ኣቦ ምዕራባዊ ፍልስፍና ተኪአ በየነ ኣብ ዝተርጎማ ሶፊያ እትብል መጽሓፍ ምስ ክርስቶስ የመሳስሎ እዩ።ኣብ ዘመኑ ከም ዘይፈልጥ ብምፍላጡ ኣብ ኣቴንስ እቲ ኣብ ዓለም ዝለበመ ሰብ ዝብል ክብሪ ክረክብ በቒዑ።እዚ ብደጋዊ ትርኢቱ ከም ዘይምልኩዕ ዝቑጸር፡ተርባብ፡ገዚፍ ርእሱ፡ጠዋይ ኣፍንጭኡ፡ሓጺር፡ በራሕ ጥራይ እግሩ ኣብ ኣደባባያት ኣቴንስ እናዘረ ምክታዕ ዝብርሆ ዝነበረ ሰብ መን ይኸውን ትብሉ?ብርግጽ ንሎሚ ምስቲ መስራቲ ምዕራባዊ ፍልስፍናንContinue reading “ሶቕራጥስ”
Author Archives: DYNAMIC ART PRODUCTIONS
ገንዘብ
PT Barnum “እቲ ዝበለጸ ኣገልጋሊ፡ግን ክኣ ዝኸፍአ ጎይታ” ክብል ይገልጾ። መጽሓፍ ቅዱስ ብወገኑ “ሱር ኩሉ ክፍኣት” ይብሎ።እዚ ንገንዘብ ዝተዋህበ ምስሌታት እዩ።ኣብ መዓልታዊ ናብራናን ህይወትናን ገንዘብ ክንምእርር ግድን እዩ፡እሞኸ ድኣ ድልያ ገንዘብ ጉዕዞ ናብ ዋንነት ሱር ኩሉ ክፍኣት ማለት ድዩ? ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ሕጉስን፡ ጥጡሕን ሂወት ብመንገዲ ገንዘብ ኢና እንደልዮም።ምናልባት ግን ገንዘብ ካብቲ ክህበና ዝኽእል ሓጎስን:ሩፍታንContinue reading “ገንዘብ”
እንተሎ ፈጣሪ . . .
ኣንቲ ኮኾብ መልኣኽ ፍቕሪደስ ክብለንስ ዓይንኺ ንቖሪኣምላኽ ‘ተሎስ እዝንኺ ይለኮታየእጋርኪ ይሓምሽሸ ኣይሰከመን ባይታ ክልቴና ንዓርፍ . . .ንስኺ ‘ናፍቀርኪ ናብራ ንምስናፍቁልሕሊሕ ካብ ትብሊ ዝሓሸ ንምምራጽይሕሸና ዓይነ ብርክኺ ምቕባጽ ኣነ ድማኮኾብ ሒዘ ሰብኣ-ሰገልካብ ፍቕያኺ ክገላገልመርኣዪ ኣብ ዘየለ . . .ትርእይዮ መን ምዃኑ ከመይጨረታ ኣብ ዘይብሉ፡ትነብሪ ኣብ ዓለመይ። @Asmerom Haile – ኣስመሮም ሃይለ ሕዳር 2018
ከማይ’ዶ ትኾኑ?
ልቢ መሊእልኩም ዘይትሰኽኑባዕልኹም ንባዕልኹም ትኹንኑካብ ሕልሚ ናብ ሸቶ ከይኣኸሉሓሳባት ኣብቊልኩም ትነቕሉከማይ’ዶ ትኾኑ፧ ሰብ ዝብልዎ እሳት ዘንድደኩምሰብ ዝብልዎ ፍጡር ዘንብረኩምየእዛንኩም ውሽጥኹም ዘይሰምዓየዒንትኹም ብናብረአን ዘይነብዓከማይ’ዶ ትኾኑ? ንዘይትረዊ ህይወት እትደምዩምንባር ‘ናጸላእኩም ምሟት ዘይትደልዩከይብልኹም ገምቢ ትስልሙናይ ሎሚ ዘይሓዝኩም ንጽባሕ ትሓልሙከማይ’ዶ ትኾኑ? ምስ ጽሓይን ወርሕ እናነበርኩምተፈጥሮአን ጋሻ ዝኾነኩምኣድማስ ከይፈታሕኩም ምስጢሩንህይወት ጎሲኹም ብሞት ትብህርሩከማይ’ዶ ትኾኑ? ይመስለኩም’ዶኸ?ዋጋ ሰላም ኲናት፡ከማኻ ሰብ ምጽናትፍጡሩ እናጥፋእካናብContinue reading “ከማይ’ዶ ትኾኑ?”
