“ሰሊም ድዩ ናይ ሕማመይ?”
” ሰናይ ኢዩ። ንስኻ ከ ከመይ ቀኒኻ?”
” ሰሊም ሰሊም።”
” ሰሊም ትግርኛ ድዩ? ወላ ኢብራይስጥ?”
” ኣቲ ናይ ሕ……ማ……ም!……. ሰሊም ዘይትግጥሚ ……በየን ኢኺ ነጢብኪ ጓለይ? ” በተን ምስ የዕሩኽተይ ንሕክየለን ትግርኛ መሸንቦባ ሰንድየላ።
” ዝተሓተትካዮ ዘይትምልስ?” ሓጺርን መግናሕትን ዝተሓወሶ መልሲ መሊሳ።
” ሰሊም ደኣ ካብ ሰ…ሊ …ም ዝብል ቃል ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ ሰሊም ማለት ኢዩ።” ብምባል ጸሓፍኩላ። እንተኾነ ኩርኣ ከይቅጽል ስለዝተሰከፍኩ፣ “እንታይ ከ ኣሎ ሓድሽ?” ብምባል ኣልግብ ኣቢለ ሓቲተያ።
” ክክክክክ …… ሰሓቕ ሞይተ። መቸም ሎሚ ዕላል ክንቅጽል እነተኾይና፣ ወይ እሩም ቋንቋ ተጠቐም ወይ መዝገበ ቃላት ናይዚ ትጥቀመሉ ዘለኻ ትግርኛ ኣቐዲምካ ክትሰደለይ ኣለካ። እንተ ንሓደሽ ነገር ዝምልከት ከኣ፣ ናይ ቢል ገይትስ ቃለመሕትት ከንብብ ጸኒሐ። ንቢል ገይትስ ኣብ ሂወቱ እንታይ የጣዕሶ ኢልካ ትሓስብ?”
ቢል ገይትስ ኣብ ሂወቱ ዘጣዕሶ?? ጋን ኮይንኒ። ” ቢል ገይትስ ደኣ ዘጣዕሶ እንታይ ከይህሉ። እንተሎ ከኣ ብገንዘቡ የሕውዮ ይኸውን እምበር።” ሓንሳብ ሓንሳብ ቢል ገይትስ ነዛ ፕላኔትና ገዚኡ፣ ኪዱ ኢሉ ከይሰጎና እምብዛ ኢዩ ዘፍርሓኒ።
” ገንዘብ ንጣዕሳ ከመይ ገይሩ ከም ዝሕውዮ ካልእ መዓልቲ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክትህበኒ ኢኻ። ንሕጂ ግን ናብዚ ናይ ዓለምና በዓል ጸጋ ክመልሰካ። ዘጣዕሶ ነገር እንተሎ ሓደ ቋንቋ ጥራይ ዝመልኽ ምዃኑ ኢዩ። ኢንግሊዘኛ ጥራይ። ኣይገርመካን!?”
” ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ሓደ ሰብ፣ ክልተ ዝዛረብ ክልተ ሰብ ፣ሰለስተ ዝዛረብ ሰለስተ ሰብ ይኸውን ኢዩ ነገሩ። ግን እዚ ሰብኣይ ኢንግሊዘኛ ርእሲ ኩሉ ቋንቋታት ዓለም ዝመልኽ እነተኾይኑ’ሞ እንታይ ጸገም ኣለዎ !?”
” ብርግጽ ኢንግሊዘኛ ኣህጉራቂ ቋንቋ ኢዩ። ኢንግሊዘኛ ክትዛረብ ምኽኣል ወይ ዘይምኽኣልን ግን ከም ምልክት ስልጣነ ክውሰድ ኣይግባእን። ወይ ውን መግለጺ ፍልጠት ክሕሰብ የብሉን። ፐርከ ኢንግሊዘኛ ከም ማንም ካልእ ቋንቋታት መረዳድኢ ጥራይ ኢዩ። ኣብቲ እንግሊዘኛ ዝዝረበለን ሃገራት ጥዑይን ሕሙምን፣ ዝተማህረን ዘይተማህረን፣ በጋሚንዶን ጻዕራምን ዝዘረቦ ተራ ቋንቋን ምዃኑ ዘይምርሳዕ።”
“ፐርከ ኸ ብምንታይ ቋንቋ እዩ? ትግሪኛ ወላ ስዋሂሊ? ሕነይ ክፈዲ ብምባል ተቐዳዲመ ሓተትኩዋ።”ዕላማይ ቀልጢፉ ዝተርዳኣ ጓለያት ድማ………..
