ኣብ ትግራይ ‘ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ’ ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ብርጣንያ፡ ኣጠንቂቓ።


መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ኲናት ዘስዕብ ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ዓጸቦ ፡ ኒክ ዳየር፡ ኣብቲ ብኲናት ዕንወት ዝወርዶ ዘሎ ክልል፡ ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ ነቲ ግምገማ ኣካዪዱ።ብመሰረት ሚስተር ዳየር ዘቕረቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል ጸብጻባት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ተጻብኦታት ይቕጽል ምህላው እውን ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ መሳርሒታት ሕርሻ፡ ንዘርኢ ዝተኸዘነ እኽሊ፡ ከምኡ’ውን ዓድታት ብምሉእ ዕንወት ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፤ ብምኽንያት ምዕጻው ጽርግያታትን በረራታትን ኣብቲ ክልል፡ ብዙሕ ህዝቢ ክብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ኣብሪሁ።ጥዕና ዘይምርካብ ማዕረ ጥሜት ኣስጋኢ እዩ ዝበለ ሚስተር ዳየር፡ ብፍላይ ኣብ ዝበዝሓ ማእከላት ጥዕና እቲ ክልል፡ ዝበጽሐ ዕንወት ዝያዳ ኣሻቓሊ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ ዩኤስኤይድ’ውን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ “ሓያል ጥሜት” ተኸሲቱ ምህላው ኣጠንቂቓ ነይራ።

ሰማንታ ፓወር፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ህጹጽ ትካል ምክትታል መግቢ ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽለ ዘሎ ጎንጺ፡ ከቢድ ስእነት መግቢ” ተኸሲቱ ምህላው፡ ድማ ገሊጻ

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ከብልን ንሰራሕተኛታት ረድኤት መገዲ ክኽፈትን” ድማ ጸዊዓ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።
እዚ ከይኣክል፣ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም፡ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ ተፈናቐልቲ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ብሰነይ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሲዶም ከምዝተኣሰሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡እቶም ወተሃደራት ናብቶም መዕቆቢታት ብምእታው ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ከካብ ዝነብሩሉ ክፍሊታት እናውጽኡ ንገሊኦም ብመካይን ንገሊኦም ድማ ብእግሮም ኣሰሊፎም ከምዝወሰዱዎም ብምግላጽ፡ ነቶም ስደተኛታት ይቕጥቅጡዎም ከም ዝነበሩ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም፡፡

ልኡኽ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ,፡ እቲ ጸብጻብ “ኣዝዩ ረባሺ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ነቲ ኩነታት ንምብራህ ነጻን ቅልጡፍን መርመራ ክግበር ከም ዘድልይ” ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና ተፈናቐልቲ ናይ ምእሳር “ተግባር ክፍጽም ዘይክእል” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ጸብጻባት “ዝተፋሕሰ” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብስልጣን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ “ዘይርትዓዊ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ዘንበረቶ ናይ ቪዛ እገዳ “ሕጋውነትን፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኮነ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሳባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከምእትገብር ኣመሪካ ብሰንበት 23 ግንቦት ገሊጻ ነይራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ፡ ብሰንኪ’ቲ ሕጂ ፈሪሱ ዘሎ ህወሓት ብ3 ሕዳር 2020 ዝወሰዶ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ዝተፈጥረ’ዩ” ክብል ከሲሱ።

ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ነበር፡ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ብሰሜን እዝ ዝፍለጥ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ምእዋጁ ይዝከር።መራሕቲ ናይቲ ኣብ ሕጂ እዋን ኣሸባሪ ጉጅለ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰዪሙ ዘሎ ህወሓት፡ እቲ ናይ 3 ሕዳር መጥቃዕቲ “ቅድመ-ምክልኻል” ንምግባር ዝተወስደ ምዃኑ’ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ግና እቲ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘጠቓለለ እገዳ፡ ካብ ትማሊ 24 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ብትዊተር ገሊጹ’ሎ።

ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንኽወጹ ዝጽውዕ ደብዳቤ ልኢኹ

ዋና ኢታማጆር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽወጽእ ዝሓትት ደብዳቤ፡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝለኣኸ፡ ብሉምበርግ ገሊጻ።

ናይ’ቲ ጀነራል ፊርማ ዘለዎ ደብዳቤ፡ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት፡ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ጀነራል ፊሊጶስ ወለደዮሃንስ ከም ዝተላእኸ አታ ማዕከን ዜና ትገልጽ።እዚ ናይ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ደብዳቤ፡ ምስ ናይ ኣሜርካ ብይን እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ተተሓሒዙ ይርአ።

ወትተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብጣዕሚ ከበድቲ ምዃኖም ዝተነግረሎም ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ምዝራፍ ንብረትን ዕንወት ትሕተ ቅርጽን የካይድ ከምዘሎ ዝንገር’ዩ።ነዚ ኩሉ ገበናት ብምኽሓድ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ብፍጹም ኣብ መሬት ትግራይ ኣይኣተወን ክብሉ ዝሓገዩ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ግዳይ እገዳ ኮይኖም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ፓርላማ ዝሃቦ መግለጽን ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ፡ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብን፡ ኣብ መሬት ትግራይ ከምዘየለ ዘረጋግጽ’ዩ ኔሩ። ኣብ እዋኑ፡ በዚ ዝተፈብረኸ ሓበሬታ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተሬስ፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ግጉይ መግለጺ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ዝሃቦ መግለጺ ኣካታዒ ኮይኑ

ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ “ናይ ኣሜርካ እገዳ ግዲ ኣይገብረሉን’የ።” ኢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘኸተሎ ጥሕሰት መሰል ደቂ-ሰብን ምፍንቓልን፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ዘይምውጻእ ተወሲኽዎ፡ ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን እግዳ ምጽዳቓ ይፍለጥ፡ ነዚ ተከቲሉ ኣዛራቢ ዝኾነ መግለጺ ምውጻእ ይቕጽል ኣሎ።

ዓመታዊ ሓደ ቢልየን ዶላር፡ ካብ ኣሜርካ ዝቕበል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ፡ ንኣሜርካ፡ ርክበይ ንኽዓጹ ትግድድኒ’ለኺ ዝብል መግለጺ ድሕሪ መሃቡ፡ ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሞ፡ ኣቶ. ሽመልስ ኣብዲሳ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ፡ “ኣሜርካ ኣይትፈልጠንን’ያ፡ ኣነ ኸኣ ኣይፈልጣን’የ።” ዝበለ’ቲ ኣመሓዳሪ፡ “ዓለም ኣቓልቦኣ ናባና ምግባራ ኣዝዩ ባህ ኢልኒ’ሎ።” ክብል ወሲኹ።

እቲ ኣመሓዳሪ ብምውሳኽ፡ “ናብ ሞያሌን ዓድዋን ንምኻድ ቪዛ ኣየድልየንን አዩ።” ክብል፡ ብዛዕባ’ቲ ማዕቀብ፡ ፋዓራ ከምዘይብሉ ኣረዲኡ። ኣቶ. ሽመልስ ኣብዲሳ፡ በዚ ደው ከይበለ “እቲ እንኮ ክተርፈና ዝኽእል፡ ነቐዝ ዝበልዖ ስርናይ’ዩ ፡ ንሱ ኸኣ ባዕለይ ሓሪሰ ኪህበኩም’የ።” ክብል ተሰሚዑ።እቲ ጸዲቑ ዘሎ እገዳ ግን፡ ንኣመሓደርቲ ክልል ኦሮሞ፡ ዝሓወሰ ሙዃኑን ዘይምዃኑን ዝፍለጥ ነገር የለን።

እዚ ከምዚ’ሉንከሎ፡ ነዚ እገዳ ተኸቲሉ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቴሌቭዥን(EBC) ዘውጸኦ መግለጺ ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ። እቲ መደበር ቴሌቭዥን፡ ናይ ኣሜርካ እገዳ፡ ንጥምረት እታ ሃገር ሓጋዚ’ዩ ክብል ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት፡ “ኣሜርካ ንምብትታን ኢትዮጵያ’ያ፡ ጸቕጢ ትፈጥር ዘላ።” ክብል ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝጻረር ብሙዃኑ ኣገራሚ ኮይኑ’ሎ

ኣቶ ሺመልስ ኣብዲሳ

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን፣ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ፊልም HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ኮይና

