ብጽባሕ ትሓልም ግዲ ኮይንካ ዓዋን
ንዓይ ተዕልለሉ ሓሊፉ’ዩ እዋን
ኣጋይሽ ናይ ህይወት እንከሳሲ
ትፈልጠኒ ዲኻ?ሓተት እዛ ነብሲ
እታ ዋንኣ ኣጥፊኣ ዝባደወት እምንቲ
ንጉሳ ስኢና ትሳቐ ንግስቲ
ተቐዪማ ርእየ ብኣነ ቅሒራ
ዋና ኣልቦ ኮይና ኣብ ጽምዋ ሰፊራ
ዝዘቕበበ ንብዓት እናተቓለስኩ ከይፍርሻሕ
ኑዛዜ ጀመርኩ ዕላል ኣደራጓሕ
ጽባሕኪ ከምእዝ እናሓለንኩ
ምእንታኺ ክብል እንታይ’ከ ዘይኮንኩ
ንዓኺ ክሓሊ ክደሊ ምዕራፈይ
ኣይነበረን ግዜ ዘዘክር ሕሉፈይ
ኣይረኸብኩን ህሞት ከዕልል ንውሽጠይ
ተዋጢረ’የ ኔረ ንባዕለይ ክፈሊ
ካብ ሕሉፍን መጻእን ዝሓየለ ንኸለሊ
በለትኒ ድማ . . .
ትማል ዝኽሪ’ያ ጽባሕ ትምኒት
ሕልፍቲ ኣይኮነትን ወይ ድማ መጻኢት
ህይወት ምስጢርያ ዘይትፈታሕ ቀመር
ህይወት ሎሚ’ያ ንሕጂ ትንበር
ነብስኻ ብዓይንኻ ስለ ዘይትርኢ
ካብ ነብስኻ ዝዓቢ የብልካን ጸላኢ
ጻውዒት ውሽጥኻ ይፈጥረልካ ራዕዲ
ዘለካ ቀቲልካ ዘይብልካ ተናዲ
ኩሉ ሕጂ’ዩ ኩሉ ሎሚ
ምንባር ኣይትቑጸሮ ንዝኽሪ ንሕልሚ
ንስኻን ሎምን ጥራይ . . .
ኣድሚጻ ንእስነት
ናብ ዘይትምለሶ ኣርሒቓ ተዓዝረት።
@Asmerom Haile