“ክክክክክክክ። ርግጸኛ ኣይኮንኩን ግን ብጥልያን እያ መስለኒ፣ ብልምዲ “ምኽንያቱ ንምባል ኢና ንጥቀመላ” ወቐሳኻ ግን ርዱእ እዩ ብጻይ።
“ክክክክክ……….. ሕራይ ቀጽሊ። እንተኾነ በጃኺ ከምቲ ኣቐዲምኪ ክትብልዮ ዝጸናሕኪ ጌርኪ ንኢንግሊዘኛ ኣይተራኽስዮ ጎነይ! ኢንግሊዘኛ እኮ መወዳድርቲ ዘይብሉ ቋንቋ ኢዩ። እዞም ናይ ዓድና ቋንቋታት ውን ኣለው ኣርሒቕ ሒዝካዮም ክትገይሽ ዘየሐብኑ! ምሰ ኣብ ዙርያይ ዘለው ሰባት ብቐጻሊ ንሰማማዓሉ ዛዕባ ኢዩ።
” ገዛእቲ ንኽዕወቱ ዝጥቀመሉ ሜላ፣ እንተሎ ንኣእምሮ ብምቁጽጻር ኢዩ። ንክብርታቶም፣ ባህሎም፣ ልምድታቶን ኩሉ ኩለንትንኦን ከም ብሉጽን ስልጡን ገይሮም ኣብ ኣእምሮ ተገዛኢ ይቓንይዎ። እቲ ተገዛኢ ድማ ወትሩ ምስ መንነቱ ሕቖን ከብድን ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ ኣእምርኡ ዝተቓነየ መንነት ክርዕም ሓኾት እንዳ በለ ጸሓይ ብድምቕታ ትዓርቦ።”
” እዚ ከላም ከም ላቺ እኮ ጌርክዮ። ብምጥውዋይ ልቡ ኣጥፊእክሉ። ” ሸንኮለል ምባላ ሓደ ነገር ክትብል ከም ዝደለየት ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ቆብ ኣቢለያ ነይረ።
“ኣፍሪቃውያን፣ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ከም ግዳያት ናይ መግዛእቲ ነቲ መቦቆላዊ ቋንቋታና ክብሪ ክንህቦ ኣይንረአን ኢና። ነቲ ኣብ ስግር ባሕርን ኣብ ጎረቤት ዘሎ ቋንቋታት ከነዳምቕን ክንኮሓሕልን ነጥፍኦ ግዜ ይበዝሕ። እዚ ዘረድኣና ኣምምሮና ገና ተመቛሑ ከም ዘሎ ኢዩ። ” ” ኣቲ ናይ ሕ…ማ….መ…ይ! ሪጎለ ኮይንኪ እንዶ እቲ ክትብልዮ ትደልዪ እንዶ ሓክይኒ?”
“ቋንቋታትና ከይምዕብሉን ከይንጥቀመሎምን ሓንሳእ ንኸቦሮ እዝኒ ይኹርክሑ ኢዮም፣ ሓንሳእ ድማ ከም ደንጎላ መፋግኢ ጥራይ ኢዮም ዝጠቕሙ እንዳ በልና ነቲ መንነትና ንምፍሓቕ ብገዛእቲ ዝተተኽለ ጓይላ ክሳብ ሕጂ ነኹዱደሉ ኣለና።”
” ኢንግሊዘኛ ወይ ካልእ ቋንቋ ክንፈልጥ የብልናንን ማለት ድዩ?”
