Featured

ጅዋን በደል ቦካሳ

ኣብዛ ዓለም ዘይተሰምዐ እምበር ዘይተገብረ የለን ዝብል ምስላ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ደጋጊምና ኢልናዮን ሰሚዕናዮን ንኸውን።እንተኾነ ገለ ዛንታታት ንየዒንቲ እቶም ዝነበረዎም ሰባት ምእማኖም ዘሸግሩ፡ንሰማዕቶም ዘደንጽዉን ዘስደሙሙን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡የእምሮ ወዲ ሰብ ክቐርጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ትሕዝቶ ይህልዎም።ሎሚ እውን ምስ ኣፍሪቃን መራሕታን ንገብሮ ወግዒ ክቕጽል እዩ።ናይ ሎሚ ዕላልና ግን ናብ ካብ ጭካነ ኩሉ ዝበኣሰ ጭካነ፡ካብ ብድዐ ኩሉ ዝኸፍአ ብድዐ፡እቶም ጨካናት ከይተረፉ ክሰምዕዎ ዘስካሕክሖም ዛንታ ኣሬሜንነትን ጽላለን ኢና ክንድህስስ። ዛንታ እቲ ብስጋ ሰብ በዓላቱ ዘኽብር ካብ ናብ ጥዑይ ናብ ጽሉል ዝቐርብ መራሒ ሓንቲ ንእስቲ ሃገር ሪፓፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ዛንታ እቲ መስደመም ጅዋን በደል ቦካሳ።

ጅዋን በደል_በኮሳ፡ “ሰብ ሰብ በልዐ”ዘመነ ጅዋን በደል ቦካሳ ከም ዲክታተር ናይ ሪፓፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ዛንታ ስስዐን ጭካነን ጥራይ ዘይኮነ፡ዛንታ ብማንም ካልእ መራሒ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጥሙሕ ዝና እዩ። ዝበለጸ መግቢ ንዓይ፡ዝበለጸ ህንጻ ንዓይ፡ዝጸበቓ ወይዘራዝር ንዓይ ዝመለለይኡ ቦካሳ።ካብዚ ባህሩ ዝነቐለ ከይኮነ ኣይተርፍን 17 ኣንስቲ፡ማእለያ ዘይብለን ውሽማታትን ብወግዒ ዝኣመነሎም 62 ቆልዑን ዘፍረየ።ብቑጡዕን መሕገብገብን ጠባዩ ዝዝከር በደል ቦካሳ፡ስጋ ሰብ ምብላዕ እውን ቀንዲ ሕላገቱ እዩ።ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ኣብ 22 ለካቲት 1921 ካብቶም ሓለቓ ናይ ሓንቲ ዓዲ ዝነበሩ፡12 ውሉዳት ዝፈረዩ ኣብኡ ሚንደጎን ቦካሳ ተወሊዱ።ኣቡኡ ሚንደጎን ከም ሓለቓ ናይታ ገጠር መጠን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናይ ገዛኢት ሃገር ፈረንሳይ ናይ ዕደና ኩባንያታት ዝኾኑ ኣገልገልቲ ሰራሕተኛታት በብግዚኡ ክግብሩ ነበሮም።ሓደ እዋን ግን ሓደ ነቢ ነዚ ምዝመዛን ንፈረንሳ ዝወሃብ ግዱድ ሽቕለትን ከቋርጽዎ ራኢ ከም ዝተራእዮ ነገሮም እሞ፡ኣቦይ ሚድንጎ “ኣነ ካብ ዘመሓድሮ ህዝቢ ንዓኹም ብነጻ ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ኣይህብን” ኢሎም ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ተቓወሙ።በዚ ድማ ናዕቢ ፈጢርካ ተባሂሎም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ካብ ዓዶም ብምውሳድ ኣብ ምባኪ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር፡ ካልኦት ንኸመሃሩ ብምባል ሰብ ኣኪቦም ቀጥቂጦም ቀተልዎም።ኣይጸንሐትን ኣደ ቦካሳ እውን፡ በቲ ብዓል እንድኣ ብምኽሳራ ዝወረደ ኣደራዕ ተባሳጭያ ነብሳ ኣጥፍአት።እዚ ክልተ ፍጻመታት እዚ ድማ ንህይወት ቦካሳ ክሳብ መወዳእታ ሕልፈቱ ዓሚቕ ዝቐጸለ በሰላ ፈጠረ።

ብድሕሪ እዚ ቤተ ሰቡ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብቤተክርስትያን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ንኽቐስም ናብ ቤት ትምህርቲ ዢኣን ዳ’ርክ ኣመዝገብዎ።ኣብ እዋን ትምህርቱ ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ መጽንዒት መጽሓፍ ሕልፊ ኩሉ መሲጣቶ ወግሐ ጸብሐ ቁኒን ክብላ ዝረኣዮ መምህራኑ ድማ፡ብስም ደራሲ እታ መጽሓፍ ጂኣን በደል ኢሎም ክጽውዕዎ ጀመሩ፡ብኡ ኣቢሉ እዚ ስም መጸውዒኡ ኮይኑ ተረፈ።ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ብምኽሪ ኣቦሓጉኡ ተደፊኡ ናብ ሰራዊት ፈረንሳይ ተጠርነፈ።ቦካሳ ምስ ሰራዊት ፈረንሳይ ኮይኑ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ውግእ ኢንዶ ቻይናን (ቬትናም) ብዘርኣዮ ጅግንነት መዳልያ ድሕሪ መዳልያ ተሰለመ።እዚ ስልማታት እዚ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለምን ኲናት ቬትናምን ኣብ ዓውደ ኲናት ብዘርኣዮ ጅግንነት 12 ናይ ክብሪ መዳልያታት ክስለም እንከሎ፡ካብዚ ገሊኡ ብሃገረ ፈረንሳይ ዝወሃብ ዝለዓለ ኒሻናት ከም ሊጅዮን ዲ ኦነርን፡ክርዋ ዶ ጉረን ይርከቦም።ናጽነት ሃገሩ ዘይተርፍ ምስ ኮነ፡ቦካሳ ካብቲ ን17 ዓመታት ዘገልገለሉ ሰራዊት ፈረንሳ ናይ ካፕቴን ማዕረግ ሒዙ ተፋንዩ፡ነቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ሃገረ ሪፖፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝኸውን ዳቪድ ዳኮ ንምሕጋዝ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።ኣብኡ ሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር ናይ ምቑም ተልእኾ ተዋሂብዎ፡ኣብ ሓጺር ግዜ 500 ኣባላት ዘለዎ ሰራዊት ክሃንጽ በቕዐ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣብ 42 ዓመቱ ናይቲ 500 ኣባላት ዝነበርዎ ሰራዊት ምክልኻል ሰንትራል ኣፍሪካን ሪፓፕሊክ ኣዛዚ ክኸውን ተሸመ።

ንጉስ ፕረዚደንት ዢኣን በደል ቦካሳ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካልኣይ ፕረዚደንት እዩ።ናይ መጀመርያ ፕረዚደንት ዳቪድ ዳኮ ነበረ።ዳቪድ ዳኮ ንቦካሳ ሓወብኡ እዩ።ስልጣን ግን ሕውነት፡ቤተሰብን ዕርክነትን ስለ ዘይትፈሊ ቦካሳ ሳላ ቤተ ሰብ ምዃኑ ዝተዋህቦ ናይ ኣዛዚ ሰራዊት ማዕርጉ ንናይ ሓወብኡ መንግስቲ ንምግልባጥ ተጠቕመሉ። ፕረዚደንት ሓወብኡ ዳቪድ ዳኮ ኣዛዚ ሰራዊት ክገብሮ እንከሎ፡ እሙን ሰብ ዝረኸበ መሲልዎ ከም ዝኾነ ኣየጠራጥርን። እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ተቐዋሞን ዘምእዛዝን ባህርያት ከርኢ ጀመረ።ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ጎድኒ ጀነራል ቻ ደጎል ተሰሊፉ ክሳብ ማዕረግ ካፒተን ምብጽሑ፡ን20 ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናነበረ ተሞክሮ ምቕሳሙ፡ናብ መሳልል ፕረዚደንትነት ንኽሓኩር እኹላት ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ኣመነ።ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣን ናይ ምምንዛዕ ጥሙሕ ከም ዘለዎ ክጋለጽ ዝጀመረ፡ንፕሮቶኮል ዘለዎ ህንጡይነት ምስ ተራእየ እዩ።ቦካሳ ናይ ኮረኔልነትን ውግእን ስልማታቱ ይድርድር እሞ፡ፈቖዶ ኣዳባባይ ሒዝዎ ክዘውር ደስ ይብሎ።ብፍላይ ፕረዚደንት ኣብ ዝመጸሉን ካሜራ ዝቕረባሉን ግዜ፡ንኹሎም ቀዲሙ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ንምቛም ዘርእዮ ጉያ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣወሃሃድቲ ፕሮቶኮል ኣብ ግጭት ክኣቱ ጌርዎ እዩ።ካብ ናይ ፕሮቶኮል ምቅድዳም ሓሊፉ፡ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣን ንምሓዝ ውዲት ዝኣልም ምዃኑ፡ኣባላት ጸጥታ ንፕረዚደንት ዳቪድ ዶኮ ነጊረሞ ነበሩ ይበሃል።እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ዳኮ “ቦካሳ ማዕረግ ካብ ምድርዳር ዝሓልፍ ድሌት የብሉን” ኢሉ ርእይቶኦም ኣዋደቖ።ከም ዝሓሰብካዮ ኣይከውንን፡ሸለልትነት ደቪድ ዳኮ ዋጋ ኣኽፊሉ “ዝነዓቕካዮ የጥንሰካ” ከም ዝበልኦ፡ቦካሳ ንሓወቦኡ ካብ ስልጣን ፈንገሎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ንሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ዘመሓድር ዝነበረ መንግስቲ ዳቬድ ዳኮን ሚንስተራቱን ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ ነበሩ።በዚ ድማ ናይታ ሃገር ኢኮኖሚ ክወድቕ፡ዶባታ እውን ብደቡብ፡ ብደገፍቲ ሉሙምባ፡ ብምብራቕ፡ ብዑጡቓት ተጋደልቲ ኣንያና ብተደጋጋሚ ተደፍረ።በዝን ዝኸምዝን ተዋጢሩ፡ካብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝመጾ ጸቕጢ ክጻወር ዘይከኣለ ብ ዳቪድ ዳኮ ዝምራሕ ውድብ MESAN ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝን ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ካብ ጽልዋ ፈረንሳይ ወጺኡ ንምስራሕ ከም ዝከኣሎ ንምርኣይን ንእግረ መንገዲ ድማ ወዲቑ ንዝነበረ ቁጠባ መሳለዪ ዝኸውን ሓገዝ ንምርካብ ገጹ ቻይና ኣዞረ።ቻይና ሃገር ዝግምግሙ ልኡኻት ድሕሪ ምስዳዳ፡ተቕላጢፋ 20 ሚልዮን ፍራንክ ሓገዝ ንመንግስቲ ዳቪድ ዳኮ ሃበት።እዚ ምሕዝነት ዳኮ ምስ ቻይና ግን ፈረንሳ ንዳኮ ዝትክእ ካልእ መራሒ ቁሊሕ ክትብል ምኽንያት ኮነ።ዳኮ ኣብ ልዕሊ ቦካሳ ዝነበሮ ምጥርጣር ምስ ዛየደ፡ብስራሕ ምኽንያት ኢሉ ንቦካሳ ናብ ፈረንሳ ለኣኾ። ቦካሳ ፈረንሳይ ምስ በጽሐ ግን ዳኮ ቦካሳ ናብ ሃገሩ ንኸይምለስ ከልከሎ።ቦካሳ ፈረንሳውያን መሓዙቱን ኣብ ሰራዊት ዝነበሩ ብጾቱን ተጠቂሙ ናብ ሃገሩ ንኽምለስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዳቪድ ዳኮ ጸቕጢ ከሐይል ጀመረ።ኣባላት ሰራዊት ዝገበርዎ ጸቕጢ፡ብፍላይ ድማ ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ ነበር ቻ ደጎል “ናይ ኩናት መቃልስተይ ዝነበረ ቦካሳ ብኸምዚ ኣገባብ ክተሓዝ ኣይደልዮን፡ብቐጥታ ናብ ሃገሩን ስልጣኑን ትመልሶ”ኢሉ ንዳቪድ ዳኮ ብዝሃቦ መጠንቀቕታ መሰረት፡ኣብ ጥቅምቲ 1965 ቦካሳ ናብ ሃገሩን ናይ ኣዛዚ ሰራዊት ስልጣኑን ተመልሰ።

እንተኾነ ኣብ ዝቐጸለ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ምክራር እናዓረገ ብምኻዱ፡ዳቪድ ዳኮ ምስጢር ኢሉ “ንቦካሳ ካብ ስልጣኑ ክቕይሮ ይደሊ ኣለኹ”ብምባል ምስ ዓበይቲ ዓዲ ባባንጉዊ ዝተዛረቦ ናብ እዝኒ ቦካሳ ብምብጽሑ፡ሃገር ንኽልቲኦም ክትጸውር ከም ዝጸበበቶምን፡መን ቀደመ እምበር ሓዲኦም ከይጠፍአ ድቃስ ከም ዘየለን ፍሉጥ ኮነ።ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ናጽነት ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ 6ይ ዓመታ፡ድሮ ሓድሽ ዓመት መዛሕትኡ በዓል ስልጣን ናይታ ሃገር፡ፈቖዶ ዲስኮታት ይዕንድር።ፕረዚደንት ዳኮ እውን፡ናይ ሓደ ካብ ሚንስተራቱ ሕርሻ ንኽርኢ፡ካብ ርእሰ ከተማ ወጽዩ ኔሩ።ኮረኔል ቦካሳ፡ነዚ ኩነታት ኣንቢቡ፡ ቀሚሩን ተንቲኑን፡ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 1966 ምስ ተሓባባሪኡ ሻምበል ኣሌክሳንደር ባንዛ ኮይኑ ተንኮል ብምእላም፡ኣብ ፋልመይቲ መዓልቲ ናይ 1966 ስልጣን መንጢሉ ተቐመጠ።ቦካሳ ኣኩኡ ፕረዚደንት ዳኮ ካብ ዝነበሮ ኢዱ ሒዙ፡እግሩ ኣሲሩ ክዳኑ ገፊፉ ኣምጺኡ፡ኣብ ጸባብ ናይ ሰሜንቶ ሽላ ዓሸጎ።ማንም ከይሪኦ፡ሓለውቱ ከይተረፉ ሓንቲ ቃል ከየዛርብዎ ከልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ገለ ግዜ ባዕሉ ኣሲረዮ ኣለኹ ኢሉ ነገረ።ብርግጽ ቦካሳ ንናይ ቅድም ፕረዚደንት ዘይምቕታሉ፡“ድሓን እዩ እባ ኔሩ” ትብሉ ትኾኑ። እንተኾነ፡ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ሰንሰለት ከይተፈትሐ፡ ክዳውንቱ ከይቀየረ፡ሓንቲ ቃል ዝዛርቦ ዘይብሉ ምጽንሑ፡ናይ መከራ መከራ፡ልዕሊ ሞት ምሟት ከም ዝሓለፈ ይገብሮ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ልክዖም ዝሓለፎም ገባርትን ሓደግትን፡ወሰን ብዘይብሉ ስልጣን ኣራጢጦም ንህዝቦም ናይ ሞት መልእኽተኛታት ኮይኖም ከህልቑ ነቢሮም እዮም።ብደል ዒቕ ዝበሎ ህዝቦም እውን በብግዚኡ ካበየ ዝተቐመጥሉ መንበር ፈንጢሩ ምስ ደርብዮም እዩ። ንቦካሳ ናይ ጭካነ ኣርማ ዝገበርናዮ፡ብርኡይ ዝቐትል፡ ኣብ ኣደባባይ ዝዓብድ ብምዃኑ ድኣ እምበር፡ብሱቱር ብዝፍጽምዎ እከይ እንተዝምዘኑ፡ካልኦት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ እውን ካብኡ ዝሕሹ ኣይምኾኑን።ሃጸይ ፊልድ ማርሻል ጂን ቦደል ቦካሳ፡ጂን ቦደል ቦካሳ ማለት ካብ 1966 ክሳብ 1979 ዓ.ም,ን 13 ዓመታት ዝኣክል፡ናይ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ፕረዚደንት፡ንጉስን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊትን ዝነበረ እዩ።ቦካሳ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ ኮረኔል ብቕጽበት ጀነራል ኮነ።ስልጣን ምልኪ እንክሕወሶ ሽመት ኣይግድቦን እዩ እሞ ብዙሕ ከይጸንሐ ፊልድ ማርሻል ኮይነ ኣለኹ ኢሉ ንህዝቡ ነገረ።ቅሩብ ቀንዩ፡ምእንተ ህዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ክብል፡ታሪኽ ዘሰከመኒ ከቢድ ጾር ንምስካም ብፍቓደይ ናይ ዘንትእለት ፕረዚደንት ኮይነልካ ኣለኹ እሞ ደስ ይበልካ ኢሉ ንህዝቢ ኣወጀ።እዚ እውን ማዕቀኑ ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖ፡ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ዓስራይ ዓመቱ ሪፓፕሊክ ዝበሃል ነገር የለን፡ዘድልየኩም ኣይኮነን። ካብ ሎሚ ንንዮው ሃገርና ንጉሳዊት ንጉሳ ድማ ኣነ ባዕለይ ኮይነ ኣለኹ እሞ ህዝበይ ደስ ይበልኩም ኢሉ ነጋሪት ኣንፍሐ።ቦካሳ ዝደለዮ ይዛረብ እምበር ናይ ህዝቡ ሓሳብ ዘዳምጸሉ የእዛን ኣይነበሮን።ህዝቢ ዝተፈጥረ ዝተባህሎ ክሰምዕን እሺ ኢሉ ክእዘዝን እምበር፡ርእይቶኡ ከስምዕ ዝተፈጥረ ኣይመስሎን ነበረ።ህዝቢ ክዛረብ ከም ዝኽእል ንፈለማ እዋን ዝተዛረበ እኳ ተርኡ ኣኺሉ ውርደት ኣረኻኺብሉ እስሪ ቤት ኣትዩ ናብ ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ።ከምዚ ዓይነት ባህሪ ናይ ኣፍሪቃውያን መለለዪ ሕላገት እዩ ኮይኑ።ካብ ስልጣን እንክወርዱን እንክእሰሩን ተጣበቕቲ መሰል ህዝቢ መሲሎም ክቐርቡ ተደጋጋሚ ድራማ ኮይኑ ይረአ።ብርግጽ ካብኡ ናብኡ ኣብ ግዜ ቦካሳ ሰላም ኔሩ፡ጽጋብ ኔሩ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን፡ ግን እዚ ጥራይ ንህዝቢ ጥቅሚ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ ዝብሉ ሰባት ይበዝሑ።

ኣብ ናይ ቦካሳ ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ስልጣኑ፡ካብቶም ፈለምቲ ግዳያት ቅትለት ዝኾነ፡ምስኡ ተመሳጢሩ ዕልዋ መንግስቲ ዝገበረ ብጻዩ ካፒተን ኣሌክሳንደር ባንዛ ነበረ።ልክዕ ከም ቦካሳ ምስ ሰራዊት ፈረንሳ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ባንዛ፡ቦካሳ ንውልቃዊ መዓላ ዘውጽኦ ወጻኢታትን ዝኽተሎ ሜላ ኣመራርሓን ምውሓጥ ኣብይዎ ነቐፌታ ኣብዝሐ።ዕልዋ መንግስቲ ንኽገብር ተዳለወ።እንተኾነ፡ ዕልዋ መንግስቲ ክግበረሉ ኣብ ዝተቖጽረ መዓልቲ ብሓደ ካብ ተሓባበርቱ ተኸድዐ እሞ፡ኢድከ ፈንጂ ተታሕዘ።ካብኡ ንንዮው ሞፍቶ ቦካሳ ኮነ።መለጋግቦ የዕጽምቱ ክሳብ ዝፈላለ ተቐጥቂጡ፡መምሃሪ ንክኸውን ናብ ፈቖዶ ወተሃደራውያን መዓስከራት ተጎቲቱ ሞተ።ቦካሳ ብድሕር እዚ ማይ ቀጠነ እናበለ ዘቕተሎም ዜጋታት ኣእላፍ ኮኑ። ተቓጻጺ ዘይብሉ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ብዙሓት ሕጋጋትን ኣዋጃትን ብተኸታታሊ ኣውጽአ።ካብ 18 ክሳብ 55 ዓመት ዘለዉ ዜጋታት፡ወዲ ይኹን ጓል ከይፈለየ፡ስራሕ ከም ዘለዎም እንድኣ ዘይኣመስኪሮም ክቕጽዑን ክእሰሩን ሕጊ ኮነ።ከመይ ጌሮም ስራሕ ይረኽቡ?ዝብል ሕቶ ግን ንቦካሳ ጉዳዩ ኣይነበረን።ብመሰረት ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ምልማን ክልኩል ክኸውን እንከሎ፡ብስርቂ ዝተጠርጠረ እዝኑ ይቑረጽ።ብዙሓት ናቲ ግዜ እቲ መንእሰያትን ኣጉባዝን ሽዑ ብስርቂ ተጠርጢሮም የእዛኖም ዝተቖርጹ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፈቖዶ ኣዳባባይ ምልክት ጭካነ ዘመነ ቦካሳ ንኸይርሳዕ ዘዛኻኽሩ ንኽመስሉ ተውዛሕ ክብሉ ይረኣዩ።ቦካሳ ብተቓውሞ ዝጠርጠሮም ይኹን ወይ እውን ንምርኣዮም ዝጸልኦም ዘበሉ፡መጀመርያ ቆርበቶም ክሳብ ዝቕለጥ የዕጽምቶም ክሳብ ዝሰባበር የቐጥቅጦም እሞ፡ንሱ ምስ ወድአ ይቐትሎም። ብፍላይ ንለማኖ ኣብ ሄሊኮፕተር ጸጽዒኑ ካብ ህዋ ናብ ማእከል ቀላይ እናወርወረ ቀለብ ሓራግጽ ገበሮም ይበሃል። ሓደ ሓደ ግዜ እውን ቦካሳ ንባዕሉ ኣብ ምቕጥቃጥ ዜጋታት ተኻፋሊ ይኸውን።ብስኒ ሓርማዝ ብዝተሰርሐ በትሩ፡ተሃኑ ክሳብ ዘውጽእ ሃሪሙ ምስ ወድአ፡ንሓለውቱ ቀጽልዎ ኢሉ የዋፍር።ትእዛዙ ገና ካብ ኣፉ ወጽዩ ከይወድአ ድማ ዓጀብቱ ተርኦም ይጅምሩ።እቲ ሰብ ብብዝሒ ምቕጥቃጥ ሃለዋቱ ክሳብ ዘጥፍእ ምስ ተገብረ፡ተወሲዱ ይርሸን።ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ቅትለት እውን ቦካሳ ንባዕሉ መራሒ ኮይኑ ከም ዝሳተፍ ኣብ ፍርድ ቤት ተመስኪርዎ እዩ።

