡ድሮ ሓድሽ ዓመት መዛሕትኡ በዓል ስልጣን ናይታ ሃገር፡ፈቖዶ ዲስኮታት ይዕንድር።ፕረዚደንት ዳኮ እውን፡ናይ ሓደ ካብ ሚንስተራቱ ሕርሻ ንኽርኢ፡ካብ ርእሰ ከተማ ወጽዩ ኔሩ።ኮረኔል ቦካሳ፡ነዚ ኩነታት ኣንቢቡ፡ ቀሚሩን ተንቲኑን፡ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 1966 ምስ ተሓባባሪኡ ሻምበል ኣሌክሳንደር ባንዛ ኮይኑ ተንኮል ብምእላም፡ኣብ ፋልመይቲ መዓልቲ ናይ 1966 ስልጣን መንጢሉ ተቐመጠ።ቦካሳ ኣኩኡ ፕረዚደንት ዳኮ ካብ ዝነበሮ ኢዱ ሒዙ፡እግሩ ኣሲሩ ክዳኑ ገፊፉ ኣምጺኡ፡ኣብ ጸባብ ናይ ሰሜንቶ ሽላ ዓሸጎ።ማንም ከይሪኦ፡ሓለውቱ ከይተረፉ ሓንቲ ቃል ከየዛርብዎ ከልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ገለ ግዜ ባዕሉ ኣሲረዮ ኣለኹ ኢሉ ነገረ።ብርግጽ ቦካሳ ንናይ ቅድም ፕረዚደንት ዘይምቕታሉ፡“ድሓን እዩ እባ ኔሩ” ትብሉ ትኾኑ። እንተኾነ፡ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ሰንሰለት ከይተፈትሐ፡ ክዳውንቱ ከይቀየረ፡ሓንቲ ቃል ዝዛርቦ ዘይብሉ ምጽንሑ፡ናይ መከራ መከራ፡ልዕሊ ሞት ምሟት ከም ዝሓለፈ ይገብሮ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ልክዖም ዝሓለፎም ገባርትን ሓደግትን፡ወሰን ብዘይብሉ ስልጣን ኣራጢጦም ንህዝቦም ናይ ሞት መልእኽተኛታት ኮይኖም ከህልቑ ነቢሮም እዮም።ብደል ዒቕ ዝበሎ ህዝቦም እውን በብግዚኡ ካበየ ዝተቐመጥሉ መንበር ፈንጢሩ ምስ ደርብዮም እዩ። ንቦካሳ ናይ ጭካነ ኣርማ ዝገበርናዮ፡ብርኡይ ዝቐትል፡ ኣብ ኣደባባይ ዝዓብድ ብምዃኑ ድኣ እምበር፡ብሱቱር ብዝፍጽምዎ እከይ እንተዝምዘኑ፡ካልኦት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ እውን ካብኡ ዝሕሹ ኣይምኾኑን።ሃጸይ ፊልድ ማርሻል ጂን ቦደል ቦካሳ፡ጂን ቦደል ቦካሳ ማለት ካብ 1966 ክሳብ 1979 ዓ.ም,ን 13 ዓመታት ዝኣክል፡ናይ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ፕረዚደንት፡ንጉስን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊትን ዝነበረ እዩ።ቦካሳ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ ኮረኔል ብቕጽበት ጀነራል ኮነ።ስልጣን ምልኪ እንክሕወሶ ሽመት ኣይግድቦን እዩ እሞ ብዙሕ ከይጸንሐ ፊልድ ማርሻል ኮይነ ኣለኹ ኢሉ ንህዝቡ ነገረ።ቅሩብ ቀንዩ፡ምእንተ ህዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ክብል፡ታሪኽ ዘሰከመኒ ከቢድ ጾር ንምስካም ብፍቓደይ ናይ ዘንትእለት ፕረዚደንት ኮይነልካ ኣለኹ እሞ ደስ ይበልካ ኢሉ ንህዝቢ ኣወጀ።እዚ እውን ማዕቀኑ ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖ፡ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ዓስራይ ዓመቱ ሪፓፕሊክ ዝበሃል ነገር የለን፡ዘድልየኩም ኣይኮነን። ካብ ሎሚ ንንዮው ሃገርና ንጉሳዊት ንጉሳ ድማ ኣነ ባዕለይ ኮይነ ኣለኹ እሞ ህዝበይ ደስ ይበልኩም ኢሉ ነጋሪት ኣንፍሐ።ቦካሳ ዝደለዮ ይዛረብ እምበር ናይ ህዝቡ ሓሳብ ዘዳምጸሉ የእዛን ኣይነበሮን።ህዝቢ ዝተፈጥረ ዝተባህሎ ክሰምዕን እሺ ኢሉ ክእዘዝን እምበር፡ርእይቶኡ ከስምዕ ዝተፈጥረ ኣይመስሎን ነበረ።ህዝቢ ክዛረብ ከም ዝኽእል ንፈለማ እዋን ዝተዛረበ እኳ ተርኡ ኣኺሉ ውርደት ኣረኻኺብሉ እስሪ ቤት ኣትዩ ናብ ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ።ከምዚ ዓይነት ባህሪ ናይ ኣፍሪቃውያን መለለዪ ሕላገት እዩ ኮይኑ።ካብ ስልጣን እንክወርዱን እንክእሰሩን ተጣበቕቲ መሰል ህዝቢ መሲሎም ክቐርቡ ተደጋጋሚ ድራማ ኮይኑ ይረአ።ብርግጽ ካብኡ ናብኡ ኣብ ግዜ ቦካሳ ሰላም ኔሩ፡ጽጋብ ኔሩ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን፡ ግን እዚ ጥራይ ንህዝቢ ጥቅሚ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ ዝብሉ ሰባት ይበዝሑ።

ኣብ ናይ ቦካሳ ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ስልጣኑ፡ካብቶም ፈለምቲ ግዳያት ቅትለት ዝኾነ፡ምስኡ ተመሳጢሩ ዕልዋ መንግስቲ ዝገበረ ብጻዩ ካፒተን ኣሌክሳንደር ባንዛ ነበረ።ልክዕ ከም ቦካሳ ምስ ሰራዊት ፈረንሳ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ባንዛ፡ቦካሳ ንውልቃዊ መዓላ ዘውጽኦ ወጻኢታትን ዝኽተሎ ሜላ ኣመራርሓን ምውሓጥ ኣብይዎ ነቐፌታ ኣብዝሐ።ዕልዋ መንግስቲ ንኽገብር ተዳለወ።እንተኾነ፡ ዕልዋ መንግስቲ ክግበረሉ ኣብ ዝተቖጽረ መዓልቲ ብሓደ ካብ ተሓባበርቱ ተኸድዐ እሞ፡ኢድከ ፈንጂ ተታሕዘ።ካብኡ ንንዮው ሞፍቶ ቦካሳ ኮነ።መለጋግቦ የዕጽምቱ ክሳብ ዝፈላለ ተቐጥቂጡ፡መምሃሪ ንክኸውን ናብ ፈቖዶ ወተሃደራውያን መዓስከራት ተጎቲቱ ሞተ።ቦካሳ ብድሕር እዚ ማይ ቀጠነ እናበለ ዘቕተሎም ዜጋታት ኣእላፍ ኮኑ። ተቓጻጺ ዘይብሉ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ብዙሓት ሕጋጋትን ኣዋጃትን ብተኸታታሊ ኣውጽአ።ካብ 18 ክሳብ 55 ዓመት ዘለዉ ዜጋታት፡ወዲ ይኹን ጓል ከይፈለየ፡ስራሕ ከም ዘለዎም እንድኣ ዘይኣመስኪሮም ክቕጽዑን ክእሰሩን ሕጊ ኮነ።ከመይ ጌሮም ስራሕ ይረኽቡ?ዝብል ሕቶ ግን ንቦካሳ ጉዳዩ ኣይነበረን።ብመሰረት ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ምልማን ክልኩል ክኸውን እንከሎ፡ብስርቂ ዝተጠርጠረ እዝኑ ይቑረጽ።ብዙሓት ናቲ ግዜ እቲ መንእሰያትን ኣጉባዝን ሽዑ ብስርቂ ተጠርጢሮም የእዛኖም ዝተቖርጹ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፈቖዶ ኣዳባባይ ምልክት ጭካነ ዘመነ ቦካሳ ንኸይርሳዕ ዘዛኻኽሩ ንኽመስሉ ተውዛሕ ክብሉ ይረኣዩ።ቦካሳ ብተቓውሞ ዝጠርጠሮም ይኹን ወይ እውን ንምርኣዮም ዝጸልኦም ዘበሉ፡መጀመርያ ቆርበቶም ክሳብ ዝቕለጥ የዕጽምቶም ክሳብ ዝሰባበር የቐጥቅጦም እሞ፡ንሱ ምስ ወድአ ይቐትሎም። ብፍላይ ንለማኖ ኣብ ሄሊኮፕተር ጸጽዒኑ ካብ ህዋ ናብ ማእከል ቀላይ እናወርወረ ቀለብ ሓራግጽ ገበሮም ይበሃል። ሓደ ሓደ ግዜ እውን ቦካሳ ንባዕሉ ኣብ ምቕጥቃጥ ዜጋታት ተኻፋሊ ይኸውን።ብስኒ ሓርማዝ ብዝተሰርሐ በትሩ፡ተሃኑ ክሳብ ዘውጽእ ሃሪሙ ምስ ወድአ፡ንሓለውቱ ቀጽልዎ ኢሉ የዋፍር።ትእዛዙ ገና ካብ ኣፉ ወጽዩ ከይወድአ ድማ ዓጀብቱ ተርኦም ይጅምሩ።እቲ ሰብ ብብዝሒ ምቕጥቃጥ ሃለዋቱ ክሳብ ዘጥፍእ ምስ ተገብረ፡ተወሲዱ ይርሸን።ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ቅትለት እውን ቦካሳ ንባዕሉ መራሒ ኮይኑ ከም ዝሳተፍ ኣብ ፍርድ ቤት ተመስኪርዎ እዩ።

