ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ካብ ትርፍራፍ ዕንጸይታ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዑደት የካይድ ኣሎ። እቲ፣ ንሰብኣውነት፣ ሕብረተሰብን ድጋፍ ንሓተቲ ዑቕባን መልእኽቲ ዝሓዘ መስቀል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ዑደት ብምቕጻል፣ ብ22ን 23 ግንቦት፣ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ህዝቢ ክዕዘቦ ክኢሉ። እቲ መስቀል፣Continue reading “ኣስታት 360 ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተሰርሐ ‘መስቀል ላምፔዱሳ’፣ ኣብ ብሪጣንያ ዑደት የካይድ”
Category Archives: News
ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ኣሲሮም። ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብርኦም ዝተመዘበሉ ኣስታት 500 ተወላዶ ትግራይ ከምዝኣሰሩ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብቲ እቶም ተመዛበልቲ ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ከባቢ፡ ብሓይሊ ድሕሪ ምእንታዉ፣ ነቶም ዝኣሰርዎ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ፣ እናጋፍዑ ናብ ዓበይቲ መካይን ከምዝጸዓንዎም ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም። ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ከተማContinue reading “ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ተመዛበልቲ ኣሲሮም። ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።”
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብስልጣን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ “ዘይርትዓዊ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ዘንበረቶ ናይ ቪዛ እገዳ “ሕጋውነትን፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ። ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኮነ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሳባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከምእትገብር ኣመሪካ ብሰንበት 23 ግንቦት ገሊጻ ነይራ። ሚኒስትሪContinue reading “ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብስልጣን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ “ዘይርትዓዊ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።”
ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ዝሃቦ መግለጺ ኣካታዒ ኮይኑ
ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ “ናይ ኣሜርካ እገዳ ግዲ ኣይገብረሉን’የ።” ኢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘኸተሎ ጥሕሰት መሰል ደቂ-ሰብን ምፍንቓልን፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ዘይምውጻእ ተወሲኽዎ፡ ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን እግዳ ምጽዳቓ ይፍለጥ፡ ነዚ ተከቲሉ ኣዛራቢ ዝኾነ መግለጺ ምውጻእ ይቕጽል ኣሎ። ዓመታዊ ሓደ ቢልየን ዶላር፡ ካብ ኣሜርካ ዝቕበል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚContinue reading “ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ዝሃቦ መግለጺ ኣካታዒ ኮይኑ”
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን፣ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ፊልም HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ኮይና
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን ኣብ መርበብ ተለቪዥን HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ጽሑፋት ድራማ ክትከውን በቒዓ::
ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም።
ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሞንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ኣብ እየሩሳሌም ብዝተወለዐ ጎንጺ ብዙሓት መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም።ተቓወምቲ ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ከለዉ ፖሊስ ድማ መንብዒ ጋዛት፣ ናይ ጎማ ጠያይትን ኣድማ መበተኒ ማይን ተጠቒሞም።ሰብ ሞያ ሕክምና ፍልስጤም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 90 ፍልስጤማውያን ከምዝቖሰሉ ገሊጾም፤ ፖሊስ እስራኤል ብወገኑ ሓደ ኣባሉ ከምዝቖሰለ ኣፍሊጡ። ፍልስጤማውያን ካብቲ ኣይሁዳውያን ዝነብሩሉን ናትና ዝብልዎን መሬትContinue reading “ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም።”
ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም
ዕጡቓት ናይጀርያ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ ተፍትሽ፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም።እቶም ዕጡቓት ናይ ፖሊስ መኪና’ውን ኣቃጺሎም ተባሂሉ። ፖሊስ ብዝወሰዶ ዓጸፋ ምላሽ፡ ክልተ ኣባላት እቶም ዕጡቃት ዝቐተለ ኾይኑ፤ ዝተረፉ ከምዘምለጡ ተገሊጹ።ነቶም ዝተረፉ ንምሓዝ ድማ፡ ሓያል ድልያ ይካየድ ኣሎ።እቶም ዕጡቃት ነቲ መጥቃዕቲ ስለምንታይ ከምዝፈጸሙ ምኽንያቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ከባቢContinue reading “ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም”
ሰራዊት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘራኸብ ድልድል ከምዘዕነዎ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ንማእከላይ ትግራይ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ድልድል ምፍራሱ ይግለጽ ኣሎ። ወተሃደራት፡ ነቲ ከባቢ ምሉእ ብሙሉእ ተቖጻጺራዎ ከምዘሎ ዝገለጸት ፔትሮን፡ እቲ ዝፈረሰ ድልድል፡ ንናይ ክልል ትግራይ ከተማ ራማ ምስ ከተማ ዓዲ-ዃላ ናይ ኤርትራ ዘራኽብ ምዃኑ ትገልጽ። ወተሃደራት ኤርትራ ንዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሩ፡ ብፍላይ ከባቢ ራማ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደርኡ ከምዝርከብ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ምኽንያት መዕነዊ እቲContinue reading “ሰራዊት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘራኸብ ድልድል ከምዘዕነዎ ይግለጽ ኣሎ።”
ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ኣትዮም።
ሎሚ ሰምበት፡ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝኣተዉ ዝገለጸ፡ ናይ ኢጣልያ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣብሳ፡ ሓንቲ ጃልባ 400 ቆሎዑን ኣንስትን ዝርከብዎም ስደተግኛታት ሒዛ ከም ዝመጸት ገሊጹ።ካልኦት ጀላቡ ውን ኣብ ከባቢ ማልታ ኪመጻ ምስ ተራእያ፡ ናይ ድሕነት ጉጅለታት ከይዶም ከም ረዲኤት ከምዝገበሩለን ተፈሊጡ። ላምፔዱሳ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተእንግድ ደሴታት’ያ። ኣምሓዳሪ ‘ታ ደሴት ቶቶContinue reading “ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ኣትዮም።”
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።ካብዚ እቲ 40ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ናብተን ኣብ ትግራይ ዝነጥፋ ዘለዋ ትካላት ግብረ ሰናይ ከም ዘብል ተገሊጹ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ህይወትን መነባብሮን ኢትዮጳውያን ብድርቂ ክዓኑ፡ህጻናት ድማ ብጥሜት ክሳቐዩ ንርኢ ኣለና” ዝበለ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡”ኲናት ትግራይ ሽድሽተ ወርሑ ኣቚጹሩ፡ሲቪላውያን ነቲContinue reading “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።”
