መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ኲናት ዘስዕብ ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ዓጸቦ ፡ ኒክ ዳየር፡ ኣብቲ ብኲናት ዕንወት ዝወርዶ ዘሎ ክልል፡ ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ ነቲ ግምገማ ኣካዪዱ።ብመሰረት ሚስተር ዳየር ዘቕረቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል ጸብጻባት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ተጻብኦታት ይቕጽል ምህላው እውን ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊContinue reading “ኣብ ትግራይ ‘ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ’ ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ብርጣንያ፡ ኣጠንቂቓ።”
Author Archives: DYNAMIC ART PRODUCTIONS
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብስልጣን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ “ዘይርትዓዊ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ዘንበረቶ ናይ ቪዛ እገዳ “ሕጋውነትን፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ። ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኮነ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሳባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከምእትገብር ኣመሪካ ብሰንበት 23 ግንቦት ገሊጻ ነይራ። ሚኒስትሪContinue reading “ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብስልጣን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ “ዘይርትዓዊ’ዩ” ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።”
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንኽወጹ ዝጽውዕ ደብዳቤ ልኢኹ
ዋና ኢታማጆር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽወጽእ ዝሓትት ደብዳቤ፡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝለኣኸ፡ ብሉምበርግ ገሊጻ። ናይ’ቲ ጀነራል ፊርማ ዘለዎ ደብዳቤ፡ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት፡ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ጀነራል ፊሊጶስ ወለደዮሃንስ ከም ዝተላእኸ አታ ማዕከን ዜና ትገልጽ።እዚ ናይ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ደብዳቤ፡ ምስ ናይ ኣሜርካ ብይን እገዳ፡ ኣብ ልዕሊContinue reading “ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንኽወጹ ዝጽውዕ ደብዳቤ ልኢኹ”
ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ዝሃቦ መግለጺ ኣካታዒ ኮይኑ
ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ “ናይ ኣሜርካ እገዳ ግዲ ኣይገብረሉን’የ።” ኢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘኸተሎ ጥሕሰት መሰል ደቂ-ሰብን ምፍንቓልን፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ዘይምውጻእ ተወሲኽዎ፡ ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን እግዳ ምጽዳቓ ይፍለጥ፡ ነዚ ተከቲሉ ኣዛራቢ ዝኾነ መግለጺ ምውጻእ ይቕጽል ኣሎ። ዓመታዊ ሓደ ቢልየን ዶላር፡ ካብ ኣሜርካ ዝቕበል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚContinue reading “ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ዝሃቦ መግለጺ ኣካታዒ ኮይኑ”
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን፣ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ፊልም HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ኮይና
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን ኣብ መርበብ ተለቪዥን HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ጽሑፋት ድራማ ክትከውን በቒዓ::
ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ምርጫ ከምዘይግበር ገሊጹ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ከምዘካይዶ ዝገለጾ ምርጫ፡ ምርጫ ዘብይካየደሎም ከባቢታት ይበዝሑ’ለዉ። ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዘይካየድ ውሁብ ተወሲዱ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ናይ’ታ ሃገር ፖለቲከኛታት ኣብ ክልል ኦሮሞ፡ ንሓደ ፓርቲ ጥራይ ዘወዳድር ምርጫ ከመይ’ሉ ምርጫ ይበሃል ክብሉ ተሰሚዖም’ዮም። ትማሊ፡ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት አታ ሃገር ምርጫ ከምዘይካየድ’ዩContinue reading “ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ምርጫ ከምዘይግበር ገሊጹ”
ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር ዝተዛረቦ ምስጢር
ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር፣”ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ሽግር ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ተዛሪቦም ኣይፈልጡን’ዮም።” ኢሉ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብዝደልይዎ ዝነበሩ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ተሸፊኖም፡ ንህወሓት ብኸመይ ነጥፍእ’ምበር ንምዕባለ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ሓሲቦም ኣይፈላጡን’ዮም። ዝበለ ኣምበሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ።ኣብ’ዚ ጉዳይ ሰበ ስልጣን ኣምሓራ ክልልን ፕረዚደንት ሶማል,፡ ፎርማጆ ክሳብContinue reading “ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር ዝተዛረቦ ምስጢር”
ሓደ ጋዜጠኛ ንምሓዝ: ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ
ካብ ግሪክ ናብ ሉቱወኒያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ ቤላሩስ ዓሊባ ንሰዓታት ኣብኡ ክትጸንሕ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።እታ ነፋሪት ትዓርፈሉ ቦታ ክቕይር ዝተገበረ ካብ ሞንጎ ተጓዓዝቲ ሓደ ንዝነበረ ጋዜጠኛ ንምሓዝ ምዃኑ ተጣበቕቲ መሰላት ሓቢሮም።በቲ ተግባር ዝተቖጥዓ ሃገራት ኣውሮጳ፡ “ብመንግስቲ ዝተደገፈ ሽበራ” ተፈጽም ኣላ ብዝብል ንቤላሩስ ኮኒነንኣ። ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ክህሉ ከምዝኽእል’ኳ ስግኣት እንተነበረ ዋላ ሓደ ዝተረኸበ ነገርContinue reading “ሓደ ጋዜጠኛ ንምሓዝ: ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ”
24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።
24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።
ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎምሉ ዘለዉ እዋን እትኽበር ዘላ 24 ግንቦት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና ንኩሉ ትሓቁፍ ዕለት’ያ።
ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኢድ ክህልዎም ይክእል’ዩ ዝተባህሉ ሓለፍቲ ጸጥታን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራን ህወሓትን’ውን በዚ ናይ ቪዛ እገዳ ተጸልዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።እቲ ምምሕዳር፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ መገሻ እገዳ ዘተግበረ፣ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ብ20 ግንቦት ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሰራዊትContinue reading “ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ”