ናይ መጀመርያ ግዳዩ ዝገበሮ ንሓደ ካብ ሚንስተራት ዳቪድ ዳኮ ኮይኑ፡ናብ ኣፍ ሞት ክሳብ ዝበጽሕ ቀጥቀጦን ኣቐጥቀጦን፡ዝገርም ብወግዒ ዝተነግረ በደል ናይቲ ሚንስተር ቀደም ኣብ ስልጣን እንከሎ ንሰራዊት ዝግባእ ክብሪ ይህብ ኣይነበረን ዝብል ኮነ። ንሓላፊ ጸጥታ ዝነበረ ኣሳቕዩ ቀተሎ፡ንናይ ቀደም ፕረዚደንት ነበር ዳቪድ ዳኮ ን ሰለስተ ዓመታት ኣብ ማሕቡስ ክሳቐቕ ወሰነሉ።ፖለቲካውያን እሱራት ምሸት ምሸት ክቕጥቀጡ እንከለዉ፡ድምጺ ኣውያቶም ንየእዛን ቦካሳ ፍስሃ ዝህብ ሙዚቃ ነበረ።ሰይፈ ቦካሳ ብፖለቲካ ንዝጠርጠሮም ጥራይ ትውዕል ኣይነበረትን። ንኣብነት ብጥቓ ቦካሳ ዝነብረሎም ኣባይቲ ዘወር ምባል ናብ ሞት ዘብጽሕ በደል ነበረ። ካብዚ ተረፈ ቦካሳ ፖለቲካ፡ ቤት ጽሕፈት፡ምሕደራ ሃገር ዝብሉ ጉዳያት ዘይብርህዎ፡ግዚኡ ኣብ ረኣዩለይ ስምዑለይ ምባል፡ስልጣን ዝፈጠረሉ ሓይልን ሃብትን ኣብ ምስትምቓርን ጽሙድ ነበረ።ቦካሳ ማዕርግ ኣብ ርእሲ ማዕርግ ደራሪቡ ብውሳድ ዘርክቦ የብሉን።ናብ ህዝቢ ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ ስሙ ብዘይፍለጥ ማዕርጋት ተሰሊሙ ሓጨልጨል እናበለ ምኻድ ይብርሆ።እቲ ዝገርም ነዞም ንሱ ማዕርገይ እናበለ ንነብሱ ባዕሉ ዝሰለሞም ኒሻናት ንምስቃል ተባሂሉ ክዳውንቱ ብፍሉይ ትእዛዝ ይስርሓሉ ምንባሩ እዩ።

እንተኾነ ኒሻን ረኺቡ፡ማልያ ሓቲሙ፡ንጉስ ኣቢሉ፡ኣብ ቴምብርን ባጤራን ስእሉን ስእሊ ቤተሰቡን ቀሪጹ ክነሱ ገና ዝግብኦ ዝና ዝረኸበ ስለ ዘይመሰሎ፡ ማእለያ ዘይብሉ ቤት ትምህርትታት፡ ሆስፒታላት፡ ክልኒካት፡ ስታድዩም፡ መንገድታትን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታትን ሕሉፍ ሓሊፉ ንዩኒቨርስቲ ከይተረፈ ብስሙ ክጽዋዕ እናገበረ ዝነብር ጽጋበኛ ኮነ።ተመሃሮ ዝመሃሩሉ ጥራውዝትን መጽሓፍትን፡ናይ ገበር ስእሉ ብናይ ቦካሳ ስእሊ ክቕየር ተገብረ።ቦካሳ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት እንክኸይድ ዝግበረሉ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ይምስጦ ስለ ዝነበረ፡ወተሃደራት ናይ ካልኦት ሃገራት ብወተሃደራዊ ሰላምታ እንክቕበልዎ ዘላ ደቒቕ ትህቦ ደስታ ንምስትምቓር ፈቖዶ ሃገራት እናኸደ ብዙሕ ግዜ ንዓለም ዜርዋ እዩ።እዚ ክገብር እንከሎ ግን ምስኡ ዝጎዓዙ ቃፍላይ ኣገልገልትን ሰራሕተኛን ሒዙ፡ኣብ ዝበጽሐን ሃገራት ንየአንገድቱ ናይ ኣልማዝ ህያባት እናሃበ፡ህዝቢ ሃገሩ ብድኽነት እናተሳቐየ፡ሃብቲ ሃገሩ ንጓና ዓዲሉ ልዕሊ ሰብ ኮይኑ ክረአ ዝጽዕር ነበረ። መቸም ቦካሳ ዝሓሰባ ሓሳብ ፖሊሲ፡ዝተዛረባ ድማ ሕጊ ትኹን ዝበሃለሉ መራሒ ምንባሩ ተገንዚብኩም ትህልዉ። ቦካሳ 12 ናይ ሚንስተር ቦታታት ብኢደ ዋኒኑ ገቢቱ፡ዝተረፈ ሰጥ ለበጥ ኢሎም ንዝእዘዝዎ ኣገልገልቲ ዓደሎ።ኩሉ ውሳነታት ንሱ ጥራይ ዝህቦ ኮይኑ፡ደስ ዝበሎ ክሽይም ደስ ዝበሎ ከውርድ እውን ተቖጻጻሪ የብሉን።ቦካሳ ሓታቲ ከይረኸበ የውርድ ይሽይም፡ይቐጽዕ ይሸልም።ሚንስተራት ኣብ ጸጽባሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝቀያየሩ ኮይኖም፡ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 6ተ ሳዕ ኣብ ዓመት ካብ ጽፍሒ ናብ ጽፍሒ ይገላብጦም ምንባሩ ይዝከር።እዚ ኩሉ ዝገብር ድማ ንስልጣኑ ስግኣት ከይኮንዎ ብዝብል ስግኣት ነበረ።ኣብ ከተማ ቡንጋይ ዝርከብ ናይ ቴለፎን መስመራት ዳርጋ ዘይሰርሕ ብምንባሩ ቦካሳ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝመጾም ትእዛዛት ብቕጽበት ንኽገብሩ መታን፡ሚንስተራቱ ኣብ ኦፊሶም ሬድዮ ርክብ ክገብሩን ፈጺሞም ከይዓጽውወንን ኣዘዘ።

