ለበዳ ኢቦላ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘስፍሕፍሓሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ማዕከናት ዜና ሰበር ዜናታት ኢቦላ ከቃልሓ፣ ሃገራት ድማ መራኸቢ ዶባተን ክርክግጣን መወሸቢ ማእከላት ከዳልዋ ሸበድበድ ዝብላሉ ዘነበራ እዋን ። መዳውብቲ ተን ኢቦላ ዝተራእየለን እንተ ተሻቐላ ደለ ምኾነ። ስግር ባሕሪ ኣሽሓት ኪሎ ሜተታራት ርሒቐን ዝርከባ ሃገራት ግን ክሳብ ክንድኡ ምሽቓለን ክርድኣኒ ኣይከኣለን።
ኢንተርነት ኣተየ ገጻት ፈይስቡከይ ክገናጽል ምስ ጀመርኩ፣ ቅድሚ ደቓይቕ ዝተለጠፈ ስእሊ ናይታ ቅጭን መሓዛይ ጎፍ ኢሉኒ። ” ዎዎዎ ኬፍ ዘለዎ ስእሊ!! እዛ ተኸዲንክያ ዘለኺ ክዳን ብቐዳማይ ኣብ ናይ ካርዲ ቢ (Cardi B) ክሊፕ ዝረኣኽዋ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ግን ካብ ኮካ ሒዝኪ ትሰኣሊ ገለ ምርር ዝበለ ሒዝኪ እንተትሰኣሊ ኣይምሓሽን።” ዝብል ርእይቶ ክጽሕፍን ኣብ መስመር ዝጸንሐት መሓዛይ ክትምልሰለይን ሓደ ኮይኑ።
” የቐነለይ ናይ ሕማም። ምርር ዝበለ ሒዘ ክሰኣል ቀሊል ኢዩ። ኮካ ግን ካብ ሂወተና ከነወግዶ ኣይንኽእል ኢና።”
” ከመይ ማለት ከተወግድዮ ኣይትኽልን? ውልፍቲ ናይ ኮካ ዲኺ?”
” ናይ ወልፊ ኣይኮነን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣንጎሎ ናይዛ ፕላኔት ዝርከቡ ኮካን ማክዶናልን (mc donald) ምልክት ዓውለማ ኢዮም። ዘለናዮ መዋእል ዓውለማ ድማ ናይ ኮካ ወይ ውን ናይ ማክዶናል መዋእል እንተተባህለ መርኣያ ናቱ ኢዩ። ብተዘዋዋሪ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝነብር ህዝቢ ዓለም ሓደ ዓይነት ባህሊ፣ መግቢ፣ መስተ፣ ቅዲ ኽዳን፣ ስነ ጥበባዊ ፍርያት … ወዘተ ኮታ ሓደ ዓይነት ቅዲ ኣነባብራ ይኽተል ኣሎ ንምባል ኢዩ።”
” ዓውለማ ብሕጽር ዝበለ እንታይ ማለት ድዩ?” ከም ልማደይ ሓቲተያ።
” ብሕጽር ዝበለ ደኣ ዓውለማ ሞት ልእልቲ ዲያና ኢዩ።”
” ከመይ?”
” ናይ ዓዲ እንግሊዝ ክዳንውንቲ ተኸዲኖም፣ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ሞተረን ናይ ሰሪላንካ እግሪ ጎማ ዝተገጥማ ፣ ናይ ጀርመን ፍርያት ዝኾነት ቢኤም ዳብሊው ማኪና ተሳፊሮም፣ ካብ ካኖን ዝዓይነታ ኣብ ታይዋን ሰተሰርሐ ለንስ ዝተሰዂዓ፣ ናይ ጃፓና ካሜራ ኣብ ክሳዱ ዝዓጠቐ ፣ ፍርያት ጃፓን ዝኾነት ሱዙኪ ሞቶ ዝተወጠሐ ፣ ኢጣልያዊ ፓፓራዚ ክሃድሙ ፣ምስ ግብጻዊ ዓርካ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ዝሞተት ልእልቲ ጽብቕቲ ኣብነት ናይ ዓውለማ ኢያ።”
” ጂኦግራፊ ዲኺ ተረድእኒ ዘለኺ ወይስ ዓውለማ ?” ግር ኢሉኒ።
” እዛ ንኡሽተይ ፍጻሜ ሓቚፋቶም ዘላ ነገራትን ፣ኣራኺባተን ዘላ ሃገራትን ውጽኢት ዓውለማ ኢዩ። ዓውለማ ብዘይ ሓጹር ናይ ዶባትን ርሕቀት ቦታታትን ዓለምና ብምንጽር ቁጠባ፣ ባህልን ፖለቲካን ኣብ ሓደ ቁሸትን ኣብ ሓደ መርበብ ተጠናኒጋትሉ ዘለዋ መስርሕ ኢዩ።”
