ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ምርጫ ከምዘይግበር ገሊጹ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ከምዘካይዶ ዝገለጾ ምርጫ፡ ምርጫ ዘብይካየደሎም ከባቢታት ይበዝሑ’ለዉ። ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዘይካየድ ውሁብ ተወሲዱ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ናይ’ታ ሃገር ፖለቲከኛታት ኣብ ክልል ኦሮሞ፡ ንሓደ ፓርቲ ጥራይ ዘወዳድር ምርጫ ከመይ’ሉ ምርጫ ይበሃል ክብሉ ተሰሚዖም’ዮም። ትማሊ፡ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት አታ ሃገር ምርጫ ከምዘይካየድ’ዩContinue reading “ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ምርጫ ከምዘይግበር ገሊጹ”

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር ዝተዛረቦ ምስጢር

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር፣”ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ሽግር ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ተዛሪቦም ኣይፈልጡን’ዮም።” ኢሉ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብዝደልይዎ ዝነበሩ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ተሸፊኖም፡ ንህወሓት ብኸመይ ነጥፍእ’ምበር ንምዕባለ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ሓሲቦም ኣይፈላጡን’ዮም። ዝበለ ኣምበሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ።ኣብ’ዚ ጉዳይ ሰበ ስልጣን ኣምሓራ ክልልን ፕረዚደንት ሶማል,፡ ፎርማጆ ክሳብContinue reading “ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር ዝተዛረቦ ምስጢር”

ሓደ ጋዜጠኛ ንምሓዝ: ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ

ካብ ግሪክ ናብ ሉቱወኒያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ ቤላሩስ ዓሊባ ንሰዓታት ኣብኡ ክትጸንሕ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።እታ ነፋሪት ትዓርፈሉ ቦታ ክቕይር ዝተገበረ ካብ ሞንጎ ተጓዓዝቲ ሓደ ንዝነበረ ጋዜጠኛ ንምሓዝ ምዃኑ ተጣበቕቲ መሰላት ሓቢሮም።በቲ ተግባር ዝተቖጥዓ ሃገራት ኣውሮጳ፡ “ብመንግስቲ ዝተደገፈ ሽበራ” ተፈጽም ኣላ ብዝብል ንቤላሩስ ኮኒነንኣ። ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ክህሉ ከምዝኽእል’ኳ ስግኣት እንተነበረ ዋላ ሓደ ዝተረኸበ ነገርContinue reading “ሓደ ጋዜጠኛ ንምሓዝ: ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ”

24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።

24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።
ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎምሉ ዘለዉ እዋን እትኽበር ዘላ 24 ግንቦት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና ንኩሉ ትሓቁፍ ዕለት’ያ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኢድ ክህልዎም ይክእል’ዩ ዝተባህሉ ሓለፍቲ ጸጥታን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራን ህወሓትን’ውን በዚ ናይ ቪዛ እገዳ ተጸልዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።እቲ ምምሕዳር፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ መገሻ እገዳ ዘተግበረ፣ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ብ20 ግንቦት ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሰራዊትContinue reading “ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ”

ኮፐርኒክስ፡ ምድሪ ኣብ ቦትኣ የላን!

ኣብ ህይወትኪ ክንደይ እዋናት ናብ ሰማያት ኣንቃዕሪርኪ ንወርሒ፡ከዋኽብቲ፡ደመናታት፡ቀስተ ደመናን ኣስተማቒርኪን ብምስጢረ ሰማያት ተገሪምክን ትኾኒ?ኣብ በይንኺ ኣይኮነን፡፡ወዲ ሰብ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ንዘመናት ናብ ላዕሊ እናንቃዕረረ ምስጢረ ሰማያት፡ ህይወት፡ ኣማልኽትን ኣድማስን ክፈልጥ ሃሪሩ እዩ።ድሕርቲ ንሶቕራጠስ ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ወግዒ ንሎሚ ምስ ሓደ ነዚ ምስጢረ ሰማያት ዝፈትሐ፡ቦታና ኣብ ኣድማስ ዘፍለጠን ወዲ ሰብ ንጉስ ምድሪ ጥራይ ዘይኮነ ዳህሳሲ ሰማያት እውንContinue reading “ኮፐርኒክስ፡ ምድሪ ኣብ ቦትኣ የላን!”

ጅዋን በደል ቦካሳ

ኣብዛ ዓለም ዘይተሰምዐ እምበር ዘይተገብረ የለን ዝብል ምስላ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ደጋጊምና ኢልናዮን ሰሚዕናዮን ንኸውን።እንተኾነ ገለ ዛንታታት ንየዒንቲ እቶም ዝነበረዎም ሰባት ምእማኖም ዘሸግሩ፡ንሰማዕቶም ዘደንጽዉን ዘስደሙሙን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡የእምሮ ወዲ ሰብ ክቐርጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ትሕዝቶ ይህልዎም።ሎሚ እውን ምስ ኣፍሪቃን መራሕታን ንገብሮ ወግዒ ክቕጽል እዩ።ናይ ሎሚ ዕላልና ግን ናብ ካብ ጭካነ ኩሉ ዝበኣሰ ጭካነ፡ካብ ብድዐ ኩሉContinue reading “ጅዋን በደል ቦካሳ”

“ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ’’ ተጸዋዒ ስደተኛታት

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ገሊጹ። እቲ ትካል ብ8 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ በዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፣ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ብምምዝባሎም፣ ነቲContinue reading ““ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ’’ ተጸዋዒ ስደተኛታት”

ወተሃደራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከቢድ ውግእ ኣካይዶም

7 ግንቦት 2021 ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ከቢድ ውግእ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሱዳን ን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ህውሓትን ድጋፍ ትገብር እያ ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ንዝቐረበላ ክሲ መልሲ ሂባ ኣላ።ሎሚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሱዳን ካብ ዝጸንሐ መሬት ክሳብ 17 ክ.ሜContinue reading “ወተሃደራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከቢድ ውግእ ኣካይዶም”

ሓንቲ ነብሰጾር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ።

ተወላዲት ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ቅድሚ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለመደ ኩነታት ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ከምዝተገላገለት ተሓቢሩ።ትማሊ ሰሉስ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል 25 ዓመት ሓሊማ ሲሴ ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ብሰላም ተገላጊላ’ላ።እታ ዜጋ ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ነቶም ቆልዑ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ዘይኮነስ ብመጥባሕቲ ተሓጊዛ ከምዝወለደቶምContinue reading “ሓንቲ ነብሰጾር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ።”

Design a site like this with WordPress.com
Get started