ኢራብ
”ንቀራረብ ንቀራረብ ደገ ዘለዉ ኣሕዋትና’ዮም”ቀጢን ድምጺ ናይታ ፈቶሪኖ ድምጽ’ቲ እኩብ ዋጭዋጭታ ክፍንጽግ ኣይትሓዙኒ እናበለ የቃልሕ።ኣውቶቡስ ከተማ ኣስመራ፡ እተን እንኮ መንግስታዊ ዕማመን ብብቕዓት ኣብ ምስልሳል ዝርከባ ኣገልገልቲ ምዃነን ብጽቕጥቅጥ ህዝቢ ከመስክራ እዩ ዝብርሀን።”ማእከላይ ማዕጾ ንቀራረብ” ድምጽታ ፎተሪኖ ኣየዕረፈን።”ኣይይይ . . . ኣታ ረጊጽካኒ እምበር””ከይትርገጺ ተደሊኺ ብታኽሲ’ሞ ዘይትኸዲ””ንዓ በል ተሓንጎር”“ኣብ ቦርሳይ ክትኣቱ ደሊኻ?”ንጽበት ቦታ ብመልሓሶም ከቃልልዎ ከምዝደለዩContinue reading “ኢራብ”
ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና
ኣስመሮም ሃይለ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ከካይድ ከም ዘይክእል ድሕሪ ምእዋጂ፡መንግስቲ ዘቕረቦም መፍትሒ ኣመራጺታት ኣካታዕቲ ኮይኖም ኣለዉ።መንግስቲ ኢደይ ኣይሓወስክሉን ዝበሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣማራጺታት ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ጥራሕ ከም ዘተኮረ ተገሊጹ’ሎ።እዚኣቶም ድማ ቤት ምኽሪ ህዝብታት ኢትዮጵያ ወይ ፓርላማ ክብተን፡ ህጹጽ ኣዋጅ ክእወጅ፡ሕገ መንግስቲ ተመሓይሹ ክትርጎም ወይ ሕገ መንግስቲ ክቕየርContinue reading “ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና”
መጻኢ ቁጠባ ዓለም
ኣስመሮም ሃይለ ኣብ መጀመርታ እቲ ፌይስቡክ ኣብ ናይ ክሪፕቶ ንግዲ ብመንገዲ እቲ ተቖጻጻሪ ዘይብሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ሊብራ ዝተባህለ ባጤራ ከም ዝኣቱ ዝኣወጀሉ ግዚያት፡ግብረመልሲ ሰብ ሞያ ሕግን ፕለቲከኛታትን ከምቲ ኩሉ ዝተጸበዮ እዩ ኔሩ።ሊብራ ቀልጢፉ ኣብ ጸገም ኣትዩ፡፡እዚ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ዓርሞሸሽ ኩባንያ ኣብ ፋይናንሳዊ ወጻኢታትን ኣሳልጦ ስራሕን ዝሕግዝኦ ካብኡ ምስ ዘይሰንፋ ኲባንያታት ዝገበሮ ናይ ውዕልContinue reading “መጻኢ ቁጠባ ዓለም”
ካሽ ኣልቦ ሕብረተሰብ
ኣብ ብ ካሽ ሕሳብ ምኽፋል ዘመኑ ዝሓለፎን ዘይተመራጽን ይኸውን ኣሎ።ኣብ ሓጺር እዋን ጥረ ገንዘብ ነበረ’ያ ነበረ ይኸውን’ዶ?ኣብ ዙርያ ዓለም ፋይናንሳውያን ማዕከናት፡ባንክታትን ዓበይቲ ኩባንያታትን ካብ ካሽ ከናግፋና ሒኽ ይብላ ኣለዋ።ኣብዚ ግን መን እዩ እቲ ተረባሒ?መንዩ’ኸ ዝያዳ ዝኸስር?ካብዚ ቀጺሉ ኣብ ዝስዕብ ተኸታታሊ ክፋላት ምስቲ ሓድሽ ጉዕዞ ዓለምን ኣንፈቱን ከነላልየኩም ክንፍትን ኢና።ኣብ ስዊዲን ኣብ ዕዳጋታት፡መዐሸኪ መካይን ምቑራጽ ትኬትContinue reading “ካሽ ኣልቦ ሕብረተሰብ”
ዉርሻ ወይ ቅርሲ(Heritage)
ዉርሻ ወይ ከኣ ቅርሲ ንብሎ ብዙሕ መግለጽ እካ እንተ ሃለዎ ዝበዘሐ እዋን ግን ከምዚ እዩ ዝግለጽ, ባዕልና ወይ በቶም ቀዳሞት ወለዶታት ክብሪ ዝተዋህቦ እዩ። ሳሕቲ ቅርሲ ትማሊ ዝተሰርሐ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ። “Heritage is the past made”. ዉርሻ ከም ስሙ ካብ ቀዳሞት ዎሎዶታት ዝወረስናዮ፡ መሬት፡ሓወልቲ፡ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ከምኡ ውን ነቶም ብዓይንና ዘይረኣዩ ብኢድና ዘይ ንድህስሶ intangibleContinue reading “ዉርሻ ወይ ቅርሲ(Heritage)”
ንእስነት!
ብጽባሕ ትሓልም ግዲ ኮይንካ ዓዋን ንዓይ ተዕልለሉ ሓሊፉ’ዩ እዋን ኣጋይሽ ናይ ህይወት እንከሳሲ ትፈልጠኒ ዲኻ?ሓተት እዛ ነብሲ እታ ዋንኣ ኣጥፊኣ ዝባደወት እምንቲ ንጉሳ ስኢና ትሳቐ ንግስቲ ተቐዪማ ርእየ ብኣነ ቅሒራ ዋና ኣልቦ ኮይና ኣብ ጽምዋ ሰፊራ ዝዘቕበበ ንብዓት እናተቓለስኩ ከይፍርሻሕ ኑዛዜ ጀመርኩ ዕላል ኣደራጓሕ ጽባሕኪ ከምእዝ እናሓለንኩ ምእንታኺ ክብል እንታይ’ከ ዘይኮንኩ ንዓኺ ክሓሊ ክደሊ ምዕራፈይContinue reading “ንእስነት!”