ቦካሳ ሃንደበት ፊን ክብሎ እከሎ ከምዚ ክሰርሕ እየ ኢሉ ግዙፍ ፕሮጀክትታት ይጅምር እሞ ቅሩብ ጸኒሑ ይስልችዎ ወይ ይርስዖ፡ወይ ከም ኣመሉ ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ከደ ፊን ኢልዎ ካልእ ፕሮጀክት ይጅምር እሞ ዝጀመሮ ከይወድአ ኣቋሪጹ ጸጋታት ናብ ካልእ ፕሮጀክት የውፍር። ኣብነት ናይዚ ሓደ እዋን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ዝነበራ ናይ ነፈርቲ ሽግር ክፈትሖ እየ ኢሉ ማእላያ ዘይብሉ ጸጋታት ኣውፊሩ AIR CENTRAFRIQUE ጀመረ እሞ ድሕሪ ገለ በረራታት ግን መጥፍኢ ገንዘብ እዩ ኢሉ ዓጸዎ።ህዝቢ ብጥሜት እናሃለቐ፡ሃገር ተረሚሳ ብኢንፍዥን እናኸደት ቦካሳ ግን ነቲ እታ ሃገር ብፈጣሪ ዝረኸበቶ ናይ ኣልማዝን ስኒ ሓርማዝን ኣታዊታት ብብሕቱ ተቖጻጺሩ ሃብቲ ሃገር ናይ ውልቁ ቀየሮ።ናይዚ መርኣያ ኣብ ዝተፈላልያ ከተማታት ኤውሮጳ ማእለያ ዘይብሉ ሃብትን ንብረትን ኣፍረየ።ኣብ ፈረንሳ ጥራይ ኣብ ፓሪስ 15 ክፍልታት ዘለዎ ቪላ፡ኣብ ኒስ፡ ቱሉስን በርንን ዝተፈላለየ ቪላታት ዓዲጉ።ኣብ ዓዱ እውን ካብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ “ቤት ኣቦሓጎታት” ዝሰመዮ ግዙፍ ቪላ ሃነጸ።ኣብታ ጽርግያ ዘይብላ ርእሰ ከተማ ባንጎይ ንዕኡ ንውልቁ መብጽሒ ናብ ቪልኡ ንኽኾኖ 15 ማይልስ ዝንውሓቱ ጽርግያ ክህነጽ እውን ኣዘዘ።እቲ ንሱ ዝቕመጠሉ ቤተ መንግስቲ ብኽቡራት ስእልታትን ጥንታውያን ኣቕሑን ዝተሰለመ በጻሕቲ ሃገር ክመጹ እንከለዉ ዝቕመጥሉ ውልቃዊ ቪላታት ከይተረፈ ዝነበሮ ነበረ። ቦካሳ ንሚንስተራቱ እውን ክሰርቁ ዘተባብዕን ክሳብ ዘይተቓወምዎ ብብልሽውና እንተተቖማጥዑ እውን ርእዩ ከም ዘይረኣየ ኮይኑ ክሓልፍ ዘይግድሶን እዩ ኔሩ።ህላውነት ስልጣኑ ኣብ ሰራዊት ከም ዝምርኮስ ዘይሰሓቶ ቦካሳ፡ኣባላት ሰራዊት ብጽቡቕ ክፍሊትን ዝተፈላለየ ሓለፋታትን እንተላይ ዝምስጦም መሳርያታት ብምዕጣቕ ኣሐንቀቖም።ኣባላት ሰራዊት ጽቡቕ ግንዖ ክወስዱን ኣብ ንግዲ ክሳተፍፉን ፍቓዱ ኮነ።እዚ ካብ 1967 ክሳብ 1969 ኣብ ምክልኻል ዝግበር ወጻኢታት ብዕጽፊ ክውስኽ፡ንዝቐጸሉ ዓመታት ድማ ንምክልኻል ዝወጽእ ገንዘብ ካልኣይ ዝዓበየ ባጀት መንግስቲ ዝወስድ ጽላት ኮነ።ቦካሳ ንሰራዊት እንከሕንቅቕ ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ግን ካብ ኣባላት ቀቢልኡ Mbaka ምባካ ከም ዝምልመሉ ገበረ።ሓለውቱ ብፍሉይ ካብታ ዝተወልደላ ገጠር ዝመጹ ኮይኖም፡ዝበለጸ ዕጥቅን ዲቪዛታትን ከም ዝህልዎም ገበረ።ወጻኢታት መንግስቲ ስለ ዘይምዝገብ ባጀትን ካልእን ኣብ መዝገብ ክትረኽቦ ኣይከኣልን፡ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ሰራዊት ዝገብሮ ወጻኢታት ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁንጣሮ ደሞዝ ክኽፈሉን፡ እንሓንሳብ ክሳብ ንኣዋርሕ ዝኣክል ግዜ ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑን ይግደዱ ነበሩ።

ንጉስ ቦካሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ እዩ ዝፈቱ።ብወግዒ ኪዳን ኣሲረልክን ዝበለን 17 ኣንስቲ ነበርኦ።መዓልታዊ ስርሑ ገዲፉ ካብታ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ክበጽሕ፡ንሱ ክሳብ ዝሓልፍ ድማ መንገዲ ክዕጾን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ክብልን ግዲ ነበረ።ደስ ዝበለቶ ክምርዓወኪ ይብላ፡ዜጋ ናይታ ሃገር እንተኾይና ብዘይካ ሕራይ እንታይ ሃልይዋ፡ከምታ ሩማናዊት ሰበይቱ ናይ ወጻኢ ሃገር እንተኾይና ድማ ብፕረዚደንትነቱ ምምራኻ ኣይተርፋን።መብዛሕትአን ኣንስቱ ከመይ ከም ዝተላለየን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣገራሚ ታሪኽ እኳ እንተለወን፡ናይታ ሮማናዊት ሰበይቱ ግን ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ናይታ ሃገር ህይወት ምኽሳር ምኽንያት ብምዃና ዝተፈልየት ጌርዋ እዩ።ሩማንያዊት ናይ ባሌት ሳዕሳዒት ኣፍቃሪቱ ዝረኸባ፡ፓሪስ ንምብጻሕ ኣብ ዝኸደሉ ወቕቲ ነበረ።ሓቢሮም ሳዕስዑ፡ፈተዋ።ኣቀባጠረላ እሞ፡ተመርዒና ኣለና ኢሉ ሒዝዋ ናብ ሃገሩ ተመርቀፈ።ባንጉይ ኣብ ዝርከብ ቪላ ኣቐመጣ።ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ሰብኣይ ብዙሓት ብምዃኑ፡ናብ ካልኦት ኣንስቱ በብተራ ክበጽሕ ናብኣ ምኻድ ቀነሰ።ሩማናዊት ሰበይቱ ኣዝያ ጽብቕቲ እያ፡መንእሰይ እያ፡ ስለዚ ዝሕልውዋ ወተሃደራት እናማረኸት፡ኣብ ዓራት ቦካሳ ሒዛቶም ደቀሰት።መቸም ንውልቀ መላኺ መላኺ ሳላ እቶም ጎይታይ ጎይታይ እናበሉ ዝሰግዱ መቃባጠርቲ ዝሕብኦ ወረ የለን።ስለዚ ገሊኣቶም ብዛዕባ ሰበይቱ እትፍጽሞ ተግባር ኣብ የእዛኑ ሕሹኽ በልዎ።ግዜ ኣይወሰደን፡ነቲ ቪላ ክሕልዉ ንዝተመዘዙ ወተሃደራት ብሙልኦም ኣኪቡ፡ብጥይት ወድኦም። ንሩማናዊት መንእሰይ ኣፍቃሪቱ ግን ኣይተንከፋን።ካልእ ግዜ ድማ ቦካሳ ክበጽሓ ኢሉ ናብቲ ዘቐመጣ ቪላ ምስ ከደ፡ናይ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታታ ብሽክለታ እናዘወረት ኣብቲ ቀጽሪ ክትዘናጋዕ ረኸባ።ገለ እንተዘይህልዎ’ዶ ብሽክለትኡ ዘዊራ?ብምባል ዝኣበሶ ዘይብሉ ሰራሕተኛ ኣምጺኡ ቀጥቂጡ ቀተሎ።እምበኣርከስ ቦካሳ ከምዚ ዓይነት ሰብ ነበረ።ኣንስቲ ቦካሳ ካብ ዝልለያሉ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጻ ንዝተፈላለየ ዓሌታት ዝውክላን ነበራ።ቀንዲ ሰበይቱ ካተሪን ኣመና ጽብቕቲ ኮይና ጓል 13 ዓመት እንከላ ዝተላለያ ነበረት። ኣብ ቪላ ናስር ዝበሃል ምዕሩግ ቪላ ትነብር፡ ኣብ ማእከል ከተማ ዝዓበየ ቡቲክ ትውንን። ካልኦት ኣንስቱ ጀርመናዊት፡ ሽወደናዊት፡ ካሜሮናዊት፡ ቻይናዊት፡ ጋቦናዊት፡ ቱኒዛዊትን ጓል ኣይቮሪኮስትን ዝርከብአን ወኪላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመስላ ነበራ።ጂኣን በደል ቦካሳ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ፡ደቂ ካበየ ዘለውዎ ኣኻኺቡ እዩ።ቁጽሪ ደቁ 62 በጺሑ።ካብ ቻይና፡ካብ ቬትናምን ካልእን ዝወለዶም ከይተረፈ፡ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጎይ ኣኪቡ የቐምጦም ነበረ።ሓደ መዓልቲ ንኣምባሳደር ፈረንሳ ጸዊዑ፡ኣብ ቬትናም ትርከብ ጓሉ ክደልየሉ ይነግሮ፡ስማ ኣይፈልጦን እየ ግን ድለየለይ በሎ።ቬትናም ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ፡ትእዛዝ ቦካሳ ንኽፍጽም መልእኽቲ በጽሖ።ምስ ቦካሳ ርክብ ዝነበረን ቬትናማውያን ኩለን እናተሃድና ተረኽባ። ካብአን ሓንቲ፡ እዚኣ ጓሉ እያ ኢለ ሃበት። ሕራይ ኢሉ ተቐበለ። ጸኒሓ ካልእ ሰበይቲ፡ ዘእምን ምልክት ሒዛ መጸት፡ ናይ ቃል ኪዳን ኣጻብዕቱ ዘይትሰርሕ ኣፍሪቃዊ እንተድኣ ኮይኑ ካብኡ ወሊደ ኣለኹ በለት። ቦካሳ ኣብ ግዜ ውግእ ቬትናም ናይ ቃልኪዳን ኣጻብዑ ብጥይት ተሃሪማ ስለ ዘይትንቀሳቐስ፡ ብገዚፍ ቀለቤት እዩ ዝሽፍና ኔሩ። ምልክት ምስ ተነግሮ ሓቃ እያ ኢሉ ተቐበለ። ክልቲአን ደቁ ኣምሃሩ፡ዝምርዓወን ንምርካብ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ሓውሲ ጨረታ ዓደመ፡ ክልተ ዕዉታት እቲ ሓደ ዶክተር እቲ ካልእ ወተሃደር ምስ ተረኽቡ ድማ፡ንኽልቲአን ብዓቢ ሃገራዊ ጽንብል ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣመርዓወን፡ድሒሩ ናይ ክልቲአን ሰብኡት ብምቕታል ሰብኣይ ኣልቦ ገበረን። ነታ ፌክ ጓል ግን ሰብኣያ ቀቲሉ እውን ኣይመሓራን፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ሞት ናይ ሰብኣያ ንዝወለደቶ ሓድሽ ናጽላ ወሲዱ ብምቕታል ጭካኔኡ ኣመስከረ።