” ከምኡ ኣይወጽኣንን። ቋንቋ ሕላገትን መንነትን ናይ ሓደ ሕብረተ ሰብ ኢዩ። ኢንግሊዘኛ ይኹን ካልእ ቋንቋ ምፍላጥ ኣብ ስራሕና ኣሰልጦ፣ ኣብ ማሕበራዊ ርክባትና ድማ ዕውታት ክንከውን የኽእለና። ናይ ባዕዲ ቋንቋ ክንፈልጥ ስለዝኸኣልና ግን ንነብስና ከም ስልጡናት፣ ነቲ ቋንቋና ድማ ከም ናይ ድሑራት ጌርና ክንርድኦ የብልናን።”
“ኣብዚ ጉዳይ ቀንዲ ተሓመይቲ ሓራሙ ኢኽን።”
“ሓርማዝ ይብላዕካ!”
“ክክክክ…….. ኣይትሕረቒ እሞ፣ ሓቀይ እየ። ብፍላይ ኣብ ኮለጅ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ብዙሓት መማሀርተይ ነይረን፣ በቲ ናይ ዓድና ቋንቋታት እንዳ ኣዕለለካየን ብኢንግሊዘኛ ወይ ሓናፊጸን ይምልሳልካ ። “በቲ ቋንቋታትና ዘይትረዳድኣ?” ምስ ትብለን እንዳ ጠፍኣኒ እንድዩ ዝብል መስደመም መልሲ ይህባኻ።”
” ዋላ ንስኻትኩም ውን ተሓመይተ ኢኹም። ከምዚ ትጽሕፈለይ ዘለኻ ዘይጽፉፍ ትግርኛ ካብ ትጽሕፍ ብኻ ብኢንግሊዘኛ ጽሒፍካለይ። ኣብ ሓደ ክሊ ዕድመ ዘለው ሰባት ብፍላይ መንእሰያት ናቶም ቋንቋ ከም ዘማዕብሉ ይርድኣኒ ኢዩ። ሕጂ ግን እሩም ቋንቋ ተጠቐም ክንቅጽል? ወይ …..”
” ኣይትኾርዪ ስውንዋኖ። ከምቲ ናይ ኩሉ ግዜ ጌየረ ክጽሕፈልኪ ኢየ።” ኮርያ ካብ መስመር ከይትወጽእ ኣስጊኣትኒ።
” ጽቡቕ ። ብዝኾነ ከስሕቐካ፣ ተማሃራይ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝነበርክሉ ኣብ ናይ ሶፈመር ክላስ፣ ናይ ኤሰይ (essay) ፈተና ይመጽኣና። እዛ ኩላ ብኣፋ ኢንግሊዘኛ ትዋጢ ተማሃራይ ተታሒዛ ግብ! ወላ ሓደ ቅኑዕ ስዋስው ክጽሕፍ ዘኽእል ዘይብሉ! እቲ ምዝራብና ዘይተርፈና ናይ ምጽሓፍ፣ ምስማዕን፣ ምንባብን ውን ክእለትና ከነማሓይሾ ኣለና። ኣይመስለካን??”
” ኣይ ካብ ቋንቋኻ፣ ኣይ ካብ ኢንግሊዘኛ መንጎ መንጎ ካብ ምትራፍሲ፣ ንሓዲኡ ቀጥ ኣቢልካ ምሓዝ እኮ ይበልጽ። ጉዳይ ቋንቋታትና ሕስብ ምስ ኣበልክዎ ግን ቀንዲ ተሓመይቲ መምሃራን ኮይኖም ተሰሚዖምኒ። “መምሃራን ቋንቋታትና ኣብ ምድኻም እጃምኩም ትጻወቱ ኣለኹም። ተማሃሮ ገና ኣብ መባእታ ከለው ኣብ ክንዲ በቲ ዝመሃርሉ ቋንቋ ኣዲኦም ተካትዕዎምን ተመድርዎምን ብኢንግለዘኛ ስለተወዳድርዎም፣ ንቋንቋታቶም ዘለወም ክብሪ እንዳጎደለ ይኸይድ ኣሎ።” ቅሬታይ ገሊጸላ።
” ብርግጽ ጽቡቕ ኣስተውዒልካ ኣለኻ። ብኢንግለዘኛ ውድድር ክህሉ ከሎ ክላስ ምሉእ ኢዩ ክወዳደር ኢዱ ዘወጣውጥ። ብኤርትራውያን ቋንቋታት ክኸውን ከሎ ግን ሓደ እኮ ንጋዶ! ክንእረመሉ ዘለና ጉዳይ ከኣ ኢዩ። ብዝኾነ ስለምንታይ ኢዩ ኢንግሊሽ ዓለማዊ ቋንቋ ክኸውን በቒዑ ኢልካ ትሓስብ?”