ናይ መጀመርያ ግዳዩ ዝገበሮ ንሓደ ካብ ሚንስተራት ዳቪድ ዳኮ ኮይኑ፡ናብ ኣፍ ሞት ክሳብ ዝበጽሕ ቀጥቀጦን ኣቐጥቀጦን፡ዝገርም ብወግዒ ዝተነግረ በደል ናይቲ ሚንስተር ቀደም ኣብ ስልጣን እንከሎ ንሰራዊት ዝግባእ ክብሪ ይህብ ኣይነበረን ዝብል ኮነ። ንሓላፊ ጸጥታ ዝነበረ ኣሳቕዩ ቀተሎ፡ንናይ ቀደም ፕረዚደንት ነበር ዳቪድ ዳኮ ን ሰለስተ ዓመታት ኣብ ማሕቡስ ክሳቐቕ ወሰነሉ።ፖለቲካውያን እሱራት ምሸት ምሸት ክቕጥቀጡ እንከለዉ፡ድምጺ ኣውያቶም ንየእዛን ቦካሳ ፍስሃ ዝህብ ሙዚቃ ነበረ።ሰይፈ ቦካሳ ብፖለቲካ ንዝጠርጠሮም ጥራይ ትውዕል ኣይነበረትን። ንኣብነት ብጥቓ ቦካሳ ዝነብረሎም ኣባይቲ ዘወር ምባል ናብ ሞት ዘብጽሕ በደል ነበረ። ካብዚ ተረፈ ቦካሳ ፖለቲካ፡ ቤት ጽሕፈት፡ምሕደራ ሃገር ዝብሉ ጉዳያት ዘይብርህዎ፡ግዚኡ ኣብ ረኣዩለይ ስምዑለይ ምባል፡ስልጣን ዝፈጠረሉ ሓይልን ሃብትን ኣብ ምስትምቓርን ጽሙድ ነበረ።ቦካሳ ማዕርግ ኣብ ርእሲ ማዕርግ ደራሪቡ ብውሳድ ዘርክቦ የብሉን።ናብ ህዝቢ ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ ስሙ ብዘይፍለጥ ማዕርጋት ተሰሊሙ ሓጨልጨል እናበለ ምኻድ ይብርሆ።እቲ ዝገርም ነዞም ንሱ ማዕርገይ እናበለ ንነብሱ ባዕሉ ዝሰለሞም ኒሻናት ንምስቃል ተባሂሉ ክዳውንቱ ብፍሉይ ትእዛዝ ይስርሓሉ ምንባሩ እዩ።

እንተኾነ ኒሻን ረኺቡ፡ማልያ ሓቲሙ፡ንጉስ ኣቢሉ፡ኣብ ቴምብርን ባጤራን ስእሉን ስእሊ ቤተሰቡን ቀሪጹ ክነሱ ገና ዝግብኦ ዝና ዝረኸበ ስለ ዘይመሰሎ፡ ማእለያ ዘይብሉ ቤት ትምህርትታት፡ ሆስፒታላት፡ ክልኒካት፡ ስታድዩም፡ መንገድታትን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታትን ሕሉፍ ሓሊፉ ንዩኒቨርስቲ ከይተረፈ ብስሙ ክጽዋዕ እናገበረ ዝነብር ጽጋበኛ ኮነ።ተመሃሮ ዝመሃሩሉ ጥራውዝትን መጽሓፍትን፡ናይ ገበር ስእሉ ብናይ ቦካሳ ስእሊ ክቕየር ተገብረ።ቦካሳ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት እንክኸይድ ዝግበረሉ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ይምስጦ ስለ ዝነበረ፡ወተሃደራት ናይ ካልኦት ሃገራት ብወተሃደራዊ ሰላምታ እንክቕበልዎ ዘላ ደቒቕ ትህቦ ደስታ ንምስትምቓር ፈቖዶ ሃገራት እናኸደ ብዙሕ ግዜ ንዓለም ዜርዋ እዩ።እዚ ክገብር እንከሎ ግን ምስኡ ዝጎዓዙ ቃፍላይ ኣገልገልትን ሰራሕተኛን ሒዙ፡ኣብ ዝበጽሐን ሃገራት ንየአንገድቱ ናይ ኣልማዝ ህያባት እናሃበ፡ህዝቢ ሃገሩ ብድኽነት እናተሳቐየ፡ሃብቲ ሃገሩ ንጓና ዓዲሉ ልዕሊ ሰብ ኮይኑ ክረአ ዝጽዕር ነበረ። መቸም ቦካሳ ዝሓሰባ ሓሳብ ፖሊሲ፡ዝተዛረባ ድማ ሕጊ ትኹን ዝበሃለሉ መራሒ ምንባሩ ተገንዚብኩም ትህልዉ። ቦካሳ 12 ናይ ሚንስተር ቦታታት ብኢደ ዋኒኑ ገቢቱ፡ዝተረፈ ሰጥ ለበጥ ኢሎም ንዝእዘዝዎ ኣገልገልቲ ዓደሎ።ኩሉ ውሳነታት ንሱ ጥራይ ዝህቦ ኮይኑ፡ደስ ዝበሎ ክሽይም ደስ ዝበሎ ከውርድ እውን ተቖጻጻሪ የብሉን።ቦካሳ ሓታቲ ከይረኸበ የውርድ ይሽይም፡ይቐጽዕ ይሸልም።ሚንስተራት ኣብ ጸጽባሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝቀያየሩ ኮይኖም፡ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 6ተ ሳዕ ኣብ ዓመት ካብ ጽፍሒ ናብ ጽፍሒ ይገላብጦም ምንባሩ ይዝከር።እዚ ኩሉ ዝገብር ድማ ንስልጣኑ ስግኣት ከይኮንዎ ብዝብል ስግኣት ነበረ።ኣብ ከተማ ቡንጋይ ዝርከብ ናይ ቴለፎን መስመራት ዳርጋ ዘይሰርሕ ብምንባሩ ቦካሳ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝመጾም ትእዛዛት ብቕጽበት ንኽገብሩ መታን፡ሚንስተራቱ ኣብ ኦፊሶም ሬድዮ ርክብ ክገብሩን ፈጺሞም ከይዓጽውወንን ኣዘዘ።

ቦካሳ ሃንደበት ፊን ክብሎ እከሎ ከምዚ ክሰርሕ እየ ኢሉ ግዙፍ ፕሮጀክትታት ይጅምር እሞ ቅሩብ ጸኒሑ ይስልችዎ ወይ ይርስዖ፡ወይ ከም ኣመሉ ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ከደ ፊን ኢልዎ ካልእ ፕሮጀክት ይጅምር እሞ ዝጀመሮ ከይወድአ ኣቋሪጹ ጸጋታት ናብ ካልእ ፕሮጀክት የውፍር። ኣብነት ናይዚ ሓደ እዋን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ዝነበራ ናይ ነፈርቲ ሽግር ክፈትሖ እየ ኢሉ ማእላያ ዘይብሉ ጸጋታት ኣውፊሩ AIR CENTRAFRIQUE ጀመረ እሞ ድሕሪ ገለ በረራታት ግን መጥፍኢ ገንዘብ እዩ ኢሉ ዓጸዎ።ህዝቢ ብጥሜት እናሃለቐ፡ሃገር ተረሚሳ ብኢንፍዥን እናኸደት ቦካሳ ግን ነቲ እታ ሃገር ብፈጣሪ ዝረኸበቶ ናይ ኣልማዝን ስኒ ሓርማዝን ኣታዊታት ብብሕቱ ተቖጻጺሩ ሃብቲ ሃገር ናይ ውልቁ ቀየሮ።ናይዚ መርኣያ ኣብ ዝተፈላልያ ከተማታት ኤውሮጳ ማእለያ ዘይብሉ ሃብትን ንብረትን ኣፍረየ።ኣብ ፈረንሳ ጥራይ ኣብ ፓሪስ 15 ክፍልታት ዘለዎ ቪላ፡ኣብ ኒስ፡ ቱሉስን በርንን ዝተፈላለየ ቪላታት ዓዲጉ።ኣብ ዓዱ እውን ካብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ “ቤት ኣቦሓጎታት” ዝሰመዮ ግዙፍ ቪላ ሃነጸ።ኣብታ ጽርግያ ዘይብላ ርእሰ ከተማ ባንጎይ ንዕኡ ንውልቁ መብጽሒ ናብ ቪልኡ ንኽኾኖ 15 ማይልስ ዝንውሓቱ ጽርግያ ክህነጽ እውን ኣዘዘ።እቲ ንሱ ዝቕመጠሉ ቤተ መንግስቲ ብኽቡራት ስእልታትን ጥንታውያን ኣቕሑን ዝተሰለመ በጻሕቲ ሃገር ክመጹ እንከለዉ ዝቕመጥሉ ውልቃዊ ቪላታት ከይተረፈ ዝነበሮ ነበረ። ቦካሳ ንሚንስተራቱ እውን ክሰርቁ ዘተባብዕን ክሳብ ዘይተቓወምዎ ብብልሽውና እንተተቖማጥዑ እውን ርእዩ ከም ዘይረኣየ ኮይኑ ክሓልፍ ዘይግድሶን እዩ ኔሩ።ህላውነት ስልጣኑ ኣብ ሰራዊት ከም ዝምርኮስ ዘይሰሓቶ ቦካሳ፡ኣባላት ሰራዊት ብጽቡቕ ክፍሊትን ዝተፈላለየ ሓለፋታትን እንተላይ ዝምስጦም መሳርያታት ብምዕጣቕ ኣሐንቀቖም።ኣባላት ሰራዊት ጽቡቕ ግንዖ ክወስዱን ኣብ ንግዲ ክሳተፍፉን ፍቓዱ ኮነ።እዚ ካብ 1967 ክሳብ 1969 ኣብ ምክልኻል ዝግበር ወጻኢታት ብዕጽፊ ክውስኽ፡ንዝቐጸሉ ዓመታት ድማ ንምክልኻል ዝወጽእ ገንዘብ ካልኣይ ዝዓበየ ባጀት መንግስቲ ዝወስድ ጽላት ኮነ።ቦካሳ ንሰራዊት እንከሕንቅቕ ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ግን ካብ ኣባላት ቀቢልኡ Mbaka ምባካ ከም ዝምልመሉ ገበረ።ሓለውቱ ብፍሉይ ካብታ ዝተወልደላ ገጠር ዝመጹ ኮይኖም፡ዝበለጸ ዕጥቅን ዲቪዛታትን ከም ዝህልዎም ገበረ።ወጻኢታት መንግስቲ ስለ ዘይምዝገብ ባጀትን ካልእን ኣብ መዝገብ ክትረኽቦ ኣይከኣልን፡ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ሰራዊት ዝገብሮ ወጻኢታት ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁንጣሮ ደሞዝ ክኽፈሉን፡ እንሓንሳብ ክሳብ ንኣዋርሕ ዝኣክል ግዜ ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑን ይግደዱ ነበሩ።

ንጉስ ቦካሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ እዩ ዝፈቱ።ብወግዒ ኪዳን ኣሲረልክን ዝበለን 17 ኣንስቲ ነበርኦ።መዓልታዊ ስርሑ ገዲፉ ካብታ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ክበጽሕ፡ንሱ ክሳብ ዝሓልፍ ድማ መንገዲ ክዕጾን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ክብልን ግዲ ነበረ።ደስ ዝበለቶ ክምርዓወኪ ይብላ፡ዜጋ ናይታ ሃገር እንተኾይና ብዘይካ ሕራይ እንታይ ሃልይዋ፡ከምታ ሩማናዊት ሰበይቱ ናይ ወጻኢ ሃገር እንተኾይና ድማ ብፕረዚደንትነቱ ምምራኻ ኣይተርፋን።መብዛሕትአን ኣንስቱ ከመይ ከም ዝተላለየን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣገራሚ ታሪኽ እኳ እንተለወን፡ናይታ ሮማናዊት ሰበይቱ ግን ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ናይታ ሃገር ህይወት ምኽሳር ምኽንያት ብምዃና ዝተፈልየት ጌርዋ እዩ።ሩማንያዊት ናይ ባሌት ሳዕሳዒት ኣፍቃሪቱ ዝረኸባ፡ፓሪስ ንምብጻሕ ኣብ ዝኸደሉ ወቕቲ ነበረ።ሓቢሮም ሳዕስዑ፡ፈተዋ።ኣቀባጠረላ እሞ፡ተመርዒና ኣለና ኢሉ ሒዝዋ ናብ ሃገሩ ተመርቀፈ።ባንጉይ ኣብ ዝርከብ ቪላ ኣቐመጣ።ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ሰብኣይ ብዙሓት ብምዃኑ፡ናብ ካልኦት ኣንስቱ በብተራ ክበጽሕ ናብኣ ምኻድ ቀነሰ።ሩማናዊት ሰበይቱ ኣዝያ ጽብቕቲ እያ፡መንእሰይ እያ፡ ስለዚ ዝሕልውዋ ወተሃደራት እናማረኸት፡ኣብ ዓራት ቦካሳ ሒዛቶም ደቀሰት።መቸም ንውልቀ መላኺ መላኺ ሳላ እቶም ጎይታይ ጎይታይ እናበሉ ዝሰግዱ መቃባጠርቲ ዝሕብኦ ወረ የለን።ስለዚ ገሊኣቶም ብዛዕባ ሰበይቱ እትፍጽሞ ተግባር ኣብ የእዛኑ ሕሹኽ በልዎ።ግዜ ኣይወሰደን፡ነቲ ቪላ ክሕልዉ ንዝተመዘዙ ወተሃደራት ብሙልኦም ኣኪቡ፡ብጥይት ወድኦም። ንሩማናዊት መንእሰይ ኣፍቃሪቱ ግን ኣይተንከፋን።ካልእ ግዜ ድማ ቦካሳ ክበጽሓ ኢሉ ናብቲ ዘቐመጣ ቪላ ምስ ከደ፡ናይ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታታ ብሽክለታ እናዘወረት ኣብቲ ቀጽሪ ክትዘናጋዕ ረኸባ።ገለ እንተዘይህልዎ’ዶ ብሽክለትኡ ዘዊራ?ብምባል ዝኣበሶ ዘይብሉ ሰራሕተኛ ኣምጺኡ ቀጥቂጡ ቀተሎ።እምበኣርከስ ቦካሳ ከምዚ ዓይነት ሰብ ነበረ።ኣንስቲ ቦካሳ ካብ ዝልለያሉ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጻ ንዝተፈላለየ ዓሌታት ዝውክላን ነበራ።ቀንዲ ሰበይቱ ካተሪን ኣመና ጽብቕቲ ኮይና ጓል 13 ዓመት እንከላ ዝተላለያ ነበረት። ኣብ ቪላ ናስር ዝበሃል ምዕሩግ ቪላ ትነብር፡ ኣብ ማእከል ከተማ ዝዓበየ ቡቲክ ትውንን። ካልኦት ኣንስቱ ጀርመናዊት፡ ሽወደናዊት፡ ካሜሮናዊት፡ ቻይናዊት፡ ጋቦናዊት፡ ቱኒዛዊትን ጓል ኣይቮሪኮስትን ዝርከብአን ወኪላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመስላ ነበራ።ጂኣን በደል ቦካሳ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ፡ደቂ ካበየ ዘለውዎ ኣኻኺቡ እዩ።ቁጽሪ ደቁ 62 በጺሑ።ካብ ቻይና፡ካብ ቬትናምን ካልእን ዝወለዶም ከይተረፈ፡ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጎይ ኣኪቡ የቐምጦም ነበረ።ሓደ መዓልቲ ንኣምባሳደር ፈረንሳ ጸዊዑ፡ኣብ ቬትናም ትርከብ ጓሉ ክደልየሉ ይነግሮ፡ስማ ኣይፈልጦን እየ ግን ድለየለይ በሎ።ቬትናም ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ፡ትእዛዝ ቦካሳ ንኽፍጽም መልእኽቲ በጽሖ።ምስ ቦካሳ ርክብ ዝነበረን ቬትናማውያን ኩለን እናተሃድና ተረኽባ። ካብአን ሓንቲ፡ እዚኣ ጓሉ እያ ኢለ ሃበት። ሕራይ ኢሉ ተቐበለ። ጸኒሓ ካልእ ሰበይቲ፡ ዘእምን ምልክት ሒዛ መጸት፡ ናይ ቃል ኪዳን ኣጻብዕቱ ዘይትሰርሕ ኣፍሪቃዊ እንተድኣ ኮይኑ ካብኡ ወሊደ ኣለኹ በለት። ቦካሳ ኣብ ግዜ ውግእ ቬትናም ናይ ቃልኪዳን ኣጻብዑ ብጥይት ተሃሪማ ስለ ዘይትንቀሳቐስ፡ ብገዚፍ ቀለቤት እዩ ዝሽፍና ኔሩ። ምልክት ምስ ተነግሮ ሓቃ እያ ኢሉ ተቐበለ። ክልቲአን ደቁ ኣምሃሩ፡ዝምርዓወን ንምርካብ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ሓውሲ ጨረታ ዓደመ፡ ክልተ ዕዉታት እቲ ሓደ ዶክተር እቲ ካልእ ወተሃደር ምስ ተረኽቡ ድማ፡ንኽልቲአን ብዓቢ ሃገራዊ ጽንብል ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣመርዓወን፡ድሒሩ ናይ ክልቲአን ሰብኡት ብምቕታል ሰብኣይ ኣልቦ ገበረን። ነታ ፌክ ጓል ግን ሰብኣያ ቀቲሉ እውን ኣይመሓራን፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ሞት ናይ ሰብኣያ ንዝወለደቶ ሓድሽ ናጽላ ወሲዱ ብምቕታል ጭካኔኡ ኣመስከረ።

ሓደ ግዜ ሰብዓ ዝኾኑ ሩስያውያን ቦካሳ ዕድመ ጌርሎም ናብ ርእሰ ከተማ ባንጎ ይመጹ።ባንጎ ምስ በጽሑ ብወተሃደራት ኣኽቢቡ፡ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፡ኮፍ ከይብሉ ብምእዛዝ ንኽልተ ሰዓታት ዝኸውን ደው ኣቢሉ ብጸርፍን ዘለፋን ይሰሃሎም።”ናይ ዓለም ውግኣት ብሙልኦም ምንጮም ሶቬት እያ” እናበለ ጸረፎም።ሶቬታውያን እንታይ ክገብረና ይኸውን ኢሎም እናተጨነቑ ድሕሪ ንኽልተ ሰዓታት ምጽራፉ ናይ ድራር ግብጃ ገበረሎም።ኣብቲ ግብጃ ድማ ከምዚ ዝብል ዘረባ ተዛረቦም “ቅድም ዝበልኩኹም፡ረስዕዎ!”ፈረንሳውያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ካብ ጽልውኦም ንኸይትወጽእ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝወርድ ግፍዒ ርእዮም ከምዘይረኣዮ፡ንኣውያት እቲ ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከም ዘይሰምዑ ክኾኑ መረጹ።ቦካሳ ክሳብ ዘሎ ድላይና ምርካብ ኣይጽግመናን ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘባውን ወተሃደራውን ሓገዛት ይገብሩሉ ነበሩ።ቦካሳ ግን ደስ ክብሎ እንከሎ ንዖም እውን ዝምሕሮም ኣይነበረን፡ከሕርቕዎ እንከለዉ ንኸፈራርሆም ናብ ዝተፈላለዩ ኪዳናት ምእታ ድማ መለልይኡ ኮነ።ኣብ 1969 “ናብ ምብራቕ ምግዓዝ” ብዝብል ሓሳብ፡መንግስቱ ስነ ፍልጠታዊ ማሕበርነት ምዃኑ ዕላምኡ ኣወጀ።እዚ ዝገበረ ግን ካብ ሃገራት ምብራቕ ግንዖታት ዝውሕዞ ስለ ዝመሰሎ እዩ ኔሩ፡ሰልዲ ክህብዎ ከም ዘይክእሉ ምስ ፈለጠ ግን ብቕጽበት ሓሳቡ ቀየረ።ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ቦካሳ ዓርኪ ሙዓመር ቐዛፊ ነበረ። ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም ንመጀመርያ ግዜ ናብ ትሪፖሊ ኣብ ዝኸደሉ ወቕቲ ቐዛፊ ገለ ሓገዝ ከም ዝህቦ ተመባጽዐ። ብቐጽበት ከምዚ እንተኾይኑ እሞ፡ክርስትና ይትረፈኒ ኢሉ ኣስላም ኮይነ ኣለኹ በለ።በዚ ድማ ሳልሕ ኣዲን ኣሕመድ ቦካሳ ዝብል ስም ሒዙ መስለመ።እንተኾነ የዕራብ እውን ከም ዝሓሰቦ ሳንቲም ከም ዘይህብዎ ምስ ተገንዘበ ኣብ ሰለስተ ወርሒ እስልምና ይእከለኒ ኢሉ ከም ዝለመዶ ናብ ናይ ካቶሊክ እምነቱ ተመሊሱ ምስ ፈረንሳይ ምሕዝነቱ ቀጸለ።

ቦካሳ ምስ ፈረንሳ ወላ እንተኾረኹ፡ኩራ ውሉድን ወላድን እዩ ዝብል እምነት ነበሮ።ልዕሊ ሃገሩ ንፈረንሳይ የፍቅር።ብፍላይ ንመራሒ ፈረንሳ ነበር ጀነራል ቻ ደጎል ወላ እውን ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ፡ “ሞን ፔኽ . . . ሞን ፓፓ” ኣቦየ ባባየይ እናበለ ይጽውዖ።ጀነራል ደጎል ምስ ሞተ ቦካሳ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ኣልቀሰን ሓዘነን፡ንብዓልቲ ቤት ጀነራል ደጎል ድማ ከምዚ በላ “ናይ ተፈጥሮ ወላዲየይ ህጻን እንከለኹ ሞይቱኒ፡ሕጂ ድማ ካልኣይ ኣቦይ ሞይቱ፡ሎሚ እየ ዘኽቲመ” እናበለ ዝርንዛሕ ነበዐ።ቦካሳ ካልእ ወዲ ሓወቦይ እናበለ ዝጽውዖ ፕረዚደንት ፈረንሳይ እውን ነበሮ። ፕረዚደንት ቫለሪ ጊስካርድ ደስታንግ።ቦካሳ ነዚ ዓርኩ ዝኾነ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ንምሕጓስ ብውልቁ ክመጽእ እንከሎ ዝዘናግዓሉ ሕዛእቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ገበረሉ።ሃድን ዝፈቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ጊስካርድ ናይ ውልቁ ሕዛእቲ ተፈልይሉ፡ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ እናተመላለሰ ኣብ ሰብዓታት ልዕሊ 50 ዝኾኑ ሓራምዝ ቀቲሉ፡ስኖም ጽዒኑ ንዓዱ ከም ዝኸደ ቦካሳ የዕሊልሉ ነበረ።ብፍላይ እቲ ቦካሳ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ምስኡ ንኽትሓድር ንፕረዚደንት ፈረንሳ ይጋብዞ ኔሩ ዝብል ዘረባ ብዙሕ ኣካትዐ።ቦካሳ ብስደት ፈረንሳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እዚ ብሓባር ሰበይቲ ይካፈሉ ምንባሮም ዝገልጽ ምስጢር ብመጽሓፍ ጽሒፉ ናብ ሕትመት ድሕሪ ምብቅዑ፡ኣብ ፈረንሳ ንዝተለዕለ ቁጠዐ ንምህዳእ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ እታ መጽሓፍ ንኸይትሽየጥ ከልኪሉ እዩ።ዴስታንግ ቦካሳ ዝሃቦ ናይ ኣልማዝ ህያባት ብምቕባሉ ከም ብልሽውና ተቖጺሩሉ፡ንኻልኣይ ግዜ ከም ፕረዚደንት ኮይኑ ንኸይምረጽ ተዓንቂጹ።ንቦካሳ ኣብ መበል 16 ዓመተ ስልጣኑ፡ከምዚ እተኽብሮን እተቀባጥረሉን ዝነበረን ፈረንሳይ ከመይ ከም ዝኸድዓቶ ጸኒሕና ክንሪኦ ኢና።