ሓደ ግዜ ሰብዓ ዝኾኑ ሩስያውያን ቦካሳ ዕድመ ጌርሎም ናብ ርእሰ ከተማ ባንጎ ይመጹ።ባንጎ ምስ በጽሑ ብወተሃደራት ኣኽቢቡ፡ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፡ኮፍ ከይብሉ ብምእዛዝ ንኽልተ ሰዓታት ዝኸውን ደው ኣቢሉ ብጸርፍን ዘለፋን ይሰሃሎም።”ናይ ዓለም ውግኣት ብሙልኦም ምንጮም ሶቬት እያ” እናበለ ጸረፎም።ሶቬታውያን እንታይ ክገብረና ይኸውን ኢሎም እናተጨነቑ ድሕሪ ንኽልተ ሰዓታት ምጽራፉ ናይ ድራር ግብጃ ገበረሎም።ኣብቲ ግብጃ ድማ ከምዚ ዝብል ዘረባ ተዛረቦም “ቅድም ዝበልኩኹም፡ረስዕዎ!”ፈረንሳውያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ካብ ጽልውኦም ንኸይትወጽእ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝወርድ ግፍዒ ርእዮም ከምዘይረኣዮ፡ንኣውያት እቲ ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከም ዘይሰምዑ ክኾኑ መረጹ።ቦካሳ ክሳብ ዘሎ ድላይና ምርካብ ኣይጽግመናን ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘባውን ወተሃደራውን ሓገዛት ይገብሩሉ ነበሩ።ቦካሳ ግን ደስ ክብሎ እንከሎ ንዖም እውን ዝምሕሮም ኣይነበረን፡ከሕርቕዎ እንከለዉ ንኸፈራርሆም ናብ ዝተፈላለዩ ኪዳናት ምእታ ድማ መለልይኡ ኮነ።ኣብ 1969 “ናብ ምብራቕ ምግዓዝ” ብዝብል ሓሳብ፡መንግስቱ ስነ ፍልጠታዊ ማሕበርነት ምዃኑ ዕላምኡ ኣወጀ።እዚ ዝገበረ ግን ካብ ሃገራት ምብራቕ ግንዖታት ዝውሕዞ ስለ ዝመሰሎ እዩ ኔሩ፡ሰልዲ ክህብዎ ከም ዘይክእሉ ምስ ፈለጠ ግን ብቕጽበት ሓሳቡ ቀየረ።ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ቦካሳ ዓርኪ ሙዓመር ቐዛፊ ነበረ። ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም ንመጀመርያ ግዜ ናብ ትሪፖሊ ኣብ ዝኸደሉ ወቕቲ ቐዛፊ ገለ ሓገዝ ከም ዝህቦ ተመባጽዐ። ብቐጽበት ከምዚ እንተኾይኑ እሞ፡ክርስትና ይትረፈኒ ኢሉ ኣስላም ኮይነ ኣለኹ በለ።በዚ ድማ ሳልሕ ኣዲን ኣሕመድ ቦካሳ ዝብል ስም ሒዙ መስለመ።እንተኾነ የዕራብ እውን ከም ዝሓሰቦ ሳንቲም ከም ዘይህብዎ ምስ ተገንዘበ ኣብ ሰለስተ ወርሒ እስልምና ይእከለኒ ኢሉ ከም ዝለመዶ ናብ ናይ ካቶሊክ እምነቱ ተመሊሱ ምስ ፈረንሳይ ምሕዝነቱ ቀጸለ።

ቦካሳ ምስ ፈረንሳ ወላ እንተኾረኹ፡ኩራ ውሉድን ወላድን እዩ ዝብል እምነት ነበሮ።ልዕሊ ሃገሩ ንፈረንሳይ የፍቅር።ብፍላይ ንመራሒ ፈረንሳ ነበር ጀነራል ቻ ደጎል ወላ እውን ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ፡ “ሞን ፔኽ . . . ሞን ፓፓ” ኣቦየ ባባየይ እናበለ ይጽውዖ።ጀነራል ደጎል ምስ ሞተ ቦካሳ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ኣልቀሰን ሓዘነን፡ንብዓልቲ ቤት ጀነራል ደጎል ድማ ከምዚ በላ “ናይ ተፈጥሮ ወላዲየይ ህጻን እንከለኹ ሞይቱኒ፡ሕጂ ድማ ካልኣይ ኣቦይ ሞይቱ፡ሎሚ እየ ዘኽቲመ” እናበለ ዝርንዛሕ ነበዐ።ቦካሳ ካልእ ወዲ ሓወቦይ እናበለ ዝጽውዖ ፕረዚደንት ፈረንሳይ እውን ነበሮ። ፕረዚደንት ቫለሪ ጊስካርድ ደስታንግ።ቦካሳ ነዚ ዓርኩ ዝኾነ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ንምሕጓስ ብውልቁ ክመጽእ እንከሎ ዝዘናግዓሉ ሕዛእቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ገበረሉ።ሃድን ዝፈቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ጊስካርድ ናይ ውልቁ ሕዛእቲ ተፈልይሉ፡ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ እናተመላለሰ ኣብ ሰብዓታት ልዕሊ 50 ዝኾኑ ሓራምዝ ቀቲሉ፡ስኖም ጽዒኑ ንዓዱ ከም ዝኸደ ቦካሳ የዕሊልሉ ነበረ።ብፍላይ እቲ ቦካሳ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ምስኡ ንኽትሓድር ንፕረዚደንት ፈረንሳ ይጋብዞ ኔሩ ዝብል ዘረባ ብዙሕ ኣካትዐ።ቦካሳ ብስደት ፈረንሳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እዚ ብሓባር ሰበይቲ ይካፈሉ ምንባሮም ዝገልጽ ምስጢር ብመጽሓፍ ጽሒፉ ናብ ሕትመት ድሕሪ ምብቅዑ፡ኣብ ፈረንሳ ንዝተለዕለ ቁጠዐ ንምህዳእ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ እታ መጽሓፍ ንኸይትሽየጥ ከልኪሉ እዩ።ዴስታንግ ቦካሳ ዝሃቦ ናይ ኣልማዝ ህያባት ብምቕባሉ ከም ብልሽውና ተቖጺሩሉ፡ንኻልኣይ ግዜ ከም ፕረዚደንት ኮይኑ ንኸይምረጽ ተዓንቂጹ።ንቦካሳ ኣብ መበል 16 ዓመተ ስልጣኑ፡ከምዚ እተኽብሮን እተቀባጥረሉን ዝነበረን ፈረንሳይ ከመይ ከም ዝኸድዓቶ ጸኒሕና ክንሪኦ ኢና።

