ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንዝሰዓበ ቅልውላው ንምህዳእ ብዝብል ኣሜሪካ ምኩር ዲፕሎማስኛኣ ልኢኻ ትርከብ።ነዚ ልኡኽ ዝመርሐ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምዝርራብ ኣሸጋሪ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ፡ከምዚ መበሊኡ ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦ ድማ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብናቱ ሕጊ ጥራይ ዝኸይድ፡ካልኦት ዝብልዎ ዘይሰምዕ ኣሸጋሪ ሰብ ምዃኑ እዩ ኔሩ።እንተኾነ ኣምባሳደር ፈልትማን ትማሊ ምስ ኢሳያስContinue reading “ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ ን 4ተ ሰዓታት ተዘራሪቦም”
Author Archives: DYNAMIC ART PRODUCTIONS
ወተሃደራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከቢድ ውግእ ኣካይዶም
7 ግንቦት 2021 ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ከቢድ ውግእ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሱዳን ን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ህውሓትን ድጋፍ ትገብር እያ ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ንዝቐረበላ ክሲ መልሲ ሂባ ኣላ።ሎሚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሱዳን ካብ ዝጸንሐ መሬት ክሳብ 17 ክ.ሜContinue reading “ወተሃደራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከቢድ ውግእ ኣካይዶም”
ሓንቲ ነብሰጾር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ።
ተወላዲት ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ቅድሚ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለመደ ኩነታት ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ከምዝተገላገለት ተሓቢሩ።ትማሊ ሰሉስ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል 25 ዓመት ሓሊማ ሲሴ ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ብሰላም ተገላጊላ’ላ።እታ ዜጋ ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ነቶም ቆልዑ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ዘይኮነስ ብመጥባሕቲ ተሓጊዛ ከምዝወለደቶምContinue reading “ሓንቲ ነብሰጾር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ።”
ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን 27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ ተፋቲሖም።
ናይ ዓለምና ሃብታም ቢል ጌይትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ጌትስን ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ድሕሪ ሕጂ ከም መጻምድቲ ኮይንና ብሓባር ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል ከምዝተፋትሑ ገሊጾም።ቢል ጌትስን መሊንዳ ጌትስን ኣብቲ ንምፍትሖም ዝገልጽ ብሓባር ኣብ ትዊተር ዝጸሓፍዎ “ብዛዕባ ሓዳርና ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ክንፋታሕ ናብ ውሳነ በጺሕና” ኢሎም።ንሶም፡ ኣብ 1980ታት፡ መሊንዳ ኣብቲ ብቢል ገይት ዝተመስረተContinue reading “ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን 27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ ተፋቲሖም።”
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ምዝርራቡ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ብዛዕባ ምድልዳል ነዊሕ ዝጸንሐ ሽርክነት ክልቲአን ሃገራት ተዘራሪቦም።ብመሰረት ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ ሓበረታ፡ ፕረዚደንት ባይደን ብምኽንያት ዝመጽእ ዘሎ መበል 50 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኢማራት ዓረብ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጠፈር: ክሊማ: ምክልኻልን ጸጥታን ዘለወን ምትሕብባር ኣንጸባሪቑ’ሎ።ከምኡውንContinue reading “ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ምዝርራቡ ተገሊጹ።”
ኦነግ፡ መንግስቲ፡ ንዝኾነ ይኹን ውድብ፡ ‘ግብረ ሽበራዊ’ ክብል፡ ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ኦነግ፡ ብመንግስታዊ ቤት-ምኽሪ ኢትዮጵያ፡ ንክልተ ሓይልታት እታ ሃገር ግብረ ሽበራውያን ዝገብር እማመ፡ ሰላማዊ ምንቅስቓሳት ንምግታእን ፖለቲካዊ ውድድር ንኸይህሉ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሓስበ ቶንኮል’ዩ፡ ክብል ነጺግዎ።ወላ’ኳ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት እንሃለወት፡ ኣሜርካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራዊ ዝርርብ ክካየድ ኣብ ዝመኽርሉ ዘለዉ ግዜ፡ ከምዚ ዓይነት እማመ ምውጽኡ፡ ናብ ዝኸፍአ ወጥሪ ዘእቱ’ዩ፡ ይብል ኦነግ።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ስልጣኑContinue reading “ኦነግ፡ መንግስቲ፡ ንዝኾነ ይኹን ውድብ፡ ‘ግብረ ሽበራዊ’ ክብል፡ ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ።”
@ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ቆልዑ ሕጽረት መግቢ የጥቅዖም ከምዘሎ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ኣጠንቂቑ
ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ግዳይ ናይቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ከምዝኾነ፡ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም (MSF) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ሓቢሩ።እቲ ኣብቲ ክልል ብምእታው ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዘሎ ትካል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ።ኣባላቱ ናብ ገለ ቁሸታት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ትካላት ጥዕና ፈሪሶምን ተዘሚቶምንContinue reading “@ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ቆልዑ ሕጽረት መግቢ የጥቅዖም ከምዘሎ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ኣጠንቂቑ”
@ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ‘ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ’ ኢትዮጵያ ጸዊዓ።
ሱዳን፡ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝግበር ዘተታት “ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ” ኢትዮጵያ ጸዊዓ።ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ በቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምዝዛሙ ቅሩብ ዝተረፎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ግዜ ንኽትመልእ ዘውጽኣቶ ውጥን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይከኣላ ኣብ ምትህልላኽ እየን ዘለዋ።እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ፡ ኣብቲ ናብ ፈለግ ኒል ዝኣቱ መስመር ስለዝተሃንጸ፡ ሱዳንን ግብጽን ቀንዲContinue reading “@ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ‘ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ’ ኢትዮጵያ ጸዊዓ።”
@ኮሮናቫይረስ:
ኣብ ኤርትራ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም። ኣብ ኤርትራ ክልተ ዜጋታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ዞባታት ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ምዃኖም፡ እቲ ሰኑይ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ።ካልኦት 2 ክልከፉ እንከለዉ፡ 4 ድማ ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ኣለዉ።ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ 3673 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፡Continue reading “@ኮሮናቫይረስ:”
ቶማስ ሳንካራ
ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ! ብ ተስፉ ሃይለማርያም ንኣፍሪቃ ልዕሊ ባህርያዊ ሃብታ፡ ሃብቲ ክኾና ዝክእል ዝነበረ፣ብስነ ሓሳቡ ከይሰጎመ ዝተቖጽየ ኣገልጋሊ እቲ ድኻ ዘይሓለፈሉ ህዝቢ።ኣገልጊሉ ከይደኸመ ዝተኾልፈ ፣ገዛእቲ ኣባሪሩ ክብሩ ዝዓቀበ።ነቲ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሳጸየ ብናጽነት ተሸፊኑ ዝመጽእ ዳግማዊ መግዛእቲ ኣበደን! እምቢ ን ረድኤት ኢሉ! ነጻ ምሳሕ ከምዘየለ ተረዲኡ ግብጃ ምሳሕ ጎሓላሉ ተጸይኑ ብጥሙይ ከብዱ ብብሩህ ልቦንኡ ንህዝቡ ስራሕ ዘውፈረ።እቲ እንኮ ኣብ ውሽጢ ጸልማትContinue reading “ቶማስ ሳንካራ”
