PT Barnum “እቲ ዝበለጸ ኣገልጋሊ፡ግን ክኣ ዝኸፍአ ጎይታ” ክብል ይገልጾ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብወገኑ “ሱር ኩሉ ክፍኣት” ይብሎ።እዚ ንገንዘብ ዝተዋህበ ምስሌታት እዩ።ኣብ መዓልታዊ ናብራናን ህይወትናን ገንዘብ ክንምእርር ግድን እዩ፡እሞኸ ድኣ ድልያ ገንዘብ ጉዕዞ ናብ ዋንነት ሱር ኩሉ ክፍኣት ማለት ድዩ?
ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ሕጉስን፡ ጥጡሕን ሂወት ብመንገዲ ገንዘብ ኢና እንደልዮም።ምናልባት ግን ገንዘብ ካብቲ ክህበና ዝኽእል ሓጎስን:ሩፍታን ዝዓበየ ስቓይን፡ዝዕበየ ዘይርጉእ ሂወት ክምጥወልና ይኽእል ኢዩ።
ገንዘብ ካብ ዝፍጠር ክሳብ ሕጂ መዐየሪ ነገራት ጥራይ ከም ዘይኮነ ፡ መምዘኒ ደቂ ሰባት ውን ክኸውን ንዕዘቦ ኣለና።ዊኪፔድያ ንገንዘብ ዝኾነ ኣቕሓ ወይ ክረጋገጽ ዝኽእል መዝገብ እሞ ክኣ ከም ክፍሊት ንነገራትን ኣገልግሎታትን፡መኽፈል ልቓሕን ግብርን እዩ፡፡እቲ ቀንዲ ዕማማት ገንዘብ ከም ናይ መለዋወጢ ዕያር፡መዕቆር ክብርታትን፡መፈጸሚ ክፍሊታትን ካልእን እዩ ይብል።
እንተኾነ ሎሚ ትርጉም ገንዘብ ካብዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ዛይዱ ኢና ንረኽቦ።ገንዘብ ድሌታትካ ወይ ጠለባትካ ንምፍጻም ዘገልግል መሳርሒ ምዃኑ ተሪፉ ንሱ ንባዕሉ ድሌት፡ ንሕና ድማ ናቱ መሳርሒ እንኾነሉ ግዜ መጽዩ ኣሎ።ገለ ኣብነታት እናሰነና ክንከይድ።
ገንዘብ ከም ካሕሳ ብሓደጋ ንዝሞተ ቤተሰብ ክኽፈል ንርኢ ኢና እዚ ገንዘብ ዋላ ውን ነታ መተካእታ ዘይብላ ሂወት ክመልስ ኣይክኣል፡ተቐበልቱ ንዝተፈላለዩ ወጻኢታት ክሽፍኑ ወይ ንኻልእ ዕላማታት ዝቕበልዎ ድኣ ይኹን እምበር፡ እቲ ገንዘብ ዋጋ እቲ ዝሞተ ፍጡር ምዃኑ ክንግዘቦ ኣለና። ስለዚ ገንዘብ መዐየሪ ነታ ዘይትትካእ ሂወት ውን ኮይኑ እዩ።
ኣብ መጻምድቲ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ውዕል(መርዓ) ዝኽፈሉ ዝተፈላለዩ ንዋታውን፡ ገንዘባውን ግንዖታት ብድሕሪኦም ሒዞሞ ዘለዉ ሕቡእ ኣጀንዳ(ትርጉም) እንተድኣ ኣሎ፡ እቲ ዝምጦ ገንዘብ(ገዝሚ) ዋጋ እታ መርዓት ወይ መርዓዊ እዩ ኣይገርምን ‘ዶ?።
ደቂ ሰባት ባዕልና ብዝፈጠርናዮም ነገራት ከም ገንዘብ፡ሃይማኖት ወይ ቴክኖሎጂ ወዘተ . . . ኣብ መቑሕ ቁጽጽሮም ተንበርኺኽናን ተገዚእናን ኢና።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ
ለውጢ (ባርተር)