እዘን ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቐን ክንሰን ንኢቦላ ቅድመ ምድላዋት ዝገብራ ዘለዋ ሃገራት ምስጢረን በሪህለይ። ሎሚ ህይወትና ኣብ ገደናን ጎደቦና ብዘጋጥሙ ፍጻሜታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ስግር ማዕዶ ዘጋጥሙ ፍጻሜታት ብማዕረ ኢዩ ዝጽሎ። ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጥም ቁጠባዊ ቅልውላው ንኣብ ገጠራት ኤርትራ ዘሎ ሓረስታይ ብማዕረ የረኻኽበሉ። ኣብ ካናዳ ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኮይንካ ጃስቲ ትሩዱ ( Justin trudue) ክምረጸልካ ጸሎት እንተጽዓቕካ ኣገራሚ ኣይኮነን። ፐርከ ጃስቲ ትሩዱ ተሳዒሩ፣ ጸረ ስተደኛ መራሒ እንተ ተመሪጹ ናይ ካናዳ ፕሮሰስካ ኣብ ኢድካ ክሓውየካ ዝለዝኽእል።
” ሕጂ ተሳኺዕለይ። ብዝኾ እዚ ናይ ዓውለማ መርብብ ጥቕሙ ይበዝሕ ጉድኣቱ?”
” ዓውለማ ጥቕምን ጉድኣትን ኣለዎ። ”
” ከመይ?”
” ከመይ ዝብል ለባም። እቲ ቀዳማይ ናይ ዓውለማ ኣወንታዊ ነገር ንግዳውያን ኮርፐረሽናት ንዋኒናተን ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ብምትካል ዕደላት ሽቕለት ክኸፍታ ኣኽኢልወን ኣሎ። ቴክኖሎጅን ሜላታት ስራሕን ድማ ብቐሊሉ ካብን ናብን ይመሓላለፉ ኣለው። ካልኣይ ድማ ኣብ መራኸቢታት ዝተራእየ ሰውራ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ርሕቀት ቦታ ብዘይገድስ ኣብ ሓደ ህርመት ኣስሚርዎም ይርከብ። ዘየቋርጽ ሓበሬታ ንደቂ ሰባት ኣብ ዙርይኦም ንዘጋጥሙ ፍጻሜታት ብደቂቕ ንኽፈልጥዎም ኣኽኢልዎም ኣሎ።
” ከምዚ ኣብ ቲቪን ኣብ ኢንተርነትን ተሰጢሕና እንታይ ይበሃል ኣሎ ክንብሎ ንውዕል ዘለና ማለት ድዩ?”
” ኣይተጋገኻን። ብተወሳኺ ኣብ ዓውለማ ዝተኻዕበት ፍልጠትን ምርምርን ፣ ሓደሽን ዝተማሓየሸን ኩለንተናዊ ፍርያት ብምቕራብ ንሂወት ብምቾትን ብቐሊልን ኣገባብ ከምትንበር ገይርዋ ኣሎ። ”
ህይወትና ብፍጹም ዝቐለለ ኮይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። ” ኣብዚኣ ኣይሰማምዕን ኢየ ምሳኺ። ሂወትና ቀሊሉ ዘይኮነስ እንዳተሓላለኸን እንዳኸበደን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ!” ተቓውሞይ ኣስሚዐ።
” ሂወትና ቀሊሉን ተሓላሊኹን ኢዩ። ንኣብነት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝነበረ ስርዓተ መራኸቢታትን ሕጂ ዘሎን ሓደ ኣይኮነን። ናይ ሕጂ ስሉጥን ቅጽበታውን ኢዩ። እዚ ድማ ምስ ሰባት ክንራኸብ ጥራይ ዘይኮነስ ብቐሊሉ ኣብቲ ሕልኽላኽ ዝኾነ ናይ ዓውለማ መርበብ ብቐሊሉ ክንርዕም ይሕግዘና። ብተወሳኺ ካባና ኣዝዮ ርሒቖም ዝርከቡን፣ ብባህሊ ውን ፍሉያት ዝኾኑ ኣህዛብ ሓባራዊ ርድኢት ስለነማዕብል ተጸዋዊርናን ተኸኣኢልና ክነብርን ኣይእግመናን ኢዩ። ብኣንጻሩ ከኣ …….”