ካብ ካልኦት መራሕቲ ተፈልዩ፡ስሙ ከም ጫፍ ጭካነ ዝለዓል፡ናይ ወዲ ሰብ ስጋ ይበልዕ እዩ ስለ ዝበሃል እዩ።ናይ ሰብ ስጋ ክበልዕ ከም ዝተራእየ ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ክሲ እዋኑ ተኸሲስሉ እዩ።ፈረንሳውያን፡ንቦካሳ ኣባሪሮም እንደገና ናብ ዝነበሮ ስልጣን ዝመለስዎ ፕረዚደንት ዴቪድ ዲኮ፡ኣብ ናይ ቤተ መንግስቲ ፍርጅ፡ዝተቖራረጸ ስጋ ሰብ ተሰቒሉ እንከሎ ቦካሳ ሓቢሩ ዝተሳእሎ ስእሊ ምርኣዩ ገሊጹ እዩ።ናይ ቦካሳ ሓለዋ ሓላፊ ስጋ ሰብ ንኹቡራት ኣጋይሹ ከይተረፈ ይጋብዝ ከም ዝነበረ መስኪሩ።እዚ ክዝረብ እንከሎ፡ኣብ ቦታ ፍርዲ ዝነበረ ፈረንሳዊ ኣኽባር ሕጊ ሓንቲ ሕቶ ንምሕታት ፈርሀ። ዓርከይ ሓወይ እናተባህለ ብቦካሳ ዝጽዋዕ ዝነበረ ፕረዚደንት ፈረንሳይ (Valéry Giscard d’Estaing)ቪላሪ ጊስካርድ ዴስታንግ ንማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ናይ ሰብ ስጋ በሊዑ’ዶ?ኢሉ ክሓትት ኣይከኣለን።ድሓር ድሓር ቦካሳ ብዛዕባ ታሪኽ ፈረንሳዊ መራሒ ናፖልዮን ብዙሕ ታሪኽ ሰሚዑ ተማረኸ እሞ፡ከምኡ ንምምሳል ንጉስ ምዃን ደስ በሎ።ደስ ዝበሎ ዝገብር ብምዃኑ፡ንምንታይ ከምዚ ገበርካ?ከመይ ጌርካ ከምዚ ትገብር ዝብሎ ክህሉ ዝሕሰብ ኣይነበረን።ዝሃቦ ምኽንያት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ንጉሳዊት ሃገር ምስ እትኸውን ኣብ ዓለም ዝበለጸ ክብርን ዝናን ክትረክብ ከኽእላ እዩ ዝብል ነበረ።

ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ቪላሪ ዲስካርድ እዩ ኔሩ ፈረንሳ ኣብቲ ናይ ቦካሳ ዝዓበየ ጽንብል ኢዳ ክትዝርግሕ ዝወሰነት። ናይ ንግስና ብዓሉ ንናፖልዮን ዝተቐብኣሉ ጽንብል መሲሉ ዓለም ብዘዛረበ ድምቀት ተባዕለ፡ብወርቂ ዝተለበጠ ገዙፍ ዙፋን ተሰርሓሉ።ምስሊ እቲ ዙፋን ምስሊ ንኽበርር ክንፉ ዝዘርግሐ ኣሞራ ተዋህቦ።ብወርቂ ዝተሰርሐ ሰረገላ ተዳለወ። ሃጸይን ንግስቱን ካብ ፈረንሳ ዝተኣዘዘ ብወርቅን ኣልማዝን ጥራይ ዝማዕረገ ልብሲ ለበሱ።ንናይ ናፖልዮን ጽንብል ስርዓተ ንግስነት የርክብ እዩ ዝተባህለ ብወርቅን ክቡር ሃርን ዝተሰርሐ፡ወለል ዝብል ካባ ደረበ።ነቲ በዓል ተባሂሉ ኣንስቱን፡ደቁን ሰራሕተኛታቱን ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ብዝተሰርሐ ፍሉያት ልብስታት ከም ዝምዕርጉ ተገብረ።10ተ ዓመት ዘመልአ ህጻን ወዱ፡ብወርቂ ዝተሰርሐ ናይ ማዕረግ ዲቪዛ ተዋሂብዎ ፊልድ ማርሻል ተሰየመ።ካብዚ ንንዮው ናይ ቦክሳ ወግዓዊ መጸውዒ “ሃጸይ ቦካሳ” ክኸውን እንከሎ፡ሃገሩ ድማ ንግስነት ማእከላይ ኣፍሪቃ ተባህለት።እቲ በዓል ኣብ 4 ታሕሳስ 1977 ኣብ ስታድዮም ዢኣን በደል ቦካሳ፡ጎደና ቦካሳ ጥቓ ዩኒቨርስቲ ዢኣን በደል ቦካስ ተኻየደ።ናይ ንጉስ ናፕልዮን ጽንብል ከም ሞደል እየ ዝወስድ ዝበለ ቦካሳ፡ነቲ በዓል ንምብዓል ካብ ፈረንሳ ኩሉ ንብረተ ንግስና ማለት፡ናይ ኣልማዝ ኣኽሊል፡ዙፋን፡ምሩጽ ዘርኢ ዘለዎም ኣፍራስ፡ልብሰ ንግስነት፡ንዓጀብቱ ዝኸውን ፍሉይ ቆቢዕን መሳርያታትን፡ብቶናት ዝምዘን በብዓይነቱ መግብታት፡ወይንታት፡ተተኳሲ ሪቺታት፡ዕንበባታትን ንተሳተፍቲ ናይቲ ጽንብል ዝኾና 60 መርሴድስ በንዝ ተኣዘዛ።ዜማታት ሞዛርትን ቪትሆቨንን ብፈረንሳውያን ሙዚቀኛታት እናተዜመ፡ልዕሊ 6 ሜትሮ ዝንውሓቱ ደም በጊዕ ዝሕብሩ ብቖርበት ኤርመሊኖ ዝተዘምዘመ ካባ ወለል እናበለ ቦካሳ ከምቲ ናፖልዮን ዝገበሮ ኣኽሊል ካብ ጳጳስ መንጢሉ ብምድፋእ 1.8 ሜትሮ ዝምንውሑ ብኣልማዝ ዘብረቕረቐ ዘንጊ ንግስነት ደፍአ።ብቕጽበት፡ስምጺ ዕልልታ፡ጭብጨባ፡መድፍዕ፡ተኹስን ሪችታትን ነታ ከተማ ኣናወጻ።

ትርኢት ናይቲ 22 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ጽንብል ንግስነት ቦካሳ፡ኣድማሳዊ ቁጠዐ ኣለዓዓለ።ኣብታ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዘይብላ ሃገር፡ኣብታ ኣብ ግዜ ወሊድን ህጻናትን ዘጋጥም ብዝሒ ሞት ዝመለለዪኣ ሃገር፡ኣብታ ድንቁርና ዘስፋሕፍሓላ፡ካብ 260 ማይልስ ዝበልጽ ጥጡሕ ጽርግያ ወይ መንገዲ ዘይርከባ ኣብ ከቢድ ቁጠበዊ ቁሉውላው ዝነበረት ሃገር ከምዚ ዓይነት ጽላለ ምፍጻሙ፡መንግስቲ ቦካሳን ተሓባባሪኡ መንግስቲ ፈረንሳን ኣብ የዒንቲ ህዝቢ ዓለም ኣተዉ።እቲ ንጽንብል ንግስነት ቦካሳ ዝወጸ ገንዘብ ሓደ ሲሶ ባጀት ናይታ ሃገር ወይ እታ ሃገር ካብ ፈረንሳ ኣብ ዓመት እትረኽቦ ሓገዝ ዝሽፍን ነበረ።ሳላ እቲ በዓል ዕዳግኣ ተኸፊቱላ ዝነበረት ፈረንሳ፡ከምቲ ንፕረዚደንት ናይታ ሃገር ወኪሉ ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ሚንስተር ፋይናንስ ፈረንሳ ነበር ሮበርት ጊስካርድ Robert GALLEY ዝበሎ “ብውልቀይ ቦካሳ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንቂ ጽንብል ክገብር ከሎ ትውግዝ፡ብሩራዊ ኢዮቤል ንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ንምኽባር ዝግበር ጽንብል ግን ትድግፍ እንተኾይንካ ሕስድና እዩ።ወረግ መርኣያ ዓሌትነት እዩ” ክብል ውልቃዊ ብዝመስል ዘረባ መርገጺ ፈረንሳ ኣንጸባሪቑ እዩ።እንተኾነ ግዲ ዘይብሉ ቦካሳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ በዓል ነቲ ክውድሶ ውዒሉ ምስኡ ዝድረር ዝነበረ ሚንስተር ፋይናንስ ፈረንሳ በሊዑ ምስ ወድአ ብሕሹኽታ ከምዚ በሎ “ኣይተረድኣካን እምበር ስጋ ሰብ ኢኻ እኮ ተደሪርካ።”

ክልተ ዓመታት ድሕሪ ንነብሱ ንጉስ ኢሉ ምቕብኡ ቦካሳ ጭካንኡ እናጎልሐ ፈረንሳውያን እውን ዓለም ንኸይትኽዕቦም ክርሕቅዎ ጀመሩ።ኣብ ዓመተ 1970 ክሳብ 72 ኣንጻር ስርቂ ኢሉ ብዘበገሶ ወፍሪ ሰረቕቲ ምስ ዝርከቡ ጎዶሎ ኣካል ንኽኾኑ ኣወጀ። ከም ኣካል ናይዚ ወፍሪ ሚንስተራቱን ማዕከናት ዜናን ኣኸቲሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናግራባ Nagraba ብምኻድ እሱራት ክቕጥቀጡ ኣዘዘ።ቦካሳ ነቲ ኣሰንይዎ ዝኸደ ጋዜጠኛ ነቲ ምቕጥቃጥ እናተዓዘበ ከምዚ በሎ “ከቢድ እዩ፡ግን ህይወት ከምኡ እያ”ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ኣብ ኣፍ ሞት በጽሑ።ዝቐጸለ መዓልቲ ካብ ሞት ዝተረፉን ብምቕጥቃጥ ሃለዋቶም ዘጥፍኡን 42 እሱራትን 3 ሬሳታትን ኣብ ትሕቲ ዋር ዋር ትብል ጸሓይ ኣብ ቀንዲ ኣደባባይ ከተማ ባንጎይ ንምርኢት ተሰጥሑ።ሰክረታሪ ጀነራል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሩት ዋልዲም Kurt WALDHIEM ነቲ ጭካነ ወጊዙ ምስ ተዛረበ ቦካሳ “መዝማዚ፡ገንቢ ከም ሬሳ፡ኣቃጣሪ”እናበለ ዘለፎ።ሃገር ቤተ ምርምር ናይ ስቅያት ዘምሰላ ቦካሳ፡ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት፡ ወተሃደራት፡ ሰረቕቲ፡ ተመሃሮን ካልኦት ዜጋታትን ብጅምላ ክቕተሉ ትእዛዝ ይህብ ከም ዝነበረ፡ዜጋታት ብሞዶሻ እናተወቕጡ፡ብሰንሰለት እናተቐጥቀጡ ከም ዝሃለቑ ኣዛዚ ቤት ማእሰርቲ ነበር ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቦካሳ መስኪሩ እዩ።ቦካሳ፡ስልጣንን ጭካነን ተቐባቢሎም ናብ ዕቡድ ቀይርዎ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝወሰዶን ብገዛእ የእዳዊ ዝተሳተፎን ኣሰቃቒ ጃምላዊ ቅትለት ንዓለም ኣስደመመ። ፈታዊት፡ ኩሉሙለይ ዝብላ ዝነበረ ፈረንሳ ከይተረፈት በዚ ተግባር ሰንቢዳ ኣብ ጎኒ ቦካሳ ደው ምባል መዘዝ ከየምጽኣላ ፈርሀት። ናይ ቀዳማይ ደረጃ ተመሃሮ፡ስእሊ ቦካሳ ዘለዎ ዲቪዛ ንኽለብሱ ኣዋጅ ወጸ።እዚ ዲቪዛ ብሓደ ትካል ጥራይ ዝፈርን ዝሽየጥን ኮይኑ፡ዋና እቲ ትካል ድማ ብዓልቲ ቤት ቦካሳ ነበረት።እቲ ዝኸፍአ ነገር ግን ዋጋ እዚ ዲቪዛ ድኻታት ዘይክእልዎ ሰማይ፡ዓይነቱ ድማ ምህሙንን ተቐዳድን ኮይኑ ካብ ርካሽ ጨርቂ ዝተሰርሐ ምዃኑ እዩ።ስለዚ ካብ 15 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ተማሃሮ፡ብኣስገዳድ ዲቪዛ ኣይንገዝእን ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ወጹ።ነዞም ድኻታት መንእሰያት ቦካሳ ኣይደንገጸሎምን፡ዙርዮኦም ብወተሃደራት ኣኽቢቡ ጥይት ኣኾሎም።ካብቶም ዝተረሸኑ ዝተረፉ ውጻእ መዓት ድማ ኣብ መኪና ደርዲሩ ብምውሳድ፡ኣብ ጸበብቲ ሽላታት ጸፍጸሞም። ኣብ ሽላ ተጸፍጺፎም መንቀሳቐስን መስተንፈስን ዝሰኣኑ ቆልዑ ብእኩብ ሃለቑ።ኣብ ፍርድቤት ቀሪቡ ናይቲ ግዜ እቲ ፍጻመታት ዝተሳተፈ ናይ ሽዑ እሱር ተመሃራይ ከም ዝብሎ “ምሸት ቦካሳ ንባዕሉ ወተሃደራቱ ኣኸቲሉ ናብቲ ተመሃሮ ተኣሲሮሙሉ ዝነበሩ ቤት ማሕቡስ መጸ።ሓይሉ ክሳብ ዝደክም ብበትሩ ክጭፍጭፎምን፡ክሳብ ዘዕርፍ ዓጀብቱ ኣብርዮሙ ክቕጥቅጡን ገለ ተመሃሮ ብኽቱር ማህረምቲ ኣብ ኢዶም ሞቱ።ብጠቕላላ ብምርሻን፡ብምዕሻግ፡ብምቕጥቃጥ ዝኣክል 100 ዝኾኑ ዕሸላት ህጻናት ተቐትሉ።መንግስቲ ቦካሳ ከምዚ እናገበረ ዘንብር ነበረ።

ዴሞክራን ፍትሕን ኢና ንኣምን፡መሰል ወዲ ሰብ ነኽብር ኢና ዝብሉ ልዕለ ሓያልን እዚ ኩሉ እናገበረ ከመይ ስቕ በልዎ? ዝብል ሓታቲ ዝብል ሕቶ ምስ ዝመጽእ፡ንሳቶምሲ ዓገብ ክብልዎ ይትረፍ ንባዕሎም ቀንዲ ተሓባበርትን ኣተሓባበርትን ብምዃን ይሳተፉ ነበሩ።ንማእከላይ ኣፍሪቃ ሓደ ሲሶ ባጀታ እትሽፍነላን ኣብታ ሃገር ናታ ሰራዊት ዘቐመጠትን ፈረንሳይ ንቦካሳ ግደፍ ክትብሎ ኣይደለየትን።ብኣንጻሩ ኣብ ናይ ንግስነት በዓሉ 500 ዝኾኑ ናይ ጸጥታ ወተሃደራትን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ሙዛቃ ባንድን ልኢኻ ዘማዕረገቶ ፈረንሳይ እያ።እንተኾነ ፈረንሳ እውን ዝያዳ ጥቕሚ ብምድላይ እምበር ብነጻ ኣይትሕግዝን።ናይ ሓገዛ ምኽንያት ነቲ ኣብ ሃገራ እተማዕብሎ ናይ ኑክሌር ፕሮጀክትታት መስርሒ ዝኸውን ዩራኒም ዝተባህለ ባእታ፡ብነጻ ካብ ሃገሩ ክትግሕጥ ቦካሳ ስለ ዘፍቀደላ እዩ።ንጉስ ፊልድ ማርሻል ቦካሳ፡ደስ ዝበሎ እናገበረ፡ደስ ከም ዝበሎ እናገዝአ፡ደስ ዝበሎ እናቐተለ፡ደስ ዝበሎ እናለበሰ 13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸንሐ።ኣብ 1979 ኣከባቢ ግን፡ብፍላይ ድሕሪ ቅትለት ናይዞም ተመሃሮ ፈተውቱ ክርሕቅዎ ጀመሩ። ናብ ዝደለየተን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ክሳብ ሰራዊት ልኢኻ ዕልዋ ከተካይድ እትኽእል ፈረንሳ እውን፡ገሊኦም ከም ዝብልዎ ንቦካሳ ትህቦ ደገፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ስለ ዘሸማቐቓ፡ካልኦት ከም ዝብልዎ ድማ ፕረዚደንት ጌስካርድ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ ምስ ቦካሳ ዝገበሮም ኣነወርቲ ተግባራት ንኸይጋለጽዎ ንቦካሳ ካብ ስልጣን ከውርዶ ወሰነ።

ንጉስ ቦካሳ ምስ ዓርኩ መራሒ ሊብያ ሙዓመር ኣል ቐዛፊ ኮይኑ ኣብ ልቢያ ሰውራዊ ዕርክነቱ ዊስኪ ችርስ እናበለ የብዕል ኣሎ።ኣብ ቦንጎ ዘለዉ ወተሃደራት ፈረንሳ ግን ንቦካሳ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ምንቅስቓሳት ጀሚሮም ኣለዉ። መስከረም 20/1979 ኣብ ጫድን ጋቦንን ዓስኪሮም ዝነበሩ 300 ዝኾኑ ናይ ፈረንሳ ኮማንዶታትን ፍሉያት ሓይልታትን፡ብኣውሮፕላን ተጓዒዞም ንከተማ ቦንጎን መዓርፎ ነፈርታን ተቖጻጸሩናይ ቀደም ፕረዚደንት ነበር ዴቪድ ዳኮ ካብ ዘለዎ ደልዮም ኣምጺኦም ናብ ቦትኡ መለስዎ።ድሕሪ 13 ዓመታት ናብ ዝተነፍጎ ስልጣን ዝተመልሰ ዴቪድ ዳኮ፡ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብቲ ቀደም ዝነበረቶ ናይ ሪፓፕሊክ ስርዓት ምምላሳ፡ሓድሽ መንግስቲ ምቛሙን ብራድዮ ኣወጀ።መሬት ሰላም እዩ ዘሎ ኢሉ፡ቀሲኑ ኣብ ሊብያ ክዘናጋዕ ዝቐነየ ዢያን በደል ቦካሳ ብኣውሮፖላን ናብ ሃገሩ ንኽምለስ ጉዕዞ ተተሓሓዞ።ኣብረርቲ ፓይሎት ፈረንሳውያን ነበሩ፡ካብ ሃገሮም ብዝተዋህቦም መምርሒ መሰረት ዝወስድዎ ዝነበሩ ናብ ሃገሩ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘይኮነ ናብ ፈረንሳይ ነበረ።ፓሪስ ምስ በጽሐ፡ክዳኑ ኣውጺኦም መርመርዎ።ቦካሳ ኣብ ናይ ኣየር ጉዕዞ እንከሎ፡ኣብ ሃገሩ ዝነበሩ ኩሎም ሰዓብቱ ተኣስሩ። ትቕበሎ ሃገር ክሳብ ትርከብ፡ኣብ ፈረንሳ ከዕነኒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ኣይቨሪኮስት ክትቅበሎ ከም እትኽእል ፍቓድ ምስ ሃበት ናብ ኣይቨሪኮስት ተላእከ።ድሒሩ፡ንፈረንሳውያን ዝገበሮ ናይ ጅግንነት ውዕለት ኣልዒሉ ሰለ ዝተኸራኸረን ኣብ ፈረንሳ ብዙሕ ርእሰ ማል ስለ ዝነበሮን፡ፈረንሳይ ናብ ፓሪስ ተመሊሱ ብስደት ንኽነብር ፈቐደትሉ።ናብራ ፓሪስ ኣይጠዓሞን።ከም ድላዩ ሰልዲ ምዝራው፡ንደስ ዝበሎ ኣልማዝ ምዕዳልን ዝለመደ ቦካሳ ገንዘብ ውሒዱኒ ኢሉ ምዕዝምዛም ኣብዝሐ።ስለዚ “ናብ ሃገረይ ምለሱኒ”ኢሉ ሓተተ።ኣብ ዘይብሉ ፍርዲ ተወሲንሉ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተወሰነሉ ቦካሳ፡ካልኣይ ግዜ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ተራእዩ ዳግማይ ሞት ተፈርደ።ናይ ቦካሳ ዘመነ ስልጣን፡በዚ መልክዑ ብውርደት ተዛዘመ።ግን ከም ካልኦት ዝተዓልዉ ውልቀ መለኽቲ ዕድሚኡ ኣይሓጸረን።መቸም፡እምባ ገነናት መራሕቲ ቀንዲ ጸላኢኦም እቲ ስልጣን ዝመንጠልዎ ቅድሚኦም ዝነበረ መንግስቲ እምበር፡ቅድሚኡ ዝነበረ በዳሊ ህዝቢ እንታዮም ኣይኮነን።በዚ ድማ ንቦካሳ ተኪኡ ካልኣይ ግዜ ናብ ስልጣን ዝመጸ ዴቪድ ዳኮ፡ መንግስቱ ብኢታማዦር ሹም ተገልቢጡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓፕሊክ ናብ ዳግማዊ ምልኪ ኣትያ ነበረት እሞ፡ቦካሳ ሳላ ሓድሽ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኣንድሬ ሬንጌላ ናይ ምሕረት ዕድል ተራሕወሉ።ናይ ሞት መቕጻዕቱ ናብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ፡ጸኒሑ ድማ ናብ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተቐነሰሉ።ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ምሉእ ምሕረት ተጌርሉ፡ኣብታ ዝነገሰላን ዝቐተለላን ርእሰ ከተማ ባንጎይ ኣብ 30 ሕዳር 1996 ብሕማም ልቢ ሞተ።

Featured

ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም።

ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሞንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ኣብ እየሩሳሌም ብዝተወለዐ ጎንጺ ብዙሓት መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም።ተቓወምቲ ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ከለዉ ፖሊስ ድማ መንብዒ ጋዛት፣ ናይ ጎማ ጠያይትን ኣድማ መበተኒ ማይን ተጠቒሞም።ሰብ ሞያ ሕክምና ፍልስጤም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 90 ፍልስጤማውያን ከምዝቖሰሉ ገሊጾም፤ ፖሊስ እስራኤል ብወገኑ ሓደ ኣባሉ ከምዝቖሰለ ኣፍሊጡ።

ፍልስጤማውያን ካብቲ ኣይሁዳውያን ዝነብሩሉን ናትና ዝብልዎን መሬት ክወጽኡ ክግበር ከምዝኽእል ምስተገለጸ ንዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ ከምዝተጓሃሃረ ይግለጽ።ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያንን ብውሕድ 17 ኣባላት ፖሊስ እስራኤልን ኣብ ጥቓ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ከምዝቖሰሉ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ፖሊስን ሓቢሮም።

ኣዛተይቲ ማእኸላይ ምብራቕ ዝኾኑ ኣሜሪካ፣ ሩስያን ሕቡራት ሃገራትን በቲ ዝጓሃሃር ዘሎ ዓመጽ “ኣዝዮም ከምዝተሻቐሉ” ትማሊ ቀዳም ገሊጾም።

ብኻልእ ገጽ ድማ ሚሊሻታት ፍልስጤም ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል ሮኬት ከምዝተኮሱ ሚንስትሪ ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ቀዳም ኣፍሊጡ።“ናይዚ ግብረመልሲ ከኣ ነፈርትና ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ዝርከብ ወተሃደራዊ ስፍራ ሃማስ ኣጥቂዐን ኣለዋ” ኢሉ እቲ ሚንስትሪ ብትዊትር ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ።

