ህዝባ ከም ትምኒቶም ነታ ሓዳሽ ሃገር ብራቕ ጸሓይ ኢሎም ሰየምዋ፡ተስፍኦም ኣብ ባንዴርኦም ስኢሎም ዘመሩላ፡ጽሓይ ቢያፍራ ግን ምብራቓ ከይወደአት ዓረበት።ታሪኽ ንርእሳ ትደግም፡እቲ ዘሕዝን ግን ሰባት ዘይመሃሩ ምዃኖም’ዩ ይብሉ እቶም ታሪኽ ዘጽንዑ ምሁራን።እነሆ ድማ ድሕሪ ቢያፍራ ኣብ ከባቢና ታሪኽ ንርእሳ ትደግም ዘላ መሰለት። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየዱ ኩናት ሓድሕድ ብዝወሰዶ ትንፋስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ፡ኩናት ሓድሕድ ናይጀርያContinue reading “ቢያፍራ (ብራቕ ጸሓይ)”
Author Archives: DYNAMIC ART PRODUCTIONS
5 ዝበዝሑ ሰባት ዝቀተላ ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና።
ኣብ ዓለም ካብ ዝፍጸሙ ገበናት, ዝበዝሕ ግዜ፡ ብደቂ ተባዕትዮ ከም ዝፍጸሙ እዩ፡ ሕሉፍ ጸብጻባት ገበን ዝሕብሩ፡ እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ገበናት የለን ማለት ኣይኮነን። እኳ ድኣ ብዙሕ ግዜያት ደቁ ኣንስትዮ፡ ኣዝዩ ብዝተራቀቀን፡ ጉርሕን ሓይልን ዝተሓወሶ ገበን ቅትለት ፈጺመን ኣብ መዝገብ ቅትለት ክሰፍራ ተራእየን እየን። ንሎሚ እምበኣር ካብዘን ብሓደ ቅትለት ከይዓረፋ፡ ተደጋጋሚ ቅትለትContinue reading “5 ዝበዝሑ ሰባት ዝቀተላ ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና።”
ኣብ ኢጣልያ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ናትናኤል ብርሃነ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ቅድድሙ ኣቋሪጹ
ካብ 8 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ሓደ ዝኾነ፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ካብቲ ውድድር ከምዝተኣልየ ፈረንሳዊት ጋንትኡ ኮፊዲስ ኣረጋጊጻ። ናትናኤል፣ ብሰንበት 23 ግንቦት፡ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ፡ መለጋግቦ መንኩብ ከም እተመዛበለ፡ ዝሃበረት ጋንትኡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ጥዕንኡContinue reading “ኣብ ኢጣልያ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ናትናኤል ብርሃነ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ቅድድሙ ኣቋሪጹ”
ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝተደብደቡ ናይ ሃይማኖት ትካላት 12 ምዃኖም ተሓቢሩ
ኣብ ክልል ትግራይ፡ 326 ኣቕሽሽቲ፡ ድያቆናትን ሸኻትን ምቕታሎም ተፈሊጡ።ነዚ መግለጺ ዘውጸአ ናይ’ቲ ክልል፡ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ’ዩ።ኣብ’ቲ ክልል ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ውግእ ተሳትፎ ዘይብሎም 326 ኣቕሽሽቲ፡ ሸኻት፡ ድያቆናትን፡ ፓስተራትን ከምእተቐትሉ ጸብጻብ ገሊጹ።ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናትን መስጊዳትን ንጹሃን ዜጋታትን ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ቅትለትን ግፍዕን ንኸቋርጽ፡ ብዙሕ ግዜ መግለጺ ምውጻእና ዝፍለጥ’ዩ፡ ዝበለ’ቲContinue reading “ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝተደብደቡ ናይ ሃይማኖት ትካላት 12 ምዃኖም ተሓቢሩ”
ህወሓት፡ ንስጉምቲ ኣሜርካ ንኢዱ
ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ‘ግብረ ሽበራዊ’ ክብል ዝገለጾ ‘ህወሓት’፡ ብኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ዝተወስደ ናይ ጉዕዞ እገዳ፡ ንኢዱ።ካብ ናይ ህወሓት ሰበ-ስልጣን ዝኾነት ወ/ሮ ሊያ ካሳ፡ ምስ DW ዝተባህለ ሚድያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ መንግስቲ ኣሜር፡ ናይ ኣምሓራ ሓይልታት፡ ናይ ብልጽግና ወተሃደራትን ወተሃደራት ኤርትራን፡ ኣብ ትግራይ ንዝፍጽምዎ ዝነበሩ ገበናት ብደቂቕ ይከታተል ስለዝነበረ፡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ግቡእ’ዩ፡ ኢላ።ኣብContinue reading “ህወሓት፡ ንስጉምቲ ኣሜርካ ንኢዱ”
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብሰኑይ ብዛዕባ ህዳሴ ግድብ ምዝርራቦም ተገሊጹ።