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን ኣብ መርበብ ተለቪዥን HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ጽሑፋት ድራማ ክትከውን በቒዓ::
ኣይዳ ዑስማን፣ Issa Rae ኣብ ዝተባህለት ኮሜዲያዊት ፊልም ከምኡ’ውን Rap Sh*t ዝተባህለት ድራማ ካልኣይቲ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ንምዕያይ ተዳላያ ትርከብ::እዛ ጓል 23 ዓመት መንእሰያ፣ ኣብ Netflix ናይ እትቐርብ ዘላ Big Mouth ድራማ’ውን ጻሓፊት እያ::ኣይዳ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ፣ ካብ ዝርከቡ ጸሓፍትን ኣርታዕትን ሓንቲ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ምዃና፣ ንታሪኽ እዛ መንእሰይ፣ ኣብቲ ንፍሉጣን ሃብታማትን ሰባት ብምትኳር ዝዳሎ መጽሔት ፎርብስ፣ ዘስፈረት ጋዜጠኛ ካሪን ኢልዶር ትገልጽ:
ኣይዳ፣ ካብ ኣቡኣ ጎይቶኦም በርሀ ኣዲኣ ሰሚራ ዑስማን፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዋሺንግተን ዲሲ ተወሊዳ፣ ኣብ ሊንከን ኔብራስካ እያ ዓብያ::ንሳ፣ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ናይ ዘሎ ትምህርታ፣ ኣብ ከተማ ሊንከን ዝተኸታተለት ኮይና፣ ካብ ዩኒቨርስቲ ኔብራስካ ብፍልስፍና’ያ ተመሪቓ::ዝንባሌኣ ኣብ ምጽሓፍ: ምውሳእን ኮሜዲን ብምንባሩ፣ ሂወታ ብእኡ ክትመርሕ ስለዝመረጸት ድማ፣ ክሳብ ምስ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ፊልም ክትሰርሕ በቒዓ::
ኣስታት44 ሚልዮን ዓማዊል ዘለውዎ HBO ኣብ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝመደበሩ ከፊልካ ዝርአ መርበብ ተሌቪዥን ኮይኑ፣ ዝበዝሕ መደባቱ ኣብ ምዝንጋዕ: ፊልም: ኮሜዲን ድራማን ዘተኮረ እዩ::

ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ምርጫ ከምዘይግበር ገሊጹ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ከምዘካይዶ ዝገለጾ ምርጫ፡ ምርጫ ዘብይካየደሎም ከባቢታት ይበዝሑ’ለዉ። ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዘይካየድ ውሁብ ተወሲዱ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ናይ’ታ ሃገር ፖለቲከኛታት ኣብ ክልል ኦሮሞ፡ ንሓደ ፓርቲ ጥራይ ዘወዳድር ምርጫ ከመይ’ሉ ምርጫ ይበሃል ክብሉ ተሰሚዖም’ዮም።

ትማሊ፡ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት አታ ሃገር ምርጫ ከምዘይካየድ’ዩ ዝሕብር።

ኣብቲ ብሰንኪ፡ ጸጥታዊ ሽግርን ናይ መረጽቲ ምዝገባ፡ ዝተቛረጸንን ዘይተኻይደለንን ምዃነን ዝገለጸን ከባቢታት፡ ልዕሊ ሸሞንተ ናይ ኣምሓራ ክልል ዓድታት ዝርከብአን፡ ጠቅላላ ልዕሊ ዕስራ ከባቢታት ምዃነን ተፈሊጡ።

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር ዝተዛረቦ ምስጢር

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር፣”ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ሽግር ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ተዛሪቦም ኣይፈልጡን’ዮም።” ኢሉ

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብዝደልይዎ ዝነበሩ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ተሸፊኖም፡ ንህወሓት ብኸመይ ነጥፍእ’ምበር ንምዕባለ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ሓሲቦም ኣይፈላጡን’ዮም። ዝበለ ኣምበሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ።ኣብ’ዚ ጉዳይ ሰበ ስልጣን ኣምሓራ ክልልን ፕረዚደንት ሶማል,፡ ፎርማጆ ክሳብ ጎንደር ብምምጻእ ከም ዝተዛተይሉ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 3ተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ዝተፈልየ ስምዒት ንኽሓድሮ ዝገብር፡ መንገዲ ምዕጻው፡ ንኣውፈርትን ኣምበሳደራትን ናብ መቐለ ጉዕዞ ምኽልካልን፡ ባጀት ምእጋድን ካልእ ነገራትን ኪገብሩ ምጽነሖም ወሲኹ የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ገሌ፡ ብኣፋን ኦሮሞ፡ ዓፊንና ሒዝናዮም ኢና ናብ ዝንቀሳቐስዎ የለን፡ ክብል ዘስመዖ መደረ መርኣያ ናይ’ዚዩ ኢሉ።