ካብ ካልኦት መራሕቲ ተፈልዩ፡ስሙ ከም ጫፍ ጭካነ ዝለዓል፡ናይ ወዲ ሰብ ስጋ ይበልዕ እዩ ስለ ዝበሃል እዩ።ናይ ሰብ ስጋ ክበልዕ ከም ዝተራእየ ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ክሲ እዋኑ ተኸሲስሉ እዩ።ፈረንሳውያን፡ንቦካሳ ኣባሪሮም እንደገና ናብ ዝነበሮ ስልጣን ዝመለስዎ ፕረዚደንት ዴቪድ ዲኮ፡ኣብ ናይ ቤተ መንግስቲ ፍርጅ፡ዝተቖራረጸ ስጋ ሰብ ተሰቒሉ እንከሎ ቦካሳ ሓቢሩ ዝተሳእሎ ስእሊ ምርኣዩ ገሊጹ እዩ።ናይ ቦካሳ ሓለዋ ሓላፊ ስጋ ሰብ ንኹቡራት ኣጋይሹ ከይተረፈ ይጋብዝ ከም ዝነበረ መስኪሩ።እዚ ክዝረብ እንከሎ፡ኣብ ቦታ ፍርዲ ዝነበረ ፈረንሳዊ ኣኽባር ሕጊ ሓንቲ ሕቶ ንምሕታት ፈርሀ። ዓርከይ ሓወይ እናተባህለ ብቦካሳ ዝጽዋዕ ዝነበረ ፕረዚደንት ፈረንሳይ (Valéry Giscard d’Estaing)ቪላሪ ጊስካርድ ዴስታንግ ንማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ናይ ሰብ ስጋ በሊዑ’ዶ?ኢሉ ክሓትት ኣይከኣለን።ድሓር ድሓር ቦካሳ ብዛዕባ ታሪኽ ፈረንሳዊ መራሒ ናፖልዮን ብዙሕ ታሪኽ ሰሚዑ ተማረኸ እሞ፡ከምኡ ንምምሳል ንጉስ ምዃን ደስ በሎ።ደስ ዝበሎ ዝገብር ብምዃኑ፡ንምንታይ ከምዚ ገበርካ?ከመይ ጌርካ ከምዚ ትገብር ዝብሎ ክህሉ ዝሕሰብ ኣይነበረን።ዝሃቦ ምኽንያት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ንጉሳዊት ሃገር ምስ እትኸውን ኣብ ዓለም ዝበለጸ ክብርን ዝናን ክትረክብ ከኽእላ እዩ ዝብል ነበረ።

ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ቪላሪ ዲስካርድ እዩ ኔሩ ፈረንሳ ኣብቲ ናይ ቦካሳ ዝዓበየ ጽንብል ኢዳ ክትዝርግሕ ዝወሰነት። ናይ ንግስና ብዓሉ ንናፖልዮን ዝተቐብኣሉ ጽንብል መሲሉ ዓለም ብዘዛረበ ድምቀት ተባዕለ፡ብወርቂ ዝተለበጠ ገዙፍ ዙፋን ተሰርሓሉ።ምስሊ እቲ ዙፋን ምስሊ ንኽበርር ክንፉ ዝዘርግሐ ኣሞራ ተዋህቦ።ብወርቂ ዝተሰርሐ ሰረገላ ተዳለወ። ሃጸይን ንግስቱን ካብ ፈረንሳ ዝተኣዘዘ ብወርቅን ኣልማዝን ጥራይ ዝማዕረገ ልብሲ ለበሱ።ንናይ ናፖልዮን ጽንብል ስርዓተ ንግስነት የርክብ እዩ ዝተባህለ ብወርቅን ክቡር ሃርን ዝተሰርሐ፡ወለል ዝብል ካባ ደረበ።ነቲ በዓል ተባሂሉ ኣንስቱን፡ደቁን ሰራሕተኛታቱን ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ብዝተሰርሐ ፍሉያት ልብስታት ከም ዝምዕርጉ ተገብረ።10ተ ዓመት ዘመልአ ህጻን ወዱ፡ብወርቂ ዝተሰርሐ ናይ ማዕረግ ዲቪዛ ተዋሂብዎ ፊልድ ማርሻል ተሰየመ።ካብዚ ንንዮው ናይ ቦክሳ ወግዓዊ መጸውዒ “ሃጸይ ቦካሳ” ክኸውን እንከሎ፡ሃገሩ ድማ ንግስነት ማእከላይ ኣፍሪቃ ተባህለት።እቲ በዓል ኣብ 4 ታሕሳስ 1977 ኣብ ስታድዮም ዢኣን በደል ቦካሳ፡ጎደና ቦካሳ ጥቓ ዩኒቨርስቲ ዢኣን በደል ቦካስ ተኻየደ።ናይ ንጉስ ናፕልዮን ጽንብል ከም ሞደል እየ ዝወስድ ዝበለ ቦካሳ፡ነቲ በዓል ንምብዓል ካብ ፈረንሳ ኩሉ ንብረተ ንግስና ማለት፡ናይ ኣልማዝ ኣኽሊል፡ዙፋን፡ምሩጽ ዘርኢ ዘለዎም ኣፍራስ፡ልብሰ ንግስነት፡ንዓጀብቱ ዝኸውን ፍሉይ ቆቢዕን መሳርያታትን፡ብቶናት ዝምዘን በብዓይነቱ መግብታት፡ወይንታት፡ተተኳሲ ሪቺታት፡ዕንበባታትን ንተሳተፍቲ ናይቲ ጽንብል ዝኾና 60 መርሴድስ በንዝ ተኣዘዛ።ዜማታት ሞዛርትን ቪትሆቨንን ብፈረንሳውያን ሙዚቀኛታት እናተዜመ፡ልዕሊ 6 ሜትሮ ዝንውሓቱ ደም በጊዕ ዝሕብሩ ብቖርበት ኤርመሊኖ ዝተዘምዘመ ካባ ወለል እናበለ ቦካሳ ከምቲ ናፖልዮን ዝገበሮ ኣኽሊል ካብ ጳጳስ መንጢሉ ብምድፋእ 1.8 ሜትሮ ዝምንውሑ ብኣልማዝ ዘብረቕረቐ ዘንጊ ንግስነት ደፍአ።ብቕጽበት፡ስምጺ ዕልልታ፡ጭብጨባ፡መድፍዕ፡ተኹስን ሪችታትን ነታ ከተማ ኣናወጻ።

ትርኢት ናይቲ 22 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ጽንብል ንግስነት ቦካሳ፡ኣድማሳዊ ቁጠዐ ኣለዓዓለ።ኣብታ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዘይብላ ሃገር፡ኣብታ ኣብ ግዜ ወሊድን ህጻናትን ዘጋጥም ብዝሒ ሞት ዝመለለዪኣ ሃገር፡ኣብታ ድንቁርና ዘስፋሕፍሓላ፡ካብ 260 ማይልስ ዝበልጽ ጥጡሕ ጽርግያ ወይ መንገዲ ዘይርከባ ኣብ ከቢድ ቁጠበዊ ቁሉውላው ዝነበረት ሃገር ከምዚ ዓይነት ጽላለ ምፍጻሙ፡መንግስቲ ቦካሳን ተሓባባሪኡ መንግስቲ ፈረንሳን ኣብ የዒንቲ ህዝቢ ዓለም ኣተዉ።እቲ ንጽንብል ንግስነት ቦካሳ ዝወጸ ገንዘብ ሓደ ሲሶ ባጀት ናይታ ሃገር ወይ እታ ሃገር ካብ ፈረንሳ ኣብ ዓመት እትረኽቦ ሓገዝ ዝሽፍን ነበረ።ሳላ እቲ በዓል ዕዳግኣ ተኸፊቱላ ዝነበረት ፈረንሳ፡ከምቲ ንፕረዚደንት ናይታ ሃገር ወኪሉ ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ሚንስተር ፋይናንስ ፈረንሳ ነበር ሮበርት ጊስካርድ Robert GALLEY ዝበሎ “ብውልቀይ ቦካሳ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንቂ ጽንብል ክገብር ከሎ ትውግዝ፡ብሩራዊ ኢዮቤል ንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ንምኽባር ዝግበር ጽንብል ግን ትድግፍ እንተኾይንካ ሕስድና እዩ።ወረግ መርኣያ ዓሌትነት እዩ” ክብል ውልቃዊ ብዝመስል ዘረባ መርገጺ ፈረንሳ ኣንጸባሪቑ እዩ።እንተኾነ ግዲ ዘይብሉ ቦካሳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ በዓል ነቲ ክውድሶ ውዒሉ ምስኡ ዝድረር ዝነበረ ሚንስተር ፋይናንስ ፈረንሳ በሊዑ ምስ ወድአ ብሕሹኽታ ከምዚ በሎ “ኣይተረድኣካን እምበር ስጋ ሰብ ኢኻ እኮ ተደሪርካ።”