ብወገን ሚንስትሪ ምክልኻል ነቲ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሮኬት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተወሃበን፤ ማዕከናት ዜና እስራኤል ግን ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ከምዝዓለበን ዘስዓቦ ጉድኣት ኮነ ዕንወት ከምዘየለን ጸብጺበን።እቲ ናይ ትማሊ ጎንጺ ኣብ ደማስቆ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ መእተዊ ዝተወለዐ ከምዝኾነን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ኣል-ኣሽቃ ምስ ደገዱ ከምዘጋጠመን ተፈሊጡ’ሎ።ብውሑድ 90 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን 14 ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ቀይሕ መስቀል ፍልስጤም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሃገሩ ንናጽነት ኣምልኾ ብምውሓስ ኣብታ ሃገር ልዕልና ሕጊ ናይ ምርግጋጽ ስራሕ ብሓላፍነት ትፍጽም ምህላዋ ተዛሪቡ።

መራሒ ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ናይ እስራኤል “ሓጥያት ዝተመልኦ መጥቃዕቲ” ብምባል ኮኒንዎ።

Featured

ኢራብ


”ንቀራረብ ንቀራረብ ደገ ዘለዉ ኣሕዋትና’ዮም”
ቀጢን ድምጺ ናይታ ፈቶሪኖ ድምጽ’ቲ እኩብ ዋጭዋጭታ ክፍንጽግ ኣይትሓዙኒ እናበለ የቃልሕ።ኣውቶቡስ ከተማ ኣስመራ፡ እተን እንኮ መንግስታዊ ዕማመን ብብቕዓት ኣብ ምስልሳል ዝርከባ ኣገልገልቲ ምዃነን ብጽቕጥቅጥ ህዝቢ ከመስክራ እዩ ዝብርሀን።
”ማእከላይ ማዕጾ ንቀራረብ” ድምጽታ ፎተሪኖ ኣየዕረፈን።
”ኣይይይ . . . ኣታ ረጊጽካኒ እምበር”
”ከይትርገጺ ተደሊኺ ብታኽሲ’ሞ ዘይትኸዲ”
”ንዓ በል ተሓንጎር”
“ኣብ ቦርሳይ ክትኣቱ ደሊኻ?”
ንጽበት ቦታ ብመልሓሶም ከቃልልዎ ከምዝደለዩ ክመስል፡በብወገኑ መረረ ጽቕጥቅጥ ይቕጽል።
”ኣቱም ቀስ ግዳ ዘይትብሉ”
ክኣትዋ ደጊፈ ዘእተኽወን ሰንከልከል ዝብላ ሰበይቲ ምስ ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ ሕቑኡ ሂብወን ዝነበረ ገዚፍ ሰብኣይ ይማጎታ።ወዮ ገዚፍ ሰብኣይ ገጹ ከይጠወየ ብጎርናዕ ድምጹ
”እሞ ደፊእኪ ብፍኒስትራ ኣውጽኒ።”
ምንኣስ ሓርማዝ ክነሱ ብፊንስትራ ክወጽእ ተራእዩኒ ሰሓቐይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን። ዝቕጽል ግብረመልሰን ክጽበ እናሃቀንኩ ወዮ ሰብኣይ ናባይ ተጠውዩ።
”እሂታ እንታይ ነፊሑካ”
ዘይተዳለኹሉ ነገር ስለ ዝገጠመኒ ሓሲበ መልሲ ክህብ፡ወይ ብኣግኡ ገላጋሊ ንምርካብ ቁልሕሊሕ በልኩ። ሃንደበት ዝለኽፈኒ ሰብኣይ
”ኦ!”
ክብል ሓውሲ ኣውያት ብዝጥዕም ድምጺ ኣውቶቡስ ኣነቓነቓ።እንታይ ረኺብዎ ኢልና ፍርቂ ኣውቶቡስ ተጠውዩ ክጥምቶ ግልጽ በለ።
”ኢራብ ዲኺ ኣንቲ?”
መልሳ ከይተጸበየ ተጠምጠማ።ከምቲ ኣሰዓዕሙኦም ናይ ሃይስኩል ካችኡ እያ ትመስል።ግር ዝበላ ሰበይቲ ገጽ ገጹ እንጠመተት ተዓኒዳ።ኣብ የእምሮኣ ዘይዕዉት ድልያ ናይዚ ሰብኣይ ከተካይድ ምስሊ ትፈልጦም ሃዛርጥ ክትፈታትሽ ከምዝወፈረት ገመትኩ። ትርንዕ ትርንዕ ዝበለ ስዕመት እንከቕምሳ ገጻ ተበቲኻ ከይትወድቕ ዝሰግአት ክትመስል ክሳዳ ብብቂ እየ ተንቀሳቕስ ዝነበረት።
ካብ ዘየድሊ ላኽፋ ናይቲ ሰብኣይ ብምግልጋለይ እፎይታ ተሰምዓኒ።ንሳ እውን ኣብቲ ድልያ ስለ ዝተዓወተት ግዲ ኮይና ካብኡ ብዘይሰንፍ ድምጺ ኣውቶቡስ ኣነቓነቐታ።
”ኣይኣምንን’የ ኣንታ ሳጢር ዲኻ፧”
ተመሊሶም ኣብ ምስዕዓም ኣተዉ።ሰብ ተጋግያ ከምዘላ ክሕብራ ድንዕ በልኩ።ብግዝፉ ንቕድሚት ከምዘይሪኢ ዝጋረደኒ ሸሞንተ ሳጢራት ተጠሚሮም ዘይዳረግዎ ሰብኣይ’ሲ ሳጢር! እቲ ክድይብ እርጋን ዘሰነፋ ዝመሰለትኒ ሰበይቲ ኣሰዓዕማኣ ርእየ፡ዝተሰሓሓተ ግምት ከምዝወሰድኩ ተረድኣኒ።ዝተኸድነቶ ብጫ ሽፎን ኣብ ስልኪ ከም ዝተሰጥሐ እናተዋዛወዘ ዕብራና ኣብ ምጉላሕ ተጸሚዱ፡ንቒሕ ገጻ ዝበለላ ኣብ ላዕላይ መዓጉርታ ዝዓለባ ቅጫ መጠቃ ዝመስላ ማዳ ተኾዲመን እንተስ ናብራ እንተስ ጥዕና፡ ሓዲኡ ከምዘግድዓ መስካሪ ኣየድልዮን።
ካብ ፈተሻ ኣካላታ ወጽየ ክጸናጸን ጀመርኩ። ገለ ክፋል ሰላምታ ሓሊፉኒ ኔሩ።
”እዋይ ኢራብ ዘይሞተስ ይራኸብ ደኣ።ከይገርመኪ እዛ ማህረምትኺ እንተዘይርኢ ኣይመለለኹኽን ኔረ።”
ኣብ ላዕላይ ግምባራ ንዝነበረት ጠምሳቕ በሰላ እናተናኸፈ ሰሓቐ። ንእግረ መንገደይ በሰላ ግርም ታቤላ ምዃኑ ተሰወጠኒ።ለካ ገለ በሰላታት ግዜ ዘየህስሶም፡መለለይናን መንነትናን ኮይኖም እዮም ዝነብሩ በልኩ።
”እዋይ ሳጢር ኣንጭዋ ዝወሓጠ ድሙ እንዲኻ መሲልካ ጋጊናካ”
ተታሓሒዞም ነዊሕ ሰሓቑ።እቲ ሰሓቖም እውን ኣይጋጠመን።ነቲ ጉጅለ ባህሊ ናይ ቤት ትምህርትና ትጻወቶ መእሰሪ ዘይብሉ ሙዚቃ ይመስል።ኣነ እውን ብወገነይ ድሕሪ ምውራድና ሳጢር ዝበልዖ ሓቲተ ሚዛነይ ከመሓይሽ ምስ ነብሰይ ቃል ኣተኹ።
”ጋጊኽና’ዶ ኢራብ ቅጭን ነዊሑ እንድዩ ግዜ፡ጥቅውቲ ሰበይቲ ድማ ረኺበ ብጻይኪ ግዓት ግዒታ ተቑርስ”
”ሓቅኻ ነዊሑ”
ድሕሪ ምባል እንደገና ኣስቀጠት።ምናልባት ንውሓት እቲ ግዜ ትዕቅን ኔራ ትኸውን።ምናልባት ህይወቶም ኣብ መቓን ግዜ እናእተወት ተነጻጽር ኔራ ትኸውን።
”እምበር ትብለጽሲ ኣይኮነንዶ ግዓት ቦጅቦጅ እኳ ተመቅር ኔራ”
ናብ ሰሓቓ ተመልሰት፡ኣየሰነያን።ሰሓቕ ሳጢራት ኣይምችኦን ግዲ ኮይኑ።
”ምስ ትብለጽ ደኣ ተፈላሊና እንዲና”
ክብላን መብረቕ ከምዝሃረማ ክትፈዝዝን ሓደ ኮነ።ነዊሕ ኣይጸንሐትን ሕቶታት ጀመረት።
”ቆልዑኸ ከመይ ኣለዉ፡ሰዲርካ ዲኻ?”
”ሰዲርና ኢራብ ነብሲ እቲ ቦኽሪ ተመሪቑ ኣብዚ ኦሮታ ይሰርሕ ኣሎ፡እተን ክልተ ድማ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ኮሌጅ ኣለዋ፡እተን ዳሕረዎት ነኣሽቱ እዮም ትምህርቲ ኣይጀመሩን”
”ኦ እሞ ሰዲርካ ኢኻ”
ከምኣመላ መገሻ ግዲ ጀሚራ ናብ ስቕተኣ ተመልሰት።
”ስራሕ ከመይ ኣሎ ኢራብ ሕቶታት ቀጸለ”
”ስራሕ ደኣ ነዊሕ ኣንድዩ ኮይኑ ካብ ዘቋርጽ፡ ጥዕና እናሰኣንኩ፡ኣብ ጽሓይ ኮፍ ኢልካ ትኬት ናይ ፓርኪን ክትቆርጽ ኣየኽኣለንን”
ኣብ የዒንታ ገለ ነገር ዝነበብኩ መሰለኒ፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕላሎም ናብ ንእስነት ከምዝመለሶም ኣየጠራጠረንን።ደሃይ ዓርከይ ክገብር ኣንጊሀ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ክበጽሕ ተሃንጥየ እኳ እንተነበርኩ፡ሕጅስ ኣንጻር ትምኒተይ ጉዕዞ ክነውሓለይ እሞ ዝያዳ ታሪኽ ክሰምዕ ደኣ ተሃንጠኹ።
”ጥዕናኸ ከመይ ትኸውን ኣለኻ፡እዛ መውጋእቲ ተሸግረካ ኣላ ድያ፧”
ናብ ቀልበይ ካብ ዝምለስ ንፈለማ ዝሓዝክዋ ሕቶኣ ነበረት።
ናብ የማነይቲ እግሩ እናመልከተ
”ደሓንያ ሕጂ ደኣ፡እንተሓሰብክዮኸ ጓለይ ካብ ፈንቅል እዚኣ ጥራይ ከፊልካ ምውጻእ መን ይረኽቦ፡ንስኺ እንተዘይትህልዊ ኣበይ ምወጸኹ።ምስ መውጋእተይ ሓዚልኪ ከተውጽእኒ እኮ ኢኺ እዚኣ ተሃሪምክያ” እንደገና በሰለኣ ተናኸፈ።
”ፈንቅል፡እንታይ ዘይከፈልናላ” ዝገደደ ኣብ ዝንታ ኣተወት፡ ሕሰም ዘየረከበለን ክመስላኒ ዝጸንሓ ብሩሃት የዒንታ ንብዓት ክጋርደን ኣስተብሃልኩ። ግደ ሓቂ ዛንታ ገድሊ እናክሰምዕ ዛንታ ምረት ምንባሩ ኣይሰሓትኩን። ብጋህዲ ዝነብዕ ተጋዳላይ ደኣ ኣይገጠመንን እምበር። ብዛዕብኦም ዘይበርሃለይ ብዙሕ ነገራት ኣሎ፡እንተላይ ንምንታይ ንንብዓት ከም ምልክት ሕመቕ ሓሲቦም ምስ ስምዒቶም ይቃለሱ።
”ወዲ ኣብርሃ እውን ኣብኣ እዩ ተሰዊኡ።”
ዝዓቖረ ንብዓት ከየምልጣ ክትመስል፡ ኣንቃዕሪራ ንናሕሲ ጠመተት
”ወደ ኣብርሃ!” ንሱ እውን ሓዘን ከምዘረኻኸበሉ ዝን በለ።
”ወይለይ እቶም ደቅኹም’ከ ከመይ ኣለዉ። መን እዩ ስሙ እቲ ዓቢ . . . ” ክዝክር ቅሩብ ድሕሪ ምጽናሕ
”እ . . እወ ዘኪረዮ መትከል፡ መትከል ወደ ኣብርሃ ክሳብ ዝስዋእ ካብ ኣፉ ዘየውጽኦ ዝነበረ”
ዝጸረቶ ንብዓት እንተስ ከቢድዋ እንተስ ብግዲ ንግዳም ዝደፍኦ ተወሰኺ ጓሂ ረኺቡ ተፈርሽሐ። ሃዝራጥ . . . እባ ሳጢር እውን ከምዝተሰከፈ ዙርእዩ እናጠመተ ኣቕባሕበሐ።
ሰብ ከይሰምዓ እንክትመስል ብትሕቲ መልሓሳ
”መትከል ደኣ ዓሪፉ እንድዩ” በለት።ዕላሎም ብዙሓት ንጸናጸኖ ከምዝነበርና ይጠፍኣ ኣይበልኩን።ካብቲ ጸጸኒሑ ዝውጭጭ ድምጺ ፎተሪኖን ዓቕልኻ ዝፈታተን ሃሩርን ጽቕጥቅጥን ኣውቶቡስ ንምምላጥ ኣብ ዕላሎም ዝተዓዕቆብና ውሑዳት ኣይነበርናን።ሳጢር ብስምባደ ርእሱ ሓዘ። ንነገሩ ኣብቲ ጽቕጥቅጥ ድጋፍ ከይደለየ ሰብ ንሰብ ሰጢሙ እዩ፡ኣይኮነን መውደቒ፡መቐመጢ ኣጻብዕቲ ቦታ እኳ ንጋዶ።
”እንታይ ትብልኒ እንታይ ረኺብዎ፡መዓስ ዓሪፉ”
ኣብ ድምጹ ምቅይያር ኣስተብሃልኩ። ኢራብ ብትሕቲ ልሳና
”ዓመቱ፡ሊብያ”
መዓንጣ ከብደይ ተሓሚሰ ንባዕ ንባዕ ዝብል ስምዒት መጸኒ።ጾር ናይ ኢራብ ካብ ጾረይ ንላዕሊ ከበደኒ። ካብ ዕላሎም ነዚ ናይ ሎሚ ሓርማዝ ናይ ሽዑ ሳጢር ሓዚላ ሰዓታት ጎያ ዘይትርብርብ፡ኣብ ልሳን ብጾታ ብጅግንነታ ዝተወቀጠት ኢራብ ምንባራ ሰሚዐ እየ።ሎሚ ግን ነዛ ንነብሳ እኳ ምስካም ስኢና ብዓል ኣነ ደጋጊፍና ኣውቶቡስ ነስቅላ። ዝወርደላ ፈርማታ ስለ ዝኣኸለ ነቲ ኣብ ምውራድ ዘሎ ጽቕጥቅጥ ሓሲበ ጥቓ ማዕጾ ተቐሪበ ንኽጸንሕ ክርሕቆም ወሰንኩ።
”ናበይ ገጽኪ ደኣልኪ፧”
ሕልፍ ክብል ዕላል እናቐጸለላ ሰማዕክዎ
”ናብዚ እስሪ ቤት ዓዲ ኣበይቶ፡እቲ ንእሽተይ ወደይ ክበጽሖ”
ኣዕሚቐ ኣስተንፈስኩን። ተመስገን! ናብኡ እንተኾይናስ ደጊፈ እኳ የብጽሓ። ክጽበያ ወሲነ።
” እዋእ ኣብዚ ድዩ ዘሎ ወድኺ፡እሞ ምሳና እዩ”
”ወይለይ ኣብኡ ዲኻ ዘለኻ፧
”እወ . . . ደይ ሎሚ ከማን መኪና ተበላሽያትኒ እየ ኣውቶቡስ ጌረ”
”ወይ ህዝባዊ ግንባር ንዓኻ ትኸውን መኪና ክኣ ረኺቡልካ፧”ድሕሪ ክንደይ ሰሓቐት።እቲ ክትስሕቕ ምረታን ሓዘናን ዘረስዕ ጽባቐ ትላበስ፡ምስሊ ንእስነታ ብልጭ ኢሉ ይጠፍኣካ እምበር ብጩራስ ትሪኦ።
”ኣብዚ ቀረባ ጋራዥ እየ የእቲየያ ዘለኹ ወዲኦማ ይኾኑ እዩም፡ንእግረመንገደይ ይማልኣኪ”
ተመስገን በልኩ፡እንቋዕ ነታ ኣብ ዝባና ካብ ዓዲ ምት ዘትረፈቶ ክማላኣ ዘከረ እምበር፡ ኣነ ደኣ ከም ህዝበይ ብእግረይ ዘጓሕ ይብል ግዲ።

Asmerom Haile

ደራሲ፡ ኣስመሮም ሃይለ
ፓሪስ
31/08/2018
06፡16 am

Featured

ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና

ኣስመሮም ሃይለ


ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ከካይድ ከም ዘይክእል ድሕሪ ምእዋጂ፡መንግስቲ ዘቕረቦም መፍትሒ ኣመራጺታት ኣካታዕቲ ኮይኖም ኣለዉ።መንግስቲ ኢደይ ኣይሓወስክሉን ዝበሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣማራጺታት ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ጥራሕ ከም ዘተኮረ ተገሊጹ’ሎ።እዚኣቶም ድማ ቤት ምኽሪ ህዝብታት ኢትዮጵያ ወይ ፓርላማ ክብተን፡ ህጹጽ ኣዋጅ ክእወጅ፡ሕገ መንግስቲ ተመሓይሹ ክትርጎም ወይ ሕገ መንግስቲ ክቕየር ዝብሉ መፍትሒ ኣመራጺታት ዘቕረበ መንግስቲ ኣብዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንዘብቅዕ ዕድመ ስልጣኑ ዝኸውን ካልእ ኣማራጺታት ክደሊ ግዜ ከጥፍእ ዝመረጸ ኣይመስልን።እዚ ድማ እቲ መንግስቲ ኣብ ከመይ ጌረ ስልጣነይ የቐጽል?ዝብል ጸቢብ ውልቃዊ ናይ ጥቕሚ ዓንኬል ዝመረጸ ይመስል።ምኽንያቱ እዞም ዝኸረቡ ኣርባዕተ ኣመራጺታት ብሓፈሻ ምስ ዝረኣዩ ን ከም ልፍንታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም ወይ ካልእ ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት ጎስዮም ከመይ ጌርና ዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ነቐጽል?ዝብል ቃና ጥራይ ስለ ዝሓዙ።ብ ኮቪድ19 ተመኻንዩ ንኢትዮጵያ ናብ ምልኪ ወይ ምብትታን ዘምርሕ ስጉምትቲ ከይውሰድ ድማ ነብስወከፍ ሰብ ኣብ ሻቕሎት ይርከብ።ኢትዮጵያ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋጥር ብኸመይ እያ ኣትያ?ቅድሚ ኮሮና ዝነበረ ምድላዋት ምርጫ ከመይ ይመስል ኔሩ?ኮሮና እንተዘየጋጥምከ ኢትዮጵያ ምርጫ ናይ ምክያድ ዓቕሚ ኔርዋ ድዩ?ሕጅኸ እቲ መፍትሒ እንታይ ክኸውን’ዩ ዝብል ክንርኢ ኢና ምሳና ጽንሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ምርጫታት ኣብ ግምት ብምእታው ግምቦት ንዝካየድ ምርጫ፡ ናይ ቅድመ ምድላዋት ስርሓት ክካየድ ዝነበሮ ገና ካብ መስከረም ጀሚሩ እዩ ኔሩ።ናይ ምርጫ ሰሌዳ ካብ ምውጻእ ጀሚሩ መብዛሕትኦም ስርሓት ዝካየዱ ዝነበሩ ኣብ ናይ መጀመርያ 3-4 ኣዋርሕ እዩ ኔሩ።ናይ ዶግተር ኣቢ መንግስቲ ግን ብኣንጻር ናይዚ ዝነበረ ልምዲ ኣብ ክንዲ ስርሓት ምርጫ ዘካየድ፡ተቓወምቲ ውድባት ንኸይምዝገባ ዕንቅፋታት ክገብር፡ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ክኣስር ኢህኣደግ ኣፍሪሱ ብብልጽግና ንኽትክእ ላዕልት ታሕትን ክብል እዩ ግዚኡ ኣሕሊፉ።ካብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ገለ ናይ ፖለቲካ ሰባት ኣብ ኣድላይነትን ጉድኣትን ምክያት ምርጫ ዘተኮረ ክትዓት ክካየድ እንከሎ፡ገዛኢ ውድብ ኢህኣደግ ግን ስሙን ኣቃውምኡን ቀይሩ ንምምጻእን ኣብ መንጎ ኣባል ውድባቱ ዝተፈጥረ ቁርቅስን ከሳሲ እዩ ኣሕሊፍዎ።ኣብ መንጎ እዚ ናይ ምርጫ መስርሕ ዳርጋ ጠቕላላ ተረሲዑ ከሪሙ፡ ኣይኮነን ምርጫ ንምክያድ ሕጊ ምርጫ ኣውጺኡ ቦርድ ኣባላት ምርጫ ንኽረቁሕ እኳ ዘይተኣደነ ግዜ እዩ ኣባኺኑ። ናይ ኣምረጽቲ ምዝገባ፡ናይ ተዓዘብቲ ስልጠናን ዕድጊ ንመምረጺ ዘድልዩ ኣቕሑትን ኣብ ግዚኦም ከይተተግበሩ ተረፉ።ኣብ መጨረሽታ ድማ ብሰንኪ ቫይረስ ኮቪድ 19 እዞም ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ንምምላእ ስለ ዘይተኻእለ . . . ብዝብል ምርጫ ተናውሐ።መንግስቲ ኣቢ፡ኮቪድ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ ማና ተቐቢሉ ሕጂ እውን ምርጫ ምክያድ ስለ ዘይተኻእለ ካብዞም ዝሃብክኹም ኣርባዕተ ኣማራጺታት ሓንቲአን ኣልዒልኩም ኣነ ብስልጣን ክቕጽል ግበሩ ዝብል ዘሎ ይመስል።ብዙሕ ሰብ ዘየስተብሃለሉ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ምርጫ ኣብ ፓርላማ ዝተሓተተ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ነዛ ቀዳመይቲ ብቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዝቐረበት እማመ ብምእማት ” . . . እንተደሊና እኮ እዚ መንግስቲ ስልጣኑ ከም ዘናውሕ ክንገብር ንኽእል ኢና”በዚ ድማ እዩ ገለ ወገናት ከምቲ ቀዳማይ ሚንስተር ዝብሎ ዘሎ እዚ ውሳነ ዘይፋለጡ ሰባት ተራኺቦም ምስ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ብምትሕብባር ዘምጽእዎ እማመ ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ባዕሉ ዝፈሓሶ ተንኮል እዩ ክብሉ ዝስምዑ ዘለዉ።ኣብ ካልእ እዋን ብተደጋጋሚ ምርጫ ከየካየደ ዓመታት ኮፍ ክብል ከም ዝኽእል ዝዛረቦ ዝነበረ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ እዚ ክስታት ካብ ባዶ ዝነቐለ ከም ዘይኮነ ከም እንጠራጠር ይገብር።ሕገ መንግስቲ ኣመሓይሽካ ህሉው መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምግባር ዝብል እማመ እቲ ካልእ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ነጥቢ እዩ።ኣብዚ ከም ነጥቢ ዝጥቀስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ኣብቲ ነዚ ሕግታት ኣመልኪቱ ምስ ፓርትታት ዝገበሮ ዘተ ዝተዛረቦ ዘረባ እዩ፡” . . . ሕገ መንግስቲ ንምምሕያሽ ናይ ሹድሽተ ክልላት ስምምዕ ጥራይ ኣኻሊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ብልጽግና ኣብ ሸሞንተ ክልላት ዓብላሊ ስለ ዝኾነን ኣብ ፈደራላዊ ምኽሪ ቤት ዓብላሊ መናብር ስለ ዝሓዘን ብገዛእ ርእሱ ከፈጽሞ ቀሊል እዩ” ኢሉ ኔሩ።
ኣቢ ኣሕመድ ክሳብ ሎሚ ዝተኻየዱ ኩሎም ምርጫታት ንይምሰል ዝተኻየዱ ምዃኖም ብምጥቃስ ካብ ሎሚ ሓቀኛ ምርጫ ከም ዘይነበረ ይከራኸር።እዚ ማለት ግን ንገዛእ ርእሱ ኣቢ ኣሕመድ ጀሚርካ ኩሎም ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣባላት ብዝተሰርቀ ምርጫ ናብ ስልጣኖም ከም ዝደየቡ ዝሕብርዩ።እሞኸ ድኣ እዞም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተኣከቡ ቀዳማይ ሚንስተርን ኣባላት ፓርላማን ሕገ መንስቲ ንምቕያር ዘኽእል ሞራልን ሕጋውነትን ኣለዎም ድዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ።ብተወሳኺ መንግስቲ ኣቢ ሕገ መንግስቲ ከመሓይሽ ዘኽእል ግዜ ኣለዎ ድዩ ዝብል ሕቶ እውን ክለኣል ንቡር’ዩ።ምኽንያቱ ሕገ መንግስቲ ክመሓየሽ ዝኽእል ቀዳማይ ሚንስተር ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ከይተወድአ እዩ።ኣቢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ዘመነ መንግስቱ ክፍጽሞ ዘይሕሰብ እዩ።ካልእ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ዘልዓሎ ነጥቢ ምርጫ ምስ እንካይድ ልኡላአነትና ኣብ ሓደ ዘእቱ ኩነታት ከጋጥመና ይኽእል እዩ ዝብልዩ።እዚ ግን ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘላዋ ሃገራት መኣዙት ኢትዮጵያ ቀየርክወን፡ረዲአት ኣምጺአ ኣለኹ፡ጸላእትና ምሉእ ብምሉእ ደምሲሰ እየ፡ኣብ ዲፕሎማስያዊ ርክባትና ጸላእቲ የብልናን፡ኣከባቢና ብምሉኡ ኣተሓባቢረ ሰላም ኣስፊነ እየ እናበለ ዝንየትን ዝውደስን ዝነበረ መንግስቲ ሕጂ ኣብ ምርጫ በጺሑ ንሉእላውነትና ዘስጉ ጸላእቲ ስለ ዘለዉና ኣነ ኣብ ስልጣን እንተቐጸልኩ ይሕሸኩም ዝቓንኡ ዘረባ እንከስም ዘየገርም ኣይኮነን።ብገለ ገለ ፖለቲከኛታት ንዝቐረበ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝድግፍ እማመ ” ተሰማሚዕኩም ምርጫ ከተካይዱ ዘይከኣልኩም፡ገሌኻትኩም ናይ ወጻኢ ሓይልታት መጋበርያ ዝኾንኩም ሰባት ከመይ ጌርኩም መሰጋገሪ መንግስቲ ከተቑሙ ትኽእሉ?ዶስ ናይ ዕግርግር መንግስቲ ኢኹም ከተቑሙ ዝድለ ዘሎ?ብምባል ከዋድቖ ተራእዩ እዩ።ከምዚ ዓይነት ሽግር ኣብ ሱዳን ምስ ኣጋጠመ ከይደ ዓሪቐዮም፡መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ ኣሰማሚዐዮም እናበለ ኖቬል ሰላም ዝተሸለመ መራሒ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብዛዕባ መሰጋገሪ መንግስቲ ክለዓል እንከሎ ከም ናይ ዕግርግር ጉዳይ ጌሩ ዝተረድኦ እንታይ ስለ ዝረኸቦ እዩ ዘየብል ኣይኮነን።ወላኳ ኮሮና ኣብ መዓልታዊ ህይወት ወዲ ሰብ ከይተሓስበ ዝወረደ ድቦላ እንተኾነ፡ገለ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ብዙሕ ዘይተሃርመትን ማዕረ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ወይ ምስግጋር ምርጫ ክትገብር ዘገድድ ደረጃ ዘምብጽሓ ይምጉቱ።ምናልባት እውን ካብ ከም በዓል ደቡብ ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ተማሂራ ኣብ እዋን ለበ ዳኮቪድ 19 ምርጫ ክትገብር ትኽእለሉ መንገድታት ምህላዉ ይጥቀስ።