ጀሚሩ ከኣ እዚ መጅሙዕ ሕቶታት በልኩ ብውሽጠይ። ክምልስ ስለዝነበረኒ ግን፣
” ኢንግሊዘኛ ፣ ኣርሓ ኩሎም ቋንቋታት ክኸውን ዘኽኣሎ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኢምበራጦርያዊ ንግስነት ናይ ኢንግሊዝ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ቋንቋ ብቃላት ኣዝዩ ሃብታም ክኸውንን ኣብ ምሉእ ዓለም ክዝርጋሕን ኣኽኢልዎ ።”
” ደጊመ ክሓተካ፣ ሓደ ቋንቋ ብኸመይ ይዓቢ ወይ ዘለዎ ትሕዝቶ ናይ ቃላቱ ብኸመይ ይህብትሞ?”
” ከም ርድኢተይ ቋንቋ ክዓቢ እንተኾይኑ በቲ ቋንቋ ብርክት ዝበሉ ስነ ጥበባውን ስነ ጽሑፋውን ስርሓት ክፈርዩ ኣለዎም። ቆፎ ቃላት ድማ ንዘለዎ ትሕዝቶ ቃላት ብኽልተ መንገድታት ይህብትሞ። ሓደ ካብ ካልኦት ቋንቋታት ከም ዘለዎም ቃላት ብምልቃሕን፣ ምሰ ንሕብረተ ሰብ ከም ዝጥዕሙ ገይርካ ብምርዓምን።”
” ምልቃሕን ምርዓምን ጽቡቕ ገይረ ተረዲአካ ኣለኹ። ቅድሚ ናብ ምልቃሕን ምርዓምን ምኻድና ግን ቋንቋታትና ማዕረ ክንደይ ብቓላት ሃብታም ምዃኑ ምፍታሹ ከድልየና ኢዩ። ንኣብነት ኣነ ዝፈልጠን ናይ ተኪአ ተስፋይ “መዝገበ ቃላት” ፣ ናይ ፕሮ. የማነ ግርማጼን “ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዝብላ መጽሓፍትን፣ ወትሩ ረቡዕ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ትሕተም “ትግርኛ ተዛረብቱን” ትብል ዓምዲ ኣገደስቲ ኢየን። ኣብ ትግረ ውን “ክብት ቃላት ህግያ ትግራያት” ዝብል ናይ መምህር ሙሳ ኣሮን ድንቂ ዝኾነ መዝገበ ቃላት ኣሎ። ካልእ ተወሳኺ ውን ኣይሰኣንን ኢዩ።”
እዘን ዝበለትኒ መጽሓፍቲ ወትሩ ኣብ ቬትሪና ኣብያተ መጽሓፍቲ ይርእየን እኮ እንተኾንኩ ክሳብ ክንድኡ ትርጉም ኣለወን ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ። ሕቶ ከይወሰኸትኒ ኣነ ውን ብጊደይ ሓቲተያ፣
“ሓደ ቋንቋ ክትመሃሪ ዕድል እንተዝወሃበኪ ነይናይ ቋንቋ ምመረጽኪ?”
” ነቲ ናይ መጻኢ ቋንቋ!” ብቅልጣፈ መሊሳትለይ።
” ኣየናይ ኢዩ እቲ ናይ መጻኢ ቋንቋ?”