ክልተ ዓመታት ድሕሪ ንነብሱ ንጉስ ኢሉ ምቕብኡ ቦካሳ ጭካንኡ እናጎልሐ ፈረንሳውያን እውን ዓለም ንኸይትኽዕቦም ክርሕቅዎ ጀመሩ።ኣብ ዓመተ 1970 ክሳብ 72 ኣንጻር ስርቂ ኢሉ ብዘበገሶ ወፍሪ ሰረቕቲ ምስ ዝርከቡ ጎዶሎ ኣካል ንኽኾኑ ኣወጀ። ከም ኣካል ናይዚ ወፍሪ ሚንስተራቱን ማዕከናት ዜናን ኣኸቲሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናግራባ Nagraba ብምኻድ እሱራት ክቕጥቀጡ ኣዘዘ።ቦካሳ ነቲ ኣሰንይዎ ዝኸደ ጋዜጠኛ ነቲ ምቕጥቃጥ እናተዓዘበ ከምዚ በሎ “ከቢድ እዩ፡ግን ህይወት ከምኡ እያ”ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ኣብ ኣፍ ሞት በጽሑ።ዝቐጸለ መዓልቲ ካብ ሞት ዝተረፉን ብምቕጥቃጥ ሃለዋቶም ዘጥፍኡን 42 እሱራትን 3 ሬሳታትን ኣብ ትሕቲ ዋር ዋር ትብል ጸሓይ ኣብ ቀንዲ ኣደባባይ ከተማ ባንጎይ ንምርኢት ተሰጥሑ።ሰክረታሪ ጀነራል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሩት ዋልዲም Kurt WALDHIEM ነቲ ጭካነ ወጊዙ ምስ ተዛረበ ቦካሳ “መዝማዚ፡ገንቢ ከም ሬሳ፡ኣቃጣሪ”እናበለ ዘለፎ።ሃገር ቤተ ምርምር ናይ ስቅያት ዘምሰላ ቦካሳ፡ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት፡ ወተሃደራት፡ ሰረቕቲ፡ ተመሃሮን ካልኦት ዜጋታትን ብጅምላ ክቕተሉ ትእዛዝ ይህብ ከም ዝነበረ፡ዜጋታት ብሞዶሻ እናተወቕጡ፡ብሰንሰለት እናተቐጥቀጡ ከም ዝሃለቑ ኣዛዚ ቤት ማእሰርቲ ነበር ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቦካሳ መስኪሩ እዩ።ቦካሳ፡ስልጣንን ጭካነን ተቐባቢሎም ናብ ዕቡድ ቀይርዎ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝወሰዶን ብገዛእ የእዳዊ ዝተሳተፎን ኣሰቃቒ ጃምላዊ ቅትለት ንዓለም ኣስደመመ። ፈታዊት፡ ኩሉሙለይ ዝብላ ዝነበረ ፈረንሳ ከይተረፈት በዚ ተግባር ሰንቢዳ ኣብ ጎኒ ቦካሳ ደው ምባል መዘዝ ከየምጽኣላ ፈርሀት። ናይ ቀዳማይ ደረጃ ተመሃሮ፡ስእሊ ቦካሳ ዘለዎ ዲቪዛ ንኽለብሱ ኣዋጅ ወጸ።እዚ ዲቪዛ ብሓደ ትካል ጥራይ ዝፈርን ዝሽየጥን ኮይኑ፡ዋና እቲ ትካል ድማ ብዓልቲ ቤት ቦካሳ ነበረት።እቲ ዝኸፍአ ነገር ግን ዋጋ እዚ ዲቪዛ ድኻታት ዘይክእልዎ ሰማይ፡ዓይነቱ ድማ ምህሙንን ተቐዳድን ኮይኑ ካብ ርካሽ ጨርቂ ዝተሰርሐ ምዃኑ እዩ።ስለዚ ካብ 15 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ተማሃሮ፡ብኣስገዳድ ዲቪዛ ኣይንገዝእን ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ወጹ።ነዞም ድኻታት መንእሰያት ቦካሳ ኣይደንገጸሎምን፡ዙርዮኦም ብወተሃደራት ኣኽቢቡ ጥይት ኣኾሎም።ካብቶም ዝተረሸኑ ዝተረፉ ውጻእ መዓት ድማ ኣብ መኪና ደርዲሩ ብምውሳድ፡ኣብ ጸበብቲ ሽላታት ጸፍጸሞም። ኣብ ሽላ ተጸፍጺፎም መንቀሳቐስን መስተንፈስን ዝሰኣኑ ቆልዑ ብእኩብ ሃለቑ።ኣብ ፍርድቤት ቀሪቡ ናይቲ ግዜ እቲ ፍጻመታት ዝተሳተፈ ናይ ሽዑ እሱር ተመሃራይ ከም ዝብሎ “ምሸት ቦካሳ ንባዕሉ ወተሃደራቱ ኣኸቲሉ ናብቲ ተመሃሮ ተኣሲሮሙሉ ዝነበሩ ቤት ማሕቡስ መጸ።ሓይሉ ክሳብ ዝደክም ብበትሩ ክጭፍጭፎምን፡ክሳብ ዘዕርፍ ዓጀብቱ ኣብርዮሙ ክቕጥቅጡን ገለ ተመሃሮ ብኽቱር ማህረምቲ ኣብ ኢዶም ሞቱ።ብጠቕላላ ብምርሻን፡ብምዕሻግ፡ብምቕጥቃጥ ዝኣክል 100 ዝኾኑ ዕሸላት ህጻናት ተቐትሉ።መንግስቲ ቦካሳ ከምዚ እናገበረ ዘንብር ነበረ።

ዴሞክራን ፍትሕን ኢና ንኣምን፡መሰል ወዲ ሰብ ነኽብር ኢና ዝብሉ ልዕለ ሓያልን እዚ ኩሉ እናገበረ ከመይ ስቕ በልዎ? ዝብል ሓታቲ ዝብል ሕቶ ምስ ዝመጽእ፡ንሳቶምሲ ዓገብ ክብልዎ ይትረፍ ንባዕሎም ቀንዲ ተሓባበርትን ኣተሓባበርትን ብምዃን ይሳተፉ ነበሩ።ንማእከላይ ኣፍሪቃ ሓደ ሲሶ ባጀታ እትሽፍነላን ኣብታ ሃገር ናታ ሰራዊት ዘቐመጠትን ፈረንሳይ ንቦካሳ ግደፍ ክትብሎ ኣይደለየትን።ብኣንጻሩ ኣብ ናይ ንግስነት በዓሉ 500 ዝኾኑ ናይ ጸጥታ ወተሃደራትን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ሙዛቃ ባንድን ልኢኻ ዘማዕረገቶ ፈረንሳይ እያ።እንተኾነ ፈረንሳ እውን ዝያዳ ጥቕሚ ብምድላይ እምበር ብነጻ ኣይትሕግዝን።ናይ ሓገዛ ምኽንያት ነቲ ኣብ ሃገራ እተማዕብሎ ናይ ኑክሌር ፕሮጀክትታት መስርሒ ዝኸውን ዩራኒም ዝተባህለ ባእታ፡ብነጻ ካብ ሃገሩ ክትግሕጥ ቦካሳ ስለ ዘፍቀደላ እዩ።ንጉስ ፊልድ ማርሻል ቦካሳ፡ደስ ዝበሎ እናገበረ፡ደስ ከም ዝበሎ እናገዝአ፡ደስ ዝበሎ እናቐተለ፡ደስ ዝበሎ እናለበሰ 13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸንሐ።ኣብ 1979 ኣከባቢ ግን፡ብፍላይ ድሕሪ ቅትለት ናይዞም ተመሃሮ ፈተውቱ ክርሕቅዎ ጀመሩ። ናብ ዝደለየተን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ክሳብ ሰራዊት ልኢኻ ዕልዋ ከተካይድ እትኽእል ፈረንሳ እውን፡ገሊኦም ከም ዝብልዎ ንቦካሳ ትህቦ ደገፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ስለ ዘሸማቐቓ፡ካልኦት ከም ዝብልዎ ድማ ፕረዚደንት ጌስካርድ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ ምስ ቦካሳ ዝገበሮም ኣነወርቲ ተግባራት ንኸይጋለጽዎ ንቦካሳ ካብ ስልጣን ከውርዶ ወሰነ።

