ናይ ዓለምና ሃብታም ቢል ጌይትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ጌትስን ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ድሕሪ ሕጂ ከም መጻምድቲ ኮይንና ብሓባር ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል ከምዝተፋትሑ ገሊጾም።ቢል ጌትስን መሊንዳ ጌትስን ኣብቲ ንምፍትሖም ዝገልጽ ብሓባር ኣብ ትዊተር ዝጸሓፍዎ “ብዛዕባ ሓዳርና ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ክንፋታሕ ናብ ውሳነ በጺሕና” ኢሎም።ንሶም፡ ኣብ 1980ታት፡ መሊንዳ ኣብቲ ብቢል ገይት ዝተመስረተContinue reading “ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን 27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ ተፋቲሖም።”
Category Archives: Articls
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ምዝርራቡ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ብዛዕባ ምድልዳል ነዊሕ ዝጸንሐ ሽርክነት ክልቲአን ሃገራት ተዘራሪቦም።ብመሰረት ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ ሓበረታ፡ ፕረዚደንት ባይደን ብምኽንያት ዝመጽእ ዘሎ መበል 50 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኢማራት ዓረብ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጠፈር: ክሊማ: ምክልኻልን ጸጥታን ዘለወን ምትሕብባር ኣንጸባሪቑ’ሎ።ከምኡውንContinue reading “ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ምዝርራቡ ተገሊጹ።”
ኦነግ፡ መንግስቲ፡ ንዝኾነ ይኹን ውድብ፡ ‘ግብረ ሽበራዊ’ ክብል፡ ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ኦነግ፡ ብመንግስታዊ ቤት-ምኽሪ ኢትዮጵያ፡ ንክልተ ሓይልታት እታ ሃገር ግብረ ሽበራውያን ዝገብር እማመ፡ ሰላማዊ ምንቅስቓሳት ንምግታእን ፖለቲካዊ ውድድር ንኸይህሉ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሓስበ ቶንኮል’ዩ፡ ክብል ነጺግዎ።ወላ’ኳ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት እንሃለወት፡ ኣሜርካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራዊ ዝርርብ ክካየድ ኣብ ዝመኽርሉ ዘለዉ ግዜ፡ ከምዚ ዓይነት እማመ ምውጽኡ፡ ናብ ዝኸፍአ ወጥሪ ዘእቱ’ዩ፡ ይብል ኦነግ።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ስልጣኑContinue reading “ኦነግ፡ መንግስቲ፡ ንዝኾነ ይኹን ውድብ፡ ‘ግብረ ሽበራዊ’ ክብል፡ ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ።”
@ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ቆልዑ ሕጽረት መግቢ የጥቅዖም ከምዘሎ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ኣጠንቂቑ
ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ግዳይ ናይቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ከምዝኾነ፡ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም (MSF) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ሓቢሩ።እቲ ኣብቲ ክልል ብምእታው ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዘሎ ትካል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ።ኣባላቱ ናብ ገለ ቁሸታት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ትካላት ጥዕና ፈሪሶምን ተዘሚቶምንContinue reading “@ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ቆልዑ ሕጽረት መግቢ የጥቅዖም ከምዘሎ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ኣጠንቂቑ”
@ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ‘ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ’ ኢትዮጵያ ጸዊዓ።
ሱዳን፡ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝግበር ዘተታት “ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ” ኢትዮጵያ ጸዊዓ።ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ በቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምዝዛሙ ቅሩብ ዝተረፎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ግዜ ንኽትመልእ ዘውጽኣቶ ውጥን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይከኣላ ኣብ ምትህልላኽ እየን ዘለዋ።እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ፡ ኣብቲ ናብ ፈለግ ኒል ዝኣቱ መስመር ስለዝተሃንጸ፡ ሱዳንን ግብጽን ቀንዲContinue reading “@ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ‘ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ’ ኢትዮጵያ ጸዊዓ።”
ቶማስ ሳንካራ
ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ! ብ ተስፉ ሃይለማርያም ንኣፍሪቃ ልዕሊ ባህርያዊ ሃብታ፡ ሃብቲ ክኾና ዝክእል ዝነበረ፣ብስነ ሓሳቡ ከይሰጎመ ዝተቖጽየ ኣገልጋሊ እቲ ድኻ ዘይሓለፈሉ ህዝቢ።ኣገልጊሉ ከይደኸመ ዝተኾልፈ ፣ገዛእቲ ኣባሪሩ ክብሩ ዝዓቀበ።ነቲ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሳጸየ ብናጽነት ተሸፊኑ ዝመጽእ ዳግማዊ መግዛእቲ ኣበደን! እምቢ ን ረድኤት ኢሉ! ነጻ ምሳሕ ከምዘየለ ተረዲኡ ግብጃ ምሳሕ ጎሓላሉ ተጸይኑ ብጥሙይ ከብዱ ብብሩህ ልቦንኡ ንህዝቡ ስራሕ ዘውፈረ።እቲ እንኮ ኣብ ውሽጢ ጸልማትContinue reading “ቶማስ ሳንካራ”
ሶቕራጥስ
ኣቦ ምዕራባዊ ፍልስፍና ተኪአ በየነ ኣብ ዝተርጎማ ሶፊያ እትብል መጽሓፍ ምስ ክርስቶስ የመሳስሎ እዩ።ኣብ ዘመኑ ከም ዘይፈልጥ ብምፍላጡ ኣብ ኣቴንስ እቲ ኣብ ዓለም ዝለበመ ሰብ ዝብል ክብሪ ክረክብ በቒዑ።እዚ ብደጋዊ ትርኢቱ ከም ዘይምልኩዕ ዝቑጸር፡ተርባብ፡ገዚፍ ርእሱ፡ጠዋይ ኣፍንጭኡ፡ሓጺር፡ በራሕ ጥራይ እግሩ ኣብ ኣደባባያት ኣቴንስ እናዘረ ምክታዕ ዝብርሆ ዝነበረ ሰብ መን ይኸውን ትብሉ?ብርግጽ ንሎሚ ምስቲ መስራቲ ምዕራባዊ ፍልስፍናንContinue reading “ሶቕራጥስ”
ገንዘብ
PT Barnum “እቲ ዝበለጸ ኣገልጋሊ፡ግን ክኣ ዝኸፍአ ጎይታ” ክብል ይገልጾ። መጽሓፍ ቅዱስ ብወገኑ “ሱር ኩሉ ክፍኣት” ይብሎ።እዚ ንገንዘብ ዝተዋህበ ምስሌታት እዩ።ኣብ መዓልታዊ ናብራናን ህይወትናን ገንዘብ ክንምእርር ግድን እዩ፡እሞኸ ድኣ ድልያ ገንዘብ ጉዕዞ ናብ ዋንነት ሱር ኩሉ ክፍኣት ማለት ድዩ? ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ሕጉስን፡ ጥጡሕን ሂወት ብመንገዲ ገንዘብ ኢና እንደልዮም።ምናልባት ግን ገንዘብ ካብቲ ክህበና ዝኽእል ሓጎስን:ሩፍታንContinue reading “ገንዘብ”
እንተሎ ፈጣሪ . . .
ኣንቲ ኮኾብ መልኣኽ ፍቕሪደስ ክብለንስ ዓይንኺ ንቖሪኣምላኽ ‘ተሎስ እዝንኺ ይለኮታየእጋርኪ ይሓምሽሸ ኣይሰከመን ባይታ ክልቴና ንዓርፍ . . .ንስኺ ‘ናፍቀርኪ ናብራ ንምስናፍቁልሕሊሕ ካብ ትብሊ ዝሓሸ ንምምራጽይሕሸና ዓይነ ብርክኺ ምቕባጽ ኣነ ድማኮኾብ ሒዘ ሰብኣ-ሰገልካብ ፍቕያኺ ክገላገልመርኣዪ ኣብ ዘየለ . . .ትርእይዮ መን ምዃኑ ከመይጨረታ ኣብ ዘይብሉ፡ትነብሪ ኣብ ዓለመይ። @Asmerom Haile – ኣስመሮም ሃይለ ሕዳር 2018
ከማይ’ዶ ትኾኑ?
ልቢ መሊእልኩም ዘይትሰኽኑባዕልኹም ንባዕልኹም ትኹንኑካብ ሕልሚ ናብ ሸቶ ከይኣኸሉሓሳባት ኣብቊልኩም ትነቕሉከማይ’ዶ ትኾኑ፧ ሰብ ዝብልዎ እሳት ዘንድደኩምሰብ ዝብልዎ ፍጡር ዘንብረኩምየእዛንኩም ውሽጥኹም ዘይሰምዓየዒንትኹም ብናብረአን ዘይነብዓከማይ’ዶ ትኾኑ? ንዘይትረዊ ህይወት እትደምዩምንባር ‘ናጸላእኩም ምሟት ዘይትደልዩከይብልኹም ገምቢ ትስልሙናይ ሎሚ ዘይሓዝኩም ንጽባሕ ትሓልሙከማይ’ዶ ትኾኑ? ምስ ጽሓይን ወርሕ እናነበርኩምተፈጥሮአን ጋሻ ዝኾነኩምኣድማስ ከይፈታሕኩም ምስጢሩንህይወት ጎሲኹም ብሞት ትብህርሩከማይ’ዶ ትኾኑ? ይመስለኩም’ዶኸ?ዋጋ ሰላም ኲናት፡ከማኻ ሰብ ምጽናትፍጡሩ እናጥፋእካናብContinue reading “ከማይ’ዶ ትኾኑ?”