ንህሉው ወጥርን ቅልውላውን ኢትዮጵያ ንምርዳእ እንተውሓደ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንመሰረታት ናይዞም ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሻመዉ ዘለዉ ሓይልታትን ፍሩያት ታሪኻውያን ነጥብታት ዘመናዊት ኢትዮጵያን ክንድህስስ የድሊ።
ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣብ እዋን ሃጸይ ቴዎድሮስ ከም ዝጀመረ ይሰማምዑ።እዛ እንሓንሳብ ካብ ኣዳምን ኖህን ቆጺራ ናይ 5000 ካልእ እዋን ድማ ኣብ ዛንታ ንግስተ ሳባን ሰሎምናዊ ትውልዲ ምንሊክ ቀዳማይን ተሞርኪሳ ናይ ሰለስተ ሽሕ ታሪኽ ከም ዘለዋ ብዜጋታታ ዝንገረላ ሃገር፡ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብመሳፍንቲ ክትምራሕ ዝጸንሐት ኮይና፡ኣብ መንጎኦም ብወረራን ምትሕንፋጽን ቅርጺ ዝሓዘ ታሪኽ ይውንኑ።እንተኾነ ዝበዝሕ እዋን መንበረ ንግስነት ናይታ ሃገር ብነገስታት ኣምሓራን ትግራይን እናተዓብለለ፡ከም ብዓል ኦሮሞን ሶማሌን ዝኣመሰሉ ድማ እንሓንሳብ ተወሪሮም እናተዳኸሙ ካልእ እዋን ሓይሎም ሓውሲ ነጻ ኮይኖም እናተመሓደሩ ድሕሪ ምጽናሕ በቲ ኣብ ግዜ ሃጸይ ቴድሮስ ዝጀመረን፡ሃጸይ ዮውሃንስ ሓሙሻይ ዝቐጸሎን ሰፋሕቲ ወረራታት ንዝበዝሕ ናይ ሕጂ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝጠርነፈ ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ክምስረት ክኢሉ።ኣብ እዋን እዚ ወረራታት ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፈጸሞ በደላት ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ሃጸይ ሃይለስላሰ እውን ስለ ዝቐጸሎ፡ኣብቲ ንዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕውም ዓብላሊ ቁጽሪ ህዝቢ ዘለዎ ብሄረ ኦሮሞ፡ናይ ብታሪኽ ተበዲልና ኢና ዘስምዕ ድምጺ አም ዘስረጸ ይእመን።
ስርዓት ሃይለ ስላሰ ኣብ 1974 ዓመተ ምህረት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ተገሊፉ፡ብማርክሰ ለኒናዊ ስነ ሓሳብ ተኸቲለ ማዕርነት ዜጋታት ክሕሉ ዝብል ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተተክኣሉ፡ብሰንኪ ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ እዋን ዓጸቦ ዘውረዶ ግፍዕታትን ንምእራሙ ኣብ ልዕሊ ዝተንቀሳቐሱ ብቐዳማይ ወያነ ዝፍለጡ ምንቅስቓስ ዝወሰዶ ናይ ምቕንጻል ስጉምትን ዝቐሓረ ምንቅስቓስ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ 18 ለካቲት 1975 ህዝቢ ትግራይ እውን ተበዲልና ኢና ብዝብል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመስረተ።ብቕልጡፍ ትግራይ ነጺልካ ነጻ ሃገር ምቑም ዝብል ስነ ሓሳብ ዝነበሮ ህወሓት ድሕሪ ናይ 13 ዓመታት ቃልሲ ሜላታቱ ቀይሩ ምስ ካልኦት ንመሰል ብሄራት ከረጋግጻ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝቃለሳ ዝነበራ ውድባት ብምስማር ዕላምኡ ናብ ምርግጋጽ ብሄራዊ መሰል ቀይሩ ኢህወደግ ወይ ”የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ዴሞክራስያዊ ግንባር” ብምምስራት፡ንስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ገሊፎም፡ኣብ ግንቦት 1991 ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መስረቱ።
ንህዝብታት ኢትዮጵያ ማዕረ መሰል ንምሃብ ብዝብል ሓሳብ ብሄራዊ ፌደራል ዝተባህለ፡ንዝህብታት ኢትዮጵያ ብብሄሮም ተወዲቦም ውሽጣዊ ርእሰ ምሕደራ ክህልዎም ዝፈቅድ ፌደራላዊ ቅዋም ኣብ ነሓሰ 1995 ናብ ግብሪ ብምውዓል፡መስርሕ ዴሞክራስያዊ ህንጸት ከም ዝጀመሩ ተነግረ።እንተኾነ ብህወሓት ዝተዓብለለ ልፍንታዊ ውድብ ኢህወደግ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንቕዋም ዝጻረር ቀይዲ ኣልቦ ኣካይዳ ክኽተልን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈላለየ በደላት ድሕሪ ምብጽሑን ኣበየ ኩርናዕ ናይታ ሃገር ናይ ዘይዕግበት ስምዒታት ክጎሃሃር ጀመረ።ወላኳ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኢህወደግ ስማዊ ቁጠባዊ ዕቤት፡ዲፕሎማስያዊ ተሰማዕነትን፡ባህላዊ ምዕባለን ኣመዝጊባ እንተተባህለ፡ዘይምሩይ ምቕርሐ ጸጋታት፡ምብሓት ስልጣን ብኢሊታት ትግራይን ብልሽውናን ከስፋሕፍሕ ክኢሉ’ዩ።ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ዘካየደቶም ሓሙሽተ ምርጫታት ፍትሓውያን ኣይነበሩን ጥራይ ዘይኮነ ጠንቂ ቅትለት፡ስደትን፡ማሕዩርን ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ኮይኖም እዮም።ወላኳ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ እቲ ብህወሓት ዝቕለስ ኢህወደግ ንይምሰል ነቲ ”ቆፎ ካብ ደቡብ ሲም ካርድ ካብ ትግራይ” ተባሂሉ ዝተዳእለሉ ካብ ደቡብ ክልል ዝመጸ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኪኡ ክቕጽል እንተፈተነ፡ተቓውሞ ዜጋታት ብምብርትዑ፡ብፍላይ ድማ ንምዕባለ ዲጂታላዊ መራኸቢታት ኢንተርነት ዝተጠቕሙ ከም ብዓል ጀዋር መሓመድ፡ታማኝ በየነን ዝኣመሰሉ ናይ መሕበራዊ መራኸቢታት ኣክቲቭስት ብደገ፡ከም ብዓል ለማ መገርሳን ልደቱ ኣያሌውን ድማ ብውሽጢ ብዘስምዕዎ ድምጺ ተቓውሞ ህዝብታት ሓይሉ መንግስቲ ከመሓድረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ድሕሪ ምብጽሑ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ መንበረ ስልጣኑ ነቲ ብምንቅስቓስ ልፍንቲ መንእሰያት ብሄረ ኦሮሞን ኣምሓራን ”ኦሮማራ”ተሓጊዙ ዝመጸ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ መንበረ ስልጣን ኽለቅቕ ተገዲዱ’ዩ።

ነዚ ስዒቡ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ቅትለት ተወላዲ ብሄረ ኦሮሞ ሃጫሉ ሃንዴሳ ግን፡ነቲ ነቕነቕ ክብል ዝቐነየ ፖለቲካ ኢትዮኦጵያ ኣብ ጫፍ ገደል ኣብጺሕዎ ይርከብ።ብምኽንያት ቀብሪ ናይዚ ድምጻዊ ሬስኡ ኣብ ዝተወለደሉ ቦታ ንኽቕበር ናብ ኣምቦ እናኸደ ኣብ መንገዲ ኣባላት ኦፌኮ ጀዋርን በቀለ ገርባን ከም ዝዓገትዎ ብምግላጽ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ኣባላት መሪሕነት ኦፌኮ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ጽልኢ ኣጎሃሂረን ዝበለን ድምጺ ወያነ፡ቴለብዥን ትግራይን ቻነል 29 ናይ ትግራይን ካብ ፈነወ ምሉእ ብምሉእ ዓጽወን ኣሎ።እዚ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብጀዋር ዝውነንን ዝመሓድርን ኦሮሞ ሜድያ ኔትዎርክ ብምዕጻው ኣባላቱ ተኣሲሮምን ብተወሳኺ ከም ብዓል ኣቦ ወንበር ባልደራስ ፓርቲ እስክንድር ነጋ ዝኣመሰሉ ንጹር ብዘይኮነ ምኽንያታት ተኣሲሮም ይርከቡ።ኮረኔል ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ቅልውላው ስዒቡ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ዝገበሮ ብመራኸቢ ብዙሃን ብቐጥታ ዝመሓላለፈ ኣኼባ፡ንኣባላት ጸጥታ ብምውዳስ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ሽርሒ ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝተፈጸመን፡ህዝቢ ሃዊኽካ ብዘይ ሕጊ ስልጣን ንምግባት ሽርሒ ከም ዝተጻወደን መንግስቱ ንኹሎም እቶም ኣብዚ ሽርሒ ዝተሳተፉ ምሕረት ከም ዘይገብርን ”ኣብ ከተማ ክዋግእዎ ንዝፍትኑ ድማ ናይ ከተማ ውግእ ክምህሮ” ድሉው ምህላውን ብሓይለ ቃል ተዛሪቡ፡ኣባላት ጸጥታ ስርሖም ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽሉን ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሑን ኣዚዙ ይርከብ።
ህውሓት ብወገኑ ብፈጻሚ ኣካሉ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ ንመንግስቲ ኣቢ ኣሕመድ ዲክታቶር፡መታለሊ፡ኣሃድዳዊ ስርዓት፡ስልጣን ብዘይ ሕጊ ዝጨበጠ ጉጅለ ኣራት ኪሎ ወዘተ እናበለ ድሕሪ ምዝላፍ፡ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓድሽ መድረኽ ከም ዝተሰጋገረን ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕን ኣዚዙሎ።እዚ ከይኣክል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ህውሓት ቀጥታዊ ናይ ቃላት ኲናት ብምውላዕ ነቲ ፍሕፍሕ ተሓዊስዎ ይርከብ።መስመራት ኢንተርነት ተዓጽዩ ሎሚ ኢትዮጵያ ካብ ኩናት ሓደ ስድሪ ርሒቓ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ትርከብ።መንግስቲ ኮረኔል ንሓድነት ድዩ ዝሰርሕ ዘሎ ወይስ ንምልኪ ንጹር ኣይኮነን።ብብዙሕ መልክዓት ምስ ዝርአ ግን ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታትን፡ኤርትራ ናብ ምልኪ ዝኣተወትሉ መስርሓትን ኣጸቢቑ ይመሳሰል።
ብውሽጣዊ ፖለቲካ ብኸምዚ መልክዕ እናተሓመሰ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዘመነ ስልጣን ረኺቡ ዘሎ መንግስቲ ኮረኔል ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ኣህጉራዊ ሜዳ እዋን ኣዝዩ ዓቢ ብድሆ ገጢምዎ ይርከብ።ብሰንኪ ምስ ኤርትራ ዝመስረቶ ዘይጉልጽ ዝምድና ክሕመን ፈጢረዮ ዝበሎ ዞባዊ ምሕዝነት ሱዳን፡ሶማልን ጁብትን ኣንሳሒበን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኢጋድን ዝነበራ ጽልዋ ከሲራ ትርከብ።
እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ ክትመልኦ ዝመደበት ”ዲጋ ተሃድሶ” ብግብጺ ብርቱዕ ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።እንተኾነ ግብጺ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተቓውሞኣ ብዝላዓለ ብምቕጻል ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጥምጥም ተጸሚዳ ትርከብ።በቲ ንግብጺ ከም መሳርሒ ናይቲ ኣብ ፍልስጤም ከውርዶ ደልዩ ዘሎ ዕርቂ ክጥቀመላ ዝህቅን መንግስቲ ኣሜሪካ እናተሓገዘት ግብጺ ትገብሮ ዘላ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ንመንግስቲ ኣቢ ኣብ ልዕሊ መንድዓት ጉርንጉሪት ኮይንዎ ይርከብ።ኢትዮጵያ ዝመጸ ይምጻእ ምምላእ ማይ ናይቲ ዲጋ ከም ትጅምር ክትገልጽ እንከላ ግብጺ ንሃገራት ዓረብ ኣሰሊፋ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ምምላእ ማይ ከይጅምር ኣበርቲዓ ክትቃወም ጸኒሓያ።ሱዳን ብወገና ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ተደናጋጺ መርገጺ ላሕሊሑ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ኣብ ኩናት በጺሐን ቀንየን እየን።በዚ ድማ’ዩ መንግስቲ ኣቢ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ እውን ዳርጋ ተነጺሉ ዓርኪ’ቲ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ረብሓ ዘይረኸበሉን መሓዛ ኣልቦን መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ።ድሮ እውን ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝኣመሰላ ሽልማት ሰላም ንኽረክብ ኣስተዋጽኦ ዝገበራን ዝንእዶ ዝነበራን ውድባት ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሕገ መንግስትን ክኸስኦ ዝስምዓ ዘለዋ።
ንኮረኔል ኣቢ ኣብ ምሕላው ፍሉያት ሓይልታት ኣዋፊሩ ከም ዘሎ ዝሕመ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ”ዶብና ኣይተመለሰን” ብምባል ዝለመዶ ነጋሪት ኲናት ክወግዕ ጀሚሩ’ሎ።
ብርግጽ ኣቢ ኣሕመድ ዘመነ መንግስቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝነበረ ዝምድናታት ድሕሪ ምልሕልሑን ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይታ ሃገር ዘይምትእምማንም ጥርዚ ድሕሪ ምብጽሑን እዩ ተረኪብዎ።ኣብ ናይ ክልተ ዓመት ዕምሩ ማእለያ ዘይብሉ እወንታዊ ለውጥታት እኳ እንተገበረ፡ንፖለቲካዊ ሃዋህው ናይታ ሃገር ግን ክፍውሶ ኣይከኣለን።ኣብ ዓዘቕቲ ዝተረከባ ንታሪኻዊን ብሄራውን ፍልልይ ሕገ መንግስታዊ ቅርጺ ዘትሓዘት ሃገር ብቐሊሉ ክትቀንዕ ወይ ለውጢ ብልሙጽ መንገዲ ክመጽእ ምጽባእ ዕሽነት ጥራይ እዩ።ካብ ሰማይ ዝወረደ መድሕን ኢትዮጵያ ዝተባህለሉ መራሒ ኣብ ክልተ ዓመቱ ሕማም ኢሳያስ ክለኽፎ ክርአ ግን ዘየገርም ኣይኮነን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያ ብደገ ብምኽንያት ህዳሴ ግድብ ምስ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ምፍጣጥ ብውሽጢ ድማ ብሰንኪ ምርጫን ኮሮናን ኣብ ሓደጋ ኲናት ሓድሕድ ትርከብ።ብፍላይ እቶም ቀንዲ ተጻረርቲ ሓይልታት ኮይኖም ዘለዎ ህውሓትን ብልጽግናን ህውሓት ብመንገዲ ወከልቲ ህዝቢ ብሕጋዊ መንገዲ ክልላዊ ምርጫ ክገብር ብምውሳኑ፡መንግስቲ ኣቢ እውን ወላኳ ኣካታዒ ይኹኒ ብሕጋዊ መንገዲ ምርጫ ንኸይካየድ ብምጽዳቑ፡እሞ ድማ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ዘይተቐበለ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሉ የጠንቅቕ ህውሓት ብወገኑ ዝመጸ ይምጻእ ይብል ምስ ምህላዉ፡መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ሜድያታትን ዓፋኒ ስጉምቲ ብምውሳዱ፡ብሓውሲ ቅሉዕ ኣገባብ ኣብ መንጎ ህውሓትን ኮረኔልን ኲናት ተኣዊጁ ይርከብ።እዞም ተጻረርቲ ሓይልታት ተላዚቦም ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሖም፡ካብ ቅድድም ስልጣን ውጽእ ኢሎም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓቢሮም መውጽኢ መንገድታት ከናድዮን ንኣጋጢሙ ዘሎ ቀዛፊ ሕማም ክከላኸሉን እንተዘይክኢሎም፡ንሃገረ ኢትዮጵያን ንዞባናን ናብ ዓሚቕ ዓዘቕቲ ከእትውዎ ዝተረፈ የለን።

ቢያፍራ (ብራቕ ጸሓይ)

ህዝባ ከም ትምኒቶም ነታ ሓዳሽ ሃገር ብራቕ ጸሓይ ኢሎም ሰየምዋ፡ተስፍኦም ኣብ ባንዴርኦም ስኢሎም ዘመሩላ፡ጽሓይ ቢያፍራ ግን ምብራቓ ከይወደአት ዓረበት።ታሪኽ ንርእሳ ትደግም፡እቲ ዘሕዝን ግን ሰባት ዘይመሃሩ ምዃኖም’ዩ ይብሉ እቶም ታሪኽ ዘጽንዑ ምሁራን።እነሆ ድማ ድሕሪ ቢያፍራ ኣብ ከባቢና ታሪኽ ንርእሳ ትደግም ዘላ መሰለት።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየዱ ኩናት ሓድሕድ ብዝወሰዶ ትንፋስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ፡ኩናት ሓድሕድ ናይጀርያ ወይ ኲናት ቢያፍራ እናተባህለ ዝጽዋዕ ኩናት ኣብ ታሪኽ ናይጀርያ ምናልባት እቲ ዝዓዘዘ ቦታ ዝሕዝ ታሪኻዊ ፍጻመ ከይኮነ ኣይተርፍን።ንሰለስተ ዓመታት ካብ 6 ነሓሰ 1967 ክሳብ 15 ጥሪ 1970 ናይጀርያውያን ኣብ ንሓድሕዶም ኲናት ህይወት ልዕሊ 100ሽሕ ወተሃደራትን 2 ሚልዮን ሲቪል ዜጋታትን ናይጀርያ ዝወሰደ ኣስካሕካሒ ህልቂት’ዩ።ብጀነራል ያኩቡ  ጎዎን ዝምራሕ መንግስቲ ናይጀርያ ነታ ብጀነራል ችኮ ሜካ ኦርዲሜጎ ኦጆክዎ ተመሪሓት ሪፓፕሊክ ቢያፍራ ተባሂላ ክትንጸል ዝሃቀነት ቢያፍራ ንኸምልስ ኲናት ገጠመ።ነዚ ኲናት ዘማዕበለ ጠንቅታት ንምርዳእ ንድሕሪት ኣዚና ተመሊስና እቲ መጀመርያ ናይጀርያ ዝቖመትሉ ዘመን ክንርኢ።