እቶም ፕረዚደንትታትኣብ፡ ብቴለፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ብዛዕባ እቲ ግብጺ ኣብ ቃዛ ስምምዕ ንምምጻእ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘትዮም።መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ፕረዚደንት ባይደን፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ብጽሒት ማይ ኣባይ (ኒል) ዘለዋ ሻቕሎት ከም ዝርድኦ ምግላጹ” ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ‘ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዘሎ ጠለባት ማይ ንምትዕራቕ፡ ኣመሪካ ኣድላይ ዘበለ ዲፕሎማስያዊContinue reading “ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብሰኑይ ብዛዕባ ህዳሴ ግድብ ምዝርራቦም ተገሊጹ።”
ኣብ ትግራይ፡ ብካህናት ኦርቶዶክስ፡ ጾመ ትግራይ ተኣዊጁ
ኣብ ትግራይ፡ ብካህናት ኦርቶዶክስ፡ ጾመ ትግራይ ተባሂሉ ተኣውጅሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ከተማታት ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ከምዝደስከለ ተገሊጹ። ሎሚ ንጎሆ ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ጸጥ ኢለን ኣብ ጽምዋ ኣትየን ከምዝወዓላን፡ ዝኾነ ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ተዓጽዮም ከምዘለውን ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ክልል ሓቢሮም።ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ብኣቦታት: መእመናንን መነኮሳትንContinue reading “ኣብ ትግራይ፡ ብካህናት ኦርቶዶክስ፡ ጾመ ትግራይ ተኣዊጁ”
ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ
ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ ክብል፣ ብመንግስቲ ንዝተመዘዘ ኣጻራዩ ሓበሬታ ህጹጽ እዋን ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ። ‘ትርፍራፍ ናይ ዝተበተነ ህወሓት’ ዝበሎም እቲ መግለጺ ብዘይካ’ዚ፣ 20 ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ከምዝሓዙን፣ ንኣርባዕተ ድማ ከምዘቑሰሉን ጠቒሱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ክሲ ዘቕርብ ዘሎ፣ ሓይልታቱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ፣ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ፣Continue reading “ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ”
ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’፣ ኣብ ብሪጣንያ ዑደት የካይድ
ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ካብ ትርፍራፍ ዕንጸይታ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዑደት የካይድ ኣሎ። እቲ፣ ንሰብኣውነት፣ ሕብረተሰብን ድጋፍ ንሓተቲ ዑቕባን መልእኽቲ ዝሓዘ መስቀል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ዑደት ብምቕጻል፣ ብ22ን 23 ግንቦት፣ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ህዝቢ ክዕዘቦ ክኢሉ። እቲ መስቀል፣Continue reading “ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’፣ ኣብ ብሪጣንያ ዑደት የካይድ”
ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ኣሲሮም። ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብርኦም ዝተመዘበሉ ኣስታት 500 ተወላዶ ትግራይ ከምዝኣሰሩ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብቲ እቶም ተመዛበልቲ ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ከባቢ፡ ብሓይሊ ድሕሪ ምእንታዉ፣ ነቶም ዝኣሰርዎ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ፣ እናጋፍዑ ናብ ዓበይቲ መካይን ከምዝጸዓንዎም ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም። ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ከተማContinue reading “ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ኣሲሮም። ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።”
