”ንቀራረብ ንቀራረብ ደገ ዘለዉ ኣሕዋትና’ዮም”
ቀጢን ድምጺ ናይታ ፈቶሪኖ ድምጽ’ቲ እኩብ ዋጭዋጭታ ክፍንጽግ ኣይትሓዙኒ እናበለ የቃልሕ።ኣውቶቡስ ከተማ ኣስመራ፡ እተን እንኮ መንግስታዊ ዕማመን ብብቕዓት ኣብ ምስልሳል ዝርከባ ኣገልገልቲ ምዃነን ብጽቕጥቅጥ ህዝቢ ከመስክራ እዩ ዝብርሀን።
”ማእከላይ ማዕጾ ንቀራረብ” ድምጽታ ፎተሪኖ ኣየዕረፈን።
”ኣይይይ . . . ኣታ ረጊጽካኒ እምበር”
”ከይትርገጺ ተደሊኺ ብታኽሲ’ሞ ዘይትኸዲ”
”ንዓ በል ተሓንጎር”
“ኣብ ቦርሳይ ክትኣቱ ደሊኻ?”
ንጽበት ቦታ ብመልሓሶም ከቃልልዎ ከምዝደለዩ ክመስል፡በብወገኑ መረረ ጽቕጥቅጥ ይቕጽል።
”ኣቱም ቀስ ግዳ ዘይትብሉ”
ክኣትዋ ደጊፈ ዘእተኽወን ሰንከልከል ዝብላ ሰበይቲ ምስ ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ ሕቑኡ ሂብወን ዝነበረ ገዚፍ ሰብኣይ ይማጎታ።ወዮ ገዚፍ ሰብኣይ ገጹ ከይጠወየ ብጎርናዕ ድምጹ
”እሞ ደፊእኪ ብፍኒስትራ ኣውጽኒ።”
ምንኣስ ሓርማዝ ክነሱ ብፊንስትራ ክወጽእ ተራእዩኒ ሰሓቐይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን። ዝቕጽል ግብረመልሰን ክጽበ እናሃቀንኩ ወዮ ሰብኣይ ናባይ ተጠውዩ።
”እሂታ እንታይ ነፊሑካ”
ዘይተዳለኹሉ ነገር ስለ ዝገጠመኒ ሓሲበ መልሲ ክህብ፡ወይ ብኣግኡ ገላጋሊ ንምርካብ ቁልሕሊሕ በልኩ። ሃንደበት ዝለኽፈኒ ሰብኣይ
”ኦ!”
ክብል ሓውሲ ኣውያት ብዝጥዕም ድምጺ ኣውቶቡስ ኣነቓነቓ።እንታይ ረኺብዎ ኢልና ፍርቂ ኣውቶቡስ ተጠውዩ ክጥምቶ ግልጽ በለ።
”ኢራብ ዲኺ ኣንቲ?”
መልሳ ከይተጸበየ ተጠምጠማ።ከምቲ ኣሰዓዕሙኦም ናይ ሃይስኩል ካችኡ እያ ትመስል።ግር ዝበላ ሰበይቲ ገጽ ገጹ እንጠመተት ተዓኒዳ።ኣብ የእምሮኣ ዘይዕዉት ድልያ ናይዚ ሰብኣይ ከተካይድ ምስሊ ትፈልጦም ሃዛርጥ ክትፈታትሽ ከምዝወፈረት ገመትኩ። ትርንዕ ትርንዕ ዝበለ ስዕመት እንከቕምሳ ገጻ ተበቲኻ ከይትወድቕ ዝሰግአት ክትመስል ክሳዳ ብብቂ እየ ተንቀሳቕስ ዝነበረት።
ካብ ዘየድሊ ላኽፋ ናይቲ ሰብኣይ ብምግልጋለይ እፎይታ ተሰምዓኒ።ንሳ እውን ኣብቲ ድልያ ስለ ዝተዓወተት ግዲ ኮይና ካብኡ ብዘይሰንፍ ድምጺ ኣውቶቡስ ኣነቓነቐታ።