ዓወትን ተዓዋትን ዘይብሉ ኲናት ሓድሕድ

ኣፍሪቃ እኮ ክንደይ መከራን ስቓይን ዘሕለፈት ኣህጉር እያ።ህዝባ ናይ ስቓይ መፈተኒ ንኽኾኑ ዝተፈርዶም ክመስል ንዘመናት ብውርደትን ድኽነትን ዝነበሩ እዮም።ገዛእቲ ክገርፍዎም፡ከም ኣቕሓ ክሸጥዎምን ክልውጥዎምን፡ሃብቶም ክዘምትዎም ከም ዋዛ ዘመናት ሓሊፉ።መግዛእቲ ኣብቂዑ፡ናይ መጻኢ ዕድሎም ኣብ ኢዶም ጨቢጦም ኣብ ዝተባህለሉ ሰዓት እውን፡ምሻጥ ምልዋጥ እኳ እንተተረፈ፡ስቅያት እዞም ኣህዛብሲ ገና ኣየኽተመን።ንሓድሕዶም ክቃተሉ፡ብዘምሃርዎምን ዝሸየምዎምን መራሕቲ ክታለሉ፡ዛንትኦም ብህልቂት፡ድኽነትን ድንቅርናን ክጸሓፍ ስሞም ምስ ድሕረትን ድኽነትን ክጽዋዕ መኽተሚ ስኢኑ ይርከብ።ብዘርእን ብሃይማኖትን እናተኸፋፈሉ ተቓቲሎም፡ገዛእቶም ከፋፊልካ ንምግዛእ ብዘተኣታትዎ ጥበብ ተፋላልዮም፡ጉጅለታት ፈጢሮም ተዋዲኦም።ህርፋን ስልጣን ዘዕበዶም ወተሃደራት፡ጠበንጅኦም ኣኸቲሎም ዕልዋ እናገበሩ፡ድሕሪ ዕልዋ ዘዕበዮም ህዝቢ ምጭቋን ኣርማ ኮይኑ እዩ።ኣፍሪቃ፡ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝበሎ “ጸዓዱ ኣዛብእ ምስ ከዱ፡ጸለምቲ ኣዛብእ ተኣኪቦም ሓኘኽዋ”ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብናይ ሕድሕድ ግጭት ደም ኣፍሪቃውያን ከም ውሕጅ ዛርዩ እዩ።ናይጀርያ እምበኣር ካብዚ ኣፍሪቃዊ ዕጫ ኣየምለጠትን።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐን ዝሰፍሐን ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ፡ናጽነታ ረኸበት እኳ እንተተባህለ።ህዝባ ናይ ናጽነት ጣዕሚ ከስተማቕሩ ኣይከኣሉን።ኣብ ግዜ መግዛእቶም እኳ ብዘይነበረ ናይ ሓድሕድ ኲናት ተጨፋጨፉ።ዘርእን ሃይማኖትን እናቖጸሩ ተቓተሉ።ብሓንሳብ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ንጎረቤቱ ካብ ክልለይ ውጻለይ እናበለ ኣሳደዶ።ጸጥታ ከኽብሩ ዝተቖጽሩ ወተሃደራት፡በዚ ናይ ዘርኢ ሚዛን እናተጎጀሉ ተኣማንነቶም ንናይጀርያ ዘይኮነ ንኽልሎም ስለ ዝገበሩ፡ናይቲ ሽግር እሾኽ መንቀሲ ተሳእኖ።መንግስቲ ብዝተቐያየረ ቁጽሪ፡ዝቕጽል መንግስቲ ዘቕውም ጉጅለ ኣባላቱ ናይ ዘርኢ ምትእስሳር ስለ ዝህልዎም፡ንነብሱ ከም በዓል ግዜ እናቖጸረ፡ካልኦት ንምጥቃዕ ጠበንጅኡ የልዕል።ናይጀርያ ብወተሃደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ፍድአን ካብ ዝረኣያ ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ትስራዕ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክልተ ግዜ መፈንቅለ መንግስቲ ተኻይድላ።እቲ ዘሕዝን ኩሎም እዞም ዕልዋታት፡ደም ኣፋሲሶም፡ሹማምንቲ ኣዋዲኦም ዝተኸናወኑ ብምዃኖም እዩ።እዚ ምእካል ከም ዝኣበየ፡ንሰላሳ ኣዋርሕ ዝወሰደ ኲናት ሕድሕድ ተላዒሉ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝባ ረገፈ።ነቲ ናይቲ ግዜ እቲ ናይ ናይጀርያ ኲናት “ዓወትን ተዓዋትን ዘይብሉ ኲናት” ኢሉ ይጠቕሶ ጀነራል ያኩቡ ጎዋን።

ናይጀርያ ካብ መበል 14 ክ/ዘ ፖርትጋላውያን ዝተቐልቀልሉ ግዜ ጀሚሩ፡ናይ ወጻኢ ወረርቲ ይኹኑ ነገድቲ ባርያ ከጥቅዕዋ ዝነበረት ሃገር እያ።ካብ 16 ክሳብ 18 ክ/ዘ ድማ ናይጀርያውያን ብሓይሊ እናተገደዱ ናብ ባርነት ናብ ኣሜሪካ ዝተሳገሩለን ጸልማት ዓመታት ነበራ።ብሪጣንያ ካብ 1850 ጀሚራን 90 ዓመታት ግዝኣታ ጌራ፡ደቀባት ሹማምንቲ ሸይማ ብሞግዚትነት ተመሓድራ ዝነበረትሉ ዘመን፡ንናይጀርያ ኣብ ሰለስተ ከፊላታ ነበረት።እዚ ንደሓር ክሳብ ሎሚ ዕለት መንቀሊ ግጭት ዝኾነ ናይ ግዝኣት ምክፍፋል፡ዘርእን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ነበረ።እንግሊዛውያን ብስፍሓቱ ካብ ስፍሓት መላእ ሃገረ ናይጀርያ ልዕሊ ፍርቂ ዝሕዝ ናይ ሰሜን ናይጀርያ ግዝኣት፡ሓደ ምምሕዳር ገበርዎ።ኣብዚ ክፋል ዝነብሩ ናይ ሃውሳ ፉላኒ ተወለድቲ ሃይማኖቶም እስልምና ክኸውን እንከሎ፡ኣብቲ ክልል ብዝሖም ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊት ይሽፍን።ናይ ደቡብ ምዕራብ ግዝኣት ድማ ናይ ዩርባ ብሄር ክኾኑ እንከለዉ ሃይማኖቶም ድማ ክርስትና እዩ፡ብዝሖም ድማ ካብቲ ናይቲ ክልል ህዝቢ 75 ሚእታዊት ይሽፍን።ናይ ደቡብ ምብራቕ ግዝኣት መብዛሕትኦም ተወለድቲ ብሄረ ኢግቦ እንክኾኑ፡ሃይማኖቶም ክርስትና እዩ።ብዝሖም ድማ ካብ 60 ክሳ70 ሚእታዊት ዝኸውን ህዝቢ ይሽፍን።ግን ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዓብላሊ ብዝሒ ዘለዎ ሓደ ብሄር እኳ እንተሃለወ፡ካልኦት ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄራት እውን ሓቢሮም ይነብሩ።ናይ ሰሜን ናይ ሆሳ ፉላኒ ግዝኣት ኣመና ሰፊሕ ኮይኑ፡ናይ ሕርሻን ሳዕርን ቦታ ዝበዝሖ እዩ።ክልቲኦም ናይ ኢግቦን ዩርባን ዝነብሩሎም ቦታታት ግን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዘዋስኑ ስለ ዝኾኑ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ይረኽቡ።ብፍላይ ግን ናይ ብሄረ ኢግቦ ኣባላት ዝቕመጥሉ ናይ ደቡብ ምብራቕ ክልል፡ዕቑር ነዳዲ ዘለዎ ኣከባቢ እዩ።እዞም ከባቢታት ሚስዮናውያን ስለ ዝኣተውዎም፡ብሃብትን ብትምህርትን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጽሑ።ናይጀርያ ኣብ 1 ጥቅምቲ 1960 ናጽነታ ክትረክብ እንከላ ገዛእቲ ዝመስርሑላ ኣገባብ ምሕደራ ኣይቀየረትን።እንግሊዛውያን ዝቐብርዎ ፈንጂ ቀስ ኢሉ ዝፍንጀር ስለ ዝኾነ፡ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት ናይጀርያ ብብሄራዊ ግጭታት ክትሕመስ ጀመረት።ናይጀርያ ናጽነታ ክትጅምር እንከላ፡ክልላታ ብፈደረሽን ተኣሳሲረን፡መራሕተን ብብሄሮም ከም ዝምረጾ ተገብረ።ፖለቲካውያን ፓርትታቶም እውን ዘርኢ መሰረት ጌረን ዝቖማ ስለ ዝነበራ፡ናይ ስልጣን ምዕዳል ክካየድ እንከሎ፡ወዲ ሰሜን ተወላዲ ሃውሳ ፉላኒ ዝኾነ ታፌዋ ባሌዋ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ተሰየመ።ተወላዲ ኢግቦ ኣዚ ኲዊ ፕረዚደንት ኮነ፡ናይ ዩርባ ተወላዲ ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚንስተር ሓዘ።

ናይጀርያውያን ናጽነቶም ረኺቦም፡ዋናታት ሃገሮም ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ፡በዚ ኣገባብ ተወዳዲቦም ሃገራዊ ምዕባለ ንምምጻእ ክንዲ ምጽዓር፡ነናይ ገዛእ ርእሶም ብሄር ዘርብሕ ዝመሰሎም ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ተጸምዱ።ሓቢሩን ተኣሳሲሩን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ናተይ ብሄር ስለ ዘይኮንካ ካብ ክልለይ ውጻለይ ክበሃሃሉ ጀመሩ።በብግዚኡ እውን ናይ ግጭት ዜናታት ምስማዕ ተደጋገመ።ብፍላይ ድማ ኣብ ነበርቲ ሰሜናዊ ክልል ዝኾኑ ሃውሳ፡ኣብ ክልልና ሃብቲሞም ብዝብል ንተወለድቲ ኢግቦ ተተናኾልዎም።ብናይ ጽልኢ ቃላት ኣሸማቐቕዎም።እዚ ኣተሓሳስባ፡ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር እውን ሰረጸ።ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ኢግቦ ዝኾኑ ወተሃደራት፡ናይ ታፌዋ ባሌዋ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ንተወለድቲ ኢግቦ የግድዖም ኣሎ ብዝብል ቂም ሓዙሉ።ጠበንጃ ዝዓጠቐ ጉጅለ፡ኮርዩን ተቐይሙን ስቕ ኣይብልን፡ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ምስግጋሩ ዝተርፍ ስለ ዘይኮነኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ ተወለድቲ ኢግቦ፡መንግስቲ ናይ ምዕላው ስጉምቲ ወሰዱ።ናይጀርያ ናጽነታ ኣስተማቒራ ከይወድአት፡ኣብ 6ይ ዓመታ ዘጋጠመ ዕልዋ መንግስቲ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ነበረ።

ካብ ሻለቃ ንታሕቲ ማዕረግ ዘለዎም ተወለድቲ ኢግቦ መፍንቅለ መንግስቲ ምስ ፈጸሙ ቀዳማይ ሚንስተር ታፌዋ ባሌዋን እንተላይ ናይ ሃውሳ ፉላኒ መራሒ ክልልህሙድ ቬሎን መምስ ኣንስቶም ኣብ ማእከል ቤቶም ቀተልዎም።21 ዝኾኑ ላዕለዎት ናይ ፖለቲካ መራሕትን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን እውን ረሸኑ።ንመጀምርያ ግዜ ስልጣን ዝሓዘ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣወጊዶም ወተሃደራዊ መንግስቲ መስረቱ።ናይ ወተሃደራዊ ምምሕዳር መሪሕነት ድማ ናይ ብሄረ ኢግቦ ተወላድን ወተሃደራዊ መራሕን ንዝነበሩ ጀነራል ጆንሰን ኣሮንሲ ተዋህበ።ንሰለስቲአ ክልላት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ተሸሙለን።ንሰለስቲአን ክልላት ክመርሑ ካብ ዝተመዙ ሓደስቲ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሓደ፡ድሒሩ ናይ ቢያፍራ ምንጻር ዝኣወጀ ኮረኔል ችኩዋ ሜካ ኦጁኩ ናይ ደቡባዊ ምብራቕ፡ናይ ኢግቦ ኣመሓዳሪ ንክኸውን ተመደበ።ኩሉ ግዜ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ምምሕዳራዊ መዋቕር በብግዚኡ እናፈለሐ ምግንፋሉ ስለ ዘይተርፍ፡ኣብቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝበዝሑ መራሕቶም ዝተቐተልዎም ወተሃደራት ብሄረ ሃውሳ፡ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን መራሕትን ኢግቦ ሕነ ዓቖሩ።ናይ ሃውሳ ክልል ተወለድቲ ኣብ ልዕሊ ኢግቦ ቂምታ ንምሓዝ ናይ ባዕሎም ምኽንያታት ነበሮም፡ኣብቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝተቐትሉ ሲቪላውያን መራሕትን ወተሃደራትን ብዘይካ ሓደ ወተሃደር ዝተረፉ ክሎም ተወለድቲ ሃውሳ ፉላኒ ነበሩ።ካብ መፈንቅለ መንግስቲ ንደሓር፡መራሒ ኮይኖም ዝተሰየመ ናይ ኢግቦ ተወላዲ ክኸውን እንከሎ፡ኣብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ እዋን ናይ ቅድም መራሒ ኣዚኲዊ ንምዝዋር ካብ ከተማ ወጽዩ ስለ ዝነበረ፡ብኡ ጌሩ ናብ እንግሊዝ ምምላጡ፡ምስቶም ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ተወለድቲ ኢግቦ መኮንናት ዝተሓብአ ምስጢር ኣለዎ ዝብል ጥርጣረ ተፈጥረ።

ናይ ብሄረ ኢግቦ ዝኾነ ፕረዚደንትነት ዝሓዘ ጀነራል ኤሮንሲ ናይቲ ዕልዋ ፈጸምቲ ብገበን ከም ዝሕተቱ ዘይምግባር ጥራይ ዘይኮነ ደሞዞም እውን ኣየቋረጸሎምን።ሕሉፍ ሓሊፉ ንገሊኦም ሹመት ዓደሎም።ስለዚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ንመሪሕነት ሃውሳ ኣጽኒትካ መንግስትነት ንደቂ ኢግቦ ንምጭባጥ ዝተገብረ እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ተወለድቲ ብሄረ ሃውሳ ወተሃደራት ንሕነ ተላዕሉ።ኣብ 1966 መፈንቀለ መንግስቲ ኣብ ዝተገብረሉ ሻዱሻይ ወርሒ ናይ ብሄረ ሃውሳ ተወለድቲ ዝኾኑ ወተሃደራት ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ገበሩ።መራሒ ሃገር ጀነራል ኣሮንሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዑደት እንከሎ፡ምስ መጓዕዝቱ ቀቲሎም መንግስቲ ምልዋጡ ኣወጁ።ነቲ ሓድሽ መንግስቲ መን ከም ዝመርሖ ባዕሎቶም እቶም ፈንቀልቲ መንግስቲ ወሰኑ።ናይ መሪሕነት ቦታ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ሌተናል ኮረኔል ያኩቡ ጎዋን ክሕዞ ተወሰነ፡ናይ ኮረኔል ጎዋን ሹመት በዓል ኮረኔል ኦጁኩ ኣይተቐበልዎን፡ምኽንያቱ ካብኡ ብመዓረግ ዝበልጽ ናይ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ምኽርቤት ብሪጋደር ጀነራል ክስየም ኣየለዎ በሉ።መፈንቅለ መንግስቲ ዝፈጸሙ ወተሃደራት ግን ጓዋን ግድን ስልጣን እንተዘይሓዘ በሉ።ነዚ ዝሃብዎ ምኽንያት፡ኮረኔል ያኩቡ ኦዋን ብሰሜን ናይ ሃውሳ ተወላዲ ክኸውን እንከሎ እምነቱ ግን ልክዕ ከምቶም ደቡባውያን ክርስትያን እዩ፡እዚ ድማ እዛ ሃገር ብሓድነት ክትከይድ ይሕግዝ በሉ።በዚ ድማ ኮረኔል ጎዋን፡ብማዕርግ ሜጀር ጀነራል ናይ ናይጀርያ መራሒ ኮነ።ሜጀር ጀነራል ጎዋን ወለኳ ብመፈንቅለ መንግስቲ ስልጣን እንተሓዘ ነቲ ብሰንኪ ዝቐደመ ዕልዋ ዝተፈጥረ ቁጠዓ ደቂ ሰሜን ከዕርፍ ዓቕሚ ሰኣነ።ብቐደሞም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኢግቦ ቂምታ ዝሓዙ ኣባላት ብሄረ ሃውሳ፡ናይ ጭካኔ ተግባራቶም ንኸርእዩ ለውጠ መንግስቲ ምቹእ ዕድል ኮኖም።ኣብ ክልሎም ንዓመታት ምስኦም ሓቢሮም ዝነበሩን፡ኣብ ዝኾነ ናይ ፖለቲካዊ ጉዳይ ተሳቲፎም ዘይፈልጡን ንጹሃን ተወለድቲ ኢግቦ ናይ ሕነ ተሃኖም መውጽኢ ገበርዎም።ኣብ ዝተረኽቡሉ ቀተልዎም፡ዘፍረይዎ ንብረት እናመንጠሉ ባዶ ኢዶም ኣባረርዎም።ክዝርፍዎ ንዘይከኣሉ ንብረት ድማ ኣቃጸልዎ።ብፍላይ ክሳብ ሎሚ ጸላም ሓሙስ እናበሉ ኣብ ዝጽውዕዋ ዕለት መስከረም 29 1966 ደቂ እግቦ ብብዝሕን ብጅምላን ተጨፍጨፉ።ብኣጠቓላሊ ኣብ ውሽጢ 6ወርሒ ካብ 8 ክሳብ 10ሽሕ ዝበጽሑ ተወለድቲ ብሄረ ኢግቦ ብግፍዒ ተቐትሉ።እቲ ጭፍጨፋ ናይ ሃውሳ ወተሃደራት ይመርሕዎ ኔሮም ይበሃል።ናይጀርያዊ ንናይጀርያዊ ቀተሎ።

ካብ ሞት ዝተረፉ ኢግቡ፡ብዝረኸብዎ መጎዓዓዚታት ትውልዶምን ኣባላት ብሄሮም ብብዝሒ ናብ ዝርክቡሉ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ገዓዙ።ኣብዚ ግዜ እዩ ድማ ናይ ኢግቦ ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ኦጅኮዎ፡ምስ ዝጸልኡና ኢግቦ ሓቢርና ክንነብር ኣይንኽእልን እናበለ፡ናይ ምንጻል ሓሳብ ከቐልቅል ዝጀመረ።መንግስቲ ጀነራል ጎዋን ነቲ መቕተልቲ ጠጠው ከብሎ ዘይምኽኣሉ፡ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ብርቱዕ ቂምታ ኣሕደሩ።ናይ ኢግቦ ኣባላት ዝወረዶም መጥቃዕቲ ምኽንያት ጌሮም፡ናይ ባዕልና መንግስቲ ክንተክል ኢና በሉ።ናይ ወደብ ክራይን ኣታዊታት ነዳድን ብቐጥታ ናብ መንግስቲ ክልል ክኣቱ ጀነራል ኦጁኩዉ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።ናይ ፌደራል ወተሃደራዊ መንግስቲ ግን እዚ ኣይቅበልን በለ።ዝጠፍአ ነገር ተስተኻኺሉን ተኣሪሙን ናይ ናይጀርያ ሓድነት ምዕቃብ የድሊ በለ።ቀንዲ ናይ ነዳዲ ሃብትን ናይ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣፍደገን ዝኾነ ወደብ ብኻልእ መንግስቲ እንክመሓደር ዘኸትሎ መዘዝ ሓሲቡ ንዘራረብ እምበር ምንጻል ዝበሃል ነገር የለን በለ።ስለዚ ተፋጠጡ!

