ኣብ ህይወትኪ ክንደይ እዋናት ናብ ሰማያት ኣንቃዕሪርኪ ንወርሒ፡ከዋኽብቲ፡ደመናታት፡ቀስተ ደመናን ኣስተማቒርኪን ብምስጢረ ሰማያት ተገሪምክን ትኾኒ?ኣብ በይንኺ ኣይኮነን፡፡ወዲ ሰብ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ንዘመናት ናብ ላዕሊ እናንቃዕረረ ምስጢረ ሰማያት፡ ህይወት፡ ኣማልኽትን ኣድማስን ክፈልጥ ሃሪሩ እዩ።ድሕርቲ ንሶቕራጠስ ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ወግዒ ንሎሚ ምስ ሓደ ነዚ ምስጢረ ሰማያት ዝፈትሐ፡ቦታና ኣብ ኣድማስ ዘፍለጠን ወዲ ሰብ ንጉስ ምድሪ ጥራይ ዘይኮነ ዳህሳሲ ሰማያት እውንContinue reading “ኮፐርኒክስ፡ ምድሪ ኣብ ቦትኣ የላን!”
Author Archives: DYNAMIC ART PRODUCTIONS
ጅዋን በደል ቦካሳ
ኣብዛ ዓለም ዘይተሰምዐ እምበር ዘይተገብረ የለን ዝብል ምስላ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ደጋጊምና ኢልናዮን ሰሚዕናዮን ንኸውን።እንተኾነ ገለ ዛንታታት ንየዒንቲ እቶም ዝነበረዎም ሰባት ምእማኖም ዘሸግሩ፡ንሰማዕቶም ዘደንጽዉን ዘስደሙሙን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡የእምሮ ወዲ ሰብ ክቐርጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ትሕዝቶ ይህልዎም።ሎሚ እውን ምስ ኣፍሪቃን መራሕታን ንገብሮ ወግዒ ክቕጽል እዩ።ናይ ሎሚ ዕላልና ግን ናብ ካብ ጭካነ ኩሉ ዝበኣሰ ጭካነ፡ካብ ብድዐ ኩሉContinue reading “ጅዋን በደል ቦካሳ”
ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም።
ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሞንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ኣብ እየሩሳሌም ብዝተወለዐ ጎንጺ ብዙሓት መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም።ተቓወምቲ ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ከለዉ ፖሊስ ድማ መንብዒ ጋዛት፣ ናይ ጎማ ጠያይትን ኣድማ መበተኒ ማይን ተጠቒሞም።ሰብ ሞያ ሕክምና ፍልስጤም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 90 ፍልስጤማውያን ከምዝቖሰሉ ገሊጾም፤ ፖሊስ እስራኤል ብወገኑ ሓደ ኣባሉ ከምዝቖሰለ ኣፍሊጡ። ፍልስጤማውያን ካብቲ ኣይሁዳውያን ዝነብሩሉን ናትና ዝብልዎን መሬትContinue reading “ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም።”
ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም
ዕጡቓት ናይጀርያ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ ተፍትሽ፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም።እቶም ዕጡቓት ናይ ፖሊስ መኪና’ውን ኣቃጺሎም ተባሂሉ። ፖሊስ ብዝወሰዶ ዓጸፋ ምላሽ፡ ክልተ ኣባላት እቶም ዕጡቃት ዝቐተለ ኾይኑ፤ ዝተረፉ ከምዘምለጡ ተገሊጹ።ነቶም ዝተረፉ ንምሓዝ ድማ፡ ሓያል ድልያ ይካየድ ኣሎ።እቶም ዕጡቃት ነቲ መጥቃዕቲ ስለምንታይ ከምዝፈጸሙ ምኽንያቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ከባቢContinue reading “ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም”
“ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ’’ ተጸዋዒ ስደተኛታት
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ገሊጹ። እቲ ትካል ብ8 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ በዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፣ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ብምምዝባሎም፣ ነቲContinue reading ““ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ’’ ተጸዋዒ ስደተኛታት”