ንጉስ ቦካሳ ምስ ዓርኩ መራሒ ሊብያ ሙዓመር ኣል ቐዛፊ ኮይኑ ኣብ ልቢያ ሰውራዊ ዕርክነቱ ዊስኪ ችርስ እናበለ የብዕል ኣሎ።ኣብ ቦንጎ ዘለዉ ወተሃደራት ፈረንሳ ግን ንቦካሳ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ምንቅስቓሳት ጀሚሮም ኣለዉ። መስከረም 20/1979 ኣብ ጫድን ጋቦንን ዓስኪሮም ዝነበሩ 300 ዝኾኑ ናይ ፈረንሳ ኮማንዶታትን ፍሉያት ሓይልታትን፡ብኣውሮፕላን ተጓዒዞም ንከተማ ቦንጎን መዓርፎ ነፈርታን ተቖጻጸሩናይ ቀደም ፕረዚደንት ነበር ዴቪድ ዳኮ ካብ ዘለዎ ደልዮም ኣምጺኦም ናብ ቦትኡ መለስዎ።ድሕሪ 13 ዓመታት ናብ ዝተነፍጎ ስልጣን ዝተመልሰ ዴቪድ ዳኮ፡ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብቲ ቀደም ዝነበረቶ ናይ ሪፓፕሊክ ስርዓት ምምላሳ፡ሓድሽ መንግስቲ ምቛሙን ብራድዮ ኣወጀ።መሬት ሰላም እዩ ዘሎ ኢሉ፡ቀሲኑ ኣብ ሊብያ ክዘናጋዕ ዝቐነየ ዢያን በደል ቦካሳ ብኣውሮፖላን ናብ ሃገሩ ንኽምለስ ጉዕዞ ተተሓሓዞ።ኣብረርቲ ፓይሎት ፈረንሳውያን ነበሩ፡ካብ ሃገሮም ብዝተዋህቦም መምርሒ መሰረት ዝወስድዎ ዝነበሩ ናብ ሃገሩ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘይኮነ ናብ ፈረንሳይ ነበረ።ፓሪስ ምስ በጽሐ፡ክዳኑ ኣውጺኦም መርመርዎ።ቦካሳ ኣብ ናይ ኣየር ጉዕዞ እንከሎ፡ኣብ ሃገሩ ዝነበሩ ኩሎም ሰዓብቱ ተኣስሩ። ትቕበሎ ሃገር ክሳብ ትርከብ፡ኣብ ፈረንሳ ከዕነኒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ኣይቨሪኮስት ክትቅበሎ ከም እትኽእል ፍቓድ ምስ ሃበት ናብ ኣይቨሪኮስት ተላእከ።ድሒሩ፡ንፈረንሳውያን ዝገበሮ ናይ ጅግንነት ውዕለት ኣልዒሉ ሰለ ዝተኸራኸረን ኣብ ፈረንሳ ብዙሕ ርእሰ ማል ስለ ዝነበሮን፡ፈረንሳይ ናብ ፓሪስ ተመሊሱ ብስደት ንኽነብር ፈቐደትሉ።ናብራ ፓሪስ ኣይጠዓሞን።ከም ድላዩ ሰልዲ ምዝራው፡ንደስ ዝበሎ ኣልማዝ ምዕዳልን ዝለመደ ቦካሳ ገንዘብ ውሒዱኒ ኢሉ ምዕዝምዛም ኣብዝሐ።ስለዚ “ናብ ሃገረይ ምለሱኒ”ኢሉ ሓተተ።ኣብ ዘይብሉ ፍርዲ ተወሲንሉ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተወሰነሉ ቦካሳ፡ካልኣይ ግዜ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ተራእዩ ዳግማይ ሞት ተፈርደ።ናይ ቦካሳ ዘመነ ስልጣን፡በዚ መልክዑ ብውርደት ተዛዘመ።ግን ከም ካልኦት ዝተዓልዉ ውልቀ መለኽቲ ዕድሚኡ ኣይሓጸረን።መቸም፡እምባ ገነናት መራሕቲ ቀንዲ ጸላኢኦም እቲ ስልጣን ዝመንጠልዎ ቅድሚኦም ዝነበረ መንግስቲ እምበር፡ቅድሚኡ ዝነበረ በዳሊ ህዝቢ እንታዮም ኣይኮነን።በዚ ድማ ንቦካሳ ተኪኡ ካልኣይ ግዜ ናብ ስልጣን ዝመጸ ዴቪድ ዳኮ፡ መንግስቱ ብኢታማዦር ሹም ተገልቢጡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ናብ ዳግማዊ ምልኪ ኣትያ ነበረት እሞ፡ቦካሳ ሳላ ሓድሽ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኣንድሬ ሬንጌላ ናይ ምሕረት ዕድል ተራሕወሉ።ናይ ሞት መቕጻዕቱ ናብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ፡ጸኒሑ ድማ ናብ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተቐነሰሉ።ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ምሉእ ምሕረት ተጌርሉ፡ኣብታ ዝነገሰላን ዝቐተለላን ርእሰ ከተማ ባንጎይ ኣብ 30 ሕዳር 1996 ብሕማም ልቢ ሞተ።

ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም።

ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሞንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ኣብ እየሩሳሌም ብዝተወለዐ ጎንጺ ብዙሓት መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም።ተቓወምቲ ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ከለዉ ፖሊስ ድማ መንብዒ ጋዛት፣ ናይ ጎማ ጠያይትን ኣድማ መበተኒ ማይን ተጠቒሞም።ሰብ ሞያ ሕክምና ፍልስጤም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 90 ፍልስጤማውያን ከምዝቖሰሉ ገሊጾም፤ ፖሊስ እስራኤል ብወገኑ ሓደ ኣባሉ ከምዝቖሰለ ኣፍሊጡ።

ፍልስጤማውያን ካብቲ ኣይሁዳውያን ዝነብሩሉን ናትና ዝብልዎን መሬት ክወጽኡ ክግበር ከምዝኽእል ምስተገለጸ ንዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ ከምዝተጓሃሃረ ይግለጽ።ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያንን ብውሕድ 17 ኣባላት ፖሊስ እስራኤልን ኣብ ጥቓ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ከምዝቖሰሉ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ፖሊስን ሓቢሮም።

ኣዛተይቲ ማእኸላይ ምብራቕ ዝኾኑ ኣሜሪካ፣ ሩስያን ሕቡራት ሃገራትን በቲ ዝጓሃሃር ዘሎ ዓመጽ “ኣዝዮም ከምዝተሻቐሉ” ትማሊ ቀዳም ገሊጾም።

ብኻልእ ገጽ ድማ ሚሊሻታት ፍልስጤም ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል ሮኬት ከምዝተኮሱ ሚንስትሪ ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ቀዳም ኣፍሊጡ።“ናይዚ ግብረመልሲ ከኣ ነፈርትና ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ዝርከብ ወተሃደራዊ ስፍራ ሃማስ ኣጥቂዐን ኣለዋ” ኢሉ እቲ ሚንስትሪ ብትዊትር ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ።

ብወገን ሚንስትሪ ምክልኻል ነቲ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሮኬት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተወሃበን፤ ማዕከናት ዜና እስራኤል ግን ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ከምዝዓለበን ዘስዓቦ ጉድኣት ኮነ ዕንወት ከምዘየለን ጸብጺበን።እቲ ናይ ትማሊ ጎንጺ ኣብ ደማስቆ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ መእተዊ ዝተወለዐ ከምዝኾነን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ኣል-ኣሽቃ ምስ ደገዱ ከምዘጋጠመን ተፈሊጡ’ሎ።ብውሑድ 90 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን 14 ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ቀይሕ መስቀል ፍልስጤም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሃገሩ ንናጽነት ኣምልኾ ብምውሓስ ኣብታ ሃገር ልዕልና ሕጊ ናይ ምርግጋጽ ስራሕ ብሓላፍነት ትፍጽም ምህላዋ ተዛሪቡ።

መራሒ ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ናይ እስራኤል “ሓጥያት ዝተመልኦ መጥቃዕቲ” ብምባል ኮኒንዎ።

ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም

ዕጡቓት ናይጀርያ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ ተፍትሽ፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም።እቶም ዕጡቓት ናይ ፖሊስ መኪና’ውን ኣቃጺሎም ተባሂሉ።

ፖሊስ ብዝወሰዶ ዓጸፋ ምላሽ፡ ክልተ ኣባላት እቶም ዕጡቃት ዝቐተለ ኾይኑ፤ ዝተረፉ ከምዘምለጡ ተገሊጹ።ነቶም ዝተረፉ ንምሓዝ ድማ፡ ሓያል ድልያ ይካየድ ኣሎ።እቶም ዕጡቃት ነቲ መጥቃዕቲ ስለምንታይ ከምዝፈጸሙ ምኽንያቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ቾባ ኣብ ዝተብሃለ ዓብዪ ድልድል ኣብ ዝርከብ ነቑጣ ተፍትሽ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ብናይታ ሃገር ኣቆጻጽራ ናይ ምሸት ሰዓት 02፡30 ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።እቲ ወሃቢ ቃል፡ ክልተ ኣብቲ ናቑጣ ዝነበሩን ካልኦት ክልተ ኣብ መንገዲ ዝጸንሑን ከምዝቐተሉ፤ ካብኡ ድማ ሩሙጂ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዋንነታ ናይ ፖሊስ ዝኾነት መኪና ብሓዊ ከምዘቃጸሉ ኣረዲኡ።