”ኣይኣምንን’የ ኣንታ ሳጢር ዲኻ፧”
ተመሊሶም ኣብ ምስዕዓም ኣተዉ።ሰብ ተጋግያ ከምዘላ ክሕብራ ድንዕ በልኩ።ብግዝፉ ንቕድሚት ከምዘይሪኢ ዝጋረደኒ ሸሞንተ ሳጢራት ተጠሚሮም ዘይዳረግዎ ሰብኣይ’ሲ ሳጢር! እቲ ክድይብ እርጋን ዘሰነፋ ዝመሰለትኒ ሰበይቲ ኣሰዓዕማኣ ርእየ፡ዝተሰሓሓተ ግምት ከምዝወሰድኩ ተረድኣኒ።ዝተኸድነቶ ብጫ ሽፎን ኣብ ስልኪ ከም ዝተሰጥሐ እናተዋዛወዘ ዕብራና ኣብ ምጉላሕ ተጸሚዱ፡ንቒሕ ገጻ ዝበለላ ኣብ ላዕላይ መዓጉርታ ዝዓለባ ቅጫ መጠቃ ዝመስላ ማዳ ተኾዲመን እንተስ ናብራ እንተስ ጥዕና፡ ሓዲኡ ከምዘግድዓ መስካሪ ኣየድልዮን።
ካብ ፈተሻ ኣካላታ ወጽየ ክጸናጸን ጀመርኩ። ገለ ክፋል ሰላምታ ሓሊፉኒ ኔሩ።
”እዋይ ኢራብ ዘይሞተስ ይራኸብ ደኣ።ከይገርመኪ እዛ ማህረምትኺ እንተዘይርኢ ኣይመለለኹኽን ኔረ።”
ኣብ ላዕላይ ግምባራ ንዝነበረት ጠምሳቕ በሰላ እናተናኸፈ ሰሓቐ። ንእግረ መንገደይ በሰላ ግርም ታቤላ ምዃኑ ተሰወጠኒ።ለካ ገለ በሰላታት ግዜ ዘየህስሶም፡መለለይናን መንነትናን ኮይኖም እዮም ዝነብሩ በልኩ።
”እዋይ ሳጢር ኣንጭዋ ዝወሓጠ ድሙ እንዲኻ መሲልካ ጋጊናካ”
ተታሓሒዞም ነዊሕ ሰሓቑ።እቲ ሰሓቖም እውን ኣይጋጠመን።ነቲ ጉጅለ ባህሊ ናይ ቤት ትምህርትና ትጻወቶ መእሰሪ ዘይብሉ ሙዚቃ ይመስል።ኣነ እውን ብወገነይ ድሕሪ ምውራድና ሳጢር ዝበልዖ ሓቲተ ሚዛነይ ከመሓይሽ ምስ ነብሰይ ቃል ኣተኹ።
”ጋጊኽና’ዶ ኢራብ ቅጭን ነዊሑ እንድዩ ግዜ፡ጥቅውቲ ሰበይቲ ድማ ረኺበ ብጻይኪ ግዓት ግዒታ ተቑርስ”
”ሓቅኻ ነዊሑ”
ድሕሪ ምባል እንደገና ኣስቀጠት።ምናልባት ንውሓት እቲ ግዜ ትዕቅን ኔራ ትኸውን።ምናልባት ህይወቶም ኣብ መቓን ግዜ እናእተወት ተነጻጽር ኔራ ትኸውን።
”እምበር ትብለጽሲ ኣይኮነንዶ ግዓት ቦጅቦጅ እኳ ተመቅር ኔራ”
ናብ ሰሓቓ ተመልሰት፡ኣየሰነያን።ሰሓቕ ሳጢራት ኣይምችኦን ግዲ ኮይኑ።
”ምስ ትብለጽ ደኣ ተፈላሊና እንዲና”
ክብላን መብረቕ ከምዝሃረማ ክትፈዝዝን ሓደ ኮነ።ነዊሕ ኣይጸንሐትን ሕቶታት ጀመረት።
”ቆልዑኸ ከመይ ኣለዉ፡ሰዲርካ ዲኻ?”