ሓደ ጋዜጠኛ ንምሓዝ: ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ

ካብ ግሪክ ናብ ሉቱወኒያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ ቤላሩስ ዓሊባ ንሰዓታት ኣብኡ ክትጸንሕ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።እታ ነፋሪት ትዓርፈሉ ቦታ ክቕይር ዝተገበረ ካብ ሞንጎ ተጓዓዝቲ ሓደ ንዝነበረ ጋዜጠኛ ንምሓዝ ምዃኑ ተጣበቕቲ መሰላት ሓቢሮም።በቲ ተግባር ዝተቖጥዓ ሃገራት ኣውሮጳ፡ “ብመንግስቲ ዝተደገፈ ሽበራ” ተፈጽም ኣላ ብዝብል ንቤላሩስ ኮኒነንኣ።

ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ክህሉ ከምዝኽእል’ኳ ስግኣት እንተነበረ ዋላ ሓደ ዝተረኸበ ነገር ግን ኣይነበረን ይብል ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ቤላሩስ።ኣንፈት ጉዕዞ እታ ነፋሪት ዝተቐየረሉ ምኽንያት ንገያሾ ኣይተሓበሮምን ነይሩ፤ ሓደ ተጓዓዛይ ግን እታ ነፋሪት መገዲ ክትቕይር ከላ፡ ተደላዪ ኣብ ዝነበረ ጋዜጠኛ , ፍርሒ ከምዝተዓዘበ ተዛሪቡ።

“ኣብ ገጹ ፍርሒ ይንበብ ነይሩ። ክትሪኦ’ውን ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ነይሩ” ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ሞኒካ ሲምኬኔ ዝተበሃለት ካልእ ተጓዓዚት ድማ፡ ገጹ ናብ ገያሾ መሊሱ መቕጻዕቲ ሞት ከምዝጽበዮ ተዛሪቡ’ዩ” ኢላ።

ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮቶቪች ምስተትሓዘ ድማ እታ 171 ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ጉዕዞኣ ክትቕጽል ከምዝተገበረ ተፈሊጡ።ሕብረት ኣውሮጳን ኣባል ሃገራት ኔቶን ኣብቲ ጉዳይ ኢደም ክሕውሱ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።

ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይዝክሩ ኣለዉ

24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።
ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎምሉ ዘለዉ እዋን እትኽበር ዘላ 24 ግንቦት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና ንኩሉ ትሓቁፍ ዕለት’ያ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓደ ሰብ ብዝምርሑ ውሑዳት ተጨውዩ ዝርከብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምስሊ’ዛ ዕለት ደዊኑዎ እኳ እንተሎ፣ ብመሪር ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ዝተረኽበት ብምዃኛ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን የዘኻኽሩ’ ኣለው።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብማእሰርቲ፣ ስደትን ሕሱም መነባብሮን ይግረፍ ስለዘሎ፣ ናጽነት ሃገሩ ከስተማቕርን ምሉእ ሓርነት ክስምዖን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምውዳቑ፡ ገለ ኤርትራውያን ብምረት ይገልጹ።እንተኾነ እዛ ካብ ተኸታታሊ መግዛእታት ስርዓታት ኢትዮጵያ ናጽነት ዝኣወጀት መዓልቲ፣ ብዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ደኣምበር፣ ሕድሪ ብጾቶም ብዝጠለሙን፡ ህርፋን ስልጣን ብዘለዎም ውሑዳትን ብዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን በደልን ክትግለጽ ከምዘይግባእ’ውን መዘኻኸሪ ይቐርብ ኣሎ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኢድ ክህልዎም ይክእል’ዩ ዝተባህሉ ሓለፍቲ ጸጥታን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራን ህወሓትን’ውን በዚ ናይ ቪዛ እገዳ ተጸልዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።እቲ ምምሕዳር፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ መገሻ እገዳ ዘተግበረ፣ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።
ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ብ20 ግንቦት ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብዝቐልጠፈ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ወገናት ክትሕተቱ ከምዘለዎም’ውን ኣስሚርሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ዝልኣኽ ረዲኤት ካብ ምዕጋት ክቑጠቡ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ መሰናኽል ክቕጽል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ገበናት፣ ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ ዝብል’ውን ካብቲ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ብምልኣተ ጉባአ ዘሕለፎ ውሳኔታት’ዩ።
ባይቶ ሰነት ኣመሪካ ዘሕለፎ ውሳኔታት፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ እንተዘየውዒሎሞ፣ ኣመሪካ ዝተፈላለየ ስጉምታት ክትወስድ ከምእትኽእል ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።ገለ ካብኡ ድማ ናይ ፖሊሲ ምቅይያርን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ እገዳታት ምንባርን ምዃኑ፣ ፎረይን ፖሊስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፉሩ ይርከብ።

Design a site like this with WordPress.com
Get started