ክልተ ካብቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ፡ ካብኡ ዘምለጡ ግና፡ ‘ኤሊምቡ’ ኣብ ዝተብሃለ ካልእ ፖሊስ ጣብያ፡ ሰለስተ ፖሊስ ከምዝቐተሉ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።ኣብቲ ከባቢ፡ ኣባላት ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ብተደጋገሚ ዝቕተሉ ኮይኖም፡ ካብ ኣጋምሸት ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ይርከብ።ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ናብቲ ሕጂ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቀረባ ዝኾነ፡ ኣናምብራ ኣብ ዝበሃል ክልተ ፖሊስ ከምዝተቐትሉ እውን ይዝከር።

ናይጀርያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኢስላማውያን ኣኽረርቲ ብዝኸፍትዎ መጥቃዕቲ ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ ትርከብ።ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ 700 ህጻናት ካብ ቤት ትምህርቲ ተዓጨውዮም ከምዝተወስዱ ይፍለጥ።

“ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ’’ ተጸዋዒ ስደተኛታት

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ገሊጹ።

እቲ ትካል ብ8 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ በዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፣ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ብምምዝባሎም፣ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ሓላሊኹዎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ 8,100 ኤርትራውያን፣ ገለ ካብ ሽረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘጎዓዓዞም፣ ካልኦት ከኣ በብውልቆም፣ ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኒን ሰጊሮም ከምዘለዉ’ዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝገልጽ።እቶም ዳግማይ ዝጣየሱ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ከም ግዚያዊ መጽለሊ፣ መግብን ካልእ ንኣሽቱ ቀረባትን ይወሃቦም ከምዘሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ትካል ብግቡእ ኣይተንቀሳቐሰን ክብሎ ሓያሎ ስደተኛታት ክስታቶም የቕርቡ።

ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ 330 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዒ ስደተኛታት ሓገዝ ክሓቱ ክመጹ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም፣ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ከቢድ ናይ ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ከምዘሎ፣ ኣብቲ ብሸሞንተ ግንቦት ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኲናትን ውሽጣዊ ምክልባትን ሓደ ክፋል ናይቲ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሽግር ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ 3,840 ሞት ከምኡ’ውን 261, 580 መልከፍቲ ኣመዝጊቡ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ እቲ ካልእ ኲናት ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘራኸብ ድልድል ከምዘዕነዎ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ንማእከላይ ትግራይ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ድልድል ምፍራሱ ይግለጽ ኣሎ።

ወተሃደራት፡ ነቲ ከባቢ ምሉእ ብሙሉእ ተቖጻጺራዎ ከምዘሎ ዝገለጸት ፔትሮን፡ እቲ ዝፈረሰ ድልድል፡ ንናይ ክልል ትግራይ ከተማ ራማ ምስ ከተማ ዓዲ-ዃላ ናይ ኤርትራ ዘራኽብ ምዃኑ ትገልጽ።

ወተሃደራት ኤርትራ ንዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሩ፡ ብፍላይ ከባቢ ራማ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደርኡ ከምዝርከብ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ምኽንያት መዕነዊ እቲ ድልድል ግን ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ኣትዮም።

ሎሚ ሰምበት፡ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝኣተዉ ዝገለጸ፡ ናይ ኢጣልያ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣብሳ፡ ሓንቲ ጃልባ 400 ቆሎዑን ኣንስትን ዝርከብዎም ስደተግኛታት ሒዛ ከም ዝመጸት ገሊጹ።ካልኦት ጀላቡ ውን ኣብ ከባቢ ማልታ ኪመጻ ምስ ተራእያ፡ ናይ ድሕነት ጉጅለታት ከይዶም ከም ረዲኤት ከምዝገበሩለን ተፈሊጡ።

ላምፔዱሳ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተእንግድ ደሴታት’ያ።

ኣምሓዳሪ ‘ታ ደሴት ቶቶ ማርቴሎ፡ ምስ’ዚ ዘሎ ጽብቕኩንታት ኣየር ብዙሓት ስደተኛታት ክመጹ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

ካብ መጀመርያ እዚ ዓመት’ዚ፡ ኣስታት 11,000 ስደተኛታት ናብዛ ደሴት ከምዝኣተዉ ይፍለጥ፡ እዚ ምስ ናይ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ክነጻጸር ከሎ ናይ 4,105 ስደተኛታት ወሰኽ ገይሩ ይርአ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።ካብዚ እቲ 40ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ናብተን ኣብ ትግራይ ዝነጥፋ ዘለዋ ትካላት ግብረ ሰናይ ከም ዘብል ተገሊጹ ኣሎ።

ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ህይወትን መነባብሮን ኢትዮጳውያን ብድርቂ ክዓኑ፡ህጻናት ድማ ብጥሜት ክሳቐዩ ንርኢ ኣለና” ዝበለ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡”ኲናት ትግራይ ሽድሽተ ወርሑ ኣቚጹሩ፡ሲቪላውያን ነቲ ቃጸሎ ከም ዝስከምዎ ይገብር ኣሎ።ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትብ ንዘስጋሕክሕ ጾታዊ ግፍዒ ተጋሊጸን፡ሚልዮናት መሰረታውያን ቀረባትን ኣገልግሎታትን ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ”ክብል ወሲኹ።ንሱ ከም ዝበሎ እቲ ዝተጀመረ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ወፍሪ ብዝያዳ ክቕጽል ከም ዘለዎን፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብጠቕላላ 16ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ድማ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ተጸበይቲ ረድኤት ከም ዘለዉ ሓቢሩ.

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ዘኸተሎ ጥሜትን ምምዝባል ዜጋታትን ስዒቡ 40 ሚልዮን ዶላር ንሓገዝ ሰሊዑ፡ዝተረፈ 25 ሚልዮን ዶላር ድማ ናብ ብድርቂ ዝተጠቕዐ ከባቢታት ኦሮሞን ሶማልያን ከም ዝልእኮ ሓቢሩ’ሎ።

እንተኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ህጹጽ ሓገዛት እኹል ከም ዘይኮነን፡ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዕማሙ ብዝግባእ ንኸሰላስል ተወሳኺ ሓገዝን ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ዕድልን ከም ዘድልዮ ይሕብር።

ህንዲ፡ንራክሻ (ባጃጅ) ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ጀሚራ።

ኣብ ህንዲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ለብዒ ኮሮና ቫይረስን ንሱ ዘኸተሎ ሕጽረት ኣንቡላንሳትን ተኸቲሉ፡እታ ሃገር ንዘጋጠማ ሕጽረት ንምምካት ራክሻታት ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ከም ዝጀመረት ሮይተርስ ሓቢሩ።

ምስቲ ዘጋጠመ ልዑል ናህሪ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ስድራቤታት ህንዲ ብሕጽረት ኣንቡላንስ ክሳቐያን ናብ ሆስፒታል መኸዲ ክስእናን ዝጸንሓ ኮይነን፡ከም ኣማራጺ ዝወሰድኦ ብናይ ግሊ ኣንቡላንሳት ምጥቃም ልዕሊ ዓቕመን ክፍሊት ከስዕበለን ጸኒሑ እዩ።በዚ ድማ’ዩ መንግስቲ ደልሂ ምስ ገለ ትካላት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ራክሻታት ቆጺሩ ንህዝቢ ብነጻ ከም ኣምቡላንስ ኮይነን ከበጻጽሓ ዝገብር ዘሎ።እዘን ማስኬራታትን ሰኒታይዘራትን ዝዓጠቓ ራክሻታት ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚረን ብነጻ ኣገልግሎት ክህባ ክጅምር ትጽቢት ትግበር።

ህንዲ ብሳልሳይ ማዕበል ኮረና ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ኮይና ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ 414,188 ብዝሒ ሕሙማት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝበጽሐት ኮይና፡ብመንጽር ብዝሒ ሕሙማት እቲ ቫይረስ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስዒባ ካብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ኢትዮ ቴሎኮም ሞባይል ባንክ ኣተኣታትዩ

ብ መንግስቲ ዝውነን ትካል ቴለኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ (ኢትዮ ቴሌኮም)ካብ ዝቕጽል ሰሙን ኣትሒዙ ብሞባይል ገንዘብ ከተሰጋግረሉ እትኽእል ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።ኢትዮጵያ ናይ ቴለኮሚኒኬሽን ኣገልግሎታ ናብ ብሕታዊ ጽላት ከተሰጋግር ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ኢትዮ ቴለብር ተሰምዩ ዘሎ መደብ ምስግጋር ናይ ካሽ ገንዘብን ምፍጻም ክፍሊታትን ብመንገዲ ሞባይል ቴለፎን ክፍጸመሉ ዝኽእል ኣገልግሎት ምዃኑ ይሕበር።

Design a site like this with WordPress.com
Get started