ታተ!

ነገርክዎ ተስፋይ
የእተኽዎ ኣብ ሕልመይ
ኣንበርኩሉ እምነት
ክኸውን ምርኩሰይ

ኣብ መቓብረይ ክሰርሕ ግዝኣቱ
ብውድቀተይ ክጽንብል ዓወቱ
ልዕሊ ሬሳይ ክኸውን ዝፋኑ
ኣንበብክዎ ክፋእ ምሕላኑ
መዘንክዎ ዕንቅፋት ምዃኑ

ጉድጓደይ ፍሒሩ ኣወጀለይ ቀብሪ
ንመቓብረይ ዝኸውን ለኣኸኒ ፍዮሪ
ምእንታይ ኣልቀሰ ብዘሕዘንዝን ቃና
ንኣነ ዘኪርና ክልቴና ነባዕና

ንብዓተይ ሓቢሰ የዒንተይ ብምንቋሕ
ክምህሮ ወሰንኩ ከርእዮ ንጽባሕ
ኣብ ሂወት ከም ህጻን እግሪ ተኽሊ
ደልዲልካ ክትረግጽ ምውዳቕ ከም ዘድሊ።

@Asmerom Haile
Sep 2019

Leave a comment

Design a site like this with WordPress.com
Get started