” ማንዳሪን ናይ ቻይና።”
“ስለምንታይ ደኣ ማንዳሪን መሪጽኪ?”ምርጭኣ ጋን ኮይንኒ ነይሩ። “ማንዳሪን ኣብ ርእስቲ ምስ 1.4 ህዝቢ ዓለም ክትረዳዳእ ዘኽእለካ ምዃኑ፣ ቻይና ኣብ ቀረባ መጻኢ ንምዕራብ ተኪኣ ብቑጠባ ምንጋሳ ኣይተርፋን ኢዩ። ስለዚ ማንዳሪን ክትዛረብ ምኽኣል ማለት ነቲ ኣብ መጻኢ ክፍጠር ዝኽእል ዕድላት ብቐሊሉ ኣብ ረብሓኻ ከተውዕሎ ምኽኣል ማለት ኢዩ።”
” ምርጫኺ ከይድነቕክዎ ኣይሓለፍኩን። ብዝኾነ ናብ ትግርኛ ክመልሰኪ። ኣብ መቐለ ዝሰማዕክዎ ትግርኛ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ትግርኛ ዘይኮነስ ትግርኛ ንሙዃን ገና ኣብ ፍልቀት ዘሎ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓካ። ንሳቶም ግን እዚ ትግርኛኹም ሕውስዋስ ናይ ጣልያንን ዓረብ ይጥዕም ኢሎም ከባጭው ሰሚዐዮም።”
“ሓደ ቋንቋ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተፈላለየ ኣደማምጻ፣ ቃላትን ስዋስውን ከማዕብል ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ላህጃ ተባሂሉ ይፍለጥ። ስለዚ ትግርኛ ንዕኦም ዝያዳ ኣይብጽሖም፣ ነዓና ኣይርሕቀና!
” ሕራይ ገይረ ተረዲአኪ ኣለኹ።” ናይ ላህጃ ፍልልያት ኣብ ኩሉ ቋንቋታት ዓለም ዘሎ ተርእዮ ኮይኑ፣ እቲ ኣብ ሜድያታን ወግዓውያን ጽንብላት ንጥቀመሉ ግን ሓደ ደረጃ ተኾነ ተመራጺ እዩ።
“ኣብ ኢትዮጵያ እሞ ካልእ እንታይ ተዓዚብካ?”
” ኣብ ኢትዮጵያ?????? ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር ኣላ ድያ የላን ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ኢትዮጵያውያን ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን።”
” ክከከከከክ! ብኸመይ ደኣ ከምኡ ኢልካ?”
” እንትርፎ ኣነ ትግራዋይ ኢየ፣ ወይናይ ኢየ፣ ንኣምሓራ ከነጥፍኦም ኢና፣ ኦሮሞ ጸማማት ኢዮም ዝብል ዕላላት ኢትዮጵያዊ ኢየ ዝብል ኣየጓነፈንን።
“ኣይተጋገኻን። ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ነሽን ቢዩልዲን (Nation Building) ፈሺላ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለኒ።”
” ንዒባ ሓግዝኒ! ታይ እዩ ኸ ኔሽን ቢዩልዲን ኢልካ ዘረባ? እሩም ቋንቋ ዘይንጥቀም።” ካልኣይ ግዜ ሕነይ ዝፈደኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።
ኔሽን ቢዩልዲን፣ ስቴይት ቢዩልዲን ዝበሃሉ ኣገደስቲ ኣምራት ኣለው። ብትግርኛ እቲ ነሽን ስቴይትን ዝብል ኣምር “ሃገር” ዝብል ትርጉም ስለዘስምዕ ኢየ ነሽን ኢለካ።”
“ተረዲአኪ ኣለኹ። ነሽን ቢዩልዲን ስቴይት ቢዩልዲን ንዝመጽእ ሰሙን ነብስለን። ክሳብ ሽዑ ሰላም!
@Hani Ahmed