” ኣ…የ…የ እዛ ዝጸልኣ ጠልጠል ሕጂ ውን መጺኣ!”
” ጠልጠል ከብለካ ኢለ ኣይኮንኩን። ንሳኻ ትምልኦ ከይህሉ ኢለ ኢየ። ነዚ ኣብ መራኸቢታት ዝተራእየ ዝላ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት መጋላቢ ዝጥቀሙሉ ወሓለታት ውድቀት የለውን ማለት ኣይኮነን። ኣሸነኳይዶ ምስ ሰብ ስግር፣ ኣብ ቤትና ንዘሎ ሓድነት፣ ጥምረትን ብምዝራግ ሓደሽ መንገዲ ድሕነት ከም ዝረኸቡ ዝምድሩ መሲሓት ከስተምህሩና ሕጊግ ክብሉ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ እዝኒ እምበር ኣብ ርእሲ ዘይኣቱ ናይ ጽልእን ጥፍሽና ዋዜምኦም ዝፈጥሮ ነውጺ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ዝሕዘነኒ ኣብቲ ብሓድነት ብዙሕነትን ዝፍለጥ ክፋል ናይ ዓለም ዝቕመጡ ምዃኖም ኢዩ!”
“ብዙሕ ኣይተገረሚ። ንሰብ ናብ ስልጡን ዓለም ክትእትዎ ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ ዘይስልጡን ባህርያቱ ግን ካብ ውሽጡ ክትኣልዮ ብፍጹም ኣይትኽእልን! ንቀጽል ግዳ ዕላልና።”
” ይቕሬታ ኣብ ስምዒት ኣተየ። ቅቕጽለልካ፣ መዓልታዊ ዝፈሪ ዘሎ ዝተሓደሰን ዘብለጭልጭን ፍርያት ንሂወት ምስ ምውናን ነገራዊ ትሕዝቶ ጥራይ ኣተኣሳሲርዋ ይርከብ። ሓሻሽነት ድማ ብኡ መንጽር ኣጉላዕሊኡ ኣሎ። ”
” ኣብነት እንተትውስኽኒ ከም ጠስሚ ንሽሮ ምኾነለይ ነይሩ።”
” ንኣብነት ሳምሱንግ ኤስ 7 ከይመነና ኤስ 8 ፣ኤስ 9 ርኢና ከይጸገብና ኤ 10 ዝመጽኣና ዘሎ ፍርያት ማለት ኢዩ። ካልእ ናይ መፍረ መድሃኒ ኮርፐረሽናት ፈውሲ ኣይኮናን ዘፍርያ። ዘየሕውን ዘይቀትልን መደሃኒታት ብምስራሕ፣ ካብ ሕማሙ ዝሓዊ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን ዝሕሽሽ ዓሚል ኢየን ዝፈጥራ። እዚ ኩሉ ሓሻሽነት ብምዕባይ ኮርፐረሽናት ማሕፉድአን ዘህጥራሉ ዘለዋ ኣገባብ ኢዩ። እቲ ካልእ ኣሉታዊ ጎኒ ናይ ዓውለማ ባህላዊ ወራር ኢዩ። ዓለምና ሓደ ዓይነት ባህሊ እንዳጸረየት ትኸይድ ኣላ።”
” ክክክ ከምዚ ንስኺ ናይ ካርዲ ቢ ክዳን፣ ናይ ሪሃና ቅዲ ጾግሪ ገይርኪ ተሳኢልክዮ ዘለኺ ማለት ድዩ?”
” ነገር ወዲ ከይተርፍ ድዩ ነዚ ስእለይ ብዙም ኢን ጌርካ ክትርእዮ ውዒልካ! ምዕራባዊ ባህሊ ንኹሎም ባህልታት ጸቒጡ እንኮን ቅኑዕን ባህሊ ኮይኑ ይርከብ። ሰባት ድማ ንባህልታቶም ጠንጢኖም ነቲ ጎሎባላዊ ባህሊ ክርዕሙ ሒዅ ክብሉ ይውዕሉ ኣለው።
” ናይታ ሃይማኖት ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ ዝበልናዮ ምስዚ ይተሓሓዝ ድዩ?” ከም ልምደይ ሓቲተያ።
” ልክዕ ኣለኻ። ናብ ሓደ ግሎባላዊ ባህሊ ዝወስድ ሓዲድ ንብዙሓት ባህልታት ከም ዘይስልጡናትን ድሑራትን ገይሩ ረሚስዎም ኣሎ። ሰባት ድማ ግዳያት ናይ መነንት ቅልውላው ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ነቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ከም ኣርእስቲ ውን ክለዓል ኢዩ ተባሂሉ ዘይተገመተ ሃይማኖት ከም መዕቆቢ ክጥቀሙሉ ጀሚሮም። መዕቆቢ ካብቲ ዓውለማ ዝፈጠሮ ነውጺ! መዕቆቢ ካብ ካብ ቅልውላው መንነት! መዕቆቢ ካብ ዘመናውነት! ”
” ከመይ ከመይ ኢዪ እዚ ነውጽን ሃውጽን ትብልዮ ዘለኺ?”