ነዚ ሓደገኛ ምፍጣጥ ዝረኣዩ ጎረቤት ሃገራት ኦጁኩዉን ጎዋንን ኣብ ኣክራ ጋና ተራኺቦም ንኽዘራረቡ ኣመቻችኡሎም፡ኣብ ዝርርቦም እውን ክልላዊ መንግስቲ ካብ ሽያጥ ነዳድን ክራይ ወደብን ብጽሒት ክህልዎ፡ዝሓሸ ክልላዊ ናጽነት ንኽወሃቦን ተሰማምዑ።ኣኼባ ተወዲኡ ናይ ድራር ግብጃ ምስ ተገብረ፡ጀነራል ጉዋን ምትእምማኖም ንምርኣይ ዝባን ኮረኔል ኦጁኩ እናጠብጠበ ክስሕቕን ካብ ብያቱ ኬክ እናልዓለ ክበልዕን ተራእየ።ኮረኔል ኦጁኩ ግን ወላ ንሓንቲ ህሞት ገጹ ከይፈትሐ ንናይቲ ጀነራል ዕላል መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ነበረ ዘሕለፎ።ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድሕሪ ኣኼባ ኣክራ፡ጀነራል ጎዋን ኣብ ሰለስተ ተሓጺሩ ዝነበረ ብዝሒ ክልላት ናብ 12 ክብ ኣቢሉ ወደቦ።እዚ ማለት ኦጁኩ ካብ ዝመርሖ ናይ ደቡባዊ ምብራቕ ክልል ክሮስ ሪቨርን ሪቨርን ተባሂለን ዝፍለጣ ነዳድን ወደብን ዘለወን ኣውራጃታት ርእሰን ዝኸኣላ ክልላት ክኾና ኣፍቂዱ ማለት ነበረ።ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ኣውራጃታት ክልል ምቕያረን ንክልል ደቡባዊ ምብራቕ ንምድኻም ዝተኣልመ ሽርሒ እዩ ዝበለ መንግስቲ ኦጅክዎ፡ቢያፍራ ብዝብል ስያሜ፡ነጻ መንግስቲ ምምስራቱ ብወግዒ ኣወጀ።ኦጁኩ ብመዓርግ ሜጀር ጀነራል ናይ ቢያፍራ መራሒ ንኽኸውን፡እቲ ክልልን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ተነጺሉ ነጻ ሃገር ንኽኸውን፡ናይ ባዕሉ ባንዴራን መዝሙርን ንኸጽድቕ ብ ራድዮ ተኣወጀ።ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ብቐጥታ ርክባት ተጀመረ።ጀነራል ኦጁኩ ወደብ ኣብ ትሕቲኡ ጌሩ ናይ ንግዲ ሰደድን እታውን ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራዊ ምድላዋቱ ንምድልዳል ተጠቀመሉ።ፈደራላዊ መንግስቲ ንኹናት ንኸይሓስብ እንተሓሲቡ ግን ዘይተጸበዮ ሓደጋ ከም ዘጋጥሞ መግለጺ ሃበ።(ኩናት ሓድሕድ እንተድኣ መጽዩ፡ዘይተርፍ እውን ይመስለኒ፡ንዓናይ ናይ ናጽነት ዋጋ ንኸፍለሉ እዩ ክኸውን።ኣብዚ ዘሎ ህዝብና ንነዊ ግዜ ክዳለወሉ ጸኒሑ እዩ፡ብዛዕባ ድልውነቱ ምሉእ እምነት ኣለኒ።እታ መዓልቲ ኣብ ዝኣኸለትሉ ግዜ ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ዝድነቕሉ ክኸውን እዩ።ክፍደይዎ ዝግብኦም እውን ክፍደዩ እዮም።ነዊሕ ግዜ ከም ዘይወስድ እውን ርግጸኛ እየ።ሌጎስ እንታይ ከም ዘለዎም ርግጸኛ ኮይነ ክዛረብ ኣይክእልን።ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክንራኸብ እንከለና 4ሽሕ ሓይልታት ብግቡእ ዝተዓጥቀ ሰራዊትን ኣለዎም።ረድኤት ሓቲቶም ቅሩብ ወተሃደራውያን መካይን ምርካቦም እውን ፈሊጠ ኣለኹ፡ክሳብ ሎሚ ከም ዝረኸብወን ኣየረጋገጽኩን እምበር ቅሩብ ኣውሮፕላናት ብረዲኤት ሓቲቶም ከም ዘለዉ እውን ፈሊጠ ኣለኹ።ንሕና እውን እንተኾንና የእዳውና ኣጣሚርና ኣይተቐመጥናን።ብዙሓት ዕቱባት ምንቅስቓሳት ንገብር ኣለና።ከም ዝመስለኒ ኣብዚ ዘለና ሓይሊ ናይ ቢያፍራ ናጽነት ከኽብር ዝኽእል እዩ)

ናይ ናይጀርያ ኲናት ሕድሕድ ክጅመር እንከሎ፡ናይ ወጻኢ ሓይልታት ስጋ ከም ዝረኣየ ዝብኢ ሃነፍነፍ እናበሉ፡የዋጸና ንዝበልዎ ወገን ጉራዴ እናቐበሉ ናይጀርያውያን ንኽዋድኡ ኣተባቢዕም እዮም።ምንጻል ዝበለጸ ጥቕሚ ክንረክብ የኽእለና ኢሎም ዝኣመኑ ናይ ወጻኢ መንግስታት ንተነጻሊ ናይ ቢያፍራ መንግስቲ ደጊፎም ቆሙ።ብሓድነት ኢና ዝያዳ ተጠቐምቲ ንኸውን ዝበሉ እውን ፌደራላዊ መንግስቲ ደጊፎም ተሰለፉ።ገዛኢቶም እንግሊዝ ንናይጀርያ መንግስቲ ደጊፋ ቆመት።ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ ኣብ መላእ ናይጀርያ ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ኣለዋ።35 ሚእታዊት ዝኸውን ናይ ናይጀርያ ነዳዲ ዝሽየጥ ናብ እንግሊዝ ነበረ።ናይ ደቡብ ምብራቕ ክልል እንተተገንጺሉ ናይ ኮመንዌልዝ ማሕበር ከዳኽም እዩ፡ሰፊሕ ተጠቃምነተይ እውን ዘንእስዩ ኢላ ስለ ዝኣመነት ንሌጎስ ደገፈት።ብዝገርም ኩነታት ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኲናት ሃዋህው ኩሉ ግዜ ካብ ናይ ብዓል እንግሊዝ ሕብረት ኣንጻር ኣብ ዝኾነ ቦታ ትቐውን ዝነበረት ሶቬት ሕብረት ንናይ ፈደራል መንግስቲ ደጋፊት ኮነት።ፈረንሳ፡ቀንዲ ናይ ናይጀርያ ነዳዲ ዝፈርየላን ወደብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝገበረትን ቢያፍራ ምስ እትግንጸል፡ዝለዓለ ብርኪ ከም እትረክብ ስለ ዝኣመነት ቢያፍራ ደገፈት።ምስ ሶቬት ሕብረት ኣብ ዝተላዕለ ጉዳይ ኣንጻር ትቐውም ዝነበረት ቻይና እውን ኣብዚ ምድብ ኣተወት።እስራኤል ካብ ኣፍሪቃ ድማ ታንዛንያ፡ዛምቢያ፡ጋቦን ኣይቨሪኮስት ናይ ቢያፍራ ነጻ መንግስቲ ደገፉ።እዘን ሃገራት ናይ ዲፕሎማሲ ደገፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ንዝደገፍኦም ወገናት ናይ ኣጽዋር ሓገዛት ኣውሓዛሎም።ኩናት ሓድሕድ ክጅመር እንከሎ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ ወላሓንቲ ናይ ኲናት ኣውሮፕላን ኣይነበሮን።ኲናት ምስ ተጀመረ ሶቬት ሕብረት ሚግ 17 ናይ ኲናት ነፋሪት ምስ ኣሰልጠንታ ልኢኻ ናይ ጀነራል ጎዋን ሓይሊ ኣጠናኸረት።እንግሊዝ ከበድቲ ኣጽዋር ብሙሉኡ ኣቕረበት፡ናይ ግብጺ መራሒ ጀማል ዓብደል ናስር እውን ናይ ኩናት ነፈርቲ ልኢኹ ሲቪል ቢያፍራውያን ኣደብደበ።ተነጻሊ ናይ ቢያፍራ መንግስቲ እውን ወላኳ ናይ ነፈርቲ ድጋፍ እንተዘይረኸበ፡ካብ ከበድቲ ክሳብ ፈኮስቲ ኣጽዋር ሓገዝ ዝረኸበ ካብ ሓይልታት ወጻኢ ነበረ።

ፈረንሳ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነ ናይ መጎዓዓዚ ኣውሮፕላን እውን ኣቕሪባ ናይ ኦጁኩ ሰራዊት ኣጠናኸረት።እስራኤል ብመንገዲ ኣይቨሪኮስት ኣጽዋር ከተቐብል እንከላ ቻይና ብወገና 2 ሚልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ዝውድእ ኣጽዋር ብመንገዲ ታንዛንያ ለኣኸት።ዘይሩ ዘኡሩ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝውሕዝ ኣጽዋር ዝፍንጀር ኣብ ርእሲ ናይጀራውያን ነበረ።ባዕዲ ሃገራት ዘተሓሳስበን ጥቕመን ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ህልቂት ህዝቢ ኣይሓስባን።ዶሞክራሲ፡ፍትሒ፡ሰብኣውነት ዝተባህሉ ጭርሖታት ዝጥቀማሎም ንሽፋን ጥራይ ምኻኑ ኲናት ሓድሕድ ናይጀርያ ግርም መርኣያ እዩ።ናይጀርያውያን ን30 ወርሓት ዝኣክል በዞም ኣጽዋራት ባዕሎም ንባዕሎም እንክቀጣቐጡ፡ዝሓዘነሎም ኣይነበረን።ናይ ወጻኢ ሃገራትን ዜጋታትን ኢድ ኣእታውነት ኣጽዋር ብምቅብባል ጥራይ ኣይተዓግተን።ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብገንዘብ ተቖጺሮም ዝመርሕዎ ወተሃደር ኣሰልጢኖም ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ተሳቲፎም እዮም።እዞም ደሞዝተኛታት ቀተልቲ ነፍሲ፡ናይጀርያውያን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ዜጋታት ካኦት ሃገራት መልሚሎም ተዋግኡ።ሮልፍ ስቴይለር ዝተባህለ ስዊዲናዊ ሓጋዚ ቢያፍራ ኮይኑ 3000 ወተሃደራት እናመርሐ ብቐጥታ ተዋጊኡ እዩ።ንኣሽቱ ኣውሮፕለይናት እውን ቦንብ ከም ዝድርብያ እናገበረ ተጠቂምለን እዩ።ናይ ጀርመንን ዌይልስን ዜጋታት ገንዘብ ተኸፊልዎም ተዋጋእቲ ኮኑ።

   ናይ ወጻኢ ሃገራት ምትእትታው በዝን እንኸምዝን ጥራይ ኣይተወሰነን፡ኣብ ህዝባዊ ርክባት ንኽሕግዝዎም ክልቲኣቶም ወገናት ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት እናቖጸሩ፡ኣስሪሐሞም እዮም።ዓለምለኻዊ ዜና የቕርቡ እዮም ዝበሃሉ ዝድነቑን ናይ ወጻኢ ተቛማትን ጋዜጠኛታትን፡ብኽፍሊት ገንዘብ እናተደለሉ፡ሞይኦም እናሸጡ ንናይጀርያውያን ኣቃተሉ።ጋዜጠኛታት ብውልቅን ብተቛምን ደረጃ ቀንዲ ተግባሮም ናይ ተዋጋእቲ ዕላማ ምፍላጥ ነቲ ካልእ ምውንጃልን እንተውሓደ ንሃገሮምን ዓለምን ኣብ ጎኒ ዝቖጸሮም ኣካል ደው ክብልን ንዕኡ ዘርብሕ ዕላማ ክወስድን ምጉስጓስ እዩ።

ናይ ጀነራል ኦጁኩ ናይ ቢያፍራ መንግስቲ፡ናይ ኒውዮርክ ናይ ህዝቢ መራኸቢ ተቛም ቆጺሩ ብፍሉጣት መራኸብቲ ብዙሃን ናይ ቢያፍራ ዕላማ የቃልሕ።እዞም ናይ ፕረስ ተቛማት ናይ ፈደራል መንግስቲ በትሪ እንክሕይል “ህዝቢ ብዘርኢ ፈላልዩ ይጭፍጭፍ ኣሎ”እናበሉ የእዉ።ናይ ቢያፍራ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን፡ህዝቢ ተኸቢቡ ብጥሜት ክውዳእ እዩ፡እናበላ ጸቕጢ ንምሕዳር ይሰርሓ።ናይ ቢያፍራ ወተሃደራት ክስዕሩ እንከለዉ ግን ዓወታቶም ይደጊመን የቃልሓሎም።ናይ ኣሜሪካ ናይ ፕረስ ተቛማት ብዙሕ ግዜ፡መንግስቶም ደጊፎም ከም ዝቖሙ ዝተፈልጠ እዩ።

ቢቢሲን ንዕኡ ዝመስሉን ድማ ንፈደራል መንግስቲ ደጊፎም ቆሙ።ኣብ መደባቶም ናይቲ ዝተነጸለ መንግስቲ ቢያፍራ ተግባራት እናወገዙ፡ቅኑዕነት ስጉምቲ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብ ምጉላሕ ተጸምዱ።ዘይሩ ዘይሩ፡ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ብገንዘብ ናይጀርያውያን ጅቡኦም እናህጠሩ፡ነቲ ኲናት ኣናኸስዎ።ናይ ወጻኢ ሜድያታት ረብሓ ዝሓፈስሉ ስቓይ ናይጀርያውያን ዝተናውሐ ብሰንኪ እዞም ኩሎም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ምኽንያት ነበረ።ኲናት ሕድሕድ ክጅመር እንከሎ ናይጀርያ ኣብ ወተሃደራዊ ኣቃውመኣ ብብዝሕን ብቕዓትን ድልውቲ ኣይነበረትን።ኣብ ትሕቲ ፈደራል ዝነበሩ ወተሃደራት፡ብዘርኢ ተኸፋፊሎም ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ጠበንጃ ተማዘዙ።ወተሃደራት ኣብ ናይ ዘርኢ ቅርሕንቲ ሰጢሞም ንሓድሕዶም ዝናቖቱ ኮኑ።ናይ ብሄረ ኢግቦ ኣባላት ዝተገብረሎም ናይ ክተት ጻውዒት ተቐቢሎም “ኦጆኩ ኣብ ዓራትና ካብ እንሕረድ፡መፍትሒ ስለ ዝሃብካና ነመስግን” ዝብል መዝሙር እናዘመሩ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀመሩ።ፈደራላዊ መንግስቲ ክተት ጸዊዑ ንዂናት ተንቀሳቐሰ።ኲናት ጎሃረ።ፈደራላዊ መንግስቲ ኣቐዲሙ ዘይነበሮ ሓይሊ ኣየር ብናይ ሶቬትን ዓዲ እንግሊዝን ሓገዝ ኣቖመ።ኲናት ክጅመር እንከሎ ፌደራላዊ መንግስቲ 17ሽሕ ወተሃደራት ጥራይ ዝነበርዎ፡ኣብ ግዜ ኲናት 200ሽሕ ኣብጽሖም።ናይ ቢያፍራ መንግስቲ  ኣብ ምጅማር ኲናት 2500 ዝነበሩ ወተሃደራቱ ናብ 90 ሽሕ ክብ በሉ።ከተማታት ናይ ጥቕዓት ዕላማ ኮይነን ዓነዋ።ዓወት እናረኸበ ዝኸደ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ወደብ ተቖጻጺሩ ናብ ቢያፍራ ብዘይካ ነዳዲ፡ካልእ ነገር ንኸይኣቱ ኣገደ።ኲናት ምስ ሓየለ ነዳዲ እውን እንተኾነ ንኸይኣቱ ተኸልኪሉ፡ኣብ ቢያፍራ መእተውን መውጽእን ተቖለፈ።ኣብዚ ግዜ ናይ ቢያፍራ ደገፍቲ ዝኾኑ ማዕከናት ዜና ወደባት ንምንታይ ተዓጽዮም?ዝብል ሕቶ ገዲፎም፡ኣንስትን ህጻናትን ብጥሜት ከም ዝሃልቁ ተጌሩ፡ወተሃደራት ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጹ ኣለዉ፡ሲቪል እውን ይቐትሉ ኣለዉ ዝብሉ ትሕዝቶታት ንመደባቶም በሓትዎ።በዚ ድማ ናይ ጀነራል ጎዋን መንግስቲ ንኽውገዝ ጋዜጣታት እንግሊዝን ኣሜሪካን ዘይተኣደነ ጻዕሪ ገበሩ።ጀነራል ጎዋን ግን “ዝኾነ ዝሓብኦ ነገር የብለይን፡ሕልናይ ንጹህዩ።ናይ ሞራል ደረጃ ኣለኒ። ናይ ኢግቦ ህጻናት ንምጥማይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ማንም ዓሌታዊ ጭፍጨፋ ንምፍጻም ድሌት ከም ዘይብልና እግዚኣብሄር ይፈልጥ።ቂምታ፡ብግዲ ንዝመጸና ኲናት፡ንስለ እዛ ሃገርን ህዝባን ክንብል ብግዲ ኲናት ክንዋጋእ ኣለና።”ኲናት ን2ተ ዓመትን 6 ወርሕን ብኣሰቃቒ መልክዑ ቀጸለ።ኣብ ወርሒ ግንቦት 24 1968 ዓ.ም፡ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ፖርት ሃርኮርት መንክስቲ ፈደራል ምስ ተቖጻጸራ ኲናት ብተሎ ክውዳእዩ ዝብል ተስፋ ነበረ።ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ወርሒ 1970 ናይ ቢያፍራ ርእሰ ከተማ ኦሞሃ ናይ ፈደራል መንግስቲ እኳ እንተሓዘ፡ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኲናትሲ ቀጸለ ድኣ፡ጀነራል ያኩቡ ጎዋን እውን ወላ’ኳ ኣብ ዓውደ ኲናት ዓወት እንተረኸበ፡ናይ ዕርቂ ድሌቱ ገና ኣይቀነሰን። “ኣንጻር ገዛእ የሕዋትና፡ገዛእ ብጾትና ኢና ንቃለስ ዘለና ምናልባት እውን ምሳና ምስ ዝሰልጠኑ የዕሩኽትና፡መሳርሕትና።ኦጁኩን የዕሩኽቱን ናተይ ህዝቢ ጌረ እየ ዝርእዮም።ጸላእቲ ኢለ ኣይጽውዖምን፡ጸላእተይ እውን ኣይኮኑን።በዚ ድማ ኢና ናዕበኛታት እምበር ጸላእተይ ኢለ ዘይጽውዖም።ወላ እውን ንተዓወት ምስ ተዓረቕና ኣሸጋርን ፍጹም ዘባትኽን ተግባር ከይንፍጽም ኢኣ ንጥንቀቕ።ኣብ ሕድሕድ ግጭት ናይጀርያ፡ከተማታት ዓድታት ከም ዘይነበራ ኮይነን ዓነዋ።ካብ ክልቲኦም ወገናት 100ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ተቐትሉ።1 ሚልዮን ዝኾኑ ሲቪል ሞቱ፡2 ሚልዮን ዝኾኑ ህዝቢ ተፈናቐሉ።ናይ ናይጀርያ ምጣኔ ሃብቲ ብጠቕላላ ወደቐ፡ካብ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ ዓመት 7 ሚልዮን ዶላር ተረክብ ዝነበረት ናይጀርያ 300ሽሕ ጥራይ ሒዛይ ተረፈት።ህዝብን ሃገርን ተለኻኺሞም ጠፍኡ።ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ምኽኣል ስኢኖም ብስምዒትን ትምክሕትን እንክምርሑ ከውርድዎ ዝኽእሉ ውድቀት ናይጀርያ ኣብነት ኮነት።ተዘራሪቦም ዝሓይሽ ንምግባር ልቦም ዝዓወረ መራሕቲ ስልጣን ክሕዙ ዘሎ ሓደጋ ናይጀርያ ቀንዲ ግዳዩ ኮነት።ድሕሪ እቲ ኩሉ ምጉስቛል ኩሉ ነገር በሰላ ገዲፉ ከም ዝሓልፍ ዘይግንዘቡ መራሕቲ ናይ ውረድ ንውረድ ቱታ እንክሕዙ ዘብጽሕዎ ህልቂት ናይጀርያ ተዓደየቶ።

ግን ኩሉ ነገር ካብ ልክዑ ኣይሓልፍን ከምቲ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ዘብቅዐ፡ከምቲ ኩናት ኮንጎ ዝሃልቕ ኣህሊቑ ተዛዚሙ ናብ ናይ ቅድም ሰላም ተመሊሳ፡ኣብ ናይጀርያ እውን ከምኡ ኮነ።

ናይ ቢያፍራ ተገንጸልቲ ተሳዒሮም ኢዶም ሃቡ።መራሒ መንግስቲ ናይጀርያ ጀነራል ኦጁኩ ናብ ኣይቨሪኮስት ሃደመ።ቢያፍራ ኢዳ ሃበት።ጀነራል ያኩቡ ጎዋን እውን ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ ብሓንድሽ መንፈስ ሓድነት ከም ብሓድሽ ልዓል ዝብል መግለጺ ንህዝቡ ሃበ። “እታ ብራቕ ጸሓይ ትበሃል ዝነበረት ቢያፋር፡ኣብ መወዳእታ ዓሪባ ኣላ።ዝኾነ ሰብ ንናይ ደቡባዊ ምብራቕ ክልልን ኣከባብን ቢያፍራ ኢሉ ምጽዋዕ ዘሕትት እዩ።ናይ ኲናት ኣሰቃቒ ምዕራፍ ተዓጽዩ እዩ።ኣብ ኣፈፈት ሃገራዊ ዕርቂ ኢና ዘለና፡ሓዳሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ዕድል ኣለና።እቶም ኣነዓዓብቲ ብደም ኣሸሓት ዜጋታት ተሓተቲ እዮም።ተግባራቶም መሰል ወዲ ሰብ ምስ ናይ ምኽባር ስምዒት ዝተተሓሓዘ ኣይኮነን።ፕረዚደንት ጎዋን ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ዝተዛረቦ፡ክሳብ ሎሚ ዝድንቐሉ ዘረባ፡ተዓዋቲ የለን ዓወት እውን የለን ዝብል ዘረብኡ እዩ።ናይ ሓንቲ ሃገር ውሉዳት ንሓድሕዶም እንክዋድኡ እቲ ጉድኣት ነታ ሃገር እዩ።ኩናት ተኸቲሉ ዝመጽእ ድኽነትን ምምዝባልን ናይ ኩሉ ሰኸም ይኸውን።ሰብ ንሓዊ ቀቲሉ ዓወት ሓፊሰ ኢሉ እንተፈከረ ትርጉም የብሉን።ናይ ኩላቶም ጉድኣት ናይ ናይጀርያ እዩ።እቲ ኲናት ናይ ኩሎም ናይጀርያውያን ብምዃኑ ዓወት ረኺበ ኢሉ ዝፍክር ወገን ዝህልዎ ኣይከውንን።ስለዚ ተዓዋትን ዓወትን የለን በለ።ጀነራል ጓዋን።ግዚኡ ናይ ሃገራዊ ዕርቂ፡ሃገራዊ ልዝብ፡ሃገራዊ ህንጸት ግዜ እዩ ክብል መግለጺ ሃበ።በዚ መርሓ ተመስሪቶም፡ፈደራላዊት ሪፓፕሊክ ናይጀርያ እንደገና ብእግራ ኣቖምዋ።ናይ ሎሚ ናይጀርያ፡ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናይ መጀመርያ ዝተባህለሉ ኲናት ሕድሕድ ሓሊፋ፡ብወተሃደራት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኣቕሂማ፡ምምራሻ ቀጺላ ኣላ።

ኣብ መጨረሽታ

ናይ መንግስቲ ቢያፍራ መራሒ ዝነበረ ናይቲ ግዜ እቲ ወዲ 33 ዓመት ጀነራል ኦጁኩ።ኣብ ዝሃደመሉ ኣይቨሪኮስት ብናይ ክብሪ ጸንሐ።ድሕሪ ናይ 11ዓመት ጻንሖት ተፈቒድሉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ እዩ።ንናይ ባይቶ ኣባልነት ተወዳዲሩ እኳ እንተዘይሰለጦ፡ናብርኡ ኣብ ናይጀርያን ዓዲ እንግሊዝን ገይሩ ጸንሐ።ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ሎንዶን ዓረፈ።ኣስከሬኑ ናብ ናይጀርያ ተወሲዱ ልክዕ ከም መራሒ ሃገር ብልዑል ደረጃ ብወተሃደራዊ ክብሪ ተቐብረ።ጀነራል ያኩቡ ጎዋን ኲናት ሓድሕድ ምስ ወደአን ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽንሑን፡ኣብ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንኽሳተፍ ካምፓላ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ መንግስቲ ብወተሃደራት ተወገደ።ኣብቲ ግዜ ወዲ 35 ዓመት ዝነበረ ጀነራል ጎዋን፡ናብ ሎንዶን ኣቕኒዑ፡ናይ ዶክተሬት ዲግሪ ረኺቡ ናይ ዩኒቨርስቲ መምህር ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ።

5 ዝበዝሑ ሰባት ዝቀተላ ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና።

ኣብ ዓለም ካብ ዝፍጸሙ ገበናት, ዝበዝሕ ግዜ፡ ብደቂ ተባዕትዮ ከም ዝፍጸሙ እዩ፡ ሕሉፍ ጸብጻባት ገበን ዝሕብሩ፡ እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ገበናት የለን ማለት ኣይኮነን። እኳ ድኣ ብዙሕ ግዜያት ደቁ ኣንስትዮ፡ ኣዝዩ ብዝተራቀቀን፡ ጉርሕን ሓይልን ዝተሓወሶ ገበን ቅትለት ፈጺመን ኣብ መዝገብ ቅትለት ክሰፍራ ተራእየን እየን። ንሎሚ እምበኣር ካብዘን ብሓደ ቅትለት ከይዓረፋ፡ ተደጋጋሚ ቅትለት ዝፈጸማ ሓሙሽተ ሓደገኛታት ደቂ ኣንስትዮ ሒዝናልኩም መጺእና ኣለና ምሳና ክትጸንሑ ብኽብሪ ንዕድም።

1. ዶረይታ ቦንተ!