ካብ ቅድሚ 100 ሽሕ ዓመታት ጀሚሩ ወዲ ሰብ ኣብ መንጉኡ ምልውዋጥ ነገራት ወይ ፍልመ ዕዳጋ ክገብር ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።እዚ ዝካየድ ዝነበረ በዚ ሎሚ እንፈልጦ ዘለና ኣብ ቸክ፡ወረቐት ወይ ሳናቲም ብዝዓለበ ባጤራ ዘይኮነ ሓደ ኣቕሓ ብኻልእ ብምቕያር እዩ ዝካየድ ዝነበረ።እዚ መስርሕ እዚ ብእንግሊዝ ባርተር ሲስተም ይበሃል።ወላ’ኳ ከም ቀደም ከም ባጤራ ኣየገልግል እምበር ሎሚ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ስሕት ኢሉ ይቕልቀል እዩ።እንተኾን ምስ ምስፋሕ ከተማታትን ምቕልቃል ስልጣኔታትን ባርተር ክሰርሓሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽግራት ክፈጥር ጀመረ።ከም ኣብነት ምስ እንወስድ፡
ጫማ ክትገዝእ ትደሊ እሞ፡ናብቲ ኣብ ከተማኻ ዝርከብ ሰራሕ ጫማ ካብ እቶታትካ ርብዒት እኽሊ ሒዝካ ትኸዶ።ንዝሰርሓልካ ጫማ ብርብዒት እኽሊ ቀይርካ ድማ ትምለስ።ቅንይ ኢልካ ንሰበይትኻ ዝኸውን ጫማ ክሰርሓልካ ርብዒት እኽሊ ሒዝካ ትኸዶ፡ንሱ ግን ጓሉ ስለ ዝሓመመት መድሃኒት እምበር እኽሊ ኣየድልዮን እዩ።ብተወሳኺ ቆርበት ክሰኣን ስለ ዝጀመረ ንሓደ ጫማ ብርብዒት እኽሊ ጥራይ እናኽፈለ ክሰርሓልካ ኣይክእልን እዩ።እዚ ማለት ኣብ ናይ ልውውጥ ንግዲ ሓደ ሓባራዊ መዐቀኒ ነገራት የለን፡ሓደ ነገር ደሊኻ ክትረክብ ግድን ዝሓዝካዮ ትሕዝቶ ዝደሊ መላውጥቲ ትደሊ።ብተወሳኺ ናይ መቐመጢ ሽግር ኣሎ።እዚ ማለት ሓደ ሰራሕ ጫማ ንኹሉ ጫማታቱ ብኮሚደረ ክላወጦ ኣይክእልን እዩ፡ምኽንያቶ ኮሚደረ ኣብ ጅቡኡ ንነዊሕ እዋናት ክዓቑሮ ስለ ዘይክእል።
በዝን እንኸምዝን ድማ እዩ ኣብ ጥንታዊት መሶጶታምያ ኣብ ከባቢ 3000ዓ.ም ቅልክ፡ ናይ መጀመርያ ናይ ብሩርን ወርቅን ሰናቲም ከም ናይ ዕዳጋ መለዋወጢ ዝተቐልቀለ።
ሰባት ብቐሊሉ ክዓቑርዎ፡ከንቀሳቐስዎ፡ክወዓዓልሉ ዝኽእሉ ፍሉጥ ዋጋታት ዘለዎ ሰናቲም ብምርካቦም ድማ ኩሎም ክርዕምዎ ግድን ነበረ።እቲ ስግንጢር ነገር ነቲ ዝጭበጥ ኣብ ዕዳጋታት ባርተር ዝቐርብ ጥረ ነገራት ገዲፎም ነቲ ክብላዕ፡ክሰተ ይኹን ሓያል መሳርሒታት ክስርሖ ዘይክእል ወርቅን ብሩርን ብምምላኾም እዩ ንምንታይ ይመስለኩም?ወርቅን ብሩርን ንኽርከቡ ጻዕሪ ዝሓቱ ብምዃኖም ኩሉ ግዜ ኣብ ዕዳጋ ውሑዳት እዮም።ብተወሳኺ በቲ ንጉስ ኣፍልጦ ስለ ዝተዋህቦም ካልኦት እውን ስለ ዝኣመንሎም ግሩማት መሳርያታት ዕዳጋ ይኾኑ።እዚ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ሓቂ ኮይኑ 90% ናይ ዓለምና ሃብቲ ወይ ገንዘብ ኣብቲ ባንክታት ዝህባና ናይ ሕሳብ ደብተር እምበር ኣብዛ ህያው ዓለም የለን።ኣብቲ ነዚ ደብተራት ዝህበና ኣካል እምነት ስለ ዘለና ግን ነቲ ተራ መንግስቲ ዘሕትሞ ወረቓቕቲ ምትሃታዊ ሓይሊ ከም ዘለዎ ቆጺርና ንግዝኣሉ።