”ሰዲርና ኢራብ ነብሲ እቲ ቦኽሪ ተመሪቑ ኣብዚ ኦሮታ ይሰርሕ ኣሎ፡እተን ክልተ ድማ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ኮሌጅ ኣለዋ፡እተን ዳሕረዎት ነኣሽቱ እዮም ትምህርቲ ኣይጀመሩን”
”ኦ እሞ ሰዲርካ ኢኻ”
ከምኣመላ መገሻ ግዲ ጀሚራ ናብ ስቕተኣ ተመልሰት።
”ስራሕ ከመይ ኣሎ ኢራብ ሕቶታት ቀጸለ”
”ስራሕ ደኣ ነዊሕ ኣንድዩ ኮይኑ ካብ ዘቋርጽ፡ ጥዕና እናሰኣንኩ፡ኣብ ጽሓይ ኮፍ ኢልካ ትኬት ናይ ፓርኪን ክትቆርጽ ኣየኽኣለንን”
ኣብ የዒንታ ገለ ነገር ዝነበብኩ መሰለኒ፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕላሎም ናብ ንእስነት ከምዝመለሶም ኣየጠራጠረንን።ደሃይ ዓርከይ ክገብር ኣንጊሀ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ክበጽሕ ተሃንጥየ እኳ እንተነበርኩ፡ሕጅስ ኣንጻር ትምኒተይ ጉዕዞ ክነውሓለይ እሞ ዝያዳ ታሪኽ ክሰምዕ ደኣ ተሃንጠኹ።
”ጥዕናኸ ከመይ ትኸውን ኣለኻ፡እዛ መውጋእቲ ተሸግረካ ኣላ ድያ፧”
ናብ ቀልበይ ካብ ዝምለስ ንፈለማ ዝሓዝክዋ ሕቶኣ ነበረት።
ናብ የማነይቲ እግሩ እናመልከተ
”ደሓንያ ሕጂ ደኣ፡እንተሓሰብክዮኸ ጓለይ ካብ ፈንቅል እዚኣ ጥራይ ከፊልካ ምውጻእ መን ይረኽቦ፡ንስኺ እንተዘይትህልዊ ኣበይ ምወጸኹ።ምስ መውጋእተይ ሓዚልኪ ከተውጽእኒ እኮ ኢኺ እዚኣ ተሃሪምክያ” እንደገና በሰለኣ ተናኸፈ።
”ፈንቅል፡እንታይ ዘይከፈልናላ” ዝገደደ ኣብ ዝንታ ኣተወት፡ ሕሰም ዘየረከበለን ክመስላኒ ዝጸንሓ ብሩሃት የዒንታ ንብዓት ክጋርደን ኣስተብሃልኩ። ግደ ሓቂ ዛንታ ገድሊ እናክሰምዕ ዛንታ ምረት ምንባሩ ኣይሰሓትኩን። ብጋህዲ ዝነብዕ ተጋዳላይ ደኣ ኣይገጠመንን እምበር። ብዛዕብኦም ዘይበርሃለይ ብዙሕ ነገራት ኣሎ፡እንተላይ ንምንታይ ንንብዓት ከም ምልክት ሕመቕ ሓሲቦም ምስ ስምዒቶም ይቃለሱ።
”ወዲ ኣብርሃ እውን ኣብኣ እዩ ተሰዊኡ።”
ዝዓቖረ ንብዓት ከየምልጣ ክትመስል፡ ኣንቃዕሪራ ንናሕሲ ጠመተት
”ወደ ኣብርሃ!” ንሱ እውን ሓዘን ከምዘረኻኸበሉ ዝን በለ።
”ወይለይ እቶም ደቅኹም’ከ ከመይ ኣለዉ። መን እዩ ስሙ እቲ ዓቢ . . . ” ክዝክር ቅሩብ ድሕሪ ምጽናሕ
”እ . . እወ ዘኪረዮ መትከል፡ መትከል ወደ ኣብርሃ ክሳብ ዝስዋእ ካብ ኣፉ ዘየውጽኦ ዝነበረ”