” ኣብ ውልቃውነትን ውልቃዊ ናጽነትን ዝሰረተ ምዕራባዊ ባህሊ ግዝኣቱ ከስፋሕፍሕ ምስ ጀመረ ፣ ሰባት ነቲ ዝተሃመሸ መበቆላዊ ባህሎም ክናፍቕዎ ጀሚሮም። ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ድማ ከም መከላኸሊ ዕርድታት ኮይኖም ። ነቶም ብስኪ ባህላዊ ወራር ትሕቲ ባሕሪ ኣትዮም ዝርከቡ ማሕበራዊ ክብርታትን ባህልታትን ኣብ ምምላስ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚዶም ይርከቡ። ”
” ሕጂ ጽቡቕ ገይረ ሒዘኪ። ዓውለማ ኣብ ክንዲ ምዕባለን ብልጽግናን፣ ልምሰት ዘስዓበሎም ሕብረተ ሰባት ንፍሉይቶም ክመልሱ እንተጸዓሩ ዘገርም ኣይኮነን። ገለ ተወሳኺ እንተለኪ? ” ክትውስኸኒ እሞ ሎቖታ ፍልጠተይ ክሳዕ ኣፋ ቀምበይበይ ክትብለለይ ድላይ ነይሩኒ።
” ዓውለማ ጠንቂ ዘይምዕሩይ ምቅርሐ ጸጋጋታት ኮይኑ ኣሎ። ብሕታውያን ኮርፐረሽናት ንጥረ ነገራት ዘይማዕበላ ሃገራት መዝሚዘን ንኣከባቢ ውን ይብክልኦ ኣለዋ። ህዝቢ ድማ ጸጋታቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እንዳ ተመዝሓቐ ዝተበከለ ኣከባቢ ሓቒፉ ይነብር ኣሎ።
ብዘይቀልዓለም ዝያዳ ክፈልጥ ባህጊ የሕዲረ። ” ኣብዚ ኣርእስቲ ዘለኒ ኣፍልጦ ክውስኸሉ ይደሊ ኣለኹ።” ጽሒፈላ።
” እሞ ሃየ ናይ ጆሴፍ ስቲግሊዝ globalaization and its discontents how to make globalaizatiom work ዝብላ ክልተ መጽሓፍቲ ክሰደልካ ኢየ። ተገዲስካ ኣንብበን።”
” ተገዲሰ ከንብበን ኢየ። ውጽኢት ናይ ምዝመዛ እንታይ ኢዩ?”
” ውጽኢት ዘይምዕሩይ ጸጋታት እንታይ ምዃና ርዱእ ኢዩ። ሰፍ ዘይብል ታኼላ ድኽነትዩ። እቶም ዓውለማ ሰሪትሎም ዝርከብ ንግዳውያን ውዕላት ብመሰረቱ ንረብሓ ሓያላን ሃገራት ዘሳስዩ ኢዮም። ”
” ብዛዕባ ድኽነትሲ ንዝመጽእ ሰሙን ይኹነልና ። ቅድሚ ምኻደይ ግን ክሓተኪ?”
” ናይ ሃገርና መጽሓፍቲ ተንብቢ’ዶ ወይ’ስ …….?”
” ምንባብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ደሞዘይ ወርሓዊ መጽሓፍቲ ዝገዝኣሉ ባጀት ኣለኒ። ”
” ብጣዕሚ ጽቡቕ። ትድንቕያ መጽሓፍ ኣይነይቲ ኢያ?”
” ካብ ሪቕ ሕፍንቲ!”
” ሓደ መዓልቲ ብዛዕብኣ ሓደ መዓልቲ ከነዕልል ኢና። ክሳብ ሽዑ ሰላም!”
@HANI Ahmed


@Hani Ahmed” ሰላም ከመይ ቀኒኻ?” ” ክቡር ብጻይ ኣለኻ’ዶ?” ” ናይ ደሓን ዲኻ?”