ኣካራይት ናይ ሞት ገዛ ብዝብል ቅጽል ስም እያ እትፍለጥ። ንሳ ኣብ 1980ታት፡ ነቶም ኣላዪ ዘይነብሎም፡ መንግስቲ ዝምውሎም ግዳም ሓደራት ዘጽልል ገዛ’ያ ተመሓድር ዝነበረት፣ ተቀማጢት ሳክሬሜንቶ ካሊፎርንያ፡ ዶረይታ ቦንተ!

እዛ፡ ሰብ ከይፈለጣ ብዙሓት ናይ ቅትለት ገበን ዝፈጸመት ዕልልቲ ገበነኛ ሰበይቲ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብቲ ንሳ ተማሓድሮ ዝነበረት ገዛ፡ ደሃይ ስለ ዘጥፍአት፡ ፖሊስ ሃለዋታ ክፈልጥ ምስ መጽአ እዩ ጉዳ ክቃላዕ ክኢሉ።እቶም መርመርቲ ጉጅለ፡ ኣብቲ ገዛ ክፍትሹ ምስ ጀመሩ እዮም ጉድ ናይዛ ጉዳመኛ ሰበይቲ ክፈልጥዎ ዝኸኣሉ።ኣብቲ ንሶም ዝኸፈትዎ ቤት፡ ስኢኖም ምስ ቀበጹ፡ ኣብቲ ድሕሪ እቲ ገዛ ዝርከብ ገበላ፡ 7 ሬሳታት ምስ ረኸቡ ስንባድኦም ሰማይ ዓረገ፡ምኽንያቱ ክንድኡ ተገልገልቲ ናይቲ ገዛ ሞይቶም ክጸንሕዎም ግምቶም ኣይነበረን።
ድሕሪዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ፡ እቶም መርመርቲ ጉጅለ፡ ድሃይ ናይታ ድሃያ ዘጥፍአት ጓለንስተይቲ ክደልዩ ዝጀመርዎ ጉዕዞ፡ ኣንፈቱ ቀይሮም፡ ነታ ዕልልቲ ገበነኛ፡ ካረይታ ቦንተ፡ ንምሓዝ ተጓየዩ። ኮነ ድማ፡ ፖላይስ ብዝገበርዎ ፈተሻ፡ እታ ጓል 57 ዓመት ገበነኛ ሰበይቲ፡ ኣብ ሎስ ኣንጆሎስ ዝርከብ ሆቴል ን4 መዓልታት ተሓቢኣ ተረኽበት። ፖላይስ ተቀላጢፎም ብዝገበሩላ መርመራ፡ ከምዚ ክትብል፡ ክትኣምኖ ዘጸግም፡ ቃል እያ ኣስሚዓ፣
“ብስሞም ንዝመጽእ፡ ንዝተጸገሙ ሰባት ንዝወሃብ ወርሓዊ 5000 ዶላር፡ ንምርካብ”፡ ሰሚማ ከም ዝቀተለቶም፡ እያ ገሊጻ።

ዶረይታ ቦንተ

2. ጀነን ጆንስ
እዛ ኣብ ሆስፒታል፡ ቤዛር ካውንት፡ እትሰርሕ ዘይ ሓላፍነታዊት ነርስ ጓለንስተይቲ፡ ብቅትለት፡ ንልዕሊ 60 ዕሸላት ተኸሲሳያ ኣብ መጋባእያ ቀሪባ።
ተሓጋጋዚር ነርስ ጎነን ጆንስ፡ ነቶም ትቀትሎም ዝነበረት፡ ኣፍ ዘየጽረዩ፡ ዕሸላት ክትቅንጽሎም እንከላ፡ በቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ሆስፒታል፡ ኣብ ጥርጠራ ክትኣቱ ግዜ ኣይወሰደትን።እቶም ሓላፍቲ ናይቲ ሆስፒታል፡ ጸብጻብ ወሊድ ናይቲ ሆስፒታል፡ ብርኡይ ክመዛበል ምስ ተዓዘቡ፡ ቀዳማይ ኣብ ርእሶም ዝመጽአት ተጠርጣሪት ንሳ ነበረት። ድሕሪ ግዜ፡ ካብ ጥርጣረን ግምትን ወጻኢ ድማ ንሳ ባዕላ ምዃና ክፈልጡ ከኣሉ። የግዳስ ተቀላጢፎም ንፖሊስ ኣብ ክንዲ ምሕባር፡ ካብ ተሓታትነት ስድራቤታት ናይቶም ዕሸላት ክጓየዩ ተራእዩ። ቀዳማይ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ድማ፡ ንኹለን ኣብቲ ሆስፖታል ዝነበራ ተሓጋገዝቲ ነርሳት ኣባረርወን።
ጎነን ጆንስ በዚ ደው ከይበለት፡ ካብ ሳን ኣንቶንዮ ቁሩብ ውጽእ ኢልካ፡ ኣብ ትርከብ ከተማ ካርቪ፡ ብምኻድ ስራሕ ተሓጋጋዚት ነርስን፡ ቅትለት ንጹሃን ዕሸላትን ምቅታል ተታሓሓዘቶ። ኣብዚ እንከላ እያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዕሸል፡ ዘይዕውት ፈተነ ቅትለት ከተካይድ እያ ድማ ብኣባላት ፖሊስ ተታሒዛ ን99 ዓመት ተፈሪዳ።

ጀነን ጆንስ

3. ሚዩኪ፡ ኢሽ ካዋ

እዛ ሚዩኪ፡ ኢሽ ካዋ ስዝማ፡ ኣብ 1940ታት ኣብ ቶክዮ ጃባን፡ ዝርከብ “ኮቶ ቡኪ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ መወሉዳን ሆስፖታል፡ ከም ኣሕራሲት ኮይና ተገልግል ዝነበረት ነርስ ኮይና፣ ካብ 103 ክሳብ 169 ዕሸላት ከም ዝቀተለት ይሕበር።
እዛ ነርስ፡ ከይሓፈረት፡ እቲ ትፍጽሞ ዝነበረት ገበናት፡ ንጥቅሚ እቶም ህጻናትን፡ ወለዶምን ምዃኑ እያ ትዛረብ።

ሚዩኪ ኣብ መግለጺኣ፡ “እቶም ዝመጹኒ ዝነበሩ ስድራቤታት፡ ኣዝዮም ድኻታትን፡ ቆልዑ ንኸዕብዩ ዓቅሚ ዘይነበሮምን እዮም፡ ገሊኦምሲ ወረ ንኽቐትለሎም እዮም ገንዘብ ዝኸፍሉኒ ነይሮም” ክትብል እያ ዘስደምም፡ ዓለም ዘደንደወ፡ ዛንታ ጸውያ።እቲ ኣዝዩ ዘገርም ፍጻሜ ግን፡ ጠበቃ ሚዩኪ፡ ንስድራቤታት እቶም ግዳያት፣
“እታ ነርስ ክትከናኸኖም ክትህብዋ ኣይነበረኩምን” ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ቤት ፍርዲ፡ ኢዩኪ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ ተኣሲራ፡ ንኽትፍታሕ ዘሕለፎ ውሳኔ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ካብቶም ኣገረምቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

ሚዩኪ፡ ኢሽ ካዋ

4. ኤለን ዎርኖስ፡
ኤለን ዎርኖስ፡ ኣብ ዳይቶና ፍሎሪዳ፡ ትነብር ዝነበረት ኮይና,እቲ ንሳ ዝፈጸመቶ ገበን፡ ንሞንስተር ዘርእስታ ፊልም መበገሲ ክትኮሞልኖ ክኢላ እያ። እታ ነቲ ናታ ገጸ ባህሪ ሒዛ ዝተዋስአት ቻርሊ ቴሮን፡ ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር ክትከን በቒዓ ነይራ።

ኤለን ዝገበረቶ ገበን ድማ ተመሳሳሊ ናይዛ ጨካን ገጸባህሪ እዩ ዝነበረ። እዛ ሽዱሽተ ሰብኡት ኣብ ፍሎሪዳ ዝቀተለት ጓለንስተይቲ፡ መጀመርያ ብቅትለት ሪቻርድ ማሎሪ ምስ ተኸሰት፡ እቲ ሰብኣይ ክዕምጻ ምስ ፈተነ፡ ነብሳ ንምክልኻል ከም ዝቀተለቶ እያ ገሊጻ። ነቶም ድሒሮም ዝሰዓቡ ሓሙሽተ ቅትለታት’ውን ተመሳሳሊ ምላሽ እያ ሂባትሎም። እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ዝተገበረላ ጽዑቅ መርመራ፡ ሽዱሽቲኦም ሰብኡት፡ ንፍሎሪዳ ዘእቱ ዓቢ ጽርግያ፡ ብምውጻእ፡ ከም ዝረኸበቶምን ብኣዝዩ መርዛም ዝኾነ መርፍእ ወጊኣ ብምቅታልን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ጎሓፍ ዝእከበሉ ጉድጓፍ፡ ከም ዝደርበየቶምያ ተኣሚና።

ኤለን ዎርኖስ

5. ሊዮናርዳ ቺያን ቹሊ

ካብዘን ኩለን ኣቀድም ኣቢለን ተገሊጸን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕልፍ ዝበለ ጭካነ ዝተዓደላ፡ “ሊዮናርዳ ቺያን ቹሊ” ያ።
እዛ ብኮሮጅያዊት ሰራሒት ሳምና፡ ዝብል ቅጽል ስም ትፍለጥ ኣረሜን ሰበይቲ፡ ቦኽሪ ውሉዳ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክሳተፍ ድሕሪ ምዃዱ፡ “ብሰላም ክምለሰኒ እንተኾይኑ፡ ንስሊኡ ዝፈስስ፡ በጃ ዝኸውን መስዋእቲ ደም፡ ክኽፈል ኣለዎ” ዝብል ማሪታዊ እምነት ስለ ዝነበራ’ያ፡ ንሰለስተ ኣንስቲ፡ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ቀቲላ፡ ኣካላተን ብምቁርራጽ ኣብ ሓደ ዓቢ ድስቲ ብምጥጣቅ፡ ኬክን ሳምናን ብምስራሕ ናብ ዕዳጋ ዘውረደተን። ንሳ ውን ካብቲ ስጋ ናይተን፡ ቀቲላ ፓስተ ዝሰርሐቶ ግዳያት’ያ ትቅለብ ነይራ።

ሊዮናርዳ፡ ድሕሪ እቲ ዝፈጸመቶ ዘስካሕክፍ ገበን፡ ፖሊስ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ንሳላሳ ዓመታያ ክትእሰር ተፈሪዳ። ፍርዳ ቅድሚ፡ ምውድኡ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓረፈት። እንተ እቲ፡ ብጭካነ፡ ናይተን ሰለስተ ኣንስቲ ዝጠጠቀትሉ ድስቲ ኣብ ቤት መዘከር ኢጣልያ፡ ክሳብ ሕጂ ተዓቂቡ ይርከብ።

ሊዮናርዳ ቺያን ቹሊ

ኣብ ኢጣልያ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ናትናኤል ብርሃነ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ቅድድሙ ኣቋሪጹ

ካብ 8 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ሓደ ዝኾነ፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ካብቲ ውድድር ከምዝተኣልየ ፈረንሳዊት ጋንትኡ ኮፊዲስ ኣረጋጊጻ።

ናትናኤል፣ ብሰንበት 23 ግንቦት፡ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ፡ መለጋግቦ መንኩብ ከም እተመዛበለ፡ ዝሃበረት ጋንትኡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ንሳልሳይ ግዜ፡ ብሓፈሻ ከኣ፡ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ንመበል ሻብዓይ እዋን ክሳተፍ ዝጸንሐ ናትናኤል፡ ብድሕሪ እቲ ብሰንበት ምስ ካልኦት ብዙሓት ተቐዳደምቲ ዘጓነፎ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ፡ ካብ’ዚ ንመበል 104 ዓመት ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ተኣልዩ ኣሎ።

ናትናኤል ንዝርከቦም ብዙሓት ስሙያት ተቐዳደምቲ ዝለከመ ሓደጋ ምስ ተኸሰተ፡ ነቶም ዝተሃስዩ ንምልዓልን ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሃብን እቲ ቅድድም ን15 ደቓይቕ ደው ክብል ተገዲዱ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ 16 መድረኻት 2,676 ኪሎ ሜትር ሸፊኑ ዘሎ፣ መበል 104 ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ኣማኑኤል ገብረግዜኣብሔርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ነንክለባቶም ብምውካል ቅድድሞም ኣብ ምቕጻል ይርከቡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝተደብደቡ ናይ ሃይማኖት ትካላት 12 ምዃኖም ተሓቢሩ

ኣብ ክልል ትግራይ፡ 326 ኣቕሽሽቲ፡ ድያቆናትን ሸኻትን ምቕታሎም ተፈሊጡ።ነዚ መግለጺ ዘውጸአ ናይ’ቲ ክልል፡ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ’ዩ።ኣብ’ቲ ክልል ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ውግእ ተሳትፎ ዘይብሎም 326 ኣቕሽሽቲ፡ ሸኻት፡ ድያቆናትን፡ ፓስተራትን ከምእተቐትሉ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናትን መስጊዳትን ንጹሃን ዜጋታትን ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ቅትለትን ግፍዕን ንኸቋርጽ፡ ብዙሕ ግዜ መግለጺ ምውጻእና ዝፍለጥ’ዩ፡ ዝበለ’ቲ ጉባኤ፡ ይኹን አምበር፡ ምምሕያሽስ ይትረፍ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳ ኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ጉባኤ፡ ብሰንኪ’ዚ ኲናት ናይ ዝሞቱ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ዝርዝር ኣስማት ዝሓዘ፡ ሓሙሽተ ገጻት ዘለዎ መግለጺ ኣውጺ’ኡሎ።እቲ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 12 ኣብያተ ክርስትያናትን መስጊዳትን ከም ዝዓነዉ ወሲኹ ይገልጽ።

ህወሓት፡ ንስጉምቲ ኣሜርካ ንኢዱ

ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ‘ግብረ ሽበራዊ’ ክብል ዝገለጾ ‘ህወሓት’፡ ብኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ዝተወስደ ናይ ጉዕዞ እገዳ፡ ንኢዱ።
ካብ ናይ ህወሓት ሰበ-ስልጣን ዝኾነት ወ/ሮ ሊያ ካሳ፡ ምስ DW ዝተባህለ ሚድያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ መንግስቲ ኣሜር፡ ናይ ኣምሓራ ሓይልታት፡ ናይ ብልጽግና ወተሃደራትን ወተሃደራት ኤርትራን፡ ኣብ ትግራይ ንዝፍጽምዎ ዝነበሩ ገበናት ብደቂቕ ይከታተል ስለዝነበረ፡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ግቡእ’ዩ፡ ኢላ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይ ህይወት፡ ስነ-ልቦናን ኢኮኖምን ዓቢ ዕንወት ወሪዱ’ዩ ዝበለት ወ/ሮ ልያ፡ መንግስቲ ኣሜርካ ንዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ በድናቖት ኢና ንቕበሎ፡ ኢላ።
ንሕና ንምትግባሩ ክንሰርሕ ኢና ዝበለት ወ/ሮ ሊያ፡ መንግስቲ ኣሜርካ ውን ንተግባርነቱ ከይደቀሰ ክሰርሕ ተማሕጺና።
እቲ ጸዲቑ ዘሎ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ክልል ኣምሓራን ህወሓትን ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብሰኑይ ብዛዕባ ህዳሴ ግድብ ምዝርራቦም ተገሊጹ።

እቶም ፕረዚደንትታትኣብ፡ ብቴለፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ብዛዕባ እቲ ግብጺ ኣብ ቃዛ ስምምዕ ንምምጻእ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘትዮም።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ፕረዚደንት ባይደን፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ብጽሒት ማይ ኣባይ (ኒል) ዘለዋ ሻቕሎት ከም ዝርድኦ ምግላጹ” ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ‘ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዘሎ ጠለባት ማይ ንምትዕራቕ፡ ኣመሪካ ኣድላይ ዘበለ ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ ከምእትጥቀም’ ይገልጽ።


ሮይተርስ ሒዝዎ ዘወጽአ ጸብጻብ ድማ፡ ክልቲኦም ፕረዚደንታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ጠለብ ማይን ልምዓትን ብዝምልከት፡ ንኩሎም ኣካላት ብዝጠቅም መልክዑ፡ ኣብ ሓደ መዕልቦ ንምብጻሕ ከምዝሰርሑ ተስማሚዖም ክብል ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ።

ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ፡ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ትዊተሩ ኣብ አዝሃቦ ርእይቶ፡ “ንክልቲአን ሃገራትን ነቲ ዞባን፡ ኣብ ዘገድሱ ጠቐምቲ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዊሕ ሰዓታት ወሲድን ብምዝርራብና ሕጉስ እየ” ምባሉ ማእከን ዜና ኣመሪካ ብሉምበርግ ኣስፊሩ።

ኣብ ትግራይ፡ ብካህናት ኦርቶዶክስ፡ ጾመ ትግራይ ተኣዊጁ

ኣብ ትግራይ፡ ብካህናት ኦርቶዶክስ፡ ጾመ ትግራይ ተባሂሉ ተኣውጅሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ከተማታት ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ከምዝደስከለ ተገሊጹ።

ሎሚ ንጎሆ ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ጸጥ ኢለን ኣብ ጽምዋ ኣትየን ከምዝወዓላን፡ ዝኾነ ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ተዓጽዮም ከምዘለውን ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ክልል ሓቢሮም።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ብኣቦታት: መእመናንን መነኮሳትን ካብ ገዳማት ትግራይ ዝተኣወጀ “ጾመ ትግራይ” ዝተሰመየ ጾም፡፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ተቖጢቦም ይርከቡ።ሓደ ነባሪ መቐለ ዝኾነ መንእሰይ፡ ኩሎም ናይ ውልቀ ድንኳናትን መደበራት ንግዲን፡ ከምኡ’ውን እንዳ ቤት ብልዕን እንዳ መሰተን ካፌታት,፡ ኮነ ካልኦት ንግዳዊ ትካላት ብምዕጻዎም ጽምዋ ከምዝሰፈነ ትዕዝብቱ ገሊጹ።ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝግበር ኮነ: ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝኾነ ህዝባዊ ናይ ባጃጅን መኪናን መጓዓዝያታት ተቛሪጾም ኣለዉ ኢሉ።

እቲ ኣዋጅ ናይ ተሌፎን ምጥፋእን ዘይምዝራብን’ውን ዝሓውሰ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ተገልገልቲ ሞባይሎም ዓጽዮም፡ ካብ ዝኾነ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ተዓቂቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ቢቢሲ ወሲኹ ይሕብር።

ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ

ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ ክብል፣ ብመንግስቲ ንዝተመዘዘ ኣጻራዩ ሓበሬታ ህጹጽ እዋን ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

‘ትርፍራፍ ናይ ዝተበተነ ህወሓት’ ዝበሎም እቲ መግለጺ ብዘይካ’ዚ፣ 20 ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ከምዝሓዙን፣ ንኣርባዕተ ድማ ከምዘቑሰሉን ጠቒሱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ክሲ ዘቕርብ ዘሎ፣ ሓይልታቱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ፣ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ፣ ብሰንኪ ኵናት ዝመተዛበሉ ኣማኢት ተወላዶ ትግራይ ከምዝኣሰሩ ኣብ ዝውቐሰሉ ዘሎ እዋን’ዩ ።

ኵናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ፣ እቲ ኵናት ከምዝተዛዘመ’ዩ ገሊጹ።ይኹን’ምበር፣ እቲ ኵናት ሻድሻይ ወርሑ ኣብ ዝመልኣሉ፣ ኵናት ትግራይ፣ ብቀሊሉ ዘይዓርፍን ኣሸጋሪ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንባይቶ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፣ ብኵናት ከምዘይፍታሕ ዝገልጻ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ብወገነን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ክዘራረብ ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።ክልቲኦም ወገናት ንምቕርራብ መታን ክከኣል ድማ፣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ብምባል ዘስምራሉ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ምስቲ ‘ኣሸባሪ’ ክብል ዝገልጾ ህወሓት ከምዘይዘራረብ ብምጥቃ፣ ሓያላን ሃገራት ኢዱ ብምጥዋይ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከስገድድኦ ምፍታነን ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ተቓዊሙ።

ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’፣ ኣብ ብሪጣንያ ዑደት የካይድ

ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ካብ ትርፍራፍ ዕንጸይታ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ፣ ንሰብኣውነት፣ ሕብረተሰብን ድጋፍ ንሓተቲ ዑቕባን መልእኽቲ ዝሓዘ መስቀል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ዑደት ብምቕጻል፣ ብ22ን 23 ግንቦት፣ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ህዝቢ ክዕዘቦ ክኢሉ።

እቲ መስቀል፣ ኣካል ናይቲ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ዝዓቐቦ፣ ኣብ ታሪኽ ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ዝተፈጸመ ዘስካሕክ መቕዘፍቲ’ዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣስታት 430 ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓነት ጃልባ፣ ካብ ሊብያ ተበጊሳ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ድሕሪ ምቕራባ፣ ኣብ ውሽጣ ድሕሪ ዝተፈጠረ ባርዕ፣ ሰኣን ቅልጡፍ ሓገዝ፣ ህጻናት፣ ቆልዑን ነፍሰጾር ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይዝከር።

ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈላለየ ዝኽሪ ክገብራሉ እንከለዋ፣ ዝተረፈ ኣካላት ናይታ ጃልባ ድማ ኣብ ኢጣልያ፣ ከም ቅርሲ ኣብ ቤተ መዘክር ክተሓዝ’ዩ ተወሲኑ።ካብ ትርፍራፍ ዕንጸይቲ ናይታ ጀልባ ዝተሰርሐ ‘ላምፔዱሳ’ ዝተሰምየ መስቀል፣ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ይርከብ።
ብኣንጻር እዚ ኣማኢት ዜጋታቱ ኣብ ብዘሕዝን መንገዲ ዝሃለቕዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጅስ ይትረፍ፣ በቲ ሓደጋ ከሽካዕልል’ዩ ተሰሚዑ።

ዝበዝሐ ሬሳታት ናይቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝሞቱ ኤርትራውያን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጋህስታት፣ ሲሲልያ ተደፊኑ፣ ግቡእ ቀብሪ ኣይረኸበን።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ኣሲሮም። ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብርኦም ዝተመዘበሉ ኣስታት 500 ተወላዶ ትግራይ ከምዝኣሰሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብቲ እቶም ተመዛበልቲ ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ከባቢ፡ ብሓይሊ ድሕሪ ምእንታዉ፣ ነቶም ዝኣሰርዎ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ፣ እናጋፍዑ ናብ ዓበይቲ መካይን ከምዝጸዓንዎም ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም።

ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ከተማ ሽረ፣ ቴድሮስ ኣረጋይ ብወገኑ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ እኳ እንተሓበረ፣ ኣማኢት ተወላዶ ትግራይ ከምዝተወስዱ ግና ኣረጋጊጹ።ኣስታት 400 ካብቶም ዝተኣስሩ ትግራዎት፣ ኣብ መባእታ ቤት ጸሃይ፣ ተዓቝቦም ዝነበሩ ምዃኖም፣ ካብቲ ኩነታት ዘምለጠ መንእሰይ ገሊጹ።

እቶም ተወላዶ ትግራይ፣ ካብቲ ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ግዝያዊ መጽለሊታት፣ ብሰኑይ 24 ግንቦት፣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱ ዘመልከቱ ስድራቤታቶም፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኽኻብ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም።

ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉ 10ታት ኣሽሓት ስድራቤታት፣ ኣብ ከባቢ ሽረ፡ ኣብ ዝተደኮነ ግዝያዊ መዕቖቢታት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

Design a site like this with WordPress.com
Get started