ዝሰፍሐ ጽልዋን ኣሰራርሓን ገንዘብ ናይ ስነቁጠባ ሊቃውንቲ ክትንትንዎ ብምግዳፍ።ሓፈሻዊ ርድኢት ክህልወና ግን ገንዘብ ንሰብ ከገልግል ዝመጸ መምዘኒ፡ መዐየሪ ነገራት እዩ። መሰረት ኩሉ ሃብትን ምዕባለን ውን ኣብ ቁጠባ ወይ ኣብ ገንዘብ ዝተሞርከሰ እዩ።ስለዚ ገንዘብ ምውናን ኣብ ሂወትካ ዝሓሸ ኣነባብራ ክትነብር የክእለካ እዩ። ገንዘብ ንኸነምጽእ ወይ ናብ ገንዘብ ዘለዎ ንምኻድ፡ ክሳብ ናይ ሂወት ፈተና ኢና ነሕልፍ። ሕጂ’ውን ገንዘብ ድሕሪ ምርካብና ንረኽቦ መከራን ሽግርን ልዕሊ እቲ ገንዘብ ከይሃለወና ንኸፍሎ ይበዝሕ። እዚ ከይኣክል ንገንዘብ ንግዝኦን ነምልኾን ኢና፡ ብዘይ ገንዘብ ሂወት የለን ኢልና’ውን ንኣምን። ኣብ ሃይማኖታዊ (መንፈሳዊ) ኣገላልጻ “ሃብታም ሰብ ናብ መንግስተሰማይ ካብ ዝኣቱስ . . .“
እዚ ማለት ግን ንድኽነት ጽዓር ማለት ኣይኮነን።ዝተፈላለዩ መዓልታዊ ድሌታትካ ንምርካብ ኣብ ትገብሮ ናይ ልውውጥ መስርሕ ገንዘብ ክትሓትትን ክትሕተትን ስለ ዝኾንካ።ምናልባት ነዚ ጽሑፍ ኣንቢብካ ድሕሪ ሕጂ ገንዘብ እንታይ ኢለዮ ትብል እንተ ኾይንካ፡ጽባሕ ኣፍቃሪትካ ምስ ጠለመትካ ‘’ገንዘብ ረሳሕ እንታይ ኢልክዮ . . .” ዝብል ደርፊ ወይ እዚ ጽሑፍ ኣይክመለሰልካን እዩ።እንታይ ድኣ ሓፈሻዊ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ፡ገንዘብ ክንረክብ እቶም ብገንዘብ ዘይምለሱ ነገራት ከይንኸስር፡ንገዘብ ድማ ከም ተረ መዐቀኒ ዕዳጋን መፈጸሚ ንግዳዊ ልውውጣትን ጥራይ ክንሪኦ ዝምዕድ እዩ።
“እንሆ ድማ ገንዘብ ክንረክብ ጥዕናና…. ንስእን እሞ መሐከሚ ክኾነና ውን ነቲ ዝኣከብናዮ ገንዘብ ተመሊስና ንዘርዎ” ገንዘብ ዝጨበጥናዮ ይመስለና እምበር ማዕረ’ቲ ክንረኽቦ ኢልና ንሃልኮ ኢና ነጥፍኦ !!!“
መደምደምታ ክኾነና ገለ ካብ ፈሊጣን ብዛዕባ ገንዘብ ምስ ጽቡቅ ወይ ሕጉስ ኣነባብራ ኣተኣሳሲሮም ዘውክእዎ ኣበሃህላ ይስዕብ፦
#Jacob Needlman
“Those who criticize the wealthy don’t realize that money is needed to do good things”
ጃኮብ ገንዘብ ሽግራት ፈቲሑ መልሲ ውን ኣይቅርብን እዩ። እንተኾነ ግን ድሊታትና ክንረክብ መንገዲ ክህበና ይክእል እዩ። ዋላ ውን ናብ ጻት ዝኸበረ ቦታ እዛ ዓለም እንተወሰደና ገንዘብ ሓጎስ ክሽምተልና ኣይክእልን ይብል።
#Buddha
“Faith is the best wealth for a man in the world.Righteousness, when well practiced brings happiness.”