ዝጸረቶ ንብዓት እንተስ ከቢድዋ እንተስ ብግዲ ንግዳም ዝደፍኦ ተወሰኺ ጓሂ ረኺቡ ተፈርሽሐ። ሃዝራጥ . . . እባ ሳጢር እውን ከምዝተሰከፈ ዙርእዩ እናጠመተ ኣቕባሕበሐ።
ሰብ ከይሰምዓ እንክትመስል ብትሕቲ መልሓሳ
”መትከል ደኣ ዓሪፉ እንድዩ” በለት።ዕላሎም ብዙሓት ንጸናጸኖ ከምዝነበርና ይጠፍኣ ኣይበልኩን።ካብቲ ጸጸኒሑ ዝውጭጭ ድምጺ ፎተሪኖን ዓቕልኻ ዝፈታተን ሃሩርን ጽቕጥቅጥን ኣውቶቡስ ንምምላጥ ኣብ ዕላሎም ዝተዓዕቆብና ውሑዳት ኣይነበርናን።ሳጢር ብስምባደ ርእሱ ሓዘ። ንነገሩ ኣብቲ ጽቕጥቅጥ ድጋፍ ከይደለየ ሰብ ንሰብ ሰጢሙ እዩ፡ኣይኮነን መውደቒ፡መቐመጢ ኣጻብዕቲ ቦታ እኳ ንጋዶ።
”እንታይ ትብልኒ እንታይ ረኺብዎ፡መዓስ ዓሪፉ”
ኣብ ድምጹ ምቅይያር ኣስተብሃልኩ። ኢራብ ብትሕቲ ልሳና
”ዓመቱ፡ሊብያ”
መዓንጣ ከብደይ ተሓሚሰ ንባዕ ንባዕ ዝብል ስምዒት መጸኒ።ጾር ናይ ኢራብ ካብ ጾረይ ንላዕሊ ከበደኒ። ካብ ዕላሎም ነዚ ናይ ሎሚ ሓርማዝ ናይ ሽዑ ሳጢር ሓዚላ ሰዓታት ጎያ ዘይትርብርብ፡ኣብ ልሳን ብጾታ ብጅግንነታ ዝተወቀጠት ኢራብ ምንባራ ሰሚዐ እየ።ሎሚ ግን ነዛ ንነብሳ እኳ ምስካም ስኢና ብዓል ኣነ ደጋጊፍና ኣውቶቡስ ነስቅላ። ዝወርደላ ፈርማታ ስለ ዝኣኸለ ነቲ ኣብ ምውራድ ዘሎ ጽቕጥቅጥ ሓሲበ ጥቓ ማዕጾ ተቐሪበ ንኽጸንሕ ክርሕቆም ወሰንኩ።
”ናበይ ገጽኪ ደኣልኪ፧”
ሕልፍ ክብል ዕላል እናቐጸለላ ሰማዕክዎ
”ናብዚ እስሪ ቤት ዓዲ ኣበይቶ፡እቲ ንእሽተይ ወደይ ክበጽሖ”
ኣዕሚቐ ኣስተንፈስኩን። ተመስገን! ናብኡ እንተኾይናስ ደጊፈ እኳ የብጽሓ። ክጽበያ ወሲነ።
” እዋእ ኣብዚ ድዩ ዘሎ ወድኺ፡እሞ ምሳና እዩ”
”ወይለይ ኣብኡ ዲኻ ዘለኻ፧
”እወ . . . ደይ ሎሚ ከማን መኪና ተበላሽያትኒ እየ ኣውቶቡስ ጌረ”
”ወይ ህዝባዊ ግንባር ንዓኻ ትኸውን መኪና ክኣ ረኺቡልካ፧”ድሕሪ ክንደይ ሰሓቐት።እቲ ክትስሕቕ ምረታን ሓዘናን ዘረስዕ ጽባቐ ትላበስ፡ምስሊ ንእስነታ ብልጭ ኢሉ ይጠፍኣካ እምበር ብጩራስ ትሪኦ።
”ኣብዚ ቀረባ ጋራዥ እየ የእቲየያ ዘለኹ ወዲኦማ ይኾኑ እዩም፡ንእግረመንገደይ ይማልኣኪ”
ተመስገን በልኩ፡እንቋዕ ነታ ኣብ ዝባና ካብ ዓዲ ምት ዘትረፈቶ ክማላኣ ዘከረ እምበር፡ ኣነ ደኣ ከም ህዝበይ ብእግረይ ዘጓሕ ይብል ግዲ።
Asmerom Haile
ደራሲ፡ ኣስመሮም ሃይለ
ፓሪስ
31/08/2018
06፡16 am