ሰራዊት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘራኸብ ድልድል ከምዘዕነዎ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ንማእከላይ ትግራይ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ድልድል ምፍራሱ ይግለጽ ኣሎ። ወተሃደራት፡ ነቲ ከባቢ ምሉእ ብሙሉእ ተቖጻጺራዎ ከምዘሎ ዝገለጸት ፔትሮን፡ እቲ ዝፈረሰ ድልድል፡ ንናይ ክልል ትግራይ ከተማ ራማ ምስ ከተማ ዓዲ-ዃላ ናይ ኤርትራ ዘራኽብ ምዃኑ ትገልጽ። ወተሃደራት ኤርትራ ንዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሩ፡ ብፍላይ ከባቢ ራማ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደርኡ ከምዝርከብ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ምኽንያት መዕነዊ እቲContinue reading “ሰራዊት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘራኸብ ድልድል ከምዘዕነዎ ይግለጽ ኣሎ።”
ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ኣትዮም።
ሎሚ ሰምበት፡ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝኣተዉ ዝገለጸ፡ ናይ ኢጣልያ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣብሳ፡ ሓንቲ ጃልባ 400 ቆሎዑን ኣንስትን ዝርከብዎም ስደተግኛታት ሒዛ ከም ዝመጸት ገሊጹ።ካልኦት ጀላቡ ውን ኣብ ከባቢ ማልታ ኪመጻ ምስ ተራእያ፡ ናይ ድሕነት ጉጅለታት ከይዶም ከም ረዲኤት ከምዝገበሩለን ተፈሊጡ። ላምፔዱሳ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተእንግድ ደሴታት’ያ። ኣምሓዳሪ ‘ታ ደሴት ቶቶContinue reading “ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ኣትዮም።”
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።ካብዚ እቲ 40ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ናብተን ኣብ ትግራይ ዝነጥፋ ዘለዋ ትካላት ግብረ ሰናይ ከም ዘብል ተገሊጹ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ህይወትን መነባብሮን ኢትዮጳውያን ብድርቂ ክዓኑ፡ህጻናት ድማ ብጥሜት ክሳቐዩ ንርኢ ኣለና” ዝበለ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡”ኲናት ትግራይ ሽድሽተ ወርሑ ኣቚጹሩ፡ሲቪላውያን ነቲContinue reading “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መዓላታት ዝውዕል 65ሚልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።”
ህንዲ፡ንራክሻ (ባጃጅ) ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ጀሚራ።
ኣብ ህንዲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ለብዒ ኮሮና ቫይረስን ንሱ ዘኸተሎ ሕጽረት ኣንቡላንሳትን ተኸቲሉ፡እታ ሃገር ንዘጋጠማ ሕጽረት ንምምካት ራክሻታት ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ከም ዝጀመረት ሮይተርስ ሓቢሩ። ምስቲ ዘጋጠመ ልዑል ናህሪ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ስድራቤታት ህንዲ ብሕጽረት ኣንቡላንስ ክሳቐያን ናብ ሆስፒታል መኸዲ ክስእናን ዝጸንሓ ኮይነን፡ከም ኣማራጺ ዝወሰድኦ ብናይ ግሊ ኣንቡላንሳት ምጥቃም ልዕሊContinue reading “ህንዲ፡ንራክሻ (ባጃጅ) ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ጀሚራ።”
ኢትዮ ቴሎኮም ሞባይል ባንክ ኣተኣታትዩ
ብ መንግስቲ ዝውነን ትካል ቴለኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ (ኢትዮ ቴሌኮም)ካብ ዝቕጽል ሰሙን ኣትሒዙ ብሞባይል ገንዘብ ከተሰጋግረሉ እትኽእል ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።ኢትዮጵያ ናይ ቴለኮሚኒኬሽን ኣገልግሎታ ናብ ብሕታዊ ጽላት ከተሰጋግር ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ኢትዮ ቴለብር ተሰምዩ ዘሎ መደብ ምስግጋር ናይ ካሽ ገንዘብን ምፍጻም ክፍሊታትን ብመንገዲ ሞባይል ቴለፎን ክፍጸመሉ ዝኽእል ኣገልግሎት ምዃኑ ይሕበር።