መስራቲ ናይ ቡድሂዝም (buddhism) ጉታማ ቡድሃ (Gutama Buddha) ክልተ ጫፋት ናይ ናብራ ዝርኣየ ፍላስፋ እዪ። ገንዘብ ምስ ሓጎስ ኣተሓሒዙ ክዛረብ እንከሎ” ካብ በተኽ ገንዘብ ዘይብልና ክንከውን ዝኸፍእ ነገር የልቦን፥ እንተኾነ ግን ብዝሒ ገንዘብ ምውናን ውን ጸገማቱ ይበዝሕ። ስለዚ ዝተመጣጠነ (ማእከላይ) ኣነባብራ ሂወት ዝሓሸ ሓጎስ እትረኽበሉ ናብራ እዩ። ብሓፈሻ ሕጉስ ክትከውን ግን እቲ ቅኑዕ ነገር ምዝውታር የድሊ ይብል።
#Karl Marks
“Money plays the largest part in determining the course of history”
ገንዘብ ዝዓበየ ኣስተዋጽኦ ኣብ ታሪኽ ምስራሕ ኣለዎ።
ዘይ-ከም ኮሚኒዝማዊ ስነ-ሓሳቡ ፦ ገንዘብ ን ወዲ ሰብ ከገልግል ዝተፈጥረ ነገር እዩ። ናብ ዓወትን ድሊታትን ክትጎናጸፈሉን ታሪኽ ክትሰርሓሉ የኽእለካ፡ ስለዚ ማርክስ ገንዘብ ልዕሊ እቲ ዘስዕቦ ጸገማት ፡ መኽሰብ ከም ዘለዎ ይምድር።
#Ben Franklin
“The use of money is all the advantage there is in having money”
ቤን ፍራንክሊን እቲ ብውልቀጻዕሩ ክህብትም ዝኽኣለ ሰብ እዩ። ኣብታ “How to earn and save money ” እትብል መጽሓፉ ገንዘብ ድሌታትና ክነማልአሎም ይሕግዙና እንተኾኑ ፣ ሃብቲ ግን ምሉእ ሓጎስ ክገዝኣልና ኣይክእልን ይብል።
#Schopenhauer
“Wealth is like sea-water; the more we drink the thirstier we become; and the same is true of fame…”
እስቺፐንሃዋር ሓደ ካብ ዓቢ ለውጢ ዘይቅበሉ(pessimistic ) ፍላስፋ አዩ። ዝበዝሑ ሰባት ብኻ ዘይተፈጥሩ ኢሉ ዝምጉት ዝነበረ ውን እዩ(Anti-natalist’s).
ገንዘብ ምንጪ መበገሲ መወዳእታ ዘይብሎም ድሊታትን፡ግጭትን፡ጻዕርን ወዲ ሰብ እዩ። እምበኣር’ከስ ካብዞም ነገራት ክንሃድም ዘኽእለና ገንዘብ ዘይምውናን እዩ ይብል።
#Aristotle
“The life of Money-making is one under taken under compulision, and wealth is evidently not the good we are seeking ; for it is mearly useful and for the same thing else.”
ገንዘብ ንምውናን ዝግብር ሃለኽለኽ እዛ ዓለም መወዳእትኡ ሃብቲ ንምክዕባት እንተኾይኑ ትርጉም የብሉን; ገንዘብ ንካልእ ጽቡቅ ነገራት ምስ እነውዕሎ ሂወትና ሓጎስ ይዓስሎ ይብል ፍላስፋ ኣሪስቶትል።
ገንዘብ ምስ ዕላማ ምንባር ክነተኣሳስሮ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ብዘይ ገንዘብ ክንከዶ እንኽእል ስድሪ ሂወት ስለዘየለ። ዕላማ ምንባርካ ፍቅሪ፡ሓጎስ፡ ሰላም እንተኮይኑ ግን ኣብ ገንዘብ እንተዘይተወከልካ ይምረጽ።
“ገንዘብ ሓጎስን፡ሰላምን፡ፍቅርን ክሽምተልና እንተዘይክኢሉ ኪኖ ሓጹር ይደርበ”።
©ተስፉ ሃይለማርያም

ብ ቪድዮ ንምክትታል
