ህንዲ፡ንራክሻ (ባጃጅ) ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ጀሚራ።

ኣብ ህንዲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ለብዒ ኮሮና ቫይረስን ንሱ ዘኸተሎ ሕጽረት ኣንቡላንሳትን ተኸቲሉ፡እታ ሃገር ንዘጋጠማ ሕጽረት ንምምካት ራክሻታት ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ከም ዝጀመረት ሮይተርስ ሓቢሩ። ምስቲ ዘጋጠመ ልዑል ናህሪ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ስድራቤታት ህንዲ ብሕጽረት ኣንቡላንስ ክሳቐያን ናብ ሆስፒታል መኸዲ ክስእናን ዝጸንሓ ኮይነን፡ከም ኣማራጺ ዝወሰድኦ ብናይ ግሊ ኣንቡላንሳት ምጥቃም ልዕሊContinue reading “ህንዲ፡ንራክሻ (ባጃጅ) ከም ኣምቡላንስ ክትጥቀመለን ጀሚራ።”

ኢትዮ ቴሎኮም ሞባይል ባንክ ኣተኣታትዩ

ብ መንግስቲ ዝውነን ትካል ቴለኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ (ኢትዮ ቴሌኮም)ካብ ዝቕጽል ሰሙን ኣትሒዙ ብሞባይል ገንዘብ ከተሰጋግረሉ እትኽእል ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።ኢትዮጵያ ናይ ቴለኮሚኒኬሽን ኣገልግሎታ ናብ ብሕታዊ ጽላት ከተሰጋግር ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ኢትዮ ቴለብር ተሰምዩ ዘሎ መደብ ምስግጋር ናይ ካሽ ገንዘብን ምፍጻም ክፍሊታትን ብመንገዲ ሞባይል ቴለፎን ክፍጸመሉ ዝኽእል ኣገልግሎት ምዃኑ ይሕበር።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ ን 4ተ ሰዓታት ተዘራሪቦም

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንዝሰዓበ ቅልውላው ንምህዳእ ብዝብል ኣሜሪካ ምኩር ዲፕሎማስኛኣ ልኢኻ ትርከብ።ነዚ ልኡኽ ዝመርሐ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምዝርራብ ኣሸጋሪ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ፡ከምዚ መበሊኡ ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦ ድማ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብናቱ ሕጊ ጥራይ ዝኸይድ፡ካልኦት ዝብልዎ ዘይሰምዕ ኣሸጋሪ ሰብ ምዃኑ እዩ ኔሩ።እንተኾነ ኣምባሳደር ፈልትማን ትማሊ ምስ ኢሳያስContinue reading “ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ ን 4ተ ሰዓታት ተዘራሪቦም”

@ኮሮናቫይረስ:

ኣብ ኤርትራ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም። ኣብ ኤርትራ ክልተ ዜጋታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ዞባታት ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ምዃኖም፡ እቲ ሰኑይ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ።ካልኦት 2 ክልከፉ እንከለዉ፡ 4 ድማ ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ኣለዉ።ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ 3673 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፡Continue reading “@ኮሮናቫይረስ:”

Design a site like this with WordPress.com